ኤርትራ፡ ጽልዋ ኤልኒኖ ንምምካት 3.5 ሚልዮን ዶላር ተሰሊዕላ

ምንጪ ስእሊ, SM
እቲ ዓለማዊ ክስተት ኮይኑ ዘሎ ኣል ኢኖ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ጽልዋ ብምፍጣር ኣብ ኤርራ ዋሕዲ ዝናብ ብምኽታል ኣብ ልዕሊ ሰብን ጥሪትን ዘራእትን ጉድኣት ኣውሪዱ ምህላዉ ተገለኩጹ።
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣዋሃሃዲ ሰብኣዊ ሓገዛትን ኣብ እዋን ህጹጽ ጉዳያት [Under Secretary General for Humanitarian affairs and Emergency relief coordinator] ቶም ፍሌቸር፡ ኤርትራ ነዚ ኣጋጢምዋ ዘሎ ሕጽረት ዝናብ ንምምካት 3.5 ሚልዮን ዶላር ተሰሊዕላ ምህላዉ ኣብ ኤክስ ሓቢሩ።
እዚ ከኣ ንቀረባት መግቢ፡ መኣዛታት ጥዕናናን ማይን ክውል ምዃኑ’ኡ ተሓቢሩ ዘሎ።
እዚ ከኣ ንኤርትራ ጽልዋ ኤልኒኖ ሱር ከይሰደደ እንከሎ ንክትከላኸሎ ከሕግዛ ከምእትኽእል እቲ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ክረምቲ ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ኤርትራ ርኡይ ሕጽት ዝናብ ስለዝነበረ ኣብ ከም ዞባ ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ፡ ዞባ ዓንሰባ፡ ማእከልን ጋሽ ባርካን ገለ ክፋል ዞባ ደቡብን ሕጽረት ማይ ኣጋጢሙ ከምዘሎ ጸብጸባት ይሕብሩ።
ጽልዋ ናይዚ ሕጂ ዘሎ ዋሕዲ ዝናብን ደርቕን ብዝያዳ ኣብ 2027 ክርአ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ መግለጺ ፋኦ፡ ዩኒሴፍን ካልኦት ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ምስ መንግስታት ብምውህሃድ ክሰርሓ ምዃነን ተሓቢሩ።
ተወሰኽቲ ትሕዝቶታት፡


![መራሒ ፋኖ-ኣምሓራ ዝዀነ ዘመነ ካሴ፡ መግለፂ ኣብ ዘንበብሉ ኣብ ምድረኽ ዝነበሩ፡ ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል [ዶ/ር ] ዝርከቦም መራሕቲ'ቲ ኪዳን](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/vivo/live/images/2026/11/1/d0df96b1-1077-4402-afa2-d06a15ecae1c.jpg.webp)


