ኢትዮጵያዊ-ኣመሪካዊ፡ ሰራዊት ፈደራል ሓይልታት ትግራይ ንምጥቃዕ ዝሕግዞ ምስጢራዊ ሓበሬታ ኣመሓላሊፉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኢትዮጵያ ትውልዱ ኣመሪካዊ ዜጋ፡ ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ እታ ሃገር 2020 ንሰራዊት ትግራይ ዒላማ ብምግባርን ምቕታልን ክሕግዝ ዝተመርጸ ሓበሬታ ሓዊሱ ልዑል ምስጢራዊ ስለያ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዘመሓላለፈ ተኣሚኑ።
ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ተቐማጢ ሜሪላንድ ወዲ 53 ዓመት ኣብርሃም ተኽሉ ለማ፡ ኣብ መንጎ 2021ን 2023ን ምስጢራዊ ሓበሬታ ኣመሪካ ንሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምትሕልላፍ ስለያዊ ስርሓት የካይድ ከም ዝነበረ ኣሚኑ።
ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ጉዳያት ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ፡ ብሰሉስ 03 ሕዳር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ለማ ኣብ ኣመሪካ ከቢድ ክሕደት እምነት ፈፂሙ" ክብል ሓቢሩ።
እቲ ዓቃቢ ሕጊ ወሲኹ፡ ኣብርሃም ኣብ ክፍሊ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ ዝነበሮ ምስጢራዊ ቃል ተጠቒሙ፡ ልዑል ምስጢራዊ ሓበሬታ ሓዊሱ፡ ሓበሬታ ምክልኻል ሃገር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ዝተዓቀበሉ ማእከል ኣውፂኡ፡ ንሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሕሊፉ ከምዝሃበ ገሊጹ።
ኣብርሃም እቲ ካብ መንግስቲ ኣመሪካ ዝወሰዶ ምስጢራዊ ሓበሬታ፡ "ኣብ ክልላዊ ግጭት ዝተሳተፉ ዕጡቓት ጕጅለታት ንምድላይን ንምቕታልን ዝዓለመ ምዃኑ" ገሊጹ።
ኣብቲ እዋን፡ ካብ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም.ግ ጀሚሩ፡ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ኣስታት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ዝሃለቐሉ ኲናት ትግራይ የካይድ ምንባሩ ይዝከር።
ምክትል ዳይረክተር ክፍሊ ጸረ ስለያን ስለያዊ ገበናትን ኤፍ.ቢ.ኣይ ሮማን ሮዘቭስኪ፡ ኣብርሃም ለማ፡ "ሕገ መንግስቲ ኣመሪካ ንምሕላውን ንምኽባርን ቃለ መሓላ'ኳ እንተፈጸመ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ወኪሉ ስለያ ብምክያድ ሃገራዊ ክሕደት ፈፂሙ" ክትብል ምዝራባ መግለፂ ክፍሊ ፍትሒ ጠቒሱ።
ኣብርሃም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሃቦ ምስጢራዊ ሓበሬታ፡ ኣብ ኲናት ትግራይ [ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ] ከምዝተጠቕመሉ ተሓጋጋዚ ዳይረክተር ኤፍ.ቢ.ኣይ ገሊጹ።
"ለማ ብመሰረት ኑዛዜኡ፡ ምስጢራዊ ሓበሬታ ምክልኻል ሃገር ንሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣሕሊፉ ሂቡ፤ ነዚ ሓበሬታ እዚ ኣብቲ ዝካየድ ዝነበረ ግጭት ኣብ ወተሃደራዊ ስርሒታት ይጥቀሙሉ ነይሮም" ይብል።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዛጊድ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣብርሃም ለማ ዝቐረበ ክሲ ዝበሎ ነገር የለን።
ኣብርሃም ቅድሚ ምእሳሩ ኣብ ሓያሎ ትካላት መንግስቲ ኣመሪካ ከም ክኢላ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ።
ካብ ስርሑ ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለያ ኣመሪካ፡ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢን ክፍሊ ፍትሕን ይርከብዎም።
ብመሰረት ጸብጻብ ክፍሊ ፍትሒ፡ ኣብርሃም ምስ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ውግእ ዝነበሩ ዕጡቓት ሓይልታት ስጕምቲ ክውሰድ ንሰበስልጣን ኢትዮጵያ ከም ዘተባብዖም ሰነዳት ርክባት ይሕብሩ።
ኣብርሃም ኣብ ታሕሳስ 2014 ንሓደ ተሓባባሪ'ቲ ውዲት ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ "እዞም ሰባት ንሓንሳብን ንሓዋሩን ከነጥፍኦም ኣለና። እንተዘይኰይኑ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ፈጺሙ ኣይክህሉን'ዩ" ክብል ምዝራቡ፡ እቲ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ፍትሒ ገሊጹ።
ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣብርሃም ነቲ መሻርኽቱ "በጃኻ እተን ድሮናት [ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ] ስደድ" ኢሉ ጽሒፉሉ።
እቲ ዓቃቢ ሕጊ ብተወሳኺ፡ "ናብቲ ምስጢራዊ ሓበሬታ ዝርከበሉ ከባቢታት ክጓዓዙ ናይ ጸጥታ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት፡ ንኣመሪካ ብዝለዓለ ተኣማንነት ከገልግሉ ይምሕሉ፤ ምስጢራዊ ሓበሬታ ናይ ምሕላው ድማ ሕጋውን ሞራላውን ሓላፍነት ኣለዎም። ነዚ እምነት ጥሒሶም ዝርከቡ ኣካላት ብሕጊ ብምሉእ ዓቕሚ ክኽሰሱ እዮም" ኢሉ።
እቲ ዓቃቢ ሕጊ ዘቕረቦ ሓበሬታ፡ ምስቲ ኣብቲ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዝነበረ ዕጥቃዊ ግጭት ብቐጥታ ዝተኣሳሰረ ምንባሩ ይጠቅስ።
ንሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ክጎድእ ዝኽእል ምስጢራዊ ሓበሬታ ምዃኑ ኣኽበርቲ ሕጊ ገሊጾም።
ንሳቶም ከም ዝበልዎ፡ ኣብርሃም ኣብ መንግስቲ ኣመሪካ ላዕለዋይ ምስጢራዊ ጸጥታዊ ፍቓድ ሒዙ ብምንባሩ፡ ነዚ ፍሉይ ዕድል ተጠቒሙ ብርክት ዝበሉ ምስጢራዊ ሰነዳት፡ መዘኻኸሪታት፡ ኣሳእልን ካልእ ሓበሬታታትን ናብ ላዕለዎት ሰበስልጣን ፖለቲካ፡ ወተሃደራዊን ስለያን ኢትዮጵያ ኣመሓላሊፉ።
ዓቃቢ ሕጊ ኣመሪካ ጂኒን ፌሪስ ፒሮ፡ "ንልዕሊ ክልተ ዓመት ኣብርሃም ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝገበሮ እምነት ብዘይግቡእ ተጠቒሙ ኣዝዩ ምስጢራዊ ሓበሬታ መንግስቲ ኣመሪካ ናብ ናይ ወጻኢ መንግስቲ ከመሓላልፍ ጸኒሑ'ዩ" ኢላ።
"ከምዚ ብምግባሩ ድማ ቃለ መሓላኡን መሳርሕቱን ሃገሩን ጥሒሱ፤ ሃገራዊ ድሕነትና እውን ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ እዩ። ገበኑ ምእማኑ ንጹር መልእኽቲ ይሰድድ፡ እቶም ኣዝዮም ተኣፈፍቲ ምስጢር ኣመሪካ ዘቃልዑ ሰባት ክምርመሩን ክኽሰሱን ክሕተቱን ኣለዎም" ኢሉ።
ተሓጋጋዚት ዳይረክተር ክፍሊ ጸረ ስለያን ስለያን ገበናት ኤፍ.ቢ.ኣይ ሮማን ሮዝሄቭስኪ፡ "ገበኑ ምእማኑ ከም ንጹር መዘኻኸሪ ከገልግል ይግባእ፤ ኤፍ.ቢ.ኣይን መሻርኽትናን ኣገልግሎት ስለያ ወጻኢ ሃገራትን፡ ኣንጻር ረብሓታት ኣመሪካ ንምስራሕ ምስኦም ዝሰርሕ ዝኾነ ውልቀሰባትን ደው ንምባል፡ ከይተሓለሉ ይሰርሑ ኣለው" ኢሉ።
ኣብርሃም፡ ስለያዊ ንጥፈታት ኣብ ዘካየደሉን ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ዝራኸበሉ እዋንን፡ ንጥፈታቱ ንምሕባእ፡ ዝተፈላለዩ ስጕምትታት ከምዝወሰደ ተገሊፁ።
ካብ መንጐኦም፡ ምስጢራዊ ሰነዳት ካብ ዝሓዙ ትካላት፡ ብኤሌክትሮኒክ ቅዳሓት ወሲዱ፡ ልዑል ምስጢራዊ ሓበሬታ ድማ፡ ብናይ ኢድ ጽሑፍ ብሕቡእ ቀዲሑን ከምዝነበረ ይንገር።
ኣብርሃም ካብ ውሑስ ትካላት ኣመሪካ ምስጢራዊ ሓበሬታ ቀዲሑ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዘመሓላለፈ ይንገር።
ንሱ ሓበሬታ ምክልኻል ሃገር ናብ ናይ ወጻኢ መንግስቲ ንምትሕልላፍ ውዲት ከምዝፈጸመ ስለዝኣመነ፡ ካብ 10 ክሳብ 22 ዓመት ማእሰርቲ ክቕጻዕ ከምዝኽእል ይግመት።
እቲ ቤት ፍርዲ ውሳነ ንምሃብ፡ ን14 ሚያዝያ 2027 ቈጸራ ሒዙ ኣሎ።




















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
