ብዘይ ደወል ብኸመይ ካብ ድቃስኩም ክትነቕሑ ትኽእሉ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንመብዛሕትና፡ ካብ ድቃስና ንምልዓል፡ ኣብ ደወል ፅግዕተኛ ምዃን ኣካል መዓልታዊ ህይወትና ኰይኑ እዩ።
ኣካልኩም ኣብ ልክዕ እዋን ባዕሉ ንኽነቅሕ (ክትስእ) ምልምማድ፡ ድቃስ ድቃስ ዘብል ስምዒት(ብቐሊሉ ዘይምንቃሕ) ምንካይን ስምዒት ምምሕያሽን ሓዊሱ፡ ብዙሕ ጥዕናዊ ረብሓ ክህልዎ ይኽእል።
ንኣካላትኹም ዝሰማማዕ ስርዓተ ድቃስ ምልላይ
ሰብነትናን ኣእሙሮናን ብግቡእ ንኽሰርሕ እኹል ድቃስ ምርካብ ኣገዳሲ እዩ። ኣባፅሕ ካብ ሸውዓተ ክሳብ ትሽዓተ ሰዓታት ክድቅሱ ኣለዎም።
ትሕቲ ሽድሽተ ሰዓታት ምድቃስ ድማ ኣብ ዘይእዋን ንዘጋጥም ናይ ሞት ሓደጋ ብ20 ሚእታዊት የዛይዶ። እንተኾነ ብትኽክል ንኹሉ ሰብ ዝሰማማዕ ተመሳሳሊ ሰዓታት ድቃስ የለን።
ገለ ሰባት ንሸውዓተ ሰዓታት ካልኦት ድማ ንትሽዓተ ሰዓታት ክድቅሱ ይኽእሉ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቴክሳስ ዳላስ ኣብ ዝርከብ ማእክል ጥዕና ሓንጎል ተሓባባሪት ፕሮፌሰርን ዳይረክተር 'ስሊፕ ኢኖቬሽን ላብስን' ዝኾነት ኤቲ ቤን ሳይመን፡ "ሸሞንተ ሰዓት ማእእላይ እዩ፤ ንገለ ሰባት ድማ ንሸውዓተ ሰዓት ምድቃስ ይኣኽሎም እዩ፤ ካልኦት ድማ ትሽዓተ ሰዓት የድልዮም" ትብል።
ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክፋል ሰብነት ሓደ ዓይነት ስለ ዘይኰነ፡ ናይ ድቃስ ድሌት ወይ ድማ ስርዓተ ድቃስ'ውን ዝተፈላለየ ከም ዝኾነ እያ ኤቲ ቤን ትሕብር።
እቲ ኣገዳሲ ነገር፡ እኹል ድቃስ ምድቃስ ጥራሕ ኣይኰነን፤ እኳ ደኣስ ብዘላቕነት ስሩዕ ስርዓት ድቃስ ምትግባር ከም ዘድሊ እዮም፡ ሰብሞያ ዝገልፁ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሚቺጋን ተሓባባሪት ዳይረክተር ቤተፈተነ ምርምር ድቃስን ናይ ሰብነት 24 ሰዓት ተፈጥሮኣዊ ዑደትን ሄለን በርገስ፡ "ዘድልየኩም ሸሞንተ ናይ ድቃስ ሰዓታት ንምርካብ ብቐፃሊ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓትን ኣቐዲምኩምን ናብ ዓራትኩም ከም ዘምራሕኹም ርግፀኛታት ክትኰኑ ኣለኩም" ትብል።
ብርሃንን ንድቃስ ምድላውን
ኤቲ ቤን፡ ብርሃን ንድቃስን ንቕሓትን ንዝቈፃፀር ውሽጣዊ ሰዓት ሰብነትኩም፡ ምስ ስሩዕ ናይ ድቃስ ሰዓትኹም ኣብ ምስምማዕ (ምውህሃድ) ዓብይ ግደ'ዩ ዘለዎ። ብምውዳድ'ዮም ዝሰርሑ። ስለዚ ኣብ ለይቲ ይደኽመኩም ኣብ እዋን ቀትሪ ድማ ትነቕሑ" ትብል።
ብዓልቲ ሞያ ስነልቦናን ድቃስን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሬጀንት ለንደን ተመራማሪትን ኣና ጆይስ፡ "ብርሃን ንውሽጣዊ ሰዓት ሰብነት ዝቆፃፀር ኣገዳሲ ነገር'ዩ" ትብል።
"ብርሃን፡ ነቲ ድቃስ ንዝቆፃፀርን ድቃስ ንኽስመዓኩም ዝገብርን ሜላቶኒን ዝበሃል ሆርሞን ክንክይ ወይ ድማ ደው ክብል ምልክት ይህብ። ነዚ ስዕቡ ድማ ሰብነት ይነቅሕ።"
ናይ ንግሆ ድሙቕ ብርሃን'ውን ናይ ምስልቻው ስምዒት ብምንካይ መንፈስ ናይ ምንቕቓሕ ፅልዋ ከም ዘለዎ መፅናዕትታት ይሕብሩ። እዚ ድማ ብርሃን፡ ምስቲ ኣብ ሓንጎልናን ሰብነትናን ዝርከብ ሴሮቶኒን ምስ ዘለዎ ፅልዋ ዝዛመድ እዩ።
ጆይስ፡ ቅድሚ ድቃስ፡ ክልተ ሰዓታት ኣቐዲምኩም ትረጋግእሉን ትዛነይሉን ስሩዕ ልምዲ ክህልወኩም ከም ዘለዎ ተገንዝብ።
መብራህቲ እትድቅስሉ ክፍሊ ምድብዛዝ'ውን ኣገዳሲ እዩ። እዚ፡ ሰብነትኩም ሜላቶኒን ምፍራይ ንኽጅምር ምልክት ዝህብን ንድቃስ ድሉዋት ክትኾኑን ዝገብር እዩ።
ንመጠን ዋዒ ሰብነትኩም ምክትታል'ውን ኣገዳሲ እዩ። ለይቲ ውሑድ ሓይሊ ስለ ንጥቀም፡ መጠን ዋዒ (ሙቐት) ሰብነትና ይንኪ። ነዚ ድማ እዩ፡ ሙቐት ኣብ ዝኾነሉ እዋን ንምድቃስ እንፅገም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብድሆታት ድቃስ
ንመብዛሕትና፡ 'ስማርት' ስልክታትና ልዋም ድቃስ ንኸይንድቅስ ብድሆታት ካብ ዝኾኑና ነገራት ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ እየን።
ስልክታትን ኤለክትሮናዊ መሳርሒታትን ዘመንጭውዎ ሰማያዊ ብርሃንን፡ ብኸፊል ንድቃስና ዘተዓናቕፍ ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተኾነ እቲ ዝዓበየ ፅልዋ ዘለዎ ግና፡ 'ዶፓሚን ስክሮሊንግ' ማለት'ውን ንእሽቶ ስምዒት ሓጐስ (ባህታ) ንምርካብ ገፃት ማሕበራዊ መራኸቢታት ደጋጊምኻ ናይ ምርኣይ ልምዲ እዩ።
ሓድሽ መፅናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ልዕሊ ዓቐን ማሕበራዊ መራኸቢታት 'ስክሮል' ናይ ምግባር ልምዲ ንድቃስ የተዓናቕፍ እዩ።
እዚ ኣብ ቴክኖሎጂ ፅግዕተኛ ናይ ምዃን ልምዲ ብፍላይ ድማ ኣብ ክሊ ዕድመ በፅሒ (ምጉርማስ) ንዝርከቡ ሰባት ጐዳኢ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ገና ይዓቢ ዘሎ ሓንጎሎምን ሰብነቶምን ልዕሊ ኣብ ካልእ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ድቃስ ስለ ዘድልዮ።
ኣብ 2025፡ ኣብ 45,000 ኖርወጃውያን ተምሃሮ ዝተኻየደ መፅናዕቲ፡ ሕሉፍ ምጥቃም ዘበናውያን ስልክታት፡ ምስ ዘይእኹል ድቃስ ብቐጥታ ከም ዝራኸብ የርኢ።
ስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ'ውን፡ ኣብ ሰዓት ሰብነትኹም ፅልዋ ይፈጥር እዩ። ስለዚ መጠን እትወስድዎ ካፌን ምንካይ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ምምጋብ፡ ቅድሚ ናይ ድቃስ ሰዓት ብውሑዱ ሰለስተ ሰዓታት ኣቐዲምኹም ድራር በሊዕኹም ምውዳእ ክሕግዝ ይኽእል።
በርገስ፡ ብዝተኽኣለ መጠን ኣልኮል ምግዳፍ ከም ዘድሊ ትምዕድ። "ኣልኮል ምውሳድ ኣብ ፈለማ ብቕልጡፍ ንኽትድቅሱ ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ። ደሓር ግና፡ ንቕልጡፍ ምንቅስቓስ ዓይኒ (REM) ማለት'ውን ሕልሚ ምስ ምርኣይን ምስ ቀንዲ ከይድታት ሓንጎልን ምትእስሳር ዘለዎ ደረጃ ድቃስ ስለ ዝንክዮ፡ ንድቃስኹም ይዘርጎ'ዩ፡" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Ally Hirshlag
ናይ ድቃስ ሰዓት ምቅይያር
ስሩዕ ዕረፍቲ ዝህብ ድቃስ ምርካብን ዘላቒ ምግባርን ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዞም ቅድም ክብል ዝተገለፁ ልምድታት ምስ መዓልታዊ ምንቅስቓስኩም ምስ ተወሃህድዎም፡ ፅቡቕ ድቃስ ክትድቅሱን ንግሆ ብቐሊሉ ክትነቕሑን ይሕግዙ።
እንተኾነ፡ እዚ ከይዲ ግዜ ዝወስድ ክኸውን ከም ዝኽእልን ትዕግስቲ ኣገዳሲ ከም ዝኾነን'ያ በርገስ ትገልፅ።
"ስርዓተ ውሽጣዊ ሰዓት ሰብነት፡ ብቐሊሉ ኣይቅየርን። ኣብ ትድቅስሉን ትትስእሉን ፍርቂ ሰዓት ኣቐዲምኩም ብምቕያር ጀምሩ። ክሳብ እቲ ክትበፅሕዎ ትደልዩ ሸቶ መዓልታዊ ፍርቂ ሰዓት ኣቐዲምኩም ደቅሱ ወይ ተልዓሉ። ካብኡ ነዚ ሓድሽ መደብ ዘላቒ ንምግባር ፈትኑ" ትብል።
"ኣብ ድቃስ እቲ ኣገዳሲ ነገር፡ ከም መወልዒ-መጥፍኢ መብራህቲ ክትደልዩ እንከለኹም እተብርህዎ ወይ እተጥፍእዎ ኣይኰነን። ብኸምኡ ኣይሰርሕን" ብምባል ድቃስ ቀስ ብቐስ ዝካየድ ባይሎጅካዊ መስርሕ ከም ዝኾነ ተረድእ።













![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)


