ሰብ መዚ ጋና፡ ዜጋታቶም ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ የውጽኡ ኣለው

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰብመዚ ጋና፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ዜጋታቶም ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ሃገሮም ክመልሱ ምዃኖም ኣፍሊጦም።
ካብቶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ተመዝጊቦም ኣለዉ ዝበልዎም 800 ዜጋታት፡ እቶም 300 ሎሚ ናብ ጋና ክኸዱ እዮም።
ቢቢሲ ሎሚ ረቡዕ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጆሃንስበርግ ኦኣር ታምቦ፡ ኤምባሲ ጋና ካብ ዝተኻረየን ዓሰርተታት ኣውቶቡሳት ተጓዓዝቲ ከውርዱ ተዓዚቡ።
እዚኦም፡ ኣብ ኩሉ ዕድመ ዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን እዮም።
እዚ ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ከተማታት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ስደት ዝካየድ ዝነበረ ተቓውሞ ዝስዓበ ኰይኑ፡ ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ጽልኢ ወጻእተኛታት ዝፍጸም ዓመጽ ዳግማይ ክለዓል ይኽእል’ዩ ዝብል ስግኣት ኣስዒቡ ይርከብ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብገምጋም 25 ሽሕ ጋናውያን ይነብሩ።
ሰልፈኛታት፡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ጸቕጢ የሕድሩ ከም ዘለዉ ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ነዚ ደው ንምባል ዝያዳ ክሰርሕ ኣለዎ ይብሉ።
እቲ ሰልፍታት ተቓውሞ፡ "ማርች ማርች" ብዝተባህለ ጉጅለ ዝተወደበ ኰይኑ፡ ንነብሱ ብዜጋታት ዝምራሕ ምንቅስቓስ ጽገና ኢሚግሬሽን ኢሉ ይገልጽ።
ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ካብታ ሃገር ንኽወጽኡ ድማ 30 ሰነ ናይ መወዳእታ ግዜ ኣቐሚጡ ኣሎ።
ብ2019 ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 12 ሰባት ሞይቶም።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተኻየዱ ተቓውሞታት ኣዳለውቲ ግን ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝነበሩ ገሊጾም።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ናብ ወጻእተኛታት ዘቕንዐ ተግባራት ገበናዊ እዩ ብምባል እታ ሃገር ግን ንዘይሕጋዊ ስደት ክትገጥም ከም ዘለዋ ተኣሚኑ።


















