እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ቀጥታ, ናብን ካብን ከተማ መቐለ ዝግበር በረራታት ዳግማይ ክጅምር'ዩ

እቲ መገዲ ኣየር ብሰንኪ ኣብቲ ክልል ዳግም ዝተወልዐ ግጭት፡ ናብ መቐለ፡ ኣኽሱምን ሽረን ዝገብሮም በረራታት ካብ 13 መስከረም 2019 (ግእዝ) ጀሚሩ ደው ከምዘበለ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር። ኣብቲ እዋን ሓይልታት ትግራይ ናብ ሰለስቲአን ከተማታት ዝርከቡ መዓርፎታት ነፈርቲ ተቖጻጺሮሞ ነይሮም። ሓደ ካብቶም ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምቕራብ መዝነቶም ዝጸደቐ ኣባላት ካቢነ ዝኾነ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ጥሩነህ ተሻገር ብዝጸንሖ መዝነት ክቕጽል ተሓርዩ ኣሎ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • እታ ዳኛ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ፍትሒ'ውን ዝነበረት ደቡብ ኣፍሪቃዊት፡ "ሰላምን ዓለምለኻዊ ሕግን ንምድንፋዕ ብዝገበረቶ ጻዕርታት" ነቲ ሽልማት ክህባ ከምዝወሰነ እቲ ኣብ ኖርወይ ዝርከብ ኮሚተ ኖበል ኣፍሊጡ።
  • እቲ መገዲ ኣየር ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ "ብግዝያዊነት ተቛሪጹ" ዝጸንሐ ናብ ከተማ መቐለ ዘካይዶ በረራታት ካብ ድሕሪ ጽባሕ ሰንበት ባሕቲ ጥቅምቲ ናብ ንቡር ክምለስ ምዃኑ ይጠቅስ።
  • ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብሓሙስ 9 ደቂኣንስትዮ ዝርከብዎ ሓድሽ ካቢነ ሚኒስተራት ኣቚሙ ኣሎ። ሓደ ካብቶም ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምቕራብ መዝነቶም ዝጸደቐ ኣባላት ካቢነ ዝኾነ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ጥሩነህ ተሻገር ብዝጸንሖ መዝነት ክቕጽል ተሓርዩ ኣሎ።
  • ዕጡቓት ሑቲ ንክልተ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ሓቢሮም። ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ኣብሓ ኣብ ዝተኻየደ ደብዳብ ክልተ ሰባት ክሞታ እንከለዋ፡ ካልኦት 28 ቆሲሎም። ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ሪያድ ዝርከብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ኻልድ እውን ሓደ ሰብ ተቐቲሉ፡ 8 ካልኦት ቈሲሎም ኣለዉ።
  • ኣብ ኣመሪካ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝርከቡ ወዲ 63 ዓመት ማዱሮን፡ ጓል 69 ዓመት ፍሎረስን፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ስቅያት ንምፍጻም ውዲት ኣሊሞም ዝብል ክሲ'ዩ ቀሪብሎም ዘሎ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ቀንዲ መዓርፎ ነፈርቲ ሪያድ ሕጂ'ውን ዒላማ መጥቃዕቲ ሑቲ ይኸውን

    የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ ሰለስተ ዜጋታት እታ ንግስነት ተቐቲሎም።

    እቶም ግዳያት፡ ነቲ ኣብ ርእሰከተማ ሪያድ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ኻልድ ዒላማ ኣብ ዝገበረ ክልተ መጥቃዕትታት'ዮም ተቐቲሎም።

    ካልኦት ሓያሎ ዜጋታት እታ ሃገርን ወጻእተኛታትን ቆሲሎም ከምዘለዉ'ውን ሰብመዚ ሲቪል ኣቬሺን እታ ንግስነት ሓቢሮም ኣለዉ።

    እቲ ትማሊ ዝተኻየደ ቀዳማይ መጥቃዕቲ ነቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዒላማ ዝገበረ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ንሓንቲ ነፋሪት መገዲ ኣየር ስዑዲ ከምዝሃረመ እቲ መግለጺ የመልክት።

    ዕጡቓት ሑቲ ብወገኖም፡ ሓላፍነት ናይቲ መጥቃዕቲ ብምውሳድ፡ ክልተ ባሊስቲክ ሚሳይላት ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝተኮሱ ገሊጾም ኣለዉ።

    ቅድሚ ሒደት መዓልታት'ውን ሓደ ሱዳናዊ ዝርከቦም ሰለስተ ወጻእተኛታት ብተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ሞይቶም ምንባሮም ይዝከር።

    ወተሃደራዊ ኣፈኛ ናይ ጉጅለ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ መጥቃዕቲታት "ግብረመልሲ ናይቲ ስዑዲ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዝፈጸመቶ ወራር እዩ" ብምባል "ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ጥራይ 60 ደብዳባት ኣየርን መጥቃዕቲ ሚሳይላትን" ከምዝተፈጸመሎም ተዛሪቡ።

    እታ ንግስነት ነቶም ኣንጻሮም ዝዋግኡ ዘለዉ በቲ ኣብ ወደባዊት ከተማ ዓደን ዝርከብ መንግስቲ የመን ዝምርሑ ሓይልታት ትድግፍ ምህላዋ'ውን ንዕጡቓት ሑቲ ካብቲ ዘቖጥዖም ዘሎ ምዃኑ ኣይሓብኡን።

  2. ሽልማት ኖበል ሰላም ንኣፍሪቃዊት ሓላፊት ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ነበር ተዋሂቡ

    ሓላፊት ሰባዊ መሰላት ህቡራት ሃገራት ነበር ናቪ ፒለይ ሽልማት ኖበል ሰላም 2026 ተዓዊታ።

    እታ ዳኛ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ፍትሒ'ውን ዝነበረት ደቡብ ኣፍሪቃዊት፡ "ሰላምን ዓለምለኻዊ ሕግን ንምድንፋዕ ብዝገበረቶ ጻዕርታት" ነቲ ሽልማት ክህባ ከምዝወሰነ እቲ ኣብ ኖርወይ ዝርከብ ኮሚተ ኖበል ኣፍሊጡ።

    ጓል 85 ዓመት ፒለይ፡ ንዓሰርተታት ዓመት ኣብ ዝቐጸለ መዝነታታ ንከም ናይ ርዋንዳ፡ ሚያንማርን ቓዛን ዝበሉ ዓበይቲ ጉዳያት ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ኣብ ምድናይን ምውሳንን ዝተሳተፈት እያ።

    እታ ናይ ሕጊ ምርቕቲ ዝኾነት ፒለይ፡ ነቶም ኣብ ሃገራ ኣንጻር ኣፓርታይድ ዝቃለሱ ዝነበሩ ፍሉጣት ተቓለስቲ ብምጥባቕ'ያ ብኣጋኡ ሞያኣ ኣማዕቢላ።

    ኣቦመንበር ሽማግለ ኖበል ወኖርወይ ጆርገን ዌትነ ፍሪድነስ ከምዝበሎ፡ ኣበርክቶኣ "ገበናት ኲናት፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ምጽናት ዓሌትን ናብ ሕጊ ክቐርቡ ኣገዳሲ" እዩ ነይሩ።

    ንሳ መበል 5ይቲ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ተዓዋቲት ኖበል ኮይና ኣላ። ፍሉጥ ተቓላሳይ ኣንጻር ኣፓርታይድን፡ ፈላሚ ፕረዚደንት ደሞክራስያዊት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበርን ነልሰን ማንዴላ፡ ከምኡ'ውን ኣፓርታይድ ከብቅዕ ኣፍደገ ዝኸፈተ ናይ መወዳእታ ፕረዚደንት ናይቲ ንውሑዳን ጸዓዱ ዝውክል ዓሌታዊ መንግስቲ ዝነበረ ኤፍ-ዳብሊው ደክለርክን ሓደ ሽልማት ኖበል ሰላም 1993 ምምቓሎም ይፍለጥ።

    ቅድሚኦም'ውን ፍሉጥ ተሓላቒ መሰላት ዝነበረ ጳጳስ ኣንግሊካዊ ቤተክርስትያን እታ ሃገር ዝነበረ ደዝሞንድ ቱቱ (1984)፡ ከምኡ'ውን ሓደ ካብ ፈለምቲ መራሕቲ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ጉባኤ (ኤ-ኤን-ሲ) ኣልበርት ሊቱሊ (1961) ነቲ ሽልማት ተቐቢሎም ነይሮም'ዮም።

  3. ትግራይ፡ ናብን ካብን መቐለ ዝግበር በረራታት ዳግማይ ክጅምር'ዩ

    መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ናብን ካብን ትግራይ ዘካይዶ በረራታት ዳግማይ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ።

    እቲ መገዲ ኣየር ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ "ብግዝያዊነት ተቛሪጹ" ዝጸንሐ ናብ ከተማ መቐለ ዘካይዶ በረራታት ካብ ድሕሪ ጽባሕ ሰንበት ባሕቲ ጥቅምቲ ናብ ንቡር ክምለስ ምዃኑ ይጠቅስ።

    "ናብ ከተማ መቐለ ዘካይዶ ስሩዕ በረራታት ካብ 1 ጥቅምቲ 2019 ከምዝጅምር ብዓቢ ሓጐስ ይገልጽ።

    "ኣብ ቀረባዅም ናብ ዘሎ ቤት ጽሕፈት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብምኻድ ወይ ናብ ናይ ስልኪ ማእከልና 6787 ብምድዋል ምዝገባ ክትሕዙ ከምእትኽእሉ ከነፍልጥ ንደሊ" ይብል እቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝወጸ መግለጺ።

    እቲ መገዲ ኣየር ብሰንኪ ኣብቲ ክልል ዳግም ዝተወልዐ ግጭት፡ ናብ መቐለ፡ ኣኽሱምን ሽረን ዝገብሮም በረራታት ካብ 13 መስከረም 2019 (ግእዝ) ጀሚሩ ደው ከምዘበለ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

    ኣብቲ እዋን ሓይልታት ትግራይ ናብ ሰለስቲአን ከተማታት ዝርከቡ መዓርፎታት ነፈርቲ ተቖጻጺሮሞ ነይሮም።

    እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ቅሩብ መዓልታት ሰራዊት ኢትዮጵያን ትግራይ ሓይሊ ሰላም ተባሂሎም ዝፍለጡ ዕጡቓትን ብምትሕብባር ንከተማ መቐለ ከምዝተቖጻጸሩ ይዝከር። ብህወሓት ዝምራሕ ነቲ ክልል ከመሓድር ዝጸንሐ ምምሕዳር'ውን ካብታ ከተማ ከምዝወጸ ኣፍሊጡ ነይሩ።

  4. ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ዝሸሞም ኣባላት ሓድሽ ካቢነ ሚኒስተራት

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብሓሙስ 9 ደቂኣንስትዮ ዝርከብዎ ሓድሽ ካቢነ ሚኒስተራት ኣቚሙ ኣሎ።

    ሓደ ካብቶም ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምቕራብ መዝነቶም ዝጸደቐ ኣባላት ካቢነ ዝኾነ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ጥሩነህ ተሻገር ብዝጸንሖ መዝነት ክቕጽል ተሓርዩ ኣሎ።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ጌደዎን ጢሞቴዎስ'ውን ኣብ ዝነበሮ ክቕጽል ከምብሓድሽ ተመዚዙ።

    ብዘይካ'ዚ፡ መሐመድ እድሪስ ሚኒስተር ምክልኻል ክኸውን እንከሎ፡ ጓል 47 ዓመት ዶ/ር ፍጹም ኣሰፋ ፈላሚት ጓልኣንስተይቲ ሚኒስተር ፋይናንስ ክትከውን ተመዚዛ ኣላ።

    ኣባላት ካቢነ ዝነበሩልዕሊ 10 ሚኒስተራት ኣብዚ ሓያሎ መንእሰያት ዘጠቓለለ ሓድሽ ካቢነ ኣይኣተዉን። ገለ'ውን ካብ ሚኒስትሪ ናብ ሚኒስትሪ ዝተቐየሩ ኣለዉ።

    ኣስማት ናይቶም ዝተረፉ ሚኒስተራት እዞም ዝስዕቡ'ዮም፣

    • ፕ/ር ብርሃኑ ነጋ (ኣባል ተቓዋሚ ሰልፊ ኢዜማ)፡ ሚኒስተር ትምህርቲ
    • ያስሚን ዎሃብረብ፡ ሚኒስተር ንግዲን ዞባዊ ውህደትን
    • ኣዲሱ ኣረጋ፡ ሚኒስተር ሕርሻ
    • ሃና ኣርያስላሰ፡ ሚኒስተር ፍትሒ
    • ዶ/ር ፍስሃ ይታገሱ፡ ሚኒስተር ኢንዱስትሪ
    • ዶ/ር ሃብታሙ ኢተፋ፡ ሚኒስተር ማይን ጸዓትን
    • ኣውሉ ኣብዲ፡ ሚኒስተር ዕዮን ሞያን
    • በረኸት ፍስሃጽዮን፡ ሚኒስተር ሃገራዊ ስትራተጂ
    • ኣለምጸሃይ ጳውሎስ፡ ሚኒስተር ማዕድን
    • ሸዊት ሻንካ፡ ሚኒስተር ደቂኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳያትን
    • ፍረሂወት ታምሩ፡ ሚኒስተር መሃዝነትን ተክኖሎጂን
    • ሱልጣን ወሊ፡ ሚኒስተር መስኖን ቆላታትን
    • ዶ/ር መቕደስ ዳባ፡ ሚኒስተር ጥዕና
    • ሰላማዊት ካሳ፡ ሚኒስተር ባህልን ቱሪዝምን
    • ሳዳት ነሻ፡ ሚኒስተር ሎጀስቲክስ
    • ሙሳ ኣደን (ኣባል ተቓዋሚ ሰልፊ ህዝቢ ዓፋር)፡ ሚኒስተር ሰላም
    • መሓመድ ዓብዱራሕማን ሚኒስተር ምዕባለ ከተማታትን ትሕተ-ቅርጽን
    • ዶ/ር ኣኽሊሉ ታደሰ፡ ሚኒስተር መንእሰያትን ስፖርትን
  5. ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ መዓርፎታት ነፈርቲ ዝተፈጸመ ደብዳባት ሑቲ ሰለስተ ሰባት ቀቲሉ

    ዕጡቓት ሑቲ ንክልተ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ሓቢሮም።

    ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ኣብሓ ኣብ ዝተኻየደ ደብዳብ ክልተ ሰባት ክሞታ እንከለዋ፡ ካልኦት 28 ቆሲሎም። ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ሪያድ ዝርከብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ኻልድ እውን ሓደ ሰብ ተቐቲሉ፡ 8 ካልኦት ቆሲሎም ኣለዉ።

    ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ ኣንጻር እቶም ብስዑዲ ዝድገፉ ሓይልታት ደቡብ የመን ኣብ ዝዋግእሉ ዘለዉ እዋን'ዩ እቲ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ዘሎ።

    ኣብቲ ኣብ ኣብሓ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ዝተቐትላ ክልተ ግዳያት፡ ዜጋታት ሞሮኮን ኣልጀሪያን ምዃነን ብዓልመዚ ሲቪል ኣቬሺን ስዑዲ ኣፍሊጡ'ሎ።

    እቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ኻልድ ዝተቐተለ ድማ ሱዳናዊ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

    ወተሃደራዊ ኣፈኛ ሑቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓይልታቱ ንክልቲኡ መጥቃዕትታት ከምዝፈጸምዎ ተኣሚኑ።

    እቶም ዕጡቓት ብረቡዕ'ውን ነቲ ኣብ ደቡብ የመን ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ወደባዊት ከተማ ዓደን ዒላማ ዝገበረ ደብዳብ ኣካይዶም ነይሮም።

  6. ፕረዚደንት ቨነዙዌላ ነበርን ብዓልቲቤቱን ሓድሽ ክሲ ቀሪቡሎም

    ኣኽበርቲ ሕጊ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ቨነዙዌላ ነበር ኒኮላስ ማዱሮን ብዓልቲ ቤቱ ሲልያ ፍሎረስን ሓድሽ ክሲ መስሪቶም።

    ኣብ ኣመሪካ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝርከቡ ወዲ 63 ዓመት ማዱሮን፡ ጓል 69 ዓመት ፍሎረስን፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ስቅያት ንምፍጻም ውዲት ኣሊሞም ዝብል ክሲ'ዩ ቀሪብሎም ዘሎ።

    ማዱሮ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተማእሰርቲ መግረፍቲ ዝርከቦ ስቅያት ይፍጸም ምንባሩ ተሓለቕቲ መሰላት ይጠርዑ ነይሮም እዮም።

    ማዱሮ ምስ ምዝውዋር ኣጽዋርን ዕጸ-ፋርስን ብዝብል ክስታት ብፍሉይ ስርሒት ሓይልታት ኣመሪካ'ዩ ኣብ ጥሪ ናይዚ ዓመት ካብ ርእሰከተማ ካራካስ ተታሒዙ ተወሲዱ።

  7. እስራኤል፡ ብሪጣንያውያን ዲፕሎማሰኛታት ካብ ምብራቕ ዮሩሳሌም ይወጹ

    ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ምብራቕ ዮሩሳሌም ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ብሪጣንያ ክወጹ ከምዝተወሰነ ይግለጽ ኣሎ።

    እንተኾነ እቲ ምስ ፍልስጤም ዝተሓሓዝ ቤት ጽሕፈት ምሉእ ብምሉእ ከምዘይዕጾ ለንደን ኣፍሊጣ'ላ።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ጊዴዎን ሳር ከምዝበሎ፡ 20 ዲፕሎማሰኛታትን ዋና ቆንስል እቲ ቤት ጽሕፈትን ካብ እስራኤል ክወጹ ምዃኖምን፡ ሸውዓተ ኣባላት ዘለውዎ ሓይሊ ዕማም ኣብቲ ህንጻ ክጸንሕ ከምዝተወሰነን ብመገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓቢሩ። እቶም ዝተርፉ "ውሱን ንጥፈታት" ከምዝፍጽሙ'ዩ እቲ እስራኤላዊ ብዓል ስልጣን ሓቢሩ ዘሎ።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ኢድ ሚሊባንድ ብወገኑ፡ ገለ ኣባላት እቲ ሚሽን ክጸንሑ ምዃኖም ብምርግጋጽ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት "ምስ ህዝቢ ፍልስጤም ምስራሕ ክቕጽል" ምዃኑ ኣነጺሩ።

    ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም፡ ብሪጣንያ ምስቲ ዘይጋዊ ምስፋሕ ሰፈራታት እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ፍልስጤም ብዝተሓሓዝ ንግዳዊ እገዳታት ብምውሳና'ዩ መንግስቲ እስራኤል ነቲ ስጉምቲ ወሲዱ ዘሎ።

  8. ዩክረይን፡ መጥቃዕቲ ሩስያ ብውሕዱ 30 ሲቪላውያን ተጓዓዝቲ ቀቲሉ

    ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኣብ ዘካየደቶ ሓድሽ መጥቃዕቲ ንክልተ ህዝባዊ ኣውቶቡሳት ዒላማ ከምዝገበረት ሰብመዚ ገሊጾም፠

    ኣብቲ ኣብ ከባቢ ዓውደ-ውግእ ኣብ እትርከብ ከተማ ክራማቶርስክ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 30 ሰባት ተቐቲሎም፡ ካልኦት 18 ቆሲሎም ኣለዉ።

    ሞስኮ ብዙሓት ሲቪላውያን ንምቕታል ንህዝባዊ ኣውቶቡሳት ዒላማ ከምዝገበረት ኣመሓዳሪ ምብራቓዊ ዞባ ዶነትስክ ቫዲም ፊላሽኪን ከሲሱ።

    ነቲ ደብዳብ ዝኾነነ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብወገኑ፡ "እዚ መጥቃዕቲ'ዚ ግብረመልሲ ከይሃብናሉ ሱቕ ኣይክንብልን ኢና" ክብል ኣጠንቂቚ ኣሎ።

    ብወገን ክረምሊን ብዛዕባ'ቲ መጥቃዕቲ ይዅን ዘውረዶ ጉድኣት ዛጊት ዝተባህለ የለን።

  9. ኬንያ፡ ምስቲ ግዳይ ኢቦላ ዝነበሮም 57 ሰባት ይድለዩ ኣለዉ

    ምስቲ ብሕማም ኢቦላ ተታሒዙ ብሰኑይ ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ ዝሞተ ግዳይ ተራኺቦም ዝነበሩ 10 ሰባት ናብ ውሸባ ክኣትዉ ከምዝተገብረ ሰብመዚ ጥዕና ኬንያ ሓቢሮም።

    ካልኦት ምስቲ ካብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ዝመጸ ግዳይ ተራኺቦም ነይሮም ዝተባህሉ 57 ሰባት'ውን ይድለዩ ኣለዉ።

    እቲ ኣብ ናይሮቢ ዝተቐበረ ሰብ፡ ካብ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብመንገዲ ኡጋንዳ ኣቢሉ ዝተጓዕዘ ኬንያዊ ኰይኑ፡ ብቫይረስ ኢቦላ ቡንዲቡግዮ (Ebola Bundibugyo) ምልካፉ ተረጋጊጹ እዩ።

    ተርእዮ ናይቲ ሕማም ዘስግኦም ሰብመዚ ጥዕና ኣብ ኣፍደገታትን ዶባትን እታ ሃገር ልዑል ጥንቃቐን መርመራታትን ክግበር ኣዚዞም ኣለዉ።

    ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፡ ንኮሚቴ ሃገራዊ ባይቶ ጸጥታ፡ ኵነታት ኢቦላ ኣብታ ሃገር ክግምግሙን ተወሳኺ ስጕምትታት ክውስኑን ኣዚዙ'ሎ።

    እቲ ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራይ ኣብ ደ.ሪ.ኮንጎ ህይወት 4000 ሰባት ዝቐዘፈ ለበዳ ናብ ካልኦት ሃገራት ከይላባዕ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ምጽንሑ ይፍለጥ።

    ቫይረስ ኢቦላ፡ ብመገዲ ከም ደም፡ ተምላስን ቀልቀልን ዝበሉ ነገራት ብምትንካፍ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝሓልፍ ቀታሊ ሕማም እዩ።

  10. እስራኤል ንመጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ዘኪራ ውዒላ

    መበል ሳልሳይ ዓመት መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ኣብ መላእ እስራኤል ተዘኪሩ ውዒሉ።

    ብ7 ጥቅምቲ 2023 ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ሓማስ ናብ ውሽጢ እታ ሃገር ብምእታው ሃንበታዊ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ይዝከር።

    እቶም ካብ ወሽመጥ ቓዛ ዝተበገሱ ዕጡቓት ህጻናት ዝርከብዎም ኣስታት 1200 ሰባት ብምቕታል ንካልኦት 251 ጅሆ ሒዞም ወሲዶሞም ነይሮም።

    እዚ ድሕሪ'ቲ ብናዚ ጀርመን ኣብ ልዕሊ ኣይሁዳውያን ዝተፈጸመ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም'ውን ተዘኪሩ ከምዝወዓለ ጸብጻባት ሓቢሮም።

    ሰራዊት እስራኤል ሕነ ናይቲ መጥቃዕቲ ንምፍዳይ ካብታ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ከካይዶ ኣብ ዝጸንሐ ኲናትን ደብዳባትን ኣሽሓት ዕሸላትን ህጻናትን ዝርከብዎም ልዕሊ 74,200 ፍልስጤማውያን ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ጥዕና እታ ወሽመጥ የመልክቱ።

    ሓማስ ነቲ ፍጻመ ንምዝካር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ መጥቃዕቲ "ባህርያዊ ግብረመልሲ" ናይቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ዘብጽሓቶ "መሪር ስቓይ"ምዃኑ ብምምጓት "ነጥበ-መቐይሮ" ምንባሩ ንኢዱ።

    ኣብ ጥቅምቲ 2025 መንጐ ክልቲኦም ወገናት ምቊራጽ ተጻብኦታት ድሕሪ ምውሳኑ ጥራይ ኣስታት 1500 ፍልስጤማውያን ብደብዳብ እስራኤል ከምዝሞቱ ድማ ሓማስ ይገልጽ።

  11. ሓደሽ ስጉምቲ መንግስቲ ኬንያ ኣብ ጉዳይ ኢቦላ

    ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፡ ካብ ወጻኢ ዝኣተወ ሕሙም ኢቦላ ድሕሪ ሙማቱ፡ ንኮሚቴ ሃገራዊ ባይቶ ጸጥታ፡ ኵነታት ኢቦላ ኣብታ ሃገር ክግምግሙን ተወሳኺ ስጕምትታት ክመኽሩን ኣዚዙ።

    እቲ ሕሙም፡ ካብ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብመንገዲ ኡጋንዳ ኣቢሉ ዝተጓዕዘ ኬንያዊ ኰይኑ፡ ብቫይረስ ኢቦላ ቡንዲቡግዮ (Ebola Bundibugyo) ምልካፉ ተረጋጊጹ እዩ።

    ክሳዕ ሕጂ ዝተሓበረ ተወሳኺ መልከፍቲ የለን።

    ሰበ-ስልጣን ከም ዝሓበርዎ፡ ኣብቲ ናይ ካምፓላ-ናይሮቢ በረራ ዝነበሩ 27 ተጓዓዝቲ መንነቶም ተፈሊጡ ወይ ርክብ ተገይሩሎም ኣሎ።

    ብተወሳኺ ሸሞንተ ኣባላት ስድራቤትን 21 ሰራሕተኛታት እቲ በረራን ክንክን ጥዕናን ኣብ ውሸባ ይርከቡን ን21 መዓልታት ጥቡቕ ክትትል ይግበረሎም ምህላዉን ገሊጾም።

  12. ጀይ ዲ ቫንስ፡ ኲናት ደው ንምባል ኢራን ዓቕሚ ምብልጻግ ዩራንየም ከተጕድል ሓቲቱ

    ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይ ዲ ቫንስ፡ ነቲ ንዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት ደው ንምባል፡ ኢራን ኣብ ዓቕሚ ምብልጻግ ዩራንየምን - መደባት ኑክሌር ርኡይ ምጕዳል ክትገብር ተላብዩ።

    እዚ ርእይቶ ምክትል ፕረዚደንት፡ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ንምባል ኣብ ዝግበሩ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት፡ ስምምዓት ኑክሌር ወሳኒ ተራ ከም ዝህልዎም ዘርኢ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

    ቫንስ፡ ሰኑይ ምስ ሮይተርስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሐትት፡ ኢራን ብዛዕባ መጻኢ ናይ ምጕዳል ስጕምትታት እትህቦ መረጋገጺታት፡ ኣመሪካ ከም ዘይትቕበል ብምግላጽ፡ ኣብ ክንድኡ ቴህራን ጭቡጣት ስጕምትታት ክትወስድ ከም እትደሊ ተዛሪቡ።

    ቫንስ፡ "ኣጽዋር ኑክሌር ዘይትደልዩ እንተ ዄንኩም፡ ደኣ ስለምንታይ ክሳብ 60 ሚእታዊት ዝበልጸገ ዩራንዩም የድልየኩም?" ክብል እውን ተዛሪቡ።

    ኢራን ዓቕሚ ምብልጻግ ዩራንየም ብምቕናስ ኣጽዋር ኑክሌር ንዘይምስራሕ ዘለዋ ቈራጽነት ከተርኢ ከም እትኽእል እውን ኣረዲኡ። ኣብዘን ቀረባ ሰሙናት፡ ኢራንን ኣመሪካን ነቲ ኲናት ደው ዘብልን ወሽመጥ ሆርሙዝ ዘኽፍትን ዝበልኦ ትልሚ ኣቕሪበን እየን።

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ቴህራን ዘቕረበቶ ትልሚ ሰላም ነጺጕ፤ ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ መረጻ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ተጠናኺሩ ክቕጽል ከም ዝኽእል ተዛሪቡን እዩ። ቫንስ፡ ዋሽንግተን ኣብ ስምምዕ ሰላም ንምብጻሕ ክፍትቲ ምዃና ብምግላጽ፡ ካብ ወገን ቴህራን ጭቡጥ ስጕምቲ ከም ዘድሊ ሓቢሩ።

    ኣስዒቡ እውን፡ ምስ ፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፔዘሽክያንን ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓባስ ዓራግቺን ዘተታት ይካየድ እኳ እንተሎ፡ ኣብ ቴህራን ናይ መወዳእታ ውሳነ ዝውስን ኣካል መን ምዃኑ ዋሽንግተን ሕጂ እውን ርግጸኛ ከም ዘይኰነት ገሊጹ።

  13. ሑቲ ኣብ ልዕሊ መዓርፎ ነፈርቲ ዓደን መጥቃዕቲ ፈጺሙ

    ዕጡቓት የመናውያን ሑቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዓደን ብባሊስቲክ ሚሳይልን ነታጒ ብዝጸዓና ድሮናትን መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ተሰሚዑ።

    ምኒስትሪ ትራንስፖርት የመን ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓንቲ ካብ ካይሮ እትመጽእ ዝነበረት ነፋሪት ንኽትዓልብ ደቓይቕ ጥራይ ተሪፉዋ እንከሎ ሓደ ሚሳይል ጥቓ መሕነኒ ነፈርቲ ከም ዝወደቐ ኣፍሊጡ።

    ኣብ የመን ኣብ ዝተፈላለዩ ግምባራት ዝካየድ ዘሎ ውግኣት እናበርትዐ ኣብ ዝቐጸለሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ጥምረት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሪያድ ዝተወንጨፈ ባሊስቲክ ሚሳይል ከም ዘፍሸለ ኣፍሊጡ ኣሎ።

    ካብ ግብጺ ተበጊሳ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ዓደን ተቓሪባ ዝነበረት ነፋሪት፡ ኣንፈታ ቀይራ ኣብ ጅዳ ንኽትዓልብ ከም ዝተገብረ እቶም ሰበ-ስልጣን ወሲኾም ኣፍሊጦም።

    ኣብቲ መዓርፎ ዝነበራ ክልተ ነፈርቲ፡ ተወሳኺ መጥቃዕትታት ክህሉ ይኽእል እዩ ብዝብል ስግኣት ካብቲ ቦታ ከም ዝተላዕላ እውን ገሊጾም።

    ሑቲ ብዛዕባ ፈጺሞምዎ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ክሳዕ ሕጂ ዝሃብዎ ርእይቶ የለን።

    ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሑቲታት ኣብ እትርከብ ሰንዓ ንመወንጨፊ ዘገልግል ቦታ ይከታተሉ ምህላዎምን ከም ዘዕንዉዎን ዘፍለጡ ሰበ-ስልጣን ስዑዲ፡ ብዛዕባ ዘጋጠመ ጕድኣት ግን ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይሃቡን።

    ወተሃደራዊ ወሃብ ቃል ሑቲ የሕያ ሳርዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ጕጅለ ነቲ ኣብ ሪያድ ዝርከብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ኻልድ ብሓያሎ ድሮናት ከም ዘጥቅዖ ተዛሪቡ።

    ኣብ ልዕሊ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ስለ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካብ ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ዝተረኽበ መረጋገጺ የለን። እዚ መጥቃዕትታት ዘጋጠመ፡ ብስዑዲ ዝድገፉ ሓይልታት መንግስቲ ኣብዘን ቀረባ ሰሙናት ንገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝተቘጻጸሩ ሑቲ ስጕምቲ ጸረመጥቃዕቲ ድሕሪ ምውሳዶም፡ ውግእ የመን ኣብ ዝተፈላለዩ ግምባራት እናተባባዐ ኣብ ዝመጸሉ እዋን እዩ።

  14. ለበዳ ሕማም ኢቦላ ናብ ኬንያ ከምዝኣተወ ተረጋጊጹ

    ኣብ ኬንያ ሓደ ብሕምም ኢቦላ ዝተታሕዘ ሰብ ከምዝተረኽበ ሰብመዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

    ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ዓደን ዱዋለ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ግዳይ ናይቲ ሕማም ቅድሚ ሓደ ወርሒ በቲ ቫይረስ ተታሒዙ ምንባሩን ኣብ ዝተፈላለየ ሆስፒታላት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ተሓኪሙ ከምዝነበረን፡ ናብ ርእሰከተማ ናይሮቢ ምስ ኣተወ ከምዝሞተን ገሊጹ።

    እቲ ሰብ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ብነፋሪት ናብ ናይሮቢ ድሕሪ ምእታዉ፡ ንቡር መርመራ ተገይሩሉ ምስ ሓለፈ፡ ቤተሰቡ ናብ ሆስፒታል ከምዝወሰድዎ'ዩ እቲ ሚኒስተር ዝጠቅስ።

    ተርእዮ ናይቲ ሕማም ዘስግኦም ሰብመዚ ጥዕና ኣብ ኣፍደገታትን ዶባትን እታ ሃገር ልዑል ጥንቃቐን መርመራታትን ክግበር ኣዚዞም ኣለዉ።

    እቲ ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራይ ኣብ ደ.ሪ.ኮንጎ ህይወት 4000 ሰባት ዝቐዘፈ ለበዳ ናብ ካልኦት ሃገራት ከይላባዕ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ምጽንሑ ይፍለጥ።

    ቫይረስ ኢቦላ፡ ብመገዲ ከም ደም፡ ተምላስን ቀልቀልን ዝበሉ ነገራት ብምትንካፍ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝሓልፍ ቀታሊ ሕማም እዩ።

    ሬሳ ናይቲ ኣብ ኬንያ ፈላሚ ግዳይ ናይቲ ሕማም ኮይኑ ዘሎ ሰብ ብደገፍ ቀይሕ መስቀል ኣብ ናይሮቢ ከምዝተቐበረ ተፈሊጡ'ሎ።

  15. ሓላፊ ስለያ ጀርመን ነበር ምስጢራት ብምሕላፍ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

    ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ጀርመን ዝነበረ ኦገስት ሃኒንን ምስጢራዊ ሓበሬታ ንናይ ወጻኢ ትካላት ስለያ ብምሃብ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

    እቲ ካብ 1998 ክሳብ 2005 ሓላፊ ፈደራላዊ ኣገልግሎት ስለያ ጀርመን ነበር፡ ብክድዓት ሃገርን ንካልኦት ንሰለያዊ ሓበሬታ ብምሕላፍን'ዩ ተኸሲሱ ዘሎ።

    ኣኽበርቲ ሕጊ እታ ሃገር ከምዝብልዎ፡ እቲ ከም ክኢላ ጸጥታ ኣብ ምምኻር ተዋፊሩ ዝጸንሐ ብዓል ስልጣን ነበር፡ ስቱር ሓበሬታ ተጠቂሙ ንሓደ ብስም ዘይተጠቕሰ ትካል ስለያ ወጻኢ ትንተና ብምሃቡ'ዩ ተኣሲሩ ዘሎ።

    ሓለቓ ቤት ጽሕፈቱ ዝነበረ ማንፍረድ ዲ ብወገኑ፡ 2000 ምስጢራዊ ሰነዳት ሸይጡ ብዝብል ክሲ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

    ኣብ 2023 ሓደ ካርስተን ኤል ዝተባህለ መኮንን ስለያ ምስ ኲናት ዩክረይን ዝተሓሓዝ ንሩስያዊ ዕሱብ ጉጅለ ዋግነተር ብምሻጥ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ከምዝረኸበ ኣኽበርቲ ሕጊ ከሲሶም ምንባሮም ይዝከር።

  16. ኢትዮጵያን እስራኤል ኣብ እዋናዊ ኩነታት ዘትየን

    ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እስራኤል ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኢትዮጵያ ተዘራሪቦም።

    ጊዴዎን ሳር ምስ ኢትዮጵያዊ መዘንኦም ጊዴዎን ጢሞቴዎስ (ዶክተር) ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኢትዮጵያ ብስልኪ ከምዝተዘራረቡ ኣፍሊኢጡ።

    "ምስ መሓዛይ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጊዴዎን ጢሞቴዎስ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ ተዘራሪበ" ክብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሳር ገሊጹ።

    እንተኾነ እቲ ሚኒስተር እቶም እዋናዊ ጉዳያት እንታይ ምዃኖም ብዝርዝር ኣየጸረን።ኣብ ኣገዳስነት ሓድነትን ምርግጋእን ኢትዮጵያ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ምርግጋእን ክልቲአን ሃገራት ዘለወን ሓባራዊ ረብሓን ከምዝዘተዩ'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

  17. ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ሓያሎ ሰባት ቀቲሉ

    ኣብ ከተማ ዓድዋ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲታት ድሮን፡ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሲቪላውያን ጉድኣት ከምዝበፅሐ ነበርቲን ፀብብፃባት ዜናን ሓቢሮም።

    እቲ መጥቃዕቲ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓይልታት መንግስቲ ንርእሰ-ከተማ ትግራይ- መቐለ ብዘይ ዝዀነ ተኹሲ ኣብ ዝተቖፃፀርሉ እዋን'ዩ ተካይዱ።

    ናብ ሰንበት ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ሰገን ቤተመደቀሲ ዝተብሃለ ሆቴልን ከባቢኡን ዝተፈፀመ ኣርባዕተ ዙር መጥቃዕቲ ድሮን፡ ብሓፈሻ 11 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ሰራሕተኛታትን ነበርትን ንቢበሲ ትግርኛ ተዛሪቦም።

    ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብወገኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ 9 ሰባት ከምዝተቐትሉ ፀብፂቡ ኣሎ።

    እቲ መራኸቢ ብዙሓን ወሲኹ፡ ኣብ ከባቢ ሸራሮ ኣብ መዕቈቢ ተመዛበልቲ ብዝተፈፀመ ካልእ መጥዕቲ ድማ፡ ካልኦት ሸሞንተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ንሰራሕተኛታት ግብረሰናይ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

  18. ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዞባዊ ቅልውላው ከኸትል ከም ዝኽእል ሕብረት ኣውሮጳ ኣጠንቂቑ

    ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭትን ኣብቲ ዞባ ብፍላይ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን እናዓበየ ብዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ስክፍታኡ ገሊጹ።

    እዚ ኩነታት ኣብ ሰላምን ምርግጋእን መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከቢድ ሳዕቤን ዘለዎ "ሰፊሕ ዞባዊ ግጭት" ከበግስ ከምዝኽእል እቲ ሕብረት ኣጠንቂቑ።

    እቲ ሕብረት ብሰኑይ 5 ጥቅምቲ 2026 ኣብ ኤክስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኩሉ ግንባራት ዘሎ ወጥሪ ብቕልጡፍ ክዝሕል’ዩ ጸዊዑ።

    ብተወሳኺ ኵሎም ወገናት ነቲ ኵነታት ከጋድዱ ካብ ዝኽእሉ ተግባራትን ናይ ቃላት ምልውዋጥን ክቝጠቡ ኣተሓሳሲቡ።

    ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ መግለጺኡ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝርከቦም ኣውሓስትን ኣፈጸምቲን ከምኡ ከኣ ፈረምቲ ስምምዕ ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት ፕሪቶርያ፡ ነቲ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ንምትግባር ዘለዎም ቃል ደጊሞም ከረጋግጹ ኣተሓሳሲቡ።

    ኣተሓሒዙ ኵሎም ተሳተፍቲ እቲ ግጭት፡ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ከኽብሩ፡ ድሕነት ሰላማውያን ሰባት ከውሕሱ፡ ከምኡ ከኣ ገደብ ዘይብሉ ተበጻሕነት ሰብኣዊ ረድኤታት ከረጋግጹ ተማሕጺኑ።

    ሕብረት ኤውሮጳ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ኵለን ሃገራት ክኽበር ከምዘለዎ ብምጥቃስ “ናይ ደገ ምትእትታው ደው ክብል ኣለዎ” ብምባል ሃገራት ዘለወን ጽልዋታት ተጠቂመን ኣብ ክንዲ ነቲ ግጭት ምግዳድ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ፍታሓት ኣብ ምምጻእ ክሰርሓ ጸዊዑ።

    ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መወዳእታ መግለጺኡ “ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዞባዊ ምርግጋእ፡ ሰላማዊ ምትሕብባርን ቍጠባዊ ውህደትን ንምርግጋጽ” ዘለዎ ድልውነት ብምግላጽ “ትርጕም ዘለዎ ዘተን ብሰላማዊ ፍታሕ ንግርጭታትን ንዝውሰድ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት” ከም ዝድግፍ ሓቢሩ።

  19. ኣብይ ኣሕመድ ንዝቕጽሉ 5 ዓመታት ቀዳማይ ምኒስተር ክኸውን ተሰይሙ

    ኣብይ ኣሕመድ ንዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኰይኑ ተሸይሙ

    ኣብ ሻብዓይ ሃገራዊ መረጻ ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸበ ሰልፊ ብልጽግና ዝመርሕ ኣብይ ኣሕመድ፡ ብኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዳግማይ ቀዳማይ ምኒስተር ኰይኑ ተመዚዙ።

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ንዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዝለዓለ መሪሕነት እታ ሃገር ክፀንሕ ምዃኑን፡ ን13 ዓመታት ኣብ ስልጣን ክፀንሕ ዘኽእሎ ስጕምቲ እዩ።

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ወሽመጥ ፋርስ፡ ማእከላይ ምብራቕን ዘሎ “ማዕበል ለውጢ” ብምጥቃስ፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ “[ወሳኒ] ሃገር ናይ ምዃን ተራ ከምዘለዋ ብተደጋጋሚ ኣስሚሩ።

    ውሽጣዊን ግዳማውን ተለኣኣኽቲን “ብሓባር ከምዝተላዕሉ” እንተኾነ “ኣዝዮም ጽዒሮም፣ ተጓይዮም" ንኢትዮጵያ ከድክሙ ከምዘይከኣሉ ሓቢሩ።

    “ንጸላእትና ዘገድሶም ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከይትነግስ ምግባር ጥራይ’ዩ” እውን ኢሉ።

    ካብ ሃገራዊ ኣማኻሪ ኮምሽን ኢትዮጵያ ዝቐረቡ ኣጀንዳታትን ለበዋታትን ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ፈደራል መንግስቲን ክልላዊ መንግስታት ከምዝቐረቡ ዝዝከር እዩ።ካብዞም ለበዋታት መሰረት ብምግባር ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ግብሪ ዝፀንሐ ሕገ መንግስቲ ፈደራል ምምሕያሻት ከምዝግበር እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣኣንፊቱ ኣሎ።

  20. ኢትዮጵያ፡ ንዋዕላ መራሕቲ ኤርትራ፡ ግብጺ፡ ሱዳንን ሶማልያን ዝሃበቶ ምላሽ

    ኢትዮጵያ፡ ምስ ፈለግ ኒልን ቀይሕ ባሕርን ዝተኣሳሰሩ ጂኦግራፍያውን ታሪኻውን ሓቅታት ብፖለቲካዊ ክትዓትን ብተግባራት ሓይሊን ክቕየሩ ከምዘይክእሉ ገሊጻ።

    መራሕቲ ኤርትራ፡ ግብጺ፡ ሱዳንን ሶማልያን ኣብ ጉዳያት ሽዱሽተ ነጥብታት፣ ኣብ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ፡ ሶማልያ፡ ሱዳንን ፈለግ ኒልን (ኣባይ) ኣብ ዝምልከት ዘለዎም ሓባራዊ ኣረኣእያ ብመልክዕ ኣዋጅ ምጽዳቖም ስዒቡ እዩ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነዚ ምላሽ ዝህብ ዘሎ።

    ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲ ብዝገበረሎም ዕድመ ኣብ ግብጺ ከተማ ኒው ኣል ዓለሜን ዝተኣከቡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ከምኡ ከኣ ኣቦወንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ቀዳምን ሰንበትን ድሕሪ ዘካየድዎ ኣኼባ ንኣርባዕቲኤን ሃገራት ዝውክል "ሓባራዊ ኣዋጅ ኣል ዓለሜን" ዝሰመይዎ ኣዋጅ ኣውጺኦም ነይሮም።

    ብተወሳኺ ምሕደራን ምቁፅፃርን ቀይሕ ባሕሪ ናይተን ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝዳወባ ሃገራት ብሕታዊ ሓላፍነት ምዃኑ ተሰማሚዖም።

    ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ኣስማት እተን ኣርባዕተ ተቐናቐንቲ ሃገራት ይኹን ነቲ ዘውጽእኦ ሓባራዊ ኣዋጅ ከይጠቐሰ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ምንጪ ፈለግ ኒል ምዃናን፡ እቲ ሩባ ድማ 85 ሚእታዊት ካብ ማይ ኣባይ ዝመጽእ ምዃኑን ኣዘኻኺሩ።

    ስለዚ፡ ዝኾነ ይኹን ብዛዕባ ኣጠቓቕማን ምሕደራን ፈለግ ኒል ዝግበር ዘተ “ነዞም መሰረታዊ ሓቅታት ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ኣለዎ” ክብል ኣስሚሩ።

    ኩሎም ዞባዊ ተዋሳእቲ ሓባራዊ ብድሆታቶም፡ ብግጭት ዘይኮነስ ብዘተ ክፈትሑ እውን ኣተሓሳሲቡ'ሎ።