BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ

ቀጥታ,
መራሒ ልኡኽ ኢራን፡ ኣመሪካ 'እምነት ልኡኽ ኢራን ክትረክብ ኣይከኣለትን' ኢሉ

ጉጅለ ልኡኽ ኢራን መሪሑ ኣብቲ ኣብ ኢዝላማባድ ዝተኻየደ ዝርርብ ኣመሪካን ኢራንን ዝተሳተፈ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኢራን መሓመድ ባገር ጋሊባፍ፡ ድሕሪ ሕጂ ኣመሪካ "እምነት ኢራን ክትረክብ ትኽእል ድያ ኣይትኽእልን እትውስነሉ፡" ግዜ ሕጂ'ዩ ኢሉ። ምክትል ፕረዚደንት ጄዲ ቫንስ ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ኢስላማባድ ድሕሪ ዘካየድኦ ዝርርብ ሰላም ኣብ ስምምዕ ከም ዘይበጽሓ ገሊጹ።

ዜናታት

  • ካብ ሰሙነ ሕማማት ክሳብ በዓል ትንሳኤ

    ትንሳኤ ካብቶም ዓበይቲ በዓላት ኣመንቲ ክርስትና እዩ። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ዓብዪ ጾምን ንስሓን እዋን ዝጸንሑ ብዙሓት ክርስትያናት ትንሳኤ ክርስቶስ የብዕሉ። ትንቢታት ብሉይ ኪዳንን ዝተፈጸመላን እግዚኣብሔር ነዛ ዓለም ዘድሓነላን መደብ ከም እትውክል ይኣምኑ። ንምዃኑ በዓል ትንሳኤ ስለምንታይን ብኸመይን’ዩ ዝኽበር? ሰሙነ ሕማማትከ እንታይ ማለት’ዩ?

  • ቅዋም ሃገር ዝቐየረ ፕረዚደንት ጅቡቲ፡ ንሻድሻይ ግዜኡ ብዓብላሊ ተዓዊቱ

    ን27 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ገለ፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ቃል ኣትዩ እኳ እንተ ነበረ፡ ገደብ ዕድመ ፕረዚደንት ክሳዕ 75 ዓመት ንዝብል ዝነበረ ቅዋም ኣብ ሕዳር ብምቕያር፡ ንሻድሻይ ግዜኡ ንምርጫ ቀሪቡ።

  • 'መግነዚ ጨርቂ' እየሱስ ክርስቶስ ስለምንታይ'ዩ ኣዘራራቢ ኰይኑ?

    እየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ስቕለቱ ብጨርቂ ተገኒዙ ከምዝተቐበረ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ሰፊሩ ዝርከብ ታሪኽ'ዩ። ዝተሰቐለሉ መስቀል ኮነ ዝተገነዘሉ ጨርቂ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከምዝርከቡ ድማ ይዝረብ። እቲ ተገኒዙ ዝተቐብረሉ ምዃኑ ዝእመነሉ ጨርቂ ኣብ ዓዲ ጥልያን ከምዝተረኸበ ይዝከር። ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ተመራመርቲ፡ እቲ መግነዚ ጨርቂ ኣብ ግዜ እየሱስ ክርስቶስ ከም ዝተሰርሐ ከምዘረጋገጹ እዮም ዝገልጹ።

  • ኣብ ኡጋንዳ ዝርከቡ ቺምፓንዚታት ኣብ ሕሱም 'ኲናት ሓድሕድ' ተጸሚዶም

    ኣብ ዓለም ዝዓበየ ጕጅለ ቺምፓንዚታት ኣዕቝቡ ኣብ ዘሎ መኻን ዝርከቡ ቺምፓንዚታት፡ ኣብ ክልተ ተመቓቒሎም ንዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ኣብ ዘስካሕክሕ "ኲናት ሓድሕድ" ተጸሚዶም ከም ዘለዉ ተመራመርቲ ገሊጾም።

  • ኣብ ኤርትራ ዝበጽሐ ፍሉይ ወኪል ቻይና ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተራኺቡ

    ምስ ኤርትራ ዘለዎም ክልተኣዊ ሽርኽነት፡ ኣካል ናይቲ "ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓባራዊ ሰላምን ምርግጋእን ናይ ምድንፋዕ ስትራተጂ ልምዓት" ምዃኑ ኣምባሳደር ቻንግቹን ከምዝተዛረበ'ውን እቲ ብወገን ኣስመራ ዝወጸ ሓበሬታ የመልክት።

  • ጠፈርተኛታት ኣርተሚስ-2 እንታይ ተዓዚቦም ተመሊሶም?

    ወርሒ ንጸሓይ ምሉእ ብምሉእ ክትጋርዳ ከላ ዘርኢ እዩ። እቲ ዘደንጹ፡ እቶም ጠፈርተኛትታት ብድሕሪ ወርሒ ክሓልፉ ከለዉ ንኣስታት 54 ደቓይቕ ዝኸውን ፍጹም ከውሊ ግርደት ዝገልጽ ትርኢት ነይርዎም።

  • ትራምፕ ንጀይዲ ቫንስ ስለምንታይ እቲ ዝኸበደ ተልእኾ ኣረኪብዎ?

    ዲፕሎማስያዊ ተልእኾ ቫንስ ናብ ኢስላማባድ ፖለቲካዊ ዓውደ-ነተጕቲ እዩ። ኣብዚ ንምዕዋት ወይ ምዕባለ ንምምዝጋብ ድማ ድሕሪ'ቲ ንማእከላይ ምብራቕ ዘቈራቘሰን ንዓለማዊ ቍጠባ ዘናወጸን ንሽዱሽተ ሰሙን ዝቐጸለ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ኣብ ንሓድሕዶም ኣብ ፍጹም ዘይተኣማመኑ ሓያሎ መዳርግቲ ኣካላት ከዕግብ ክግደድ እዩ።

  • ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ፡ ብዙሕ ዘይተነገረሉ ደራሲ ዜማታት ቤተክርስትያን - እንታይ ንፈልጥ?

    ቅድሚ 1500 ዓመታት፡ 5 ሚያዝያ 497 ዓ.ም፡ ኣብ ሓምሻይ ክፍለ ዘመን ኣብ ሕምብርቲ ኣክሱም መደባይ ወለል ኣብ ዝተብሃለ ቦታ፡ ሙዚቃ ንዓለም ዘምሃረ ሊቅ ተወሊዱ፡ ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ።

  • ፓኪስታን፡ ብኸመይ ኣመሪካን ኢራንን ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ክገብራ ክትሽምግል ክኢላ?

    ብ መንጎ ኢራንን ኣመሪካን ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሐ ምቍራጽ ተዅሲ ቅድሚ ምእዋጁ ኣብ ዝነበራ ሒደት ሰዓታት፡ ኣብ ፓኪስታን ባና ተስፋ ተራእዩ። ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ፓኪስታናዊ ምንጪ፡ ሃገሩ ኣብ መንጎ ኢራንን ኣመሪካን እትገብሮ ዝነበረት ናይ ሽምግልና ዕማም "ብቕልጡፍ ናህሪ" ትቕጽሎ ከም ዘላ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

  • መንግስቲ ኢትዮጵያ ንተቓውሞ ህወሓት ብዝምልከት ንቢቢሲ ዝሃቦ ምላሽ

    ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ዕድመ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምንውሑ፡ "ክልተኣዊ ፖለቲካዊ ዝርርብ ኣሰማማዕቲ ኣካላት ዘይተገበረሉን ካብ ኣፍልጦን ተሳትፎን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ወጻኢ ዝተመሓለፈን በይናዊ ውሳነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዃኑ ንመላእ ህዝብና፡ ኣደራደርቲ ስምምዕ ፕሪቶርያን ማሕበረሰብ ዓለምን ከነፍልጥ ንፈቱ" ኢሉ።

  • ስቕለት ብኸመይን ኣበይን ተጀሚሩ?

    ተኸተልቲ እምነት ክርስትና፡ ቅድሚ በዓል ትንሳኤ ዘላ ዕለተ ዓርቢ መዓልቲ ስቕለት ክርስቶስ ኢሎም ዓመታዊ ብጾምን ስግዳንን የኽብሩዋ። እዛ ዕለት፡ ድሕሪ ብዙሕ ምንግልታዕን ስቓይን የሱስ ክስርቶስ ወዲ ሰብ ካብ ዝኣተዎ ሓጢኣት ንምድሓን ብዝብል ኣብ መስቀል ዝኸፈሎ መስዋእቲ ዝዝከረላ መዓልቲ እያ።

ኢንተርነት ዳታ ብምዕቃብ ትሕዝቶታት ቢቢሲ ትግርኛ ብቐሊሉ ኣንብቡ።

ዳታ ንምዕቃብ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑፍ ጥራይ ኣንብቡ።

ከይሓልፈኩም

ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል

ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዩቱብ

ትንታነ

ኣዘራረብቲ ዛዕባታት

ሳይንስን ጥዕናን

መዛነዪ

ዝያዳ ዝተነበ

  1. 8
    ንምንታይ'ዮም ባዕዳውያን ፍጡራት ዘለዉ፡ ንምንታይከ ዘይርኣዩና?