ብሪጣንያ፡ ስደተኛታት ቀዋሚ መንበሪ ንምርካብ ክሳብ 30 ዓመት ዝጽበይሉ ሓድሽ እማመ

ሻባና ማሕሙድ የማናይ ንፓርላማ መብርሂ እናሀበት
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ትጸቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ሓድሽ ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ብሪጣንያ ትማሊ ሰኑይ ናብ ፓርላማ ቀሪቡ። ዋላ'ኳ ካብቲ ተወጢኑ ዝነበረ ዝሓሸ እንተኾነ እዚ ተወሲኑ ዘሎ ቅጥዕታት ካብቲ ዝጸንሐ ኣዝዩ ዝተረረ እዩ።

ላዕለወይቲ ጸሓፊት ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ሻባና ማሕሙድ ትማሊ ምሸት ንኣባላት ባይቶ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ገለ ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ 30 ዓመት ክጽበዩ ከምዝኽእሉ ኣፍሊጣ።

ብመሰረት ኣቕሪባቶ ዘላ ቅጥዒታት፡ ብንኣሽቱ ጀላቡ ንመትረብ እንግሊዝ ሰጊሮም ይዅን ብኻልእ ዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት፡ ኣብ ስራሕ ወይ ትምህርቲ እንተ ሃልዮም ድሕሪ 20 ዓመት ቀዋሚ መንበሪ (Indefinite Leave to Remain/ILR) ክረኽቡ መሰል ክወሃቦም'ዩ።

ኣብ ስራሕ ወይ ትምህርቲ እተንዘይሃልዮም ግን ቀዋሚ መንበሪ ንምርካብ 30 ዓመት ክጽበዩ ክግደዱ እዮም።

መንግስቲ ብዝኸፈቶ ኣፍደገ ናብታ ሃገር ክኣትዉ ዝፍቀደሎም ስደተኛታት ግን ከምቲ ዝጸንሐ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ቀዋሚ መንበሪ ክረኽቡ ዕድል ተዋሂብዎም ኣሎ።

ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ወጻኢ ዝዀኑ ካልኦት ስደተኛታት ድማ ኣብ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ዝተዋፈሩ እንተዀይኖም ድሕሪ 10 ዓመት ቀዋሚ መንበሪ ክረኽቡ ክፍቀደሎም'ዩ። ካብ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ወጻኢ እንተዀይኖም ግን 20 ዓመት ክጽበዩ እዮም።

ብዘይካ'ዚ፡ ንገለ ወጻእተኛታት፡ ከምኡ'ውን ስደተኛታት ኣብ ዝሓጸረ መንበሪ ፍቓድ ክረኽቡ ፍሉይ ሕድገታት ተገይሩሎም ኣሎ።

እቲ ብረቡዕ 2 ሕዳር ናብ ፓርላማ ዝቐረበ ለውጢ ኣባላት ባይቶ ዘየድምጽሉ ውሳነ መንግስቲ ኰይኑ ክጸንዕ ከምዝኽእል'ዩ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ትጽቢት ዝገብር።

ዝሓጸረ ዓመታት ዝጽበዩ መን'ዮም?

ብመሰረት ሻባና ማሕሙድ ወሲናቶ ዘላ ቅጥዒ፡ ንሓሙሽተ ዓመት ኣብታ ሃገር ዝተቐመጡ ወጻእተኛታት ኣብተን ናይ መወዳእታ ሰለስተ ዓመታት ብውሕዱ £50,271 ዓመታዊ ኣታዊ እንተ ድኣ ሃልይዎም ቀዋሚ መንበሪ ክሓቱ ይኽእሉ።

ብዘይካ'ዚ ኣብ ማሕበራዊ ሓልዮት (ሶሻል ኬር) ዝተዋፈሩን ቅድሚ ግንቦት 2025 ናብታ ሃገር ዝኣተዉን ድማ ዓመታዊ ብውሕዱ £25,000 ኣታዊ እንተለዎም ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ክረኽቡ'ዮም።

ፍሉይ ክእለት ዘለዎም ከም ሓካይም፡ ነርሳት፡ መምሃራን ወይ ካልኦት ኣብ ህዝባዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝተዋፈሩ ድማ ብተመሳሳሊ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ቀዋሚ መንበሪ ንምርካብ ጠለብ ከቕርቡ ዕድል ክህልዎም'ዩ።

ልዕሊ £125,141 ዓመታዊ ኣታዊ ዘለዎም ከምኡ'ውን ከም 'ግሎባል ታለንት ወይ ኢኖቬተር ፋውንድር ቪዛ' (Global Talent or Innovator Founder) ዝተዋህቦም "ልዑል ክእለት" ዘለዎም ወጻእተኛታት ድማ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ቀዋሚ መንበሪ ክረኽቡ ይኽእሉ።

ተወሰኽቲ ቅጥዕታት

ኣብ ኵሉ ደረጃ ዝርከቡ ወጻእተኛታት ወይ ስደተኛታት ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ካልኦት ተወሰኽቲ ቅጥዕታት ከማልኡ ክግደዱ'ዮም።

ንኣብነት ዘይግብኦም ደገፋት (በነፊትስ) ዝረኸቡ ወይ ንቅጥዕታት ኢሚግረሽን ዝጠሓሱ ኵሎም ካልእ ኵነታቶም ብዘየገድስ ድሕሪ 20 ዓመት ጥራይ'ዮም ነቲ ቀዋሚ መንበሪ ክሓቱ ዝኽእሉ።

ካብ ዝዀነ ገበን ናጻ ክዀኑን ልዑል ደረጃ ምልከት ቋንቋ እንግሊዝ ክህልዎም'ውን ናይ ግድን'ዩ ክኸውን።

ከፈልቲ ግብሪ ዝእውድዎም ክዀኑ'ውን የብሎምን ጥራይ ዘይኮነ ንሃገራዊ መድሕን (National Insurance Contributions) ብዘይምቊራጽ ከም ዘበርከቱ ዘመልክት ንጹር ሰነድ ከቕርቡ'ውን ክሕተቱ እዮም።

ሻባና ማሕሙድ ቅድሚ ሕጂ ኣቕሪባቶ ዝነበረት እማመ፡ ናይ ኣስታት 800 ሽሕ ሰባት ሕቶ ቀዋሚ መንበሪ ዘናውሕ'ዩ ነይሩ።

ኣብዚ ዝተመሓየሸ ቅጥዕታት ግን፡ ብሰንኪ ገደብ ግዜ ናብ ግንቦት 2025 ምስሓቡ 282,000 ካብቲ ምንዋሕ ተናጊፎም ኣለዉ።

ካብ ተቓወምቲ ዝተዋህበ ግብረመልሲ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሻባና ማሕሙድ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ኣብዛ ሃገር ምንባር ክጥረ ዘለዎ'ዩ፡ ደጊም ኣውቶማቲክ ኣይክኸውንን እዩ" ኢላ።

"ህዝቢ እዛ ሃገር ናይ ብሓቂ ስደተኛታት ምቕባል ክቕጽል ድሌት ኣለዎ" ብምባል ብዘይሕጋዊን ሓደገኛን ኣገባብ ናብ ብሪጣንያ ክኣትዉ ምፍቃድ ግን "ርትዓውነት የብሉን" ብምባል ዘለዋ መርገጺ ኣነጺራ።

"እዞም ምምሕያሽ እዚኦም ብሞራላዊን ፋናንሳዊን ዓይኒ ቅኑዓት እዮም" ክትብል መጒታ።

ቅድሚ ሕጂ ኣቕሪባቶ ዝነበረት እማመ ዳርጋ ንዅሎም ስደተኛታት (ስርሖምን ኣታዊኦምን ብዘየገድስ) ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ካብ 10 ክሳብ 15 ዓመት ክጽበዩ ዝእምም'ዩ ነይሩ።

ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ ዓቃባውያን ነቲ ምምሕያሽ ብምንቃፍ፡ ብሰልፊ ዕዮ ዝምራሕ መንግስቲ ባዕሉ ንዝነደፎ ቀዳማይ ውጥን ምቕያሩ ነቒፉ።

ሓላፊ ውሽጣዊ ጉዳያት ሰልፊ ዓቃባውያን ክሪስ ፊሊፕ፡ እቲ ስጕምቲ ንኸፈልቲ ግብሪ 10 ቢልዮን ፓውንድ ክሓቶም'ዩ ክብል'ውን ዘለዎ ተቓውሞ ገሊጹ።

"ነቶም ክፉት ዶብ ዝብሉ ጸጋማውያን እንተ ተንበርኪኻ፡ ተኣማንነታ ከም ጸሓፊት [ላዕለወይቲ ምኒስተር] ኣይክሰርርን እዩ" ድማ ኢሉ።

እቲ ዝጸንሐ ስርዓተ ኢሚግረሽን ዘስርሕ ከምዝነበረ ዝምጕት ሰልፊ ሊበራላዊ-ደሞክራሲ ግን፡ እቲ ስጕምቲ ኣፍራሲ'ዩ ክብል ነቒፉ'ሎ።

መራሒ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ሪፎርም ናይጃል ፋራጅ ብወገኑ፡ እቲ ኣቐዲሙ ዝቐረበ ውጥን ተሪር ከምዝነበረ ብምግላጽ እዚ ሓድሽ ቅጥዕታት ግን "ምንብርካኽ'ዩ" ኢሉ።

እቲ ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ደገፉ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ፋራጅ፡ መንበሪ ፍቓድ መሰል ከምዘይኰነ ብምምጓት ጠቕሊሉ ክውገድ'ዩ ዝደሊ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣንዲ በርናም ድማ፡ "እቶም ንማሕበረሰባትና ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ዝገብሩ ዘለዉ ኣቐዲሞም ቀዋሚ መንበሪ ክረኽቡ ርትዓዊ እዩ" ክብል ደገፉ ገሊጹ'ሎ።

ማሕበራዊ ሓልዮት (ሶሻል ኬር) ዝህቡ ትካላትን ውልቀሰባትን ኸኣ እቲ ምምሕያሽ እፎይታ ከምዝፈጠረሎም ይገልጹ ኣለዉ።

ንብዙሓት ስደተኛታት ግን እቲ ተሪር ለውጥታት መርድእ ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ።

ሓደ ባንግላደሻዊ ከሻኒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ንመግለጺ እታ ምኒስተር ምስ ሰምዐ ከምዝበኸየ ብምጥቃስ፡ ኣብ 2028 ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ክሓትት ዝነበሮ ተስፋ ብሰንኪ እዚ ለውጢ ናብ 2033 ተናዊሑ ምህላዉ ከምዘጉሃዮ ተዛሪቡ።