ናብ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ዝላባዕ ዘሎ ናዕቢ ከተማታት ፈረንሳ

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብ መላእ ፈረንሳ ድሕሪ ካልእ ዙር፡ ናዕቢ ዝተሓውሶ ሰፊሕ ተቓውሞ፡ ዳርጋ 1000 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

ድሕሪ ናይ ሓደ መዓልቲ ብኣንፃራዊ ሰላማዊ ዝነበረ ሰልፍታት፡ ፖሊስ ፓሪስ ሓዊሱ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ሰልፈኛታት ንምብታን፡ ዘንብዕ ጋዝን ውዑይ ማይን ተጠቒሞም።

ሰበስልጣን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ ዝተራእየ ደረጃ ናዕብን ምዝማትን ከይድገም ይሰርሑ ኣለዉ።

እቲ ተርእዮ፡ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ፈረንሳ፡ ገለ ካብቶም ዝኸፍኡ ትርኢታት ናዕቢ ከምዘስዓበ ተገሊጹ።

ሚኒስትር ጉዳያት ሃገር፡ ብሰንበት ብገምጋም 410 ሽሕ ሰባት ተቓውሞ ከምዘስምዑ እንትገልፅ፡ እተን ሰልፍታት ዝውድባ ዘለዋ ማሕበራት ድማ እቲ ቁጽሪ ኣስታት 800 ሽሕ ከምዝበፅሕ ይገልፃ።

ኣብ ሓያሎ ከተማታት ኣስታት 70 ሽሕ ኣባላት ፖሊስ ተዋፊሮምን ገደብ ተነቢሩን ይርከብ።

እዚ ዳሕረዋይ፡ ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ መነባብሮን ድኹም ኩነታት ኣብያተ ትምህርትን ዝተልዓለ ተቓውሞ፡ ኣማኢት ትካላት ንግዲ ክዝመቱን ህንጻታት ክቃጸሉን ጠንቂ ዝዀነ የዘኻኽር ኣሎ።

ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ኣፍልጦ ዘለዎ ማሕበር ሰራሕተኛታት ዝተዳለወ ሰልፍታት ጥራይ ከምዝፍቀድ ኣዊጁ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ቅልጡፍ መስርሕ ፍርዲ ድሕሪ ምክያዱ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ብዕንወት፡ ባርዕ ምልዓልን ምዝማትን ተኸሲሶም ተኣሲሮም ኣለዉ።

ኣብ ደቡብ፡ ወደባዊት ከተማ ማርሴል፡ መአከቢ ጎሓፍ ብሓዊ ተቓጺሉ፡ ጎደናታት ንምዕጻው ድማ ሓፃዊን ኣብ ጥቕሚ ውዒሎም።

ኣብዛ ካልአይቲ ዝዓበየት ከተማ ፈረንሳ፡ ሓንቲ መኪና ኣኽበርቲ ሕጊ እናተቓፀለት ክትሽክረከር ተራእያ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ገለ ጸሊም ክዳንን ገጽ መሸፈንንን ዝለበሱ ሰልፈኛታት፡ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ቦርዶ፡ ካብ ሓደ ህንጻ ሰሌዳታት ኣውጺኦም ኣብ ጎደናታት ደርዲሮም ክዓፅዉ ተራእዮም።

"መብዛሕትና ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃን ዩኒቨርሲቲን ዝነበርና ከባቢ 150 ኢና ነይርና። ድሕሪኡ እቲ ዘንብዕ ጋዝ ሃንደበት መጺኡ። ኣብ ጎደና ዳርጋ ዝኾነ ነገር ክትሪኢ ኣይትኽእልን ኢኻ" ይብል ሓደ ኣብታ ሳልሰይቲ ዝዓበየት ከተማ ፈረንሳ ዝነበረ ሰልፈኛ።

ኑኔዝ ኣብ ኣጋምሸት ኣስታት 1000 ሰባት ከምዝተኣስሩን እዚ ቁጽሪ ይውስኽ ከምዘሎን ገሊፁ።

እቲ ሚኒስተር ብተወሳኺ፡ ሓደ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ከተማ ቱሉዝ፡ ካልእ ድማ ኣብ ክለርሞንት-ፈራንድ፡ ማእከላይ ፈረንሳ፡ ክልተ ሰባት "ብኸቢድ ከምዝቖሰሉ" ገሊፁ።

ነባሪት ከተማ ፓሪስ ዝዀነት ሰልፈኛ ዘሊ- ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ብሓቂ ዝሓረቐ" ህዝቢ እዩ ናብ ጎደናታት ወጺኡ፡ ማክሮን ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ "ብዙሕ መከራ" ከምዘሎ ገሊጻ።

"ገንዘብና ይወስዱ፡ ብዙሕ ግብሪ ንኸፍል፡ ካብኡ ሱቕ ይብሉና፤ ዋላ ሓንቲ ክንብል ኣይንኽእልን። ሎሚ ኣብ ጎደናታት ኢና ዘለና፡ ምኽንያትና ብዙሕ እዩ" ትብል እታ ጓል 26 ዓመት።

ስሞም ክገልጹ ዘይደለዩ ክልተ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝለበሱ መንእሰያት ሰልፈኛታት እውን፡ ወለዶኦም ተስፋ ቆሪጹ ከምዘሎን ብመንግስቲ ዝተረሰዐ ኮይኑ ከምዝተሰምዖን ገሊጾም።

ሓደ ካብቶም ሰልፈኛታት ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈ ቀዳም ዝነበረ ዕግርግር "ዝምታ ብሓቂ ጽቡቕ ኣይኮነን" ኢሉ። "ግን ድማ ብሰንኪ ድኽነትን ዓመጽ ፖሊስን" ዝሰዐበ ከምዝዀነ ተዛሪቡ።

ወሲኹ ድማ እቲ ተቓውሞታት "ንጠለባትና ምላሽ ምስ እንረክብ፡ ኣብ ፈረንሳ ለውጢ ክመፅእ እዩ" ኢሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣስታት 13 ሽሕ ሰባት ኣብ ሰሜናዊ ማእከላይ ከተማ ኦርሊንስ ኣንጻር ተሪር የማናዊ ሰልፊ ሃገራዊ ሰልፊ ተጸንቢሮም ብሰላም ቀጺሉ።

ናብ ካልኦት ከተማታት ኣውሮጳ ዝላባዕ ዘሎ ተቓውሞ

ከም ኣብ ፈረንሳ፡ ብተመሳሳሊ ጉዳያት ዝተበገሰ ተቓውሞ፡ ትማሊ ሰንበት ንሓያሎ ካልኦት ከተማታት ኤውሮጳ እውን ኣንቀጥቂጡ።

ኣብ ባርሴሎና፡ ተቓውሞ ተመሃሮ ናብቲ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ "ሕሱም ዓመጽ" ክብሉ ዝገለጽዎ ድሕሪ ምግዳዱ፡ ኣስታት 100 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

ኣብ ርእሰ ከተማ ኣልባንያ ቲራና፡ ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ብምትኳስ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ጸረ መንግስቲ ሰልፈኛታት ክብትኑ እንከለዉ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ቤልጅየም ብራስለስ እውን ግጭት ከምዝተራእየ ተገሊጹ።

ኣብ ሰሜናዊ ጣልያን ሚላኖ፡ ኣብ ጎኒ ፖሊስ ኣማኢት ወተሃደራት ዝሓቖፈ ዓቢ ናይ ጸጥታ ስርሒት፡ ሰልፈኛታት ኣብታ ከተማ ከይእከቡ ከልኪሉ።

ብዙሓት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገለ ባርዕ ሓዊ ከልዕሉ፡ መስኮት ሰቢሮም ድኳናት ክዘምቱን ዝረእዩሉ፡ ዓመጽ ዝመልኦ ትርኢታት ከይድገም ሰጊኦም ነይሮም።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ ኣንጻር ምውሳኽ ዋጋ ነዳዲን ዋጋ መነባብሮን ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ኣስታት 550 ሽሕ ሰባት ዝተሳተፉ ኮይኖም፡ ድሕሪ ናይ ሰሙናት ተቓውሞ ተመሃሮ ድማ ናዕቢ እናወሰኸ መጺኡ ኣሎ።

እቲ ናዕቢ ስዒቡ፡ ልዕሊ 2500 ሰባት ማእሰርቲ ኣስዒቡ።

ሰልፍታት ኣብ መጀመርታ ብዓቢኡ ሰላማዊ እኳ እንተነበረ፡ ብዓመጽ፡ ምዝማትን ዕንወትን ተበላሽዩ፡ ኣብ መላእ ፈረንሳ ልዕሊ 2000 ድኳናትን ካልኦት ትካላት ንግድን ብቐጥታ ከምዝተጸልዋ ይግለጽ።

እቲ ጉድኣት "ብኣማኢት ሚልዮናት ዩሮ" ከምዝግመት ቤት ምኽሪ ንግድን ኢንዳስትሪን ፈረንሳ (CCI) ገሊጹ።

ድሒሮም ሰበስልጣን ፈረንሳ ኣብ ፓሪስን ካልኦት ከተማታትን ናይ ለይቲ ኣዋጅ እቶእቶ ከንብሩ ከምዝተገደዱ ገሊጾም።

እዚ ተቓውሞታት፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረፃ ፈረንሳ ቀዲሙ ዝካየድ ዘሎ ዀይኑ፡ ቀንዲ ተነሓናሕቲ ንማክሮንን ሚኒስተራቱን ተሓተትቲ ገይሮም ይወቕሱ ኣለዉ።