እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንምንታይ ኢና ለይቲ ሰዓት 3:00 ካብ ድቃስና ንነቅሕ?
ኣብ ከውታ ለይቲ ሃንደበት ካብ ድቃስኹም ምስ ነቓሕኹም ተመሊስኩም ንምድቃስ ተፀጊምኩም'ዶ ትፈልጡ?
ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርግሑ ሓበሬታት ለይቲ ካብ ሰዓት 8፡00 (2፡00) ክሳብ 9፡00 (3፡00) ኣብ ዘሎ ግዘ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ካብ ድቃስና ከም ንነቅሕ የረድኡ።
እዚ ጉዳይ ቀንዲ መዘራረቢ ዛዕባ'ኳ እንተኾነ፡ ሰብሞያ ድቃስ ግና ለይቲ ካብ ድቃስ ምንቃሕ ዘይተለመደ ከም ዘይኮነ'ዮም ዘረድኡ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ ተመራማሪት ድቃስ ዝኾነት ስቴፋኒ ሮሚሼቭስኪ፡ "ሓደ ሙሉእ ዝኾነ ድቃስ (ዘይተቖራረፀ) ከም ዘድልየና እዩ ዝነግረና። እንተኾነ፡ ኣብ ሕክምና ድቃስ፡ ለይቲ ካብ ድቃስ ምንቃሕ ኣዝዩ ዝተለመደ ከም ዝኾነ ንፈልጥ ኢና" ትብል።
ሰባት ድቃስ ዝወስዶም እናተደጋጋመ ብዝመፅእ ዑደት 90 ደቓይቕ እዩ። ኣብ እዋን እዞም ዑደታት፡ ኣብ ቀሊል ወይ ከቢድ ድቃስ ክኣትዉ ይኽእሉ።
ተመራመርቲ ድቃስ ከም ዝብልዎ፡ ጥዕና ዘለዎም ኣባፅሕ ኣብ ሓደ ለይቲ ካብ ክልተ ክሳብ ኣርባዕተ ግዘ ይነቕሑ። ዝበዝሕ ግዘ ሰባት ነቒሖም ዝፀንሑ ንዝተወሰኑ ካልኢታት ጥራሕ'ዮም፤ ብዙሓት ሰባት'ውን ነቒሖም ከም ዝነበሩ ኣይዝክሩን።
ኣብ ፈላማይ መፋርቕ ለይቲ ዝህልወና ድቃስ ዓሚቕ (ከቢድ) ዝበሃል እዩ። ብኣንፃሩ ኣብ ከባቢ ወጋሕታ፡ ቅልል ዝበለ ስለ ዝኾነ፡ ኣናእሽተይ ረብሻታት እንከይተረፈ ካብ ድቃስኩም ከበራብረኩም ይኽእል እዩ።
በዚ ድማ፡ ብዙሓት ሰባት ናብ ወጋሕታ ኣብ ዝተቓረቡ ሰዓታት ንዘጋጠሞም ምንቃሕ ክዝክሩ ይኽእሉ'ዮም። እቲ ምኽንያት ድማ፡ ኣብዞም ሰዓታት ዝህልው ድቃስ ቅልል ዝበለ ስለ ዝኾነ እዩ።
ኣብ ህንዲ ሙምባይ ኣብ ዝርከብ 'ኣርቪ ማይንድ ክሊኒክ' ሳይካትሪትስት ዝኾነ ዶ/ር ሪሻብ ቨርማ፡ "ሰባት ብስሩዕ ሰዓት 4፡00 ወይ 5፡00 (11፡00)ናይ ምሸት ዝድቅሱ እንተድኣ ኰይኖም፡ ለይቲ ካብ ሰዓት 8፡00 ክሳብ 9፡00 ኣብ ዘሎ ግዘ ንሰብነቶም ወሳኒ ነጥቢ ይኸውን። መብዛሕትኡ ዓሚቕ (ከቢድ) ዝበሃል ድቃስ፡ ኣብዚ እዋን ይኽምበት" ብምባል የብርህ።
ሰብሞያ ከም ዝብልዎ፡ እቲ ፀገም ዝጅምር ሓደ ሰብ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ድቃሱ እንትነቅሕን ሓንጎሉ ድቃስ ይወስዶ ከምዘየለ ምሕሳብ እንትጅምርን እዩ።
ገለ ሰባት ንምንታይ'ዮም ተመሊሶም ክድቅሱ ዘይኽእሉ?
ናብ ወጋሕታ ኣብ ዝፅግዑ ሰዓታት ለይቲ፡ ሰብነት ቀስ ብቐስ ነቲ ዝቕፅል መዓልቲ ምድላው ይጅምር። ኣብዚ ግዘ ንቑሕ ንምዃን ዝሕግዝ ሆርሞን 'ኮርቲሶል' እናወሰኸ ይመፅእ።
ከም ንቡር ነዚ ኩነታት ኣይነስተውዕሎን።
ሓንጎል ንምንቃሕ ምስ ጌጋ ኣዛሚዱ ኣብ ዝርእየሉ ግዘ ንምውሳኽ ኮርቲሶል ምኽንያት ይኸውን። እዚ ድማ ተመሊስካ ንምድቃስ ኣፀጋሚ ይገብሮ።
በዓልቲ -ሞያ ድቃስ ሮሚሼቭስኪ፡ "ምንቀሓና ምስ ፈለጥና ሻቡ ንሻቡ ዝጅምር ከይዲ ኣሎ። ብሃንደበት ምንቃሕ እወንታዊ ምስ ዘይኰነ ነገር ምዝማድ ትጅምር። ስለ ዝኾነ ድማ፡ መሊስካ ንምድቃስ ፀቕጢ የጋጥመካ" ትብል።፡
"ተመሊስካ ንምድቃስ ብዙሕ ፃዕሪ ብዝገበርካ ቁፅሪ ድማ፡ ዝበኣሰ ትነቅሕ፤ እዚ ድማ ዝያዳ ንድቃስ ናይ ምርሓቕ ዕድል የስዕብ"።
ይኹን'ምበር፡ ሓደ ሰብ ቀፃሊ ብዝኾነ ውጥረትን ጭንቀትን ዝተመልአ ህይወት ዝመርሕ እንተድኣ ኰይኑ፡ ቀደሙ'ውን መጠን ኣብ ሰብነቱ ዝርከብ 'ኮርቲሶል' ክብ ዝበለ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ተፈጥራዊ ክኸውን ዝነበሮ ሓፂር ካብ ድቃስ ናይ ምንቃሕ ዑደት፡ ከም ምልክት ምውጋሕ ኰይኑ ከመናጕይ ይኽእል።
ብዙሓት ሰባት ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ዝሓስብዎም ሓሳባት መሰረት ኣልቦ ምዃኖም'ውን፡ እቲ ካልእ ፀገም እዩ።
ኣብ ውሽጢ ዑደት ቀሊል ድቃስ ኣብ ንኾነሉ ግዘ፡ ስምዒታውነት ዝቆፃፀሮ ክፍሊ ሓንጐል ዝያዳ ንቑሕ ይኸውን።
ብኣንፃሩ ልዑል ርትዓዊነት ዘለዎን ንፀገም ምፍታሕ ዝኽእልን ክፍሊ ድማ፡ መጠን ንቕሓቱ ከም ዝንክይ ሰብሞያ ይዛረቡ።
ኣብ እዋን ድቃስ ብምቁራፅ ትንፋስ ዝመፅእ 'ስሊፕ ኣፕኒያ'፣ ሕማም ምንቅጥቓጥ እግሪ ከምኡ'ውን ከም ታይሮይድ ዝኣመሰሉ ፀገማት ጥዕና፡ ተመሊስካ ንምድቃስ ኣፀጋሚ ክገብርዎ ይኽእሉ።
ኣነባብራና'ውን ነዚ ፀገም ከጋድድ ይኽእል።
ምሸት ከቢድ ምግቢ ምምጋብ ወይ ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ልዕሊ ዓቐን ሽኮርን ካፌንን ምጥቃም፡ ሰብነት ድቃስ ንምምፃእ ንዝለቅቖም ምልክታት ከመናጕዩ ይኽእሉ።
ኣልኰል ምስታይ'ውን ካልእ ፀገም እዩ።
ኒውሮሎጂስት ዶክተር ፕራሻንት ማክሂጃ፡ "ኣልኰል ብቅልጡፍ ንክንድቅስ ክገብረና ይኽእል። ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ሰዓታት ፀላም ከብዲ ስርሓ ምስ ጀመረት ግና፡ ከም መነቓቕሒ ምዃን ይጅምር። ብፍላይ ናብቲ ቅልል ዝበለ ናይ ወጋሕታ ድቃስ ክንሰግር ኣብ ዝግበአና ግዘ ንድቃስ የቋርፅ" ብምባል የረድእ።
እዚ ፀገም ንምንታይ ኣብ ደቂኣንስትዮ ዝዛየደ ይኸውን?
መፅናዕቲታት ከም ዝሕብርዎ፡ ደቂ ኣንስትዮ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ለይቲ ካብ ድቃሰን ይነቕሓ።
ዋላ'ኳ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዝበለፀ ግዘ ዓሚቕ ድቃስ እንተሃለወን፡ ካብ ድቃስ ናይ ምንቃሕ ፀገም ከጋጥመን ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ መፅናዕቲታት የመልክቱ።
ምስ ወርሓዊ ፅግያት ዝዛመድ ለውጢ ሆርሞን፣ ጥንሲ ከምኡ'ውን ምቁራፅ-ፅግያት፡ ከም ጠንቂ ይጥቀሱ።
ይኹን'ምበር፡ እቲ ብዙሕ ኣቓልቦ ዘይወሃቦ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥም ማሕበረሰባዊ ፀቕጢ'ውን፡ ንድቃሰን ክዘርግ ከም ዝኽእል ፊዚዮሎጂስት ድቃስ ሮሚሼቭስኪ ትዛረብ።
"ኣብዚ እዋን እንኰ ምንጪ ኣታዊ ስድርአን ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋና። ከምኡ ኰይኑ'ውን ወለዲ፣ ሕዚ'ውን ቀንዲ ሓብሐብቲ እየን… ሕዚ'ውን እዞም ዘይረኣዩ ከበድቲ ሸኽምታት ንምፅዋር ይፍትና ኣለዋ" ትብል።
ብካልእ ወገን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ስራሕን ናይ ምሕብሓብ ሓላፍነተንን ድሕሪ ምፍፃመን፡ ንምድቃስ ከምኡ'ውን ንምዝንጋዕ ዕድል ዝረኽባሉ ብሕታዊ ኣጋጣሚ ድቃስ ስለ ዝኾነ፡ ናብ ምድቃሰን ምኻድ'ውን ከም ዘደንጕይኦ እታ በዓልቲ ሞያ ወሲኻ ትገልፅ።
"ደቂ ኣንስትዮ ንዝሓተን ነገራት ንምግባር ዘኽእል ግዘ ዘይብለን ምዃነን፡ ኣብ ሕክምና ድቃስ ከም ዘላ በዓልቲ ሞያ ዘጋጥመኒ ፀገም እዩ" ብምባል ተረድእ።
ተመሊስካ ምድቃስ
ሰብሞያ ከም ዝብልዎ፡ ፈፂምካ ካብ ድቃስ ዘይምንቃሕ ዕላማ ክንገብሮ ኣይግበአናን።
እንተኾነ፡ ካብ ድቃስ እንነቕሐሉ ግዘ ዘይዝከር ንክኸውን፡ ከምኡ'ውን ብተፈጥሮ ናብ ድቃስ ምምላስ ንክቐለና፡ ጥዕና ዘለዎም ልምድታት ድቃስ ክነማዕብል ኣለና።
ቅድሚ ድቃስ ሰዓት ኣብ ልምዲታት ኣብ ክንዲ ምድሃብ፡ ካብ ንጉሆ ዝጅምር ልምዲ ምምዕባል ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ሰብሞያ የረድኡ።
መዓልታዊ ካብ ድቃስና ንለዓለሉ ቀዋሚ ሰዓት ምምዳብ፣ ምስ ነቓሕና ሻቡ ንሻቡ ንበዓልና ንብርሃን ምቅላዕ፡ ከምኡ'ውን ምንቅስቓስ ሰብነት ምግባር ንውሽጣዊ ሰዓት ሰብነት ንምስትኽኻልን ምሸት ፅኑዕ ድሌት ድቃስ ክህልወና ንምግባርን ይሕግዝ።
እንትደኽመኩምን ድቃስ እንትመፅአኩምን ጥራሕ ናብ ዓራት ምኻድ'ውን፡ ካልእ ማዕዳ ሰብሞያ እዩ።
ሮሚሼቭስኪ፡ "እትድቅስሉ ሰዓት ብባዕልኩም እንትትውስኑን ድቃስ እንከይመፅኣኩም እንከሎ ናብ ዓራት ክትኸዱ እንከለኹምን፡ ሓንጎልኩም ዝተረጋግዐ ክኸውን ትፅቢት ትገብሩ። ሓንጎል ግና ነዚ ዝፃረር እዩ ዝገብር። ብትኽክል ድቃስ ስለ ዘይመፅአ፡ ንድቃስ ይዘርጉ'ዮም ትብሎም ደጋዊ ነገራት ኣሊኻ'ውን፡ ክነቅሕ ይጅምር" ብምባል ተብርህ።
ለይቲ ካብ ድቃስኹም ኣብ ትንቕሕሉ ኣብ ሰዓት ምትኳር ወይ ስልክኹም ምንካእ፡ ክንደየናይ ድቃስ ከም ዝተርፈኩም ክትሓስቡ ስለ ዝገብር ጭንቀት ሓንጎል ይውስኽ።
ን20 ደቓይቕ እንተድኣ ነቒሕኩም፡ ናብ ካልእ ክፍሊ ገዛኹም ምኻድን ኣብ ደባን ብርሃን ኰይንኩም ዝኾነ ነገር ምግባርን፡ ናብ ድቃስኩም ንምምላስ ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ። ናብ ዓራትኩም ክትምለሱ ዘለኩም፡ ዳግማይ ድቃስኩም እንትመፅእ ጥራሕ እዩ።
ብተደጋጋሚ ለይቲ ካብ ድቃስኩም ትነቕሑ፣ መሊስኩም እንከይደቀስኩም ነዊሕ ትፀንሑ እንተድኣ ኰይንኩም ወይ ድማ ስምዒትኩም ወይ ኣብ መዓልታዊ ህይወትኩም ፀቕጢ ዝፈጥር ነገር እንተድኣ ኣሎ ፡ ናብ በዓልሞያ ምኻድ ከድልየኩም እዩ።
ሰባት ክቕይርዎ ዝኽእሉ እቲ ዝዓበየ ጉዳይ፡ ድቃስ ፍፁም ክኸውን ዘይምፅባይ እዩ፤ የግዳስ ምስ ኩነታት ክላመድ ምግባር ከም ዘድልይ ሰብሞያ ይምዕዱ።
ሮሚሼቭስኪ፡ "ፍፁም ንምግባር እንትንፍትን፡ ክንሓምም እንከለና፣ ለውጢ ሰዓት እንትህልው፣ ኣብ ግዘ ጥንሲ፣ ምቁራፅ-ፅግያትን ለውጢ ሆርሞንን እንተጋጥሙ ክገብሮ ዝግባእ ንከይሰርሕ ኢና ንገትኦ ዘለና" ትብል።