ሱዳን ብመጥቃዕቲ ድሮናት ንኢትዮጵያ ትኸስስ፡ ግብጺ ቀረብ ኣጽዋር ደው ክብል ትጠልብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንግስቲ ሱዳን፡ 'ካብ መሬት ኢትዮጵያ ዝተበገሳ ድሮናት ኣብ ልዕሊ ስቪላዊ ትካላትን መደበራት ሓይሊ ኤሌክትሪክን መጥቃዕቲ ፈጺመን' ብዝብል ክሲ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃን ከሲሱ።
ግብጺ ብወገና ንጐረባብቲ ሃገራት ሱዳን ብምኽሳስ፡ ናብ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ዝግበር ቀረብ ኣጽዋር ደው ክብል ጸዊዓ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ፡ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ሚሳይላት ዝተዓጥቃ ኣዕንየን ዝዓንዋ ድሮናት ካብ መሬት ኢትዮጵያ ብምብጋስ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ትካላትን መሰረተ-ልምዓትን መጥቃዕቲ ከም ዘካየዳ ዝገልጽ ክሲ ኣቕሪቡ።
እቲ ምኒስትሪ ነዚ ዘረጋግጽ ሰነዳትን ናይ ሳተላይት መርትዖታትን ናብተን ኣህጉራውያን ትካላት ከም ዘእተወ ኣፍሊጡ።
ማዕከን ዜና ኣናዶሉ ነቲ መግለጺ ብምጥቃስ ከም ዝጸብጸቦ፡ እቶም ዕጡቓት ንመሬት ኢትዮጵያ ተጠቒሞም ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ሱዳን መጥቃዕቲ ምክያዶም "ተጻባኢ ተግባር" ምዃኑ ሱዳን ትገልጽ።
እዚ ድማ ንኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ሕጊ ተሓታቲት ብምግባር ንዓንቀጽ 2(4) ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ዝጥሕስ ምዃኑ እታ ሃገር ትኸስስ።
ብተወሳኺ፡ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣህጉራዊ ሕጊ ንምትግባር ግደኡ ክጻወት ጸዊዓ።
መንግስቲ ኢትዮጵያን ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕን ነዚ ብሱዳን ዝቐረበ ክሲ ዛጊት ዝሃብዎ ወግዓዊ ምላሽ የሎን።
ቅድሚ ሕጂ ግን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ትድግፍ ኣላ ወይ መሬታ ንመጥቃዕቲ ክጥቀምሉ ፈቒዳ ዝብል ክሲ ብተደጋጋሚ ዝነጸገቶ ኰይና፡ ንልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሱዳን ከም እተኽብር ኣፍሊጣ ነይራ።
ኣዲስ ኣበባ፡ ገለ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሱዳን ንዕጡቓት ህወሓት ደገፍ ይህቡ ነይሮም ብምባል ክትከስስ ጸኒሓ እያ።
ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ብሸነኾም፡ ኣብ ልዕሊ መሰረተ-ልምዓት ህዝቢ ዝወርድ መጥቃዕቲ ከም ዘየካይዱን ዕላማታቶም ወተሃደራዊ ዒላማታት ሰራዊት ሱዳን ጥራይ ምዃኑን ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
መጥቃዕቲ መደበራት ጸዓትን ኣዋጅ ዝለዓለ ድልውነትን
እዚ ሱዳን ዝወሰደቶ ዲፕሎማስያዊ ስጕምቲ፡ ካቢነ ምኒስተራት ሱዳን ብሰንበት 1 ሕዳር ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጸዓት ዝወረደ ደብዳባት ድሮን ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝለዓለ ናይ ድልውነት መጠን ድሕሪ ምእዋጁ እዩ።
እቲ ካቢነ፡ ንዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ መጥቃዕቲ ዝፍጽምሉ መወከሲ ነጥብታት ብምሃብ ዝተሓባበረ ዝዀነ ሰብ፡ ዝለዓለ ናይ መቕጻዕቲ ስጕምቲ ከም ዝውሰደሉ ኣጠንቂቑ።
ብመሰረት ጸብጻባት 'ሱዳን ትሪቡን'፡ ንሓደ ሰሙን ብቐጻሊ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕትታት፡ ኣብ ገዳርፍ፡ ሰናር፡ ኣልጀዚራ፡ ኣ'ኒል ኣልኣብየድ (ጻዕዳ ናይል)፡ ካርቱም፡ ደቡብ ኮርዶፋን፡ ሰሜናዊ ክፍለ-ሃገርን ፈለግ ናይልን ኣብ ዝርከባ ኣስታት 14 ናይ ኤሌክትሪክ መከፋፈሊ መደበራት ዓንየን እየን።
እዚ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ሰፊሕ ቍጠባዊ ዕንወትን ልዑል ምቍራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክን ዘስዓበ ኰይኑ፡ ንሆስፒታላት፡ መደበራት ማይን እንዳ ሕብስትታትን ካብ ስራሕ ወጻኢ ገይሩወን ይርከብ።
ምክትል ምኒስተር ባህልን ሓበሬታን ሱዳን ግርሃም ዓብደልቃድር ድሕሪ ኣኼባ ካቢነ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ካብ ውሽጢ ኢትዮጵያ እናተተኰሰ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ "ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት" ክብል ዝዀነኖ ኰይኑ፡ ስቪላዊ ትካላት ዒላማ ምግባር ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ዝወርዶም ዘሎ ተኸታታሊ ወተሃደራዊ ስዕረታት ዘርኢ እዩ ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መርገጺ ግብጽን ስትራተጅያዊ ስግኣትን
ነዚ ኣብ ሱዳን ዝተኸስተ ከቢድ ኵነታት ስዒቡ፡ መንግስቲ ግብጺ ንጐረባብቲ ሃገራት ሱዳን ብምኽሳስ፡ ብዶባተን ኣቢሉ ናብ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ዝውሕዝ ዘሎ ቀረብ ኣጽዋር ብህጹጽ ደው ክብል ጸዊዑ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ስቪላውያንን ህዝባዊ ትካላትን ሱዳን እናበኣሰ ዝመጽእ ዘሎ ደብዳባት ድሮን ንዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ ብግህዶ ዝጥሕስ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንዅሉ ዓይነት ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዜጋታት ዝቐንዐ ዓመጽ ብትሪ ከም ዝነጸጎ ማዕከናት ዜና 'ኢጂፕት ቱደይ' ጸብጺባ።
ካይሮ ንጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ዘቕረበቶ ክሲ ብንጹር ንመን ተመልክት ከም ዘላ ኣየነጸረትን።
ግብጺ ንሰራዊት ሱዳን ከም ሕጋዊ ሓላዊ ሃገራዊ ትካላትን ድሕነትን እትርእዮ ኰይና፡ ኣብ ደቡባዊ ዶባ ዝፍጠር ዝዀነ ይዅን ናይ ዕጡቓት ምዕብላል ንብሄራዊ ድሕነታ ቀጥታዊ ስግኣት ምዃኑ እያ ትኣምን።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ መንጎ ግብጽን ኢትዮጵያን ብዛዕባ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ዘሎ ዘይተፈትሐ ሕዱር ምስሕሓብ፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ውግእ ናብ ዞባዊ "ናይ ውክልና ኲናት" ይቕይሮ ምህላዉ ዲፕሎማሰኛታት የረድኡ።
ኣንፈት ውግእ ዝቐየረ 'ኲናት ድሮናት'ን ሰብኣዊ ሳዕቤኑን
እቲ ውግእ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ሰራዊት ሱዳን ብነፈርቲ ውግእ ኣቢሉ ኣብ ሰማያት ብልጫ ነይርዎ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ዘመናውያን ድሮናት ብምዕጣቖም፡ ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ሰራዊት ሱዳን ደብዳባት ከካይዱ ክኢሎም ኣለዉ።
እዚ ምዕባለ'ዚ ንባህሪ እቲ ውግእ ብዓቢኡ ዝቐየሮ ኰይኑ፡ ሰራዊት ሱዳን'ውን ብወገኑ ስርሓት ወጻኢ ሃገራት ዝዀኑ ድሮናት ከም ዝጥቀም ይፍለጥ።
እዚ ደብዳባት ድሮን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘውርዶ ዘሎ ሳዕቤን ኣዝዩ ከቢድ እዩ። እተን 14 መደበራት ኤለክትሪክ ምዕናወን፡ ንሆስፒታላት፡ ናይ ኰላሊት ሕሙማን መሐከሚ ክፍልታትን መደበራት ማይን ካብ ስራሕ ወጻኢ ገይርወን ኣሎ።
ላዕለዋይ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ሰሙናት ጥቅምቲ ጥራይ ልዕሊ 300 ሰባት ተቐቲሎም፡ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ድማ ቈሲሎም።
ካርቱም ነዚ ጉዳይ ብወግዒ ናብ ኣህጉራውያን መድረኻት ከተብጽሖ እንከላ፡ ካይሮ ድማ ኣብ ሱዳን ህጹጽ ምቍራጽ ተዅሲ ክእወጅ፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይ ዕንቅፋት ክበጽሕን መከራ ህዝቢ ሱዳን ዘብቅዕ ኵለመዳያዊ ፖለቲካዊ ዘተ ክካየድን ጸዊዓ ኣላ።


















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
