ኣመሪካ ንመጻብቦ ሆርሙዝ ምዕጻዋ 'ሓደገኛን ዘይሓላፍነታዊን' እዩ- ቻይና
ኣመሪካ ነቲ ምስ ኢራን ኣትያቶ ዘላ ተነቃፊ ስምምዕ ምቁራጽ ተዂሲ ባዕላ ተዳኽሞ ከምዘላ ቻይና ከሲሳ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብኣመሪካ ተኣዊጁ ዘሎ ምኽርዳን መጻብቦ ሆርሙዝ "ሓደገኛን ዘይሓላፍነታዊን ጠባይ እዩ" ክብል ኮኒኑ።
ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ዴሳዊት ሃገር ጉዎ ጂያኩን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ዕጽዋ ንዝጸንሐ "ወጥርታት ዘጋድድን ነቲ ተነቃፊ ስምምዕ ምቁራጽ ተዂሲ ዘዳኽምን እዩ" ኢሉ።
በይዢንግ ምዕቡል ስርዓተ-ምክልኻል ንኢራን ክትህባ ትዳሎ ኣላ ንዝብል ክሲ ዋሽንግተን'ውን "ፍጹም ዝተሰንዐ" ብምባል ነጺጉዎ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ቻይና ንቴህራን ወተሃደራዊ ደገፍ እንተሂባ፡ 50% ቀረጽ ክውስነላ ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃቑ'ያ ቻይና ነቲ መግለጺ ሂባ ዘላ።
ቻይና ልዑል መጠን ዘለዎ ነዳዲ ካብ ኢራን ስለትዕድግ፡ ዋሕዚ ቀረብ ከይጐድላ ኣብቲ ዞባ ምርግጋእ ክሰፍን'ያ ትደሊ ዘላ።
ትማሊ ምሸት ሓይልታት ኣመሪካ ነቲ መጻብቦ ከምዝዓጸውዎ ድሕሪ ምፍላጦም፡ ብውሕዱ 4 መራኽብ ንግዲ ከምዝሓለፋ ጸብጻባት ሓቢሮም ኣለዉ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ዓለምለኻዊ ውድብ ባሕሪ ከምዝብሎ፡ ንዓለም ዘገልግል መጻብቦታት ክትዓጹ ሕጋዊ መሰል ዘለዋ ሃገር የላን ክብል ኣፍሊጡ'ሎ።
"ኣብቲ ከባቢ ግጭት ከምዘሎ ይርድኣኒ እዩ፡ እንተኾነ ኣብ ዓለምለኻዊ ሕጊ ንመስመር መጓዓዝያ ባሕሪ ዓለም ናይ ምዕጻው ተግባር ዘፍቅድ ዓለምለኻዊ ሕጊ የለን" ክብል ዋና ጸሓፊ እቲ ትካል ኣርሰኒዮ ዶሚንገዝ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ብሰንኪ እቲ ኲናትን ምርጋጥ መጻብቦ ሆርሙዝን ኣስታት 20,000 ኣብቲ ወሽመጥ ሓዲግ ተሪፎም ከምዘለዉ'ውን ዶሚንገዝ ጠቒሱ።
ዋላ'ኳ ዋጋ ነዳዲ ብተዛማዲ ጐዲሉ ትሕቲ 100 ዶላር ንሓደ በርሚል ወሪዱ እንተሎ፡ ካብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበሮ ብ36% ብምውሳዂ ካብ ንቡር ወጻኢ ኮይኑ ይርከብ።