ኢትዮጵያ ሓያሎ ዲፕሎማሰኛታት ሱዳን ክወጹ ኣዚዛ

ምንጪ ስእሊ, Abiy Ahmed Ali
ኢትዮጵያ ንሽዱሽተ ዲፕሎማሰኛታት ሱዳን ካብታ ሃገር ክወጹ ከምዝኣዘዘት ንሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኢትዮጵያ ጠቒሱ ሮይተርስ ጸብጺቡ።
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ኢትዮጵያ ኣብ ዶባዊት ከተማ ኣሶሳ ዝርከቡ ሽዱሽተ ሰራሕተኛታት ቆንስላ ሱዳን ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ክወጹ ኣዚዛ ምህላዋ እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኢትዮጵያ ሓቢሩ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣዲስ ኣበባን ካርቱምን ነንሕድሕደን ንተቓወምተንን ጸላእተንን ብምድጋፍ ኣብ ዝካሰሳሉ ዘለዋ እዋን እዩ።
ኢትዮጵያ ንዳዕመ ሰሪዕ ትድግፍ ከምዘላ ሱዳን ትኸስስ። ኢትዮጵያ ብወገና ሱዳን ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ትግራይ ንዝርከቡ ዕጡቓት ተቓወምታ ትድግፍ ኣላ ክትብል ትወቅስ።
ኢትዮጵያ ኣብ ፈለማ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝነበሩ ኩሎም ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓታት ካብታ ሃገር ክወጹ ድሕሪ ምእዛዛ፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ከምዝተበትከ ይፍለጥ።
መንግስቲ ሱዳን፡ 'ካብ መሬት ኢትዮጵያ ዝተበገሳ ድሮናት ኣብ ልዕሊ ስቪላዊ ትካላትን መደበራት ሓይሊ ኤሌክትሪክን መጥቃዕቲ ፈጺመን' ብዝብል ክሲ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃን ከሲሱ ነይሩ እዩ።
እዚ ሱዳን ዝወሰደቶ ዲፕሎማስያዊ ስጕምቲ፡ ካቢነ ምኒስተራት ሱዳን ብሰንበት 1 ሕዳር ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጸዓት ዝወረደ ደብዳባት ድሮን ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝለዓለ ጥርዚ ጥንቃቐ ድሕሪ ምእዋጁ እዩ።
እቲ ካቢነ፡ ንዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ መጥቃዕቲ ዝፍጽምሉ መወከሲ ነጥብታት ብምሃብ ዝተሓባበረ ዝዀነ ሰብ፡ ዝለዓለ ናይ መቕጻዕቲ ስጕምቲ ከም ዝውሰደሉ ኣጠንቂቑ።
ብመሰረት ጸብጻባት 'ሱዳን ትሪቡን'፡ ንሓደ ሰሙን ብቐጻሊ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕትታት፡ ኣብ ገዳርፍ፡ ሰናር፡ ኣልጀዚራ፡ ኣ'ኒል ኣልኣብየድ (ጻዕዳ ናይል)፡ ካርቱም፡ ደቡብ ኮርዶፋን፡ ሰሜናዊ ክፍለ-ሃገርን ፈለግ ናይልን ኣብ ዝርከባ ኣስታት 14 ናይ ኤሌክትሪክ መከፋፈሊ መደበራት ዓንየን እየን።
መንግስቲ ኢትዮጵያን ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕን ነዚ ብሱዳን ዝቐረበ ክሲ ዛጊት ዝሃብዎ ወግዓዊ ምላሽ የሎን።
ቅድሚ ሕጂ ግን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ትድግፍ ኣላ ወይ መሬታ ንመጥቃዕቲ ክጥቀምሉ ፈቒዳ ዝብል ክሲ ብተደጋጋሚ ዝነጸገቶ ኰይና፡ ንልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሱዳን ከም እተኽብር ኣፍሊጣ ነይራ።
ኣዲስ ኣበባ፡ ገለ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሱዳን ንዕጡቓት ህወሓት ደገፍ ይህቡ ነይሮም ብምባል ክትከስስ ጸኒሓ እያ።
ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ብሸነኾም፡ ኣብ ልዕሊ መሰረተ-ልምዓት ህዝቢ ዝወርድ መጥቃዕቲ ከም ዘየካይዱን መጥቃዕትታቶም ናብ ወተሃደራዊ ዒላማታት ሰራዊት ሱዳን ጥራይ ዘነጻጸረ ምዃኑን እዮም ዝገልጹ።
እዚ ምስሕሓብ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ግብጽን ሱዳንን፡ ጸጥታ ማይ ክልተአን ሃገራት ፈጺሙ ዘይነጻጸል ምዃኑ ብምርግጋጽ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለግ ናይል እትወስዶ ዘላ "በይናዊ ስጕምቲ" ብትሪ ከም ዝነጽጋኦ ምፍላጠን ይዝከር።
ምኒስተራት ጉዳያት ወጻእን ማይን ክልተአን ሃገራት ኣብ ካይሮ ኣብ ዘካየድዎ ሳልሳይ ዙር ሓባራዊ ዘተ፡ ኣብ ጉዳይ ማይ ናይል፡ ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ውሽጣዊ ኵነታት ሱዳንን ዘለወን ሓባራዊ መርገጺ ኣነጺረን።
ክልተኦም ወገናት ብ2 ሕዳር 2026 ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ብዘይ ሕጋዊ ስምምዕ ንበይና እተካይዶ ምሕደራ ግድብ፡ ንታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ጠንቂ ከቢድ ሻቕሎት ምዃኑ ገሊጾም። ኣዲስ ኣበባ ነዚ በይናዊ ኣካይዳኣ ገዲፋ ናብ ዘተን ምትሕብባርን ክትምለስ ጸዊዖም።
ነዚ ናይ ግብጽን ሱዳንን መግለጺ ብዝምልከት፡ ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ 'ኤክስ' ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "ግብጺ ኣብ ሓደ ዝኣረገ ኣካይዳ ተሸኺላ፡ ገና ነቲ ሓደ ዓይነት ደርፊ እያ ትደጋግሞ ዘላ፡" ብምባል ነቲ ክሲ ኣቃሊልዎ።
ኢትዮጵያ ነቲ ግብጽን ሱዳንን ዝምርኰሳሉ ውዕል 1959፡ "መግዛእታዊ ስምምዕ" ብምባል ከም ዘይትቕበሎ ከተፍልጥ ጸኒሓ እያ።
ብኣንጻሩ፡ እቲ ግድብ ንቝጠባዊ ዕብየታን ቀረብ መብራህትን ወሳኒ ምዃኑን ኣብ ታሕተዋይ ወገን ናይቲ ተፋሰስ ንዝርከባ ሃገራት ከም ዘይጐድእን ብተደጋጋሚ ተረድእ።




















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
