እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኦፌኮ፡ ኣብ ከተማ ሞያሌ ንዘጋጠመ 'ዓሌታዊ' ጐንፂ ኣመልኪቱ ንመንግስቲ ነቒፉ
ፌዴራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ) ንመዓልቲታት ዝቐፀለ ዓሌታዊ መልክዕ ዘለዎ ጎንፂ ከተማ ሞያሌ ብዝምልከት ንመንግስቲ ፌደራል ነቒፉ።
እቲ ተቓዋሚ ውድብ ፖለቲካ ብቀዳም 14 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ኣብ ከተማ ሞያሌን ዞባ ቦረናን "እናተጋደደ ዝመፅአ መጥቃዕቲ፣ ዕጡቓት ሓይልታት ሸሊኾም ምእታውን ኢ-ሕገመንግስታዊ ለውጥታት ምምሕዳርን" ኰኒኑ።
ክልላት ኦሮሚያን ሶማሌን ኣብ ዝዳወቡላ ከተማ ሞያሌ፡ ናይ ክልል ሶማሌ ባንዲራ ኣብ ከተማ ሞያሌ ምስቃሉ ስዒቡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት 08 ጥቅምቲ እዩ እቲ ጎንፂ ተወሊዑ።
መቕተልቲ ጓል 13 ዓመት ሰገን ስዒቡ ድማ እቲ ጎንፂ ተጋዲዱ።
ካብ ብሓሙስ ጀሚሩ "ብከቢድ ኣፅዋር ዝተሰነየ" ልውውጥ ተኹሲ ከም ዝቐፀለ፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
መንበሪ ኣባይትን ትካላት ንግድን ሓዊሱ ብዙሓት ንብረታት ከም ዝተቓፀሉ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።
ቢቢሲ ብዓርቢ ዘዛረቦ ሓደ ነባሪ፡ ኣብቲ ዕለት ጥራሕ፡ ዕጡቓትን ሰላማውያን ሰባትን ዝርከቡዎም፡ ትሽዓተ ሰባት ከም ዝሞቱ ተዛሪቡ ነይሩ።
ቢቢሲ ነዚ ቁፅሪ ብካልኦት ነፃ ምንጭታት ከረጋግፆ ኣይከኣለን።
ሮይተርስ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ዓርቢ ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ፡ ተኹሲ ኣብ ዝተኻየደሎም መዓልቲታት፡ "ብውሑዱ ትሽዓተ ሰባት" ከም ዝተቐተሉ ሓቢሩ ነይሩ።
ንሓደ ናይ ሆስፒታል ምንጪ ብምፅራሕ ኣስታት 30 ዝተጐድኡ ሰባት ናብቲ ትካል ጥዕና ምምፅኦም'ውን ወሲኹ ኣብ ፀብፃቡ ኣስፊሩ።
ብሰንኪ እቲ ጎንፂ፡ ብውሕዱ 10 ሽሕ ነበርቲ ናብ ኬንያ ከም ዝሃደሙ ሓደ ምንጪ ቀይሕ መስቀል ከም ዝተዛረበ ኤኤፍፒ ብቀዳም ፀብፂቡ።
ኦፌኮ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት "ብዘሻቕል ኩነታት ወሲኹ" ንዝበሎ "ጥሕሰት ዶብ" ካብ ሶማሌ ዝመፅኡ ዕጡቓት ጉጅለታት ተሓተትቲ ገይሩ።
"እቲ ጉዳይ ኣሻቓሊ ዝገብሮ፡ ብሓደ ገዛኢ ውድብ ኣብ መንጎ ዝምርሓ ክልላት፡ ዕጡቓት መንግስቲ ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ዝወፅአ ብዝመስል መልክዑ ወራር ምክያዱ'ዩ" ብምባል ነቒፉ።
ብዛዕባ እቲ ንመዓልቲታት ዝቐፀለ ጎንፂ ዛጊድ ካብ ሰብመዚ ክልል ኦሮሚያን ሶማሌን ዝተውሃበ ርኢቶ የለን።
መንግስቲ ፌደራል'ውን ኣብዚ ጉዳይ ዕላዊ ርኢቶ የለን።
ኦፌኮ፡ ኣብቲ ከባቢ ተፈፂሞም ዝበሎም ፡ 'መሬት ብሓይሊ ምሓዝ፣ ምምዝባል ኣርባሕቲ እንስሳት ቦረና ኦሮሞን ፈተነታት ምቕያር ምምሕዳር ዶባትን' ዝርከቡዎም ፍፃመታት፡ "ቀጥታዊ ጥሕሰት ሕገ መንግስታዊ ስርዓት" ብምባል ነቚፉ።
"ህዝብታት ኦሮሞን ሶማሌን ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ ሓቢርኻ ናይ ምንባር ታሪክ፣ ምትእስሳር ባህልን ንግድን ኣለዎም" ዝበለ ኦፌኮ፡ ምስሕሓብ ዶብ" ብሓይሊ፣ ብምፍርራሕ ወይ ባንዲራ ብምስቃል ክፍትሑ ኣይኽእሉን" ዝብል መርገፂ ከም ዘለዎ ገሊፁ።
እቲ ውድብ ወሲኹ፡ "ኣብ ህዝቢ ቦረና ኦሮሞ ዝፍፀሙ ብዕጥቂ ዝተሰነዩ መጥቃዕቲታትን ወረራታትን ኩሎም ብህፁፅ ደው ክብሉ" ሓቲቱ።
ኦፌኮ ኣብ መግለፂኡ፡ ኣብዚ ኣዝዩ ተዃሳሓይ ፍፃመ፡ መንግስቲ ፌደራል"ሱቕታ" መሪፁ ብዝብል ድማ ነቒፉ።
"መንግስቲ ፌደራል ካብ ብሕዚ ሱቕታ ምምራፅ፡ ወይ ታሪኻዊ ዝተሓላለኹ ነገራት፡ ስጉምቲ ንዘይምውሳድ መመኽነይታ ክኸውን ኣይኽእልን" ኢሉ።
እቲ ውድብ ወሲኹ ድማ፡ "ድሕነት ንፁሃት ዜጋታት ናይ ምውሓስ" ከምኡ'ውን "ምምዝባል ማሕበረሰብ ኣርባሕቲ እንስሳት ናይ ምግታእ ሓላፍነቱ ክዋፃእ" ከም ዘለዎ ኣገንዚቡ።
ንምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ'ውን ዝነቐፈ ኦፌኮ፡ መንግስቲ እቲ ክልል "ድሕነት ነበርቲ ምውሓስን ግዝኣት ኦሮሚያ ከኽብርን ብዘይምኽኣሉ ተሓታቲ እዩ" ኢሉ።
ኣብ ሞት እታ ጓል 13 ዓመት ሰገንን ካልኦት ንፁሃት ዜጋታትን ዝተፈፀሙ መጥቃዕቲታት ዝምልከት ግልፂ፣ ዘይሻራውን ቅልጡፍን ምርመራ' ክካየድ ከምኡ'ውን፡ ኣብ ኩሎም ብርኪታት ምምሕዳር ዝርከቡ ሓለፍቲ መንግስተን 'ፈፀምቲን ብሕጊ ንክሕተቱ" ፀዊዑ።