ቀጥታ, ኣብ ሊባኖስ እስራኤል መጥቃዕቲ ኣብ ዘሐየለትሉ እዋን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም

በዚ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 31 ሰባት ከም ዝሞቱ ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ሓቢሩ። ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ኣብ መፋርቕ ሚያዝያ ብመንጎኝነት ኣመሪካ ተኹሲ ደው ምባል ካብ ዝጅምር ንደሓር ንልዕሊ 100 ትሕተ ቅርጺ ቦታታትን ተዋጋእቲ ሕዝቦላህን ከም ዝሃረመ ገሊጹ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ መበል 14፡ ኣመሪካን ኢራንን ነቲ ኲናት ንምብቃዕ ዝዓለመ ዘተ ሰላም ክቕጽልኦ ተማሕጺኖም። እቲ ግጭት "ኣብ ኢራን ዝርከቡ ብዝሒ ዘለዎም ንጹሃን ሰባት ንመከራ ኣቃሊዑዎም እዩ፡" ኢሎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
  • ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ተሓዲሱ ዘሎ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን እቲ ብኢራን ዝድገፍ ሕዝቦላህን ዘሎ ግጭት ምሉእ ብምሉእ ደው ከብሎ ከም ዝኽእል ርግጸኛ ከም ዘይኰነ ገሊጹ።
  • "ኣመሪካ፡ ሊባኖስ ካብ ሕዝቦላህ ርእሳ ንኽትከላኸል ንምሕጋዝ ምስኣ ክትሰርሕ እያ፡" ክብል ትራምፕ ኣፍሊጡ።
  • ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮ፡ ኢራናውያን ስፖርተኛታት ኣብዚ ዓመት ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝካየድ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክሳተፉ ከም ዘይክእሉ ካብ ወገን ኣመሪካ ዝነገሮም ሰብ ከም ዘየሎ ገሊጹ። እንተዀነ፡ "ብዙሓት ግብረ-ሽበራውያን 'ሰራዊት ሓለዋ ሰውራ ኢራን' ከም ጋዜጠኛታትን ኣሰልጠንቲ ስፖርትን ኣምሲሎም ናብ ሃገርና ሒዞሞም ክመጽኡ ኣይፍቀድን እዩ፡" ኢሉ።
  • ጀርመናዊ መንገዲ ኣየር ሉፍታንዛ ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ነፈርቲ 20,000 ኣብ ውሽጢ ኣውሮጳ ዝካየድ ሓጸርቲ በረራታት ክስርዝ ምዃኑ ኣፍሊጡ።ሉፍታንዛ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሰብ መዚ ጋና፡ ዜጋታቶም ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ የውጽኡ ኣለው

    ጋና ተወሳኺ ዜጋታት ንምውፃእ መደብ ኣለዋ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ሰብመዚ ጋና፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ዜጋታቶም ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ሃገሮም ክመልሱ ምዃኖም ኣፍሊጦም።

    ካብቶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ተመዝጊቦም ኣለዉ ዝበልዎም 800 ዜጋታት፡ እቶም 300 ሎሚ ናብ ጋና ክኸዱ እዮም።

    ቢቢሲ ሎሚ ረቡዕ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጆሃንስበርግ ኦኣር ታምቦ፡ ኤምባሲ ጋና ካብ ዝተኻረየን ዓሰርተታት ኣውቶቡሳት ተጓዓዝቲ ከውርዱ ተዓዚቡ።

    እዚኦም፡ ኣብ ኩሉ ዕድመ ዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን እዮም።

    እዚ ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ከተማታት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ስደት ዝካየድ ዝነበረ ተቓውሞ ዝስዓበ ኰይኑ፡ ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ጽልኢ ወጻእተኛታት ዝፍጸም ዓመጽ ዳግማይ ክለዓል ይኽእል’ዩ ዝብል ስግኣት ኣስዒቡ ይርከብ።

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብገምጋም 25 ሽሕ ጋናውያን ይነብሩ።

    ሰልፈኛታት፡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ጸቕጢ የሕድሩ ከም ዘለዉ ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ነዚ ደው ንምባል ዝያዳ ክሰርሕ ኣለዎ ይብሉ።

    እቲ ሰልፍታት ተቓውሞ፡ "ማርች ማርች" ብዝተባህለ ጉጅለ ዝተወደበ ኰይኑ፡ ንነብሱ ብዜጋታት ዝምራሕ ምንቅስቓስ ጽገና ኢሚግሬሽን ኢሉ ይገልጽ።

    ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ካብታ ሃገር ንኽወጽኡ ድማ 30 ሰነ ናይ መወዳእታ ግዜ ኣቐሚጡ ኣሎ።

    ብ2019 ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 12 ሰባት ሞይቶም።

    ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተኻየዱ ተቓውሞታት ኣዳለውቲ ግን ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝነበሩ ገሊጾም።

    ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ናብ ወጻእተኛታት ዘቕንዐ ተግባራት ገበናዊ እዩ ብምባል እታ ሃገር ግን ንዘይሕጋዊ ስደት ክትገጥም ከም ዘለዋ ተኣሚኑ።

  2. ኣዛዚ ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ኣብ ቓዛ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተቐቲሉ

    ዝዓነወ ህንጻ

    ምንጪ ስእሊ, Mahmoud Isaa / Reuters

    ኣዛዚ ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ መመሓድ ኦዴህ፡ ብሰሉስ ኣብ ቓዛ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እስኤል ተቐቲሉ።

    ቅድሚኡ ዝነበረ ሓላፊ፡ ኢዝ ኣድ-ዲን ኣል-ሓዳድ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ግንቦት ብመጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ተቐቲሉ።

    ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ሰለስተ ፍልስጤማውያን ክሞቱ ከለዉ፡ ካልኦት ዓሰርተታት ድማ ቈሲሎም።

    እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ሓደ ካብቶም ጽዑቓት ዕዳጋታት ከተማ ቓዛ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ህንጻ ከም ዝተሃረመ ሓካይምን መሰኻኽርን እቲ ከባቢ ገሊጾም።

    ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ጸጥታን ሺን ቤትን እስራኤልን ንኦዴህ ከም መሕብኢ ዘገልግሉ ህንጻታት ንሓያሎ ኣዋርሕ ምንቅስቓሳቱ ድሕሪ ምክትታል ዒላማ ከም ዝተገብረሎም ሓቢሩ።

    ሓማስ ክሳብ ሕጂ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበን፤ እንተዀነ ሓደ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ምንጪ ሓማስን ኣዝማዱን፡ ኦዴህን በዓልቲ ቤቱን ምስ ዓቢ ወዶም ከም ዝተቐትሉ ሓቢሮም።

    ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ እስራኤልን ሓማስን ተኹሲ ደው ምባል ተሰማሚዖም እኳ እንተነበሩ፡ ኣብ ቓዛ ግን ዳርጋ መዓልታዊ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ይቕጽል ኣሎ።

    ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ብሰሉስ ዝወጽአ መግለጺ፡ ኦዴህ "ሓደ ካብቶም ሃንደስቲ ናይቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ ቅትለት፡" ምዃኑ ገሊጹ።

    በቲ መጥቃዕቲ ኣስታት 1200 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት 251 ድማ ጅሆ ተታሒዞም ናብ ቓዛ ተወሲዶም።

    ነዚ ስዒቡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ወፍሪ ብምክያድ ንመብዛሕትኡ መሬት ፍልስጤም ናብ ዑና ዝቐየረ ኲናት ክካየድ ጸኒሑ ኣሎ።

    ብሰንኩ ብዙሓት ካብቶም 2.1 ሚልዮን ነበርቲ ተመዛቢሎም።

    ሓይልታት እስራኤል ኣብ ቓዛ ልዕሊ 72,800 ሰባት ከም ዝቐተሉ ሚኒስትሪ ጥዕና እስራኤል ኣፍሊጡ። ሕቡራት ሃገራት፡ እዚ ኣሃዝ እሙን ኢሉ ይወስዶ።

  3. ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ዝመርሖ ጕጅለ ተዓዛቢ መረጻ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ

    ኡህሩ ኬንያታ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መጻኢ ሰኑይ ዝካየድ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ዝዕዘብ ጕጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኣተወ እቲ ሕብረት ኣፍሊጡ።

    እዚ ብፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡህሩ ኬንያታ ዝምራሕ ጕጅለ፡ ካብ 37 ሃገራት ዝተወጻጽአን 73 ኣባላት ዝሓዘ፡ ኣምባሳደራት፡ ሰብ ሞያ መረጻ፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ካልኦትን ዝሓዘ ምዃኑ ኣብ መግለጺኡ ጠቒሱ።

    ሕብረት ኣፍሪቃ ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መስርሕ ምሃብ ድምጽን ቈጸራን ክዕዘቡ ምዃኖም ጠቒሱ።

    ሃገራዊ ቦርድ መረጻ፡ ተዓዘብቲ በይነ መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪቃ (ኢጋድ) እውን ከም ዝሳተፉ ገሊጹ እዩ።

    እቲ ጕጅለ ተዓዘብቲ፡ ኣፈናዊ ጸብጻብ 26 ግንቦት 2018 ዓ.ም (ኣ.ግ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወግዓዊ ከም ዝገብር ክገልጽ ከሎ፡ ናይ መወዳእታ ጸብጻቡ ድማ እቲ መረጻ ምስ ተኻየደ ኣብ ውሽጢ ለልተ ወርሒ ከቕርብ እዩ።

    ሲቪክ ማሕበር ኢትዮጵያ፡ እዚ ንሻብዓይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ መረጻ ንምዕዛብ ልዕሊ 500 ተዓዘብቲ ከም ዘዋፈረ ይግለጽ።

  4. ፕረዚደንት ራማፎሳ ካብ ስልጣኑ ንኽእለ ዝተጀመሩ መስርሓት ብቤት ፍርዲ ክምጉቶም ጀሚሩ

    ፕረዚደንት ራማፎሳ

    ምንጪ ስእሊ, Bloomberg via Getty Images

    ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ ካብ ስልጣኑ ዘውርዶ ባይቶ ዘውጽኦን ኣባላት እቲ ባይቶ ካብ ስልጣን ንኽኣልዩዎ ዝገብር መስርሕ ንምእላይ ሕጋዊ ተቓውሞ ጀሚሩ።

    ብ2022 ሓደ ናጻ ኮሚተ፡ ራማፎሳ ኣብ ናይ ሕርሻ ቦታኡ ኣብ ሶፋ ተሓቢኡ ዝተረኽበ ገንዘብ ስርቂ ብዝተሓሓዝ ከቢድ ጉድለት ምምሕዳር ፈጺሙ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሉ ነይሩ።

    እቲ ፕረዚደንት ዝዀነ ጌጋ ከም ዘይፈጸመ ይገልጽ።

    ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት እቲ ባይቶ ነቲ ጸብጻብ ስዒቡ ካብ ስልጣን ናይ ምውራድ መርመራ ንኽጅመር ዝሃቦ ድምጺ ጥሰሕት ሕጊ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ።

    ራማፎሳ ዝመርሖ ሰልፊ ሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ (ANC) ኣብ ባይቶ ዝበዝሐ ድምጺ ነይርዎ።

    ኣብ 2024 ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ ኣብዝሓ ድምጺ ካብ ዝስእን ንደሓር ግን፡ ኣካል ልፍንታዊ መንግስቲ ኰይኑ እዩ ዘመሓድር ዘሎ።

    ራማፎሳ ብሰሉስ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬፕታውን ኣብ ዘቕረቦ ተቓውሞ፡ እቲ ነቲ ጸብጻብ ዘዳለወ ጉጅለ “ሓላፍነቱ ብልክዕ ኣይተገንዘበን፤ ዝቐረብሉ ሓበሬታታት ኣየገናዘበን፤ ኣብ ልዕለይ ኣርባዕተ ግጉያት ክስታት ኣቕሪቡ'ዩ፡" ኢሉ።

    እቲ ክሲ ምፍራስ ሕገ-መንግስቲን ከቢድ ስነ-ምግባርን ዘጠቓልል እዩ። እቲ ፕረዚደንት ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘቕረቦ መመልከቲ፡ እቲ ጸብጻብ ንጐድኒ ክተርፍን፡ መስርሕ ምእላይ ስልጣን ክስረዝን ሓቲቱ፡ “ነዚ መመልከቲ ብቐሊሉ ኣይገብሮን እየ” ክብል ሓቲቱ።

    እቶም ክስታት፡ ቅዋም ናይ ምጥምዛዝን ከቢድ ጌጋን ምፍጻሙ ዘካተቱ እዮም።

    "እዚ ኣቕሊለ ኣየቕርቦን፡" ዝበለ እቲ ፕረደዚንት፡ እቲ ጸብጻብ ክሕደግን ካብ ስልጣን ናይ ምልዓል መስርሕ ክስረዝን ሓቲቱ።

    ኣፈ ጉባኤ እቲ ባይቶ፡ ኤኤንሲ ሓዊሱ ካብ 16 ፖለቲካዊ ሰልፊታት ዝተወጻጽኡ 31 ኣባላት ዘለውዎ ካብ ስልጣን ዝኣሊ ኮሚቴ መስሪቱ ኣሎ።

    እቲ ኮሚቴ፡ እቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ናይ ምእላይ መስርሕ ክጅመር ኣለዎ ዶ የብሉን ዝብል ይውስን።

    እዚ ሰሓቦ ጉተቶ፡ ብ2020፡ ኣብ ግዝኣት ሰሜን ሊምፖፖ ኣብ ዝርከብ ሕርሻ ራማፎሳ ዝተሰር1 580 ሽሕ ዶላር ምስ ተረኽበ እዩ ጀሚሩ።

    ድሕሪ ክልተ ዓመት፡ ሓደ ዘይሻራዊ ኮሚቴ እቲ ፕረዚደንት ዝኣተዎ መብጽዓ ከም ዝጥሓሰ ዘርኢ መረዳእታ ክረክብ ከሎ፡ እቲ ፕረዚደንት መልሲ ክህብ ኣለዎ ኢሉ ነይሩ።

    ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሸርፊ ወጻኢ ኣብ ምሓዝ ጽኑዕ ሕጊ ዘለዋ ኰይና፡ ናይ ወጻኢ ሃገር ባጤራ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲታት ናብ ባንክ ክኣቱ የገድዱ።

    ኣብቲ እዋን፡ ራማፎሳ እቲ ገንዘብ ካብ ንግዲ ሕርሻ ብሕጋዊ መገዲ ዝተረኽበ እዩ ኢሉ ነይሩ።

  5. ናሳ፡ ኣብ ወርሒ ቀዋሚ መንደር ክሃንጽ መደብ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ

    ናሳ፡ ስእልታት ናይ ሓደ መደበር ወርሒ ምስ ኣባይቲ፡ ስርዓት ጸዓትን ሮቨርን ወግዓዊ ገይሩ ኣሎ

    ምንጪ ስእሊ, NASA

    ናሳ፡ ኣብ መጻኢ ኣብ ወርሒ ንዝህነጽ ወቃሚ መንደር ዘገልግሉ ሮቦታትን ማሽናትን ወግዓዊ ገይሩ።

    ብሉ ኦሮጅን፡ እዞም ናውቲታት ንምህናጽ ካብ መንጐ ዝተሓረዩ ኵባንያታት እቲ ሓደ እዩ።

    ተመራመርቲ ህዋ ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 2029 ካብ ስልጣን ቅድሚ ምልጋሱ ዳግም ናብ ወርሒ ክምለሱ ይደልዩ።

    ግን፡ ናሳ ናብ ወርሒ ንምምላስ ምስ ቻይና ኣብ ንሕንሕ ብምህላዩ፡ ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ከም ዝርከብ ይግለጽ።

    ቻይና፡ ብ2030 ጠፈርተኛታታ ኣብ ወርሒ ንክበጽሑ መደብ ሒዛ ትሰርሕ ኣላ።

    ብሰኑይ፡ ቻይና ሼንዙ-23 ዝተባህለ መንኮርኩር ናብ መደብር ህዋ ቲያንጎንግ ጠፈርተኛታት ሒዛ ዝተጉዓዘት መንኮርኩር ወግዓዊ ገይራ እያ።

    ብመጋቢት፡ ናሳ ኣብ 2032 ኣብ ደቡባዊ ንፍቀ ክቢ ወርሒ፡ ብኒዩክሌር ጸሓይን ዝሕገዝ ቀዋሚ መንደር ንምህናጽ ዘኽእሎ ናይ 20 ቢልዮን ዶላር ፕሮግራም ወግዓዊ ገይሩ ነይሩ።

    ኣመሓዳሪ ናሳ ጃሬድ ኣይዛክማን፡ ብሰሉስ ኣመሪካ "ዳግም ኣብ ልዕሊ ወርሒ ተስፋ ኣይትቘርጽን፡" ኢሉ።

    እዚ መንደር፡ ኣመሪካ ብፍላይ ኣብ ምድላይ ክቡር ማዕድናት ሳይንሳዊ ፈተነታት እተካይደሉ ኰይኑ፡ ናብ ማርስ ዝግበር ጉዕዞ ንምቕላልን ከም ዝሕግዝ ይንገር።

    ብዙሓት ክኢላታት ግን ግዜ ሰሌዳ ናሳ ክውንነታዊ ኣይኰነን ብምባል ነቒፎምዎ ኣለዉ።

    ኣርተሚስ ክልተ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዙርያ ወርሒ በጺሓ ከም ዝተመልሰት ይዝከር።

  6. እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ጽዑቕ መጥቃዕቲ ትፍጽም

    ዝዓነወ ትሕተ ቅርጺ

    ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ኣብ ልዕሊ ሕዝቦላህ ዝውሰድ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክሕይል እዩ ድሕሪ ምምባሉ፡ ኣብ መላእ ደቡባውን ምብራቓውን ሊባኖስ ብዝተፈጸመ ጽዑቕ መጥቃዕቲ ዓሰርተታት ሰባት ተቐቲሎም።

    ብሰንኪ እዚ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 31 ሰባት ከም ዝሞቱ ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ሓቢሩ።

    ሰራዊት እስራኤል ኣብ መፋርቕ ሚያዝያ ብመንጎኝነት ኣመሪካ ተኹሲ ደው ምባል ካብ ዝጅምር ንደሓር ብዝተፈጸመ ዝሓየለ ደብዳብ፡ ንልዕሊ 100 ትሕተ ቅርጺ ቦታታትን ተዋጋእቲ ሕዝቦላህን ከም ዝሃረመ ገሊጹ።

    ኔታንያሁ ኣብዚ ሰሙን ንሕዝቦላህ ዒላማ ኣብ ምግባር ዝያዳ መጥቃዕቲ ክፍጸም መምርሒ ከም ዝሃበ ገሊጹ ነይሩ።

    ሎሚ ረቡዕ፡ ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ካብ ሊባኖስ ናብ እስራኤል ፕሮጀክትላይት ከም ዝተወጨፈ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

    ወሲኹ ድማ እቲ ፕሮጀክትላይት ኣብ ክፉት ቦታ ከም ዝወደቐን ዝዀነ መጉዳእቲ ከም ዘይበጽሐን ገሊጹ።

    ኔታንያሁ ብሰሉስ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት ጸጥታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እስራኤል "ኣብ ሊባኖስ እትወስዶ ዘላ ስርሒት ተዕሙቘ ኣላ፡" ኢሉ።

    "ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብኣጋር ዓበይቲ ሓይልታት ሒዙ ይንቀሳቐስን ዓብላሊ መሬት ይሕዝን ኣሎ፡" ብምባል ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ንዝርከቡ ማሕበረሰባት ካብ መጥቃዕቲ ሕዝቦላህ ንምክልኻል "ነቲ ዞባ ጸጥታ የደልድሉ ኣለዉ፡" ኢሉ።

  7. ኢቦላ፡ ሬሳ ዝሞቱ ቤተሰቦም ዝተኸልከሉ ነበርቲ ምስ ፖሊስ ተጋጭዮም

    ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሰባት ማሕበራዊ ርክባት ዝነከዩ ዀይኖም፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ይጠቅሙ ኣለዉ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሰባት ማሕበራዊ ርክባት ዝነከዩ ዀይኖም፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ይጠቅሙ ኣለዉ

    ኣብ ምብራቕ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኣብ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ኢቦላ፡ ገለ ሰባት ናይ ቤተሰቦም ሬሳታት ንምውሳድ ድሕሪ ምፍታኖም፡ ምስ ፖሊስ ከምዝተጋጨዉ፡ ክልተ ጋዜጠኛታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

    እቲ ብሰንበት ዘጋጠመ ናዕቢ ምሉእ መዓልቲ ከምዝቐጸለ እቶም ሪፖርተራት ሓቢሮም።

    ኣብቲ ቀጽሪ ሆስፒታል ዝርከብ ማእከል ሕክምና፡ ሓደ ናይ መወሸቢ ዳስ ብሓዊ ተቓጺሉ ኣሎ።

    ሬሳ ናይ ሓደ ግዳይ ኢቦላ ኣዝዩ ተላባዒ ስለዝኾነ፡ ንህዝባዊ ስርዓተ-ቀብሪ ንቤተሰቡ ምስ ዝወሃብ፡ እቲ ቫይረስ ዝያዳ ክዝርጋሕ ከምዝኽእል ሰብ ሞያ ይዛረቡ።

    ኣብዚ ሕዚ እዋን ቊጽሪ ብኢቦላ ከምዝተለኽፉ ዝተጠርጠሩ ሰባት ልዕሊ 900 ሰባት ከምዝበፅሐን፡ 223 ድማ ግዳያት ሞት ከምዝኾኑን፡ ሰበስልጣን’ታ ሃገር ገሊፆም።

    ዳይረክተር ሕክምና ሓፈሻዊ ሆስፒታል ሞንግዋሉ ዶክተር ሪቻርድ ሎኩዱ ከም ዝበሎ፡ እቶም ብሰንበት መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት፡ ሬሳታት ክልተ ሰባት ንስድራቤቶም ክወሃብ ድሕሪ ምሕታቶም እዩ።

    ሓደ ካብቶም ዝሞቱ ካቶሊካዊ ካህን፡ “ፍሉጥ መራሒ ሃይማኖት” ምዃኑ ሓደ በዓል ስልጣን’ቲ ሆስፒታል ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

    ብኢቦላ ሞይቶም ከምዝዀኑ ዝተጠርጠሩ ሬሳታት ዝሕዙ ሰራሕተኛታት ጥዕና

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ብኢቦላ ሞይቶም ከምዝዀኑ ዝተጠርጠሩ ሬሳታት ዝሕዙ ሰራሕተኛታት ጥዕና

    እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ወተሃደራዊ ኣመሓዳሪ ናይታ ኣብዚ እዋን ለበዳ ኢቦላ ዝኾነት ግዝኣት ኢቱሪ፡ ንዝርግሐ ቫይረስ ኢቦላ ንምግታእ ዝግበር ቃልሲ ምስ "ኲናት" ኣመሳሲልዎ ኣሎ፤ ሰፊሕ ሕፅረት ፀጋታት ከምዝገጦሞም ድማ ሓቢሩ።

    ጆኒ ሉቦያ ንካሻማ፡ ንፈረንሳዊ ፈነወ ኣርኤአይ - RFI- ኣብ ዝሃቦሓበሬታ፡ "ኣብቶም ነቲ ሕማም ዝተሳጥሑ ከባቢታት ዝርከቡ ሰባት እኹል መግቢ ኣይረኽቡን ዘለዉ፤ ብዝሒ ሕሙማት ስለዘሎ ድማ ጽቕጥቅጥ ይፍጠር ኣሎ” ክብል ተዛሪቡ።

    ንሱ፡ እቲ ዞባ "ናብ ዓቢ ሓደጋ ከይኣቱ" ዓቕሚ ሰራሕተኛታት ምሕያል ሓዊሱ፡ "ቅልጡፍ ምላሽ" ክወሃብ ጸዊዑ'ሎ።

  8. ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ደቡባዊ ኢራን ሓድሽ መጥቃዕቲ ፈፂሙ

  9. እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሕዝቡላህ መጥቃዕቲ ክትቅጽል ምዃና ኣፍሊጣ

    ደብዳብ ዘስዓቦ ጸሊም ትኪ ኣብ ልዕሊ ከተማ ናባቴህ ይርአ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ሰራዊት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሕዝቡላህ ሓድሽ ማዕበላዊ መጥቃዕትታት ከምዝጀመረ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

    በንጃሚን ነታንያሁ ኣብ ዝሃቦ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፡ እሰራኤል ምስቲ ብኢራን ዝድገፍ ጉጅለ ሕዝቡላህ ኣብ ኲናት ከምዘላ ተዛሪቡ።

    "ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሳምንቲ 600 ኣሸበርቲ ተደምሲሶም" ኣለዉ ክብል ብምጥቃስ፡ ሰራዊቱ መጥዕቲ ክቕጽል ከምዝኣዘዘ ገሊጹ።

    ኣብዚ ኣብ ደቡባዊን ምብራቓውን ሊባኖስ ዝካየድ ዘሎ ደብዳባት ብውሕዱ 11 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ እታ ሃገር ሓቢሮም ኣለዉ። ሰራዊት እስራኤልን ግን፡ መጥቃዕትታቱ ንትሕተ-ቅርጺ ሕዝቡላህ ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ'ዩ ዝምጉት ዘሎ።

    እቲ ብኣመንቲ ሺዓ እስላም ዝድገፍ ሊባኖሳዊ ጉጅለ ብወገኑ፡ ግብረመልሲ ንምሃብ 20 ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲን ሚሳይላትን ናብ እስራኤል ከምዝወንጨፈ ሓቢሩ'ሎ። እቲ መጥቃዕቲ ንወተሃደራት፡ ታንኪታትን መዓስከራትን እስራኤል ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ'ውን እቲ መግለጺ ይጠቅስ።

    ብ16 ሚያዝያ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ስምምዕ ምቊራጽ ተዂሲ ድሕሪ ምጅማሩ መጥቃእቲ እስራኤል ንደቡባዊ ሊባኖስ ጥራይ ዒላማ ዝገበረ ኮይኑ'ዩ ጸኒሑ።

    ኣብቲ ድሕሪ'ቲ ስምምዕ ክካየድ ዝጸንሐ መጥቃዕቲታት 10 ወተሃደራት እስራኤል ክቕተሉ እንከለዉ፡ ብወገን ሊባኖስ ድማ ልዕሊ 400 ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ጥዕና ይሕብሩ።

    ወከልቲ ክልቲአን ሃገራት ብዛዕባ ምቊራጽ ተጻብኦታት ተወሳኺ ዝርርብ ንምክያድ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ዋሽንግተን ከምርሑ ትጽቢት ይግበር።

    ፕረዚደንት ሊባሰስ ጆሰፍ ዓውን ብወገኑ፡ ሓይልታት እስራኤል ካብ ደቡባዊ ሊባኖስ ጠቕሊሎም ክወጹ ጸዊዑ'ሎ።

  10. ደበና ኲናት ኢራን ዘይዓገቶ ዋሕዚ ሚልዮናት በጻሕቲ ሓጅ

    ካብ ጸሓይ ዝከላኸለለን ጽላል ዝሓዛን ጻዕዳ ልብሲ ዘስበራን በጻሕቲ ሓጅ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ብዙሓት ኣመንቲ እስልምና ናብቲ ዓመታዊ ዝግበር መንፈሳዊ ንግደት ሓጅ ንምስታፍ ናብ ስዑዲ ዓረብ ይውሕዙ ኣለዉ።

    ሰብመዚ እታ ንግስነት ከምዝበልዎ፡ ዛጊት ልዕሊ 1.5 ሚልዮን በጻሕቲ ካብ ወጻኢ ናብ ከተማ መካ ኣትዮም ኣለዉ።

    ኲናት ኢራን ዳግም ከይደግስ ተሰጊእሉ ኣብ ዘሎ እዋን'ዮም እቶም ኣመንቲ ናብታ ማእከል ሃይማኖት እስልምና ዝኾነት ሃገር ዝኣትዉ ዘለዉ። ሰራዊት ኣመሪካ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኢራን ናይ "ምክልኻል" መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ኣፍሊጡ ነይሩ።

    ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መንጐ ዋሽንግተንን ቴህራንን ስምምዕ ምቊራጽ ተዂሲ ቅድሚ ምፍራሙ ኣብ ዝነበረ ረጽሚ፡ ስዑዲ ዓረብ ግዳይ ማዕበላዊ መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲን ኮይና ምንባራ ይዝከር።

    ስርዓተ ሓጅ፡ ሓደ ካብቶም ሓሙሽተ መሰረታውያን ኣዕኑድ እስልምና ኰይኑ፡ ኵሉ ኣካላውን ገንዘባውን ዓቕሚ ዘለዎ ሰዓቢ እንተ ወሓደ ኣብ ዕድመኡ ሓደ ግዜ ክፍጽሞ ዘገድድ እዩ።

    መስጊድ መካ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ብመሰረት እምነት እስልምና፡ መካ ነቢይ መሓመድ ዝተወለደላን ቀዳሞት ግልጸታት ቅዱስ ቍርኣን ዝተቐበለላን ቦታ እያ። እቲ ኣብዛ ቅድስቲ ከተማ ዝፍጸም ሓጅ ከኣ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ዓመታዊ ምትእኽኻባት ዓለምና ኰይኑ ካብ ኵሉ ኵርናዓትን ዓሌታትን ዓለም ዝመጽኡ ኣመንቲ ብሓደ ዝፍጽምዎ እዩ።

    እንተኾነ ብሰንኪ ውዑይ ኩነታት ኣየር ወቕቲ ሓጅን ዝፍጠር ጽቕጥቅጥን ዳርጋ ዓመታዊ ብዙሓት ሰባት ዝሞትሉ ኣጋጣሚ ኮይኑ ጸኒሑ።

    ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝነበረ ሓጅ፡ መጠን ሞት ንምንካይ ሰብመዚ እታ ሃገር ብዘካየድዎ ምድላዋት ልዕሊ 600 በጻሕቲ ጥራይ እዮም ሞይቶም።

    ኣብ 2024 ዝበዝሑ ግብጻውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 1300 ወጻእተኛታት ብሰንኪ ዋዒ ከምዝሞቱ ይግለጽ። ኣብቲ እዋን መጠን ሙቐት ልዕሊ 50 ዲግሪ በጺሑ ነይሩ።

    ኣብ 2015 ኣብ ዘጋጠመ ዝኸፍአ ኣጋጣሚ ድማ ልዕሊ 2,300 በጻሕቲ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ጽቕጥቅጥን ምድፍፋእን ሞይቶም ነይሮም።

  11. ‘ምስ ኣመሪካ ዝግበር ስምምዕ ጭቡጥ ኣይኮነን’- ኢራን

    ኣብ ጥቓ መስጊድ ኢማም ዀመይኒ ሞሳላ ዝተኣከቡ ኢራንያውያን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ምስ ኣመሪካ ዝካየድ ዝርርብ ምዕባለታት ከምዘሎ’ኳ ዝገለጸት ኢራን፡ ምፍራም ስምምዕ ግን "ጭቡጥ ኣይኮነን" ኢላ።

    ጸሓፊ (ሚኒስተር) ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ከምዝኽእል ድሕሪ ምግላጹ፡ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን እስማዒል ባቃይ ነቲ መግለጺ ሂቡ ዘሎ።

    ባቃይ ሎሚ ሰኑይ ካብ ርእሰ ከተማ ኢራን- ቴህራን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ዝበዝሕ ክፋል እቲ ስምምዕ ኣብ ሓበራዊ መርገፂ በጺሕና ምባል ቅኑዕ'ዩ" ኢሉ።

    "እዚ ማለት ግን፡ ‘ምፍራም’ቲ ስምምዕ ዘይተርፍ እዩ’ ኢሉ ክዛረብ ዝኽእል ሰብ የለን።"

    እቲ ሰነድ መዘክር ምርድዳእ [MoU] ፡ ን60 መዓልታት ምንዋሕ ተኹሲ ደው ምባል፣ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ምኽፋትን ብዛዕባ ኑክሌራዊ ፕሮግራም ኢራን ዝያዳ ድርድር ንምክያድ ዝዓለመ ውጥንን ከምዘጠቓልል ይግለጽ።

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ድሒሩ ንተደራደርቲ "ከይሃፁ" መምርሒ ከምዝሃበ እኳ እንተገለጸ፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቶም ወገናት ኣብ ሓደ ስምምዕ ይበፅሑ ​​ከምዘለዉ ኣተንቢሁ ነይሩ።

    ሎሚ ንጐሆ ሰኑይ፡ ሩቢዮ ኣብ ርእሰ ከተማ ህንዲ ደልሂ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ትማሊ ምሸት ገለ ዜና ክንሰምዕ ንኽእል ኢልና ሓሲብና ነይርና፤ ምናልባት ሎሚ'ዩ ማለት እዩ" ክብል ተሰሚዑ።

    "ካብ ኢራን መልሲ ክትሰምዕ ቁሩብ ግዜ ይወስድ" ክብል'ውን ሩቢዮ ወሲኹ ኣጠንቂቑ፡።

    ኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ኒውስ፡ እቲ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ኣቦኡ ዝተቐተሎን መጥቃዕቲ እስራኤል መጉዳእቲ ዝበፅሖን ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ሞጅታባ ካሜነይ፡ ኣብ ዘይተነፀረ ቦታ ተዓጽዩ ከምዘሎ፣ እዚ ድማ ምስ ልኡኻቱ ዝገብሮ ርክብ ኣጸጋሚ ከምዝዀነን፡ እዚ ነቲ ዝርርባት ከምዘደናጉዮን ጸብጺቡ ኣሎ።

  12. ትራምፕ፡ ተዛተይቲ ልኡኻት ኣመሪካ ምስ ኢራን ኣብ ስምምዕ ንምብፃሕ 'ከይህወኹ' ኣዚዙ

    ዶናልድ ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ኢራን ዝዛተዩ ዘለዉ ልኡኻት ኣመሪካ ኣብ ስምምዕ ንምብፃሕ ከይህወኹ ኣዚዙ።

    እቲ ፕረዚደንት ቅድም ክብል ምስ ኢራን ኣብ ስምምዕ ንምብፃሕ ከም ዝተቓረቡ ገሊፁ ነይሩ።

    እቲ ኣብ መስርሕ ዘሎ ዘተ ንተወሳኺ 60 መዓልታት ተኹሲ ደው ምባል ምንዋሕ፣ መፃብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ምኽፋትን ኣብ መደብ ንዩክለር ኢራን ተወሳኺ ዘተ ንምግባር መደብ ምውፃእን ዝብሉ ከም ዘካትት ተገሊፁ።

    ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ “ሃናጺ” ዝርርባት ይቕፅሉ ከምዘለዉ ብምሕባር፡ ግና ክልቲአን ሃገራት ግዜ ወሲደን ትኽክለኛ ስምምዕ ክገብራ ይግባእ ኢሉ።

    ትራምፕ፡ ዝበዝሑ ክፋላት እቲ ስምምዕ ተዘትይሎም ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበፅሐ ብቐዳም ገሊፁ ነይሩ። እዚ ድማ ሰባት፡ እቲ ዝተበፅሐ ስምምዕ ብወግዒ ክንገር’ዩ ኢሎም ክኣምኑ ደሪኹ።

    ሰብመዚ ኢራን’ውን፡ ኣብ ዝሓለፉ ቀዳመ ሰናብቲ ተመሳሳሊ መልእኽትታት ዘሕለፉ ክኾኑ እንከለው፡ ወሃቢቃል ምኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢስማዔል ባጋይ፡ ክልቲአን ሃገራት “ኣብ ስምምዕ ንምብፃሕ ቀሪበን እየን፡ ግን ድማ ምሉእ ብምሉእ ንኸይሰማምዓ ዝገብሩ ዓበይቲ ኣፈላላያት ኣለዉ ኢሉ።

    ከም ፀብፃብ መራኸብቲ ብዙሓን ኣመሪካ፡ እቲ ቴህራንን ዋሽንግተንን ዝዛተያሉ ዘለዋ ስምምዕ፡ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ኣይኮነን።

    ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተነበሩ ማዕቀባት ምልዓል፣ ከይንቀሳቐስ ዝተገበረ ገንዘብ ቴህራን ምልቃቕን መደብ ንዩለር ኢራንን ዝኣመሰሉ ከበድቲ ጉዳያት ግና፡ ኣብ ቀፃሊ ዝዛተይሎም ጉዳያት እዮም።

    እዚ ስምምዕ ንሪፓብሊካን ኣብ ክልተ ዝገምዐ ክኸውን ከሎ፡ ገሊኦም ንኢራን ምልስላስ ዘርኣየ እዩ ብምባል፡ ይምጕቱ ኣለዉ።

    ፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፔዝሽክያን ምስ ተለቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ኢራን ድሌታ ንዩለሳዊ ኣፅዋር ከም ዘይኮነ ንዓለም ንምርግጋፅ ድልውቲ እያ ኢሉ።

    ምኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ኣብቲ ዘተ ርኡይ ምምሕያሽ’ኳ እንተ ተራእየ፡ እቲ ከይዲ ኣብ መወዳእታ ብርኪ ከም ዘይበፅሐ ገሊፁ ነይሩ።

  13. ተመራመርቲ ኦክስፎርድ፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ሓድሽ ክታበት ኢቦላ ክነማዕብል ኢና ይብሉ

    ኣብ ቤተ ፈተነ እትመራመር ጓል ኣንስተይቲ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ፡ ለበዳ ኢቦላ ደው ንምባል ክሕግዝ ዝኽእል ሓድሽ ክታበት ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ከምዘማዕበሉ ይገልጹ ኣለዉ።

    ብሰንኪ እቲ ለበዳ፡ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ 177 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 750 ድማ ከምዝተለኸፉ ይጥርጠር።

    በቲ ቡንዲቡግዮ ዝተባህለ ሳሕቲ ዝረአ ዓይነት ቫይረስ ካብ ዝተለኽፉ ሰባት፡ እቶም ሲሶ ከምዝሞቱ ይግለጽ።

    እንተዀነ ዛጊት ነቲ ሕማም ዝከላኸል ውጽኢታዊ ክታበት የለን።

    ተመራመርቲ ኦክስፎርድ ግን፡ እዚ ክታበት ንምድላው ብቕልጡፍ ይሰርሑ ከምዘለዉ እዮም ዝገልጹ ዘለዉ።

    እቲ ዘማዕብልዎ ክታበት ውጽኢታዊ ምዃኑ ገና ኣይተረጋገጸን።

    እንተዀነ ውጽኢታውነቱ ንምርግጋጽ መጀመርታ ኣብ እንስሳታት ድሕሪኡ ድማ ኣብ ደቂ ሰባት ክፍተን እዩ።

    እቶም ተመራመርቲ፡ ነቲ ክታበት ንምስራሕ ዝጥቀሙሉ ዘለዉ ቴክኖሎጂ፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ ዝተጠቐሙሉ ዓይነት እዩ።

  14. ፔፕ ጋርድዮላ ካብ ማንቸስተር ሲቲ ይለቅቕ ኣሎ

    ጋርድዮላ ዋንጫ እናሰዓመ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ሲቲ ፔፕ ጋርድዮላ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመተ ስፖርት ካብታ ክለብ ክለቅቕ እዩ።

    እታ ክለብ ሰንበት ኣንጻር ኣስቶንቪላ እትገብሮ ግጥም ድማ ናይ መወዳእታ ጸወታኡ ይኸውን ኣሎ።

    "ምኽንያታት ምልቃቐይ ኣይትሕተቱኒ። ምኽንያት የለን፡ ውሽጠይ እዋኑ ምዃኑ ይነግረኒ ኣሎ" ክብል ጋርድዮላ ካብታ ክለብ ዝፈላለየሉ ግዜ ከምዝበጽሐ ኣመልኪቱ።

    ጋርድዮላ ኣብ ማንቸስተር ሲቲ ዕውት ተኸታታሊ ዓመታት ኣሕሊፉ እዩ።

    ጓርድዮላ፡ እታ ክለብ ኣብ 2023-24 ዓመተ ስፖርት ብዘመዝገበቶ ዓወት ንኣርባዕተ ዓመታት ተኸታታሊ ዋንጫ ሊግ ኢንግሊዝ ዝዓተረት ቀዳመይቲ ጋንታ ኰይና ታሪኽ ንክትጽሕ ሓጊዙ እዩ።

    ፔፕ ጋርድዮላ ካብ ማንቸስተር ሲቲ ድሕሪ ምልቃቑ ንግዚኡ ካብ ኣሰልጣንነት ዕረፍቲ ክወስድ መደብ ከምዘለዎ ገሊጹ’ሎ።

  15. ኲባ፡ ቻይና ንኣመሪካ ተጠንቅቕ

    ወተሃደራዊ ክዳን ዝለበሰ ራውል ካስትሮ ሰላምታ እናሃበ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣመሪካ ንኲባ "ንምፍርራሕ" ተካይዶ ዘላ ጐስጓሳት ደው ከተብሎ ቻይና ጸዊዓ።

    በይዢንግ ንሃቫና ዘለዋ "ጽኑዕ ደገፍ" እዋን ገሊጻ ኣላ።

    ዋሽንግተን ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኲባ ነበር ራውል ካስትሮ ገበናዊ ክሲ ድሕሪ ምምስራታ'ያ ቻይና ተቓውሞኣ ተስምዕ ዘላ።

    ወዲ 94 ዓመት ካስትሮ፡ ምስቲ ኣብ 1996 ዝተፈጸመን ኣርባዕተ ሰባት ዝቐተለን ምውዳቕ ሓንቲ ንእሽቶ ነፋሪት ብዝተሓሓዝ'ዩ ተኸሲሱ ዘሎ።

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ኣብታ ዴሳዊት ደሴት ዘሎ መንግስቲ ክኣልዮ ከምዝኽእል ክዛረብ ምጽንሑ ይዝከር።

    ኣመሪካ፡ ንፕረዚደንት ቨነዙዌላ ነበር ኒኮላስ ማዱሮ ብሓይሊ መንዚዓ ቅድሚ ምውሳዳ ኣብ ልዕሊኡ ምስ ምስግጋር ዕጸ-ፋርስ ዝተሓሓዝ ክሲ መስሪታ ነይራ'ያ።

    እታ ብሓይልታት ኲባ ተሃሪማ ዝወደቐት ነፋሪት፡ ብኲባውያን-ኣመሪካውያን ዝመርሕዎ ኣንጻር ስርዓት ኲባ ዝቖመ ጉጅለ ዝተዋፈረት ኮይና፡ ሰለስተ ካብቶም ኣብኣ ዝነበሩ ኣመሪካውያን ዜጋታት ከምዝሞቱ ይፍለጥ።

    እቲ ሓዉ ንፊደል ካስትሮ ዝኾነ ራውል፡ ኣብቲ እዋን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት እታ ደሴት እዩ ነይሩ።

    ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣመሪካ ኩሉ ሳዕ ሓይሊ ካብ ምጥቃም ክትግታእ ኣለዋ ኢሉ።

    "ኣመሪካ፡ እገዳን ሕጋዊ መሓውራትን ኣንጻር ኲባ ከም መሳርሒ ምስግዳድ ምጥቃም ደው ከተብል፡ ከምኡ'ው ንኣብ ኩሉ ኩርንዓት ሓይሊ ናይ ምጥቃም ምፍርራሕ ካብ ምግባር ክትሕየብ ኣለዋ።

    "ኲባ ሃገራዊ ልኡላውነታን ክብረታን ንከተውሕስ ቻይና ብጽኑዕ ትድግፋን ናይ ወጻኢ ምትእትታው ትቃወምን" ይብል ኣፈኛ ጉዎ ጂኣያኩን።

  16. ኣፍቀርቲ ተመሲሎም ንብዙሓት ዘታለሉ ንምሓዝ ዝተኻየደ ስርሒት

    ክሪስቲ ገስት

    ንብዙሓት ናብ ፍቕራዊ ስምዒት ብምእታው ኣታሊሎም ገንዘብ ብምጥፍፋእ ዝተጠርጠሩ ብዙሓት ውልቀሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

    ኣብቲ ኣብ ብሪጣንያን ናይጀርያን ዝተኻየደ ስርሒት 31 ውልቀሰባት ተታሒዞም ኣለዉ።

    ሰብመዚ ጸጥታ ብሪጣንያ፡ ሓበሬታ ውልቃዊ ሕሳባት ባንኪ ብምሻጥ ዝተጠርጠረ ሰብ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ሒዞም ኣለዉ። ኣብ መንበሪ ገዝኡ £3,000 ፓውንድን 'ሮለክስ' ሰዓትን ከምዝጸንሐ እቲ ሓበሬታ የመልክት።

    ኣብ ብሪጣንያ ጥራይ ብከምዚ ኣገባብ መደናገርቲ ዓመታዊ ልዕሊ 100 ሚልዮን ፓውንድ ከምዝረኽቡ ጸብጻባት የመልክቱ።

    ኣብ ኣውሮጳን ኣፍሪቃን ዝካየድ ዘሎ 'ስርሒት ሰራፊም' ነቶም ኣብቲ ገበናት ዝተዋፈሩ ውልቀሰባት ንምህዳን ዝዓለመ'ዩ።

    ሓንቲ ካብ ግዳያት ናይ ከምዚ ዝበለ ምጥፍፋእ ዝኾነት ክሪስቲ ገስት፡ ንሓደ ኣብ ስምዒት ፍቕሪ ዘእተዋ ዘይትፈልጦ ሰብ £80,000 ክትህቦ ከምዝገበራ ትዛረብ።

    እቲ ዛንታ ዝነበራ ዝምድና ኣብ ዝፈረሰሉ እዋን'ዩ ዝጅምር። ኣብቲ ተነቃፊት ዝነበረትሉ እዋን'ያ ነቲ "ፓትሪክ" ዝተባህለ ሰብ፡ ብመገዲ መጻምድቲ ኣብ ምርካብ ዝሕግዝ መርበብ ሓበሬታ ረኺባቶ።

    "ምሳይ ምቅርራብ ፈጢሩ። ዘሀውኽ ኣይነበረናን" ትብል ክሪስቲ፡ "ብዛዕባ ቁልዕነቱ፡ ብዛዕባ ዝነበረሉ ቦታታት ተዛሪብና፡ ኣበይ ከምዝዓበኹ ኣዕሊልና።

    "ስለዚ፡ ናብ ሕማቕ ነገር ይኸይድ'ዩ ዝብል ዝኾነ ስምዒት ኣይነበረንን፡ መጠንቀቕታ ዝብሃል ኣይነበረን" ኢላ።

    ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ክሰደላ ወይ ብተለፎን ከዛርባ እንከሎ ክሳብ ክንደይ ትሕጐስ ምንባራ ትዝክር። "መዓልተይ'ዩ ዘሐድሶ ነይሩ"።

    ካብተን መዓልታት ሓንቲ ግን፡ ብስራሕ ከምዝገሸ ድሕሪ መግላጹ፡ ሃንደበት ሓደጋ ከምዘጋጠሞ ይነግራ።

    "ከምኡ ምስበለኒ፡ ክሕግዞ ጥራይ'የ ደልየ" ብምባል፡ ገንዘብ ከተሰጋግረሉ ናይ ባንኪ ሕሳቡ ሂቡዋ። ክሳብ ዝሓዊ ከተጻንሖ ስለዝሓተታ ድማ ክሳብ ትነጽፍ ቀጺላ። ካብ ሰብ ዘይደሊ ሃብታም ምንባሩ'ያ ትርዳእ ነይራ. . . ።

    'ድሕሪ ማይ ናብ ብዓቲ' ከምዝብሃል፡ ነገራት ክትርድኦ ምስ ጀመረት ብሕርቃን ተለፎና ናብ መንደቕ ክሳብ ምድርባይ በጺሓ።

    "ኣዝየ እየ ሓሪቐ፡ ምኽንያቱ እንታይ ከምዝገበርኩ ተረዲኡኒ. . .ዝነበረኒ ኩሉ'የ ኣጥፊአየ። እንታይ ዓይነት ሰብ ከምዝኾንኩ ከሕንኸኒ ጀሚሩ" ብምባል ሰባት ካብኣ ክመሃሩ ትምሕጸን።

  17. ክታበት ለበዳ ኢቦላ ንምድላው ትሽዓተ ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል

    መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝገበሩ ክልተ ሰባት፡ መዐቀኒ ሙቐት እናተጠቕሙ

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    ክታበት ለበዳ ኢቦላ ንምድላው ትሽዓተ ኣዋርሕ ክወስድ ከምዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ።

    እዚ መጠንቀቕታ ዝወሃብ ዘሎ፡ ቁጽሪ ብለበዳ ኢቦላ ዝሞቱ ሰባት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እዩ።

    ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ብኢቦላ ከምዝተለኸፉ ዝተጠርጠሩ ሰባት 600 ከምኡ’ውን ዝሞቱ 139 ሰባት ከምዝሞቱ እኳ እንተገለፀ፡ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ንምፍላጥ ዝወስዶ ግዜ ኣብ ግምት ብምእታው ግን እቲ ቁጽሪ ክውስኽ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

    ዶክተር ቴድሮስ፡ ኣብ ጀነቫ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብታ ፈላማይ መልከፍቲ ዝተመዝገበላ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ 51፡ ኣብ ጎረቤት ሃገር ዩጋንዳ ድማ ክልተ መልከፍቲ ከምዝተረጋገጹ ሓቢሩ።

    ብሰንበት ውድብ ጥዕና ዓለም ህጹጽ ኩነታት ጥዕና ህዝቢ ዓለም ለኻዊ ስክፍታ ኣዊጁ'ኳ እንተነበረ፡ እቲ ኵነታት ግን ለበዳ ከምዘይኮነ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

  18. ሩስያን ቻይናን ንወተሃደራዊ ስጕምትታት ኣመሪካ ይነቕፋ

    ካብቲ ሩስያን ቻይናን "ምዕሟቕ ዝምድናታት ሰናይ ጕርብትና፡ ምሕዝነትን ምትሕብባርን" ዝብል ሓባራዊ መግለጺ ተወሳኺ ርእይቶታት ይህባ ኣለዋ።

    ሺን ፑቲንን "ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ዝፍጸም ብድዐ ዝመልኦ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ፡ ​​ንኸምዚ ዓይነት መጥቃዕቲታት ንምድላው ድርድር ከም መሸፈኒ ምጥቃም፡ ቅትለት መራሕቲ ልኡላውያን ሃገራት፡ ምርግጋእ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ኩነታት እዘን ሃገራትን ምትኹታኽ ናይ ስርዓት ለውጥን፡ ከምኡ'ውን ሃገራውያን መራሕቲ ብድፍረት ብምጭዋይ ናብ ፍርዲ ምውሳድ፡" ኰኒኖም።

    እቲ መግለጺ ኣብ መላእ ዓለም ንዝካየዱ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ወተሃደራዊ ምትእትዋት ዝኹንን ኰይኑ፡ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ኢራንን ቬንዙዌላን ዝወሰደቶ ተግባራት ዝነቅፍ ይመስል።

    ከምዚ ዓይነት ተግባራት "ንዕላማታትን መትከላትን ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፡ ስርዓታት ኣህጉራዊ ሕግን ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ብዓቢኡ ዝጥሕስ ኰይኑ፡ ኣብ መሰረታት ናይቲ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝተመስረተ ስርዓት ዓለም ሰፍ ዘይብል ጉድኣት የስዕብ፡" ይብሉ።

    ኣብ ካልኣይ እብረ ፕረዚደንትነት ትራምፕ ኣብ ዙርያ ህሉው ስርዓት ዓለም ስክፍታታት ኣብ ዝፍጠረሉ ዘሎ እዋን፡ ሺን ፑቲንን ንነብሶም ኣብ ቅድሚ ሓድሽ ኣህጉራዊ ስርዓት እናቐመጡ ይመጽኡ ኣለዉ።

  19. ሺን ፑቲንን ካብ ልዕሊ 20 ቀዳሞት ስምምዓት ፈሪሞም

    ሺን ፑቲንን ኣብ መንጐ ቻይናን ሩስያን ዘሎ ስትራተጂካዊ ምውህሃድ ዝያዳ ንምሕያል፡ ከምኡ'ውን "ሰናይ ጕርብትናን ምሕዝነታዊን ምትሕብባር ምዕሟቕን፡" ዝብል ሓባራዊ ስምምዓት ፈሪሞም ኣለዉ።

    ሕጂ ድማ ኣብ ካልኦት ዝተፈላለዩ ጉዳያት፡ እንተላይ ኣብ ስምምዓት ምትሕብባር ንግድን ቴክኖሎጅን ዝምልከት ተወሳኺ 20 ሰነዳት ክፍርሙ ትጽቢት ይግበር።

  20. ንቻይናን ሩስያን ዘተኣሳሰረን ገመድ እንታይ እዩ?

    ፕረዚደንታት ሺ ጂንፒንን ቭላድሚር ፑቲንን፡ ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ቲያንኣንመን ኣደባባይ በይጂንግ እናተዛወሩ፡ ብዛዕባ ዕድመ ደቅ-ሰብ ዝናውሓሉ ተኽእሎታት ከዕልሉ ተሰሚዖም ነይሮም።

    እዚ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ዕላል፡ እዞም ክልተ መራሕቲ ዘለዎም ርክብ ክሳብ ክንደይ ሱር ዝሰደደ ምዃኑ ዘርኢ እዩ።

    ፑቲን ኣብዛ ሰሙን ናብ በይጂንግ ክምለስ እዩ፣ እዚ ድማ ክልተአን ሃገራት ስምምዕ ካብ ዝፈራረማ መበል 25 ዓመት ምስ ዝገበራሉ ተጋጢሙ ኣሎ።

    ሺን ፑቲንን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images