ትግራይ፡ ህይወት ዝበልዕ ዘሎ - ሓፂን ዝእረየሉ መኽዘን ኣፅዋር

ኣብ 2025 ዝተኣከበ ተፈንጀርቲ - የጭላ ኣበርገለ
Published
ንባብ: 7 ደቓይቕ

ኣብ ትግራይ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ፡ ካብ መኽዘን ኣፅዋር ሓይልታት ትግራይ ዝተኣከበ ዘይመኸነ ፈንጂ ምፍንጃሩ ስዒቡ፡ ህፃናት ዝርከብዎም ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም፡ ብዙሓት ድማ ቈሲሎም።

እቲ ፍንጀራ ዘይመኸነ ተተኳሲ፡ ኣብ ከተማ የጭላ ፍሉይ ቦታ ጣብያ መዓረይ ብ17 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም.ግ እዩ ኣጋጢሙ።

ኣብ ምእራይ ሓፂን ዝተዋፈሩ ነበርቲ፡ ካብቲ ኣፅዋር ዝተኸዘነሉ ፍሉይ ቦታ ዓሪቛ ብኣድጊ ፅዒኖም፡ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ናብ ዝርከቡ ዓደግቲ ኣብ ዘግዓዙሉ እዩ እዚ ሓደጋ ኣጋጢሙ።

በቲ ፍንጀራ፡ ካብ ወዲ ክልተ ዓመት ሕንጦ ጀሚሩ ሸሞንተ ሰባት ከም ዝሞቱ፡ ቢቢሲ ካብ ስድራ ግዳያት፡ ነበርትን ሆስፒታልን ኣረጋጊፁ።

ኣካያዲ ስራሕ ሆስፒታል የጭላ ኣቶ ዕርደይ ኣሰፋ በቲ ፍንጀራ (ነትጕ) 18 ሰባት ከም ዝተጎድኡን፡ ኣብቲ ዕለት 15 ግዳያት ናብ ሆስፒታሎም ከም ዝተቐበሉን ንቢቢሲ ገሊፁ።

እቲ ኣካያዲ ስራሕ፡ ካብቶም 18 ግዳያት እቶም ሰለስተ ናብ ሆስፒታል ቅድሚ ምምፅኦም፡ ብኡ-ንብኡ ከም ዝሞቱ ሓቢሩ።

"ናብ ሆስፒታልና 15 ግዳያት መፅዮምና፤ ካብዚኦም እቶም ክልተ ገና ሕክምና ከይተገበረሎም ሞይቶም።"

ከቢድ ጉድኣት ዝወረዶም 10 ግዳያት ካብ ሆስፒታል የጭላ ናብ መቐለ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደርን ሆስፒታል ዓብይዓዲን ከምዝተልኣኹ ዝገለፀ ኣቶ ዕርደይ፡ ሰለስተ ግዳያት ኣብተን ዝተለኣኹለን ሆስፒታላት ከም ዝሞቱ ንቢቢሲ ገሊፁ።

ኣካያዲ ስራሕ እቲ ሆስፒታል ኣቶ ዕርደይ፡ "ብፍንጣር ተፈንጃሪ ኢዶምን እግሮምን ዝተቘረፁን ከብዶም ዝተወቕዑን፡ ከቢድ ጉድኣት ዝወረዶም ግዳያት ልኢኽና። ናብ ሆስፒታል ዓብይዓዲ ሰለስተ ናብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ድማ ሸውዓተ ልኢኽና።

ናብ ዓብይዓዲ ካብ ዝለኣኽናዮም ሰለስተ ግዳያት፡ እቶም ክልተ ሞይቶም። ናብ መቐለ ካብ ዝለኣኽናዮም፡ እቲ ሓደ ኣብ ውሽጢ 20 ደቒቓ ህይወቱ ሓሊፉ" ኢሉ።

እቶም ነቲ ሓፂነ-መፂን ዝዕድጉ ነጋዶ ሕብረተሰብ ኣብ ዝነብረሉ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ከም ዝእክብዎ ዝገለፀ እቲ ኣካያዲ ስራሕ፡ ኣብ ኣፍደገ ገዛኦም ይፃወቱ ዝነበሩ ሓሙሽተ ህፃናት ህይወቶም ከም ዝሓለፈ ሓቢሩ።

"እቶም ዝሞቱ ደቂ ሰለስተ ዓመት፡ ሓሙሽተ፡ ሽድሽተን ዓሰርተ ክልተን ዝዕድመኦም ህፃናት'ዮም። እቲ ተተኳሲ ኣብ ዝተፈንጀረሉ ምስ ኣሕዋቶም ዝፃወቱ ዝነበሩ ቈልዑ ተጐዲኦም" ኢሉ።

ነቲ ዘይመኸነ ተተኳሲ ዘግዓዛ ሓሙሽተ ኣእዱግ'ውን ብኡንብኡ ከም ዝሞታ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊፆም።

ኣብ ሰሜናዊ የጭላ ዝርከብ መኽዘን ኣፅዋር ዓሪቛ ቅድሚ ምብርዑ ዘርኢ ምስሊ ሳተላይት ጉግል አርዝ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሰሜናዊ የጭላ ዝርከብ መኽዘን ኣፅዋር ዓሪቛ ቅድሚ ምብርዑ ዘርኢ ምስሊ ሳተላይት ጉግል አርዝ

"ሬሳ ውላደይ ሒዘ ተመሊሰ"

ኣቶ ኣዱኛ ገብረመድህን በቲ ፍንጀራ ዘይመኸነ ተተኳሲ ደቆም ካብ ዝሞትዎም ነበርቲ ከተማ የጭላ እዩ።

ሰሉስ ንግሆ፡ ሰራሕተኛ መንግስቲ ዝዀነት በዓልቲ እንድኡ ንደቃ ዓንጊላ ናብ ስራሕ ወፊራ። ንሱ'ውን ንኻልእ ጉዳይ ካብ ገዛ ወፂኡ።

ኣቶ ኣዱኛ፡ ወዲ ክልተ ዓመትን ክልተ ወርሕን ህፃን ወዱ በቲ ፍንጀራ ሞይትዎ።

"ቈልዑ ኣብ መንደሮም ዝፃወትሉ ከባቢ'ዩ ነይሩ፤ ኣብኡ ዝፃወት ዝነበረ ወዲ ክልተ ዓመትን ክልተ ወርሕን ህፃን ወደይ ዓሪፉ፤ እቲ ካልእ ውላደይ ድማ ተወቒዑ።

"ብድንጋፀ ናብ ሆስፒታል ዓብይ ዓዲ ከይድና። ካብ ዓብይዓዲ ሬሳ ውላደይ ሒዘ ተመሊሰ" ይብል።

ካልኣይ ውላዱ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ድማ፡ ኣብ ዓይኑ፡ ክሳዱን እግሩን ጉድኣት ወሪድዎ ኣብ ሆስፒታል ዓብይዓዲ ሕክምና ይግበረሉ ኣሎ።

"ኣሕዋተይ ናብ ሆስፒታል ሒዞምዎ ከይዶም። ድሕሪ ሰሙን ክወፅእ ከም ዝኽእል ተነጊሩኒ። ብዙሕ ሰብ'ዩ ሞይቱ። እቲ መንደር ካብ መጀመርያኡ'ውን ዝሽየጠሉ ዝልወጠሉ ቦታ ኣይነበረይ፣ ኣነ ሽዑ እየ ሰሚዐ።"

ከተማ የጭላ
መግለጺ ስእሊ, ከተማ የጭላ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ስድራ ግዳይ ቀሺ ገብረህይወት መረሳ፡ በቲ ዘጋጠመ ምፍንጃር ተተኳሲ፡ ጓል ሽድሽተ ዓመት ጓሎም ሞይታ።

ቀሺ ገብረስላሰ ህፃን ጓሎም ጥራይ ኣይኰነትን ሞይታቶም። ኣብቲ ዝነብሩሉ ከባቢ ሓፂነ-መፂን እትዕድግ ዓባይ ጓሎም፡ በዓልቲ እንዳኦም፡ ወዲ ጓሎምን ወዶምን'ውን፡ ከቢድ ጉድኣት ወሪድዎም ካብ ሆስፒታል የጭላ ናብ መቐለ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ተላኢኾም ክትትል ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ።

ኣብ ከቢድ ሓዘን ኰይኖም ዘዘራረብናዮም ቀሺ ገብረስላሰ፡ ነቲ ህሞት ከረድኡ እንከልዉ፡ ዓባይ ጓሎም ኣብ ቀረባ እዋን ምዕዳግ ሓፂነ-መፂን ከም ዝጀመረት ይገልፁ።

ኣብቲ ዕለት ብኣእዱግ ሓፂነ-መፂን ፅዒኖም ዝመፅኡ ሰባት ክትገዝኣሎም ናብ ጓሎም ከም ዝመፅኡ ከኣ የብርሁ።

ቀሺ ገብረስላሰ፡ "ዘይተተኰሰ ሓፂን'ውን'ዮም ብኣእዱግ ፅዒኖም መፅዮም። 'እዚ ጥይት ዝሓዘ'ዩ ኣይዕድግን' ኢላቶም። ኣብ መንጎ እቲ ኣድጊ ከቢድዎ ኣብ ኣፍደገ ገዛና ወዲቑ፣ ካብኡ ተተኵሱ" ይብሉ።

ነዚ ፍንጀራ ስዒቡ፡ ስድራቤቶምን ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ህፃናት ዝርከብዎም ብጠቕላላ 18 ሰባት ግዳያት ኰይኖም።

ቀሺ ገብረስላሰ፡ "ጓል ሽድሽተ ዓመት ውላደይ ሞይታ። ዓባይ ጓለይ፡ ወዲ ሰለስተ ዓመት ወዲ ጓለይ፡ በዓልቲ ገዛይ፡ ወደይ ተጐዲኦም ሕዚ ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ኣለዉ። ገሊኦም ኣብ ውሽጢ ገዛ እናሃለዉ እቲ ተፈንጃሪ ማዕፆ ቆሪፁ ኣትዩ'ዩ ተጐዲኦም። ብዙሕ ሰብ ተጎዲኡ፤ ብዙሕ ዝሞተን ዝቘሰለን ሰብ ኣሎ።"

ሊቀካህናት ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ቀሺ ገብረህይወት ኣለነ፡"ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራይ ሓሙሽተ ሰባት ቀቢርና። ሸሞንተኦም ኣብ ቤተክርስትያን ኪዳነምህረት ካቴድራል'ዮም ተቐቢሮም" ኢሎም ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ሞት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል።

ሓፂን ዝእረየሉ መኽዘን ኣፅዋር ዓሪቛ …

እቲ ኣብ ወረዳ የጭላ ዓሪቛ ኣብ ዝበሃል ፍሉይ ቦታ ዝርከብ መኽዘን ኣፅዋር፡ ሓይልታት ትግራይን እቲ ዝነበረ ምምሕዳር ህወሓትን ከም መኽዘን ኣፅዋር ዝጥቀምሉ እዩ።

ኣካላት ፀጥታን ምሊሻን እቲ ከባብያዊ ምምሕዳር ድማ ክሕልውዎ ፀኒሖም።

ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ፈደራልን መሻርኽቱ ሓይሊ ሰላም ትግራይን ኲናት ድሕሪ ምውልዑ ግን፡ ኣብ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ዝነበረ ምምሕዳርን ኣካላት ፀጥታን ካብቲ ከባቢ ወፅዮም።

ነቲ ኣብ ዓሪቛ ዝርከብ መኽዘን ኣፅዋር ዝሕልዉ ዝነበሩ ከባብያዊ ምሊሻታትን ኣካላት ፀጥታን'ውን፡ ብ12 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ነቲ ኣፅዋር ገዲፎም "ናብ በረኻ ከም ዝወፅኡ" ቢቢሲ ካብ ምንጭታቱ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

ንምውፃእ እቶም ሓይልታት ስዒቡ፡ ብዙሓት ነበርቲ ከተማ የጭላ ከምኡ'ውን ካብ መዳውብቲ እቲ ኣፅዋር ዝተኸዘነሉ መኽዘን (ዲፖ) ዓሪቛ ከባቢታት እምባ እስራኤልን ሰሓርቲ ሳምረን ዝመፅኡ ብዝሒ ዘለዎም ሰባት፡ ናብቲ መኽዘን ብምኻድ ሓፂን ክኣርዩ ጀሚሮም።

እቲ ዝኣከብዎ ሓፂን ድማ፡ ኣብ ከተማ የጭላ ንዝርከቡ ዘይስሩዓት ነጋዶ ይሸጥዎ።

ቅድሚ እቲ ብ17 ጥቅምቲ ዘጋጠመ ፍንጀራ ተተኰስቲ፡ ኣብቲ ኣብ ዓሪቛ ዝርከብ መኽዘን ኣፅዋር ብ12 ጥቅምቲ ባርዕ ኣጋጢሙ ነይሩ።

ቢቢሲ ዝተዓዘቦም ምስልታት ሳተላይት 'ፕላኔት ላብስ ፒቢሲ' ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ የጭላ ዝርከብ መኽዘን ኣፅዋር ዓሪቛ ብ22 ጥቅምቲ 2026 ከቢድ ነትጕን ባርዕን ከም ዘጋጠመ የረጋግፁ።

እዞም ምስልታት ሳተላይት፡ እቲ ባርዕ ካብ 22 ክሳብ 23 ጥቅምቲ ንዝበዝሕ ክፋል እቲ መኽዘን ኣፅዋር ከም ዘዕነዎ የርእዩ።

መኽዘን ኣፅዋር ዓሪቛ እናተቓጸለ ዘርእዩ ምስልታት ሳተላይት 'ፕላኔት ላብስ ፒቢሲ'። (ምስሊ ካብ ፀጋም ናብ የማን ካብ ዕለት 21 ክሳብ 23 ጥቅምቲ 2026)
መግለጺ ስእሊ, ምስልታት ሳተላይት 'ፕላኔት ላብስ ፒቢሲ' ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ የጭላ ዝርከብ መኽዘን ኣፅዋር ዓሪቛ ብ22 ጥቅምቲ 2026 ከቢድ ነትጕን ባርዕን ከም ዘጋጠመ የረጋግፁ (ምስሊ ካብ ፀጋም ናብ የማን - ካብ ዕለት 21 ክሳብ 23 ጥቅምቲ 2026)

ብንፁር ብዝሖም ዘይተፈለጡ ሰባት ግዳያት ከም ዝዀኑን ምንጭታት ይሕብሩ።

እዚ ኣብ ዓሪቛ ዝተኸዘነ ኣፅዋር፡ ስግኣት እቲ ማሕበረሰብ እኳ እንተኾነ፡ ቍፅሩ ቀሊል ዘይበሃል ሕብረተሰብ ግን ካብቲ መኽዘን ዝመኸነ ሓፂነ-መፂን ኣርዩ ካብ ምሻጥ ሓሊፉ ንዘይመኸነ ተተኳሲ'ውን ክፈትሕ ከም ዝጀመረ'ዮም ምንጭታት ቢቢሲ ዝገልጹ።

ናይቲ ኣብ ዓሪቛ ዝርከብ መኽዘን ኣፅዋር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 12 ጥቅምቲ ዘጋጠመ ባርዕ ጠንቂ'ውን እዚ ከም ዝኾነ ይንገር፤ ቢቢሲ ጠንቂ እቲ ባርዕ ብባዕሉ ኣየረጋገፆን።

መኽዘን ኣፅዋር ዓሪቛ፡ ካብ ግዜ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ጀሚሩ ዝፀንሐ ከም ዝዀነ እዩ ዝግለፅ።

ፈተነታት ምኽልካልን ተቓውሞታትን

ነቲ ከባቢ ዝመርሕ ዝነበረ ምምሕዳርን ኣካላት ፀጥታን ህወሓት ካብቲ ከባቢ ብምውፅኡ ኣብቲ ከባቢ ወግዓዊ ምምሕዳር ኣይተጣየሸን።

እቲ ብቀዳማይ ምኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝተጣየሸ ሞግዚት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ'ውን፡ ናብቲ ከባቢ ገና ኣይኣተወን ዘሎ።

እዚ፡ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋን ስግኣትን ንምግታእ በዳሂ ገይርዎ ይርከብ።

ንከባቢታት ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ እዩ ተቘፃፂርዎ ዘሎ።

መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ቅድሚ ሕጂ ካብ ዘጋጠመ ክስተት ብምብጋስ፡ ነበርቲ ናብቲ መኽዘን ኣፅዋር ከይዶም ሓፂን ከይኣርዩን ንሓደጋ ከይቃልዑን ግንዛበ ንምፍጣር ይንቀሳቐሱ ኣለዉ፤ እንተኾነ ውፅኢት ኣይተረኸቦን።

ሊቀካህናት ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ቀሺ ገብረህይወት ኣለነ፡ "እቲ ህዝቢ ምስ ዘጋጠሞ ፀገምን ሰኣን ኣፍልጦን እመስለኒ፡ ብተደጋጋሚ ተዛሪብና ኢና፡ ክምለሰልና ኣይከኣለን። መንግስቲ ክሳብ ዝኾነ ነገር ዝገብር፡ መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ ህዝቢ እናኣወጅና ኢና ነይርና፣ ግና ክሰምዐና ኣይኸኣለን። ብኣካል ዝረኸብናዮም ሰባት'ውን 'እናበላዕና ንሙት ኢልና እምበር እዚ'ዶ ጠፊኡና' እዮም ዝብሉና" ይብሉ።

ድሕሪ እቲ ብ12 ጥቅምቲ ዘጋጠመን ሰባት ከም ዝተጎድእሉን ዝግለፅ ባርዕ፡ ዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን ሓደጋ ከየጋጥም፡ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ሓይልታት ምክልኻል ፈደራል ሓቢሮም ከም ዝነበሩ ሊቀካህናት ገብረህይወት ይዛረቡ።

እንተኾነ፡ እቶም ሰራዊት ነበርቲ ናብቲ መኽዘን ከይከዱ ቍፅፅርን ክልከላን ኣብ ዝጀመረሉ "ፖለቲካዊ መልክዕ ከም ዝሓዘ" የብርሁ።

ሊቀካህናት ገብረህይወት፡ "እቲ ህዝቢ መዓልታዊ ፀገሙ ጥራይ ይርኢ ስለዘሎ፡ ብ16 ጥቅምቲ ነቶም ሰራዊት ከልክሉልና፣ ሓልዉልና፣ ኣፈራርሑልና ኢልናዮም ነይርና። 'ተመለሱ' ኢሎም፡ ክሳብ መውቃዕቲ ፈቲኖም። እቲ ህዝቢ ግና 'ኣይምለስን' ኢሉ ኣብይዎም። እቲ መውቃዕቲ'ውን ናብ ካልእ ፖለቲካ ተቐይሩ። ካብኡ እቶም ሰራዊት 'ህዝቢ ክነድሕን'እምበር ዘይሰራሕናዮ ዘይመልክዕና ክንወሃብ ኣይንደልን' ኢሎም ምኽልካል ኣቋሪፆም" ይብሉ።

ንፅባሒቱ 17 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ድማ፡ እቲ ህይወት ሸሞንተ ሰባትን እንስሳትን ዝቐዘፈን ጉድኣት ዘውረደን ሓደጋ ከም ዘጋጠመ እቶም መራሒ ሃይማኖት ንቢቢሲ ገሊፆም።

"ሰብ ኣብ ገዛኡ ሓዊ'ዩ ኣቐሚጡ ዘሎ" - ዘንፀላለወ ተወሳኺ ሓደጋ…

ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ድርቂን፡ ንምውላዕ እቲ ኲናት ስዒቡ እቲ ከባቢ ብዝተፈላለዩ ተዋጋእቲ ሓይልታት ዝተኸበበ ምዃኑን፡ ንቍጠባ ሕብረተሰብ እቲ ወረዳ ከም ዘልመሶ ይግለፅ።

ሊቀካህናት ገብረህይወት፡ "እቲ ህዝቢ ተንቀሳቒሱ ከይሰርሕ በዚን በቲን ኲናት ኰይንዎ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ (ድርቂ) ተወሲኹዎ" ብምባል፡ ኵሉ ብዝኽእሎ ክሕግዝ ይምሕፀኑ።

እቲ ህዝቢ ዘጋጠሞ ቍጠባዊ ፀገም ንምፍታሕ ሓፂን ኣብ ምእራይን ምሻጥን ከም ዝተዋፈረ ዝሕብር ኣካያዲ ስራሕ ሆስፒታል የጭላ ኣቶ ዕርደይ ኣሰፋ ድማ፡ ካልእ ተወሳኺ ሓደጋ ከስዕብ ዝኽእል ህሞት ኣንፀላልዩ ከምዘሎ ስክፍታኡ ይገልፅ።

"እዚ ነታጒ ኣብ ሕድሕድ ገዛ ውልቀሰብ'ዩ ተኸዚኑ ዘሎ። መጀመርያ ንሓደ ኪሎ ሓፂን 50 ብር'ዩ ዝሽየጥ ነይሩ። ሕብረተሰብ ብብዝሒ እናምፀአ ምስ ከደ ግን፡ ነጋዶ ንሓደ ኪሎ ናብ 15 ብር ኣውሪዶሞ። ሕብረተሰብ ከኣ ደሓር ምእንታን ብኽባር ክንሸጦ ብምባል ኣብ ገዛኡ ኣቐሚጥዎ ኣሎ። ሕድሕድ ሰብ ኣብ ገዛኡ ሓዊ'ዩ ኣቐሚጡ ዘሎ" ይብል።

ገበርቲ ሰናይ፡ ሕጂ ዘሎ ምምሕዳር ይዅን ካልኦት ግዱሳት ኣካላት ብሓባር መፍትሒ ከናድዩ፣ እቲ ኣካያዲ ስራሕ ይምሕፀን።

"ቀዳማይ እቲ ኣብቲ ዲፖ ዘሎ ኣፅዋር ካብቲ ከባቢ ንኽለዓል፣ እንድሕር ዘይለዓል ኰይኑ ግቡእ ሓለዋ ክግበረሉ ኣለዎ።

"ካልኣይ፡ ገዛ ንገዛ ቅልጡፍ ተፍትሽ ተገይሩ ብፍላይ እቶም ዘይነተጕ ተተኰስቲ ክእረዩን ኣብ ውሑስ ቦታ ክመኽኑን ክግበር ኣለዎ። ምኽንያቱ ሕብረተሰብ ድሕሪ እዚ ሓደጋ ስግኣት ስለ ዝሓደሮ ኣይነተጎን ኢሉ ንዝጠርጠሮ ተተኳሲ ካብ ገዛኡ ኣርሒቑ ንደገ ይድርብዮ ስለ ዘሎን። እዚ ህፃውንቲ ክረኽብዎ እንከለዉ ክፃወትሉ ስለ ዝኽእሉ ቅልጡፍ ተፍትሽ ክግበር ኣለዎ" ይብል።