ቀንዲ መዓርፎ ነፈርቲ ሪያድ ሕጂ'ውን ዒላማ መጥቃዕቲ ሑቲ ይኸውን

ምንጪ ስእሊ, Reuters
የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ ሰለስተ ዜጋታት እታ ንግስነት ተቐቲሎም።
እቶም ግዳያት፡ ነቲ ኣብ ርእሰከተማ ሪያድ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ኻልድ ዒላማ ኣብ ዝገበረ ክልተ መጥቃዕትታት'ዮም ተቐቲሎም።
ካልኦት ሓያሎ ዜጋታት እታ ሃገርን ወጻእተኛታትን ቆሲሎም ከምዘለዉ'ውን ሰብመዚ ሲቪል ኣቬሺን እታ ንግስነት ሓቢሮም ኣለዉ።
እቲ ትማሊ ዝተኻየደ ቀዳማይ መጥቃዕቲ ነቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዒላማ ዝገበረ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ንሓንቲ ነፋሪት መገዲ ኣየር ስዑዲ ከምዝሃረመ እቲ መግለጺ የመልክት።
ዕጡቓት ሑቲ ብወገኖም፡ ሓላፍነት ናይቲ መጥቃዕቲ ብምውሳድ፡ ክልተ ባሊስቲክ ሚሳይላት ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝተኮሱ ገሊጾም ኣለዉ።
ቅድሚ ሒደት መዓልታት'ውን ሓደ ሱዳናዊ ዝርከቦም ሰለስተ ወጻእተኛታት ብተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ሞይቶም ምንባሮም ይዝከር።
ወተሃደራዊ ኣፈኛ ናይ ጉጅለ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ መጥቃዕቲታት "ግብረመልሲ ናይቲ ስዑዲ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዝፈጸመቶ ወራር እዩ" ብምባል "ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ጥራይ 60 ደብዳባት ኣየርን መጥቃዕቲ ሚሳይላትን" ከምዝተፈጸመሎም ተዛሪቡ።
እታ ንግስነት ነቶም ኣንጻሮም ዝዋግኡ ዘለዉ በቲ ኣብ ወደባዊት ከተማ ዓደን ዝርከብ መንግስቲ የመን ዝምርሑ ሓይልታት ትድግፍ ምህላዋ'ውን ንዕጡቓት ሑቲ ካብቲ ዘቖጥዖም ዘሎ ምዃኑ ኣይሓብኡን።



















