እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ማንቸስተር፡ ካብ ፈርጉሰን ክሳብ ካሪክ - ጸገማት ኣሰልጠንቲ ድዮም ምምሕዳራ?
እቲ ካብ እዋን ሰር ኣሌክስ ፈርጉሰን ኣትሒዙ ንዅሎም ኣሰልጠንቲ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ዓዘቕቲ ዘስጥም ዘሎ ሕሱም ዑደት፡ ሕጂ ድማ ንማይክል ካሪክ ኣብ ትሕቲ ዘየላቡ ቍጽጽሩ ኣእትዩዎ ኣሎ።
ካሪክ፡ ልክዕ ከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ኦለ ጉናር ሶልሻየር ብሕዳር 2021 ኣብ ዋትፎርድ 4 ብ 1 ተሳዒሩ ካብ ስርሑ ቅድሚ ምብራሩ ዘርኣዮ ትርኢት እዩ ደጊሙ።
ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ብተመሳሳሊ ውጽኢት ብኮሞ ምስ ተዋረዱ፡ ነቶም ብጓሂ ዝተዋሕጡ ደገፍቲ ይቕረታ ንምሕታት ኣእዳዉ ክብ ኣቢሉ ኣርእዩ።
ፈርጉሰን ኣብ 26 ዓመታት ጻንሒቱ 38 ዋናጩ ድሕሪ ምዕታር ኣብ 2013 ካብ ስልጣኑ ካብ ዝወርድ ንነጀው፡ ካሪክ ነታ ጋንታ ብቐዋምነት ዝመርሕ ዘሎ ሻብዓይ ኣሰልጣኒ እዩ።
ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ኣብ ትሕቲ ልዊስ ቫን ሃል፡ ጆሴ ሞሪኖን ኤሪክ ተን ሃግን ናይ ዓወትን ተስፋን መዓልታት ተራእዮም እኳ እንተ ነበሩ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ግና ወትሩ ሓደ ኰይኑ ይተርፍ ኣሎ፤ ንሱ ድማ ምብራር እዩ።
ተኸላኻላይ ሊሳንድሮ ማርቲነዝ ድሕሪ'ቲ ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ብኣትሌቲኮ ማድሪድ ዝገጠሞም ስዕረት ኣብ ልዕሊ ዳይረክተር ኩዕሶ እግሪ ጀይሰን ዊልኮክስ ነቐፌታኡ ክድርቢ እንከሎ፡ ሓለቓ ጋንታ ብሩኖ ፈርናንደዝ ድማ ነቲ ኣብ ኮሞ ዝተጠቕምሉ ሜላ ኣብ ሕቶ ኣእትዩዎ።
ኣብ ውሽጢ መቐየሪ ክፍሊ ናዕቢ ኣብ ዝተላዕለሉን ውጽኢት ኣብ ዘቕብጸሉን ዘሎ እዋን፡ ካሪክ ነዚ ኣንፈት ንምቕያር ተኣምር ከድልዮ እዩ።
እዚ ኵነታት፡ ኣብ ውሽጢ ማንቸስተር ዩናይትድ ዝተበላሸወ ነገር ከም ዘሎ ዘመላኽት እዩ።
ስለዚ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ዝተበሳጨዉ ደገፍቲ ደው ኢሎም ይቕረታ ዝሓቱ፡ ብሓቂ እቶም ተስፋ ዝቘረጹ ኣሰልጠንቲ ጥራይ ድዮም ክዀኑ ዘለዎም? ኵሉ ግዜ ተሓተትቲ ኣሰልጠንቲ ጥራይ ድዮም? እቲ ዝዓበየ መርመራ ግደ ናብቶም ንዓታቶም ዝመዘዙን ስትራተጅያዊ ኣንፈት እታ ክለብ ዝወሰኑን ኣመራርሓታትዶ ኣይግባእን?
መቓብር ኣሰልጠንቲ ዝዀነት ማንቸስተር ዩናይትድ
ማንቸስተር ዩናይትድ ብሰንኪ ዘሕለፈቶ ናይ ነዊሕ ዓመታት ውድቀትን ሕሱም ጌጋታትን፡ ብሓቂ ምምራሓ ዘጸግም ክለብ ኰይና ድያ?
እቶም ድሕሪ ፈርጉሰን ዝተመዘዙ ሸውዓተ ቀወምቲ ኣሰልጠንቲ ዴቪድ ሞይስ፡ ቫን ሃል፡ ሞሪኖ፡ ሶልሻየር፡ ተን ሃግ፡ ሩበን ኣሞሪምን ካሪክን እዮም። ብተወሳኺ ከም ራያን ጊግስ፡ ራልፍ ራንግኒክ፡ ሩድ ቫን ኒስተልሮይን ዳረን ፍሌቸርን ዝኣመሰሉ ኣሰልጠንቲ'ውን ብግዝያውነት መሪሖም እዮም።
መራሕቲ ዩናይትድ፡ ካብቲ ናይ ቀደም ምክትል ኣቦ መንበር ፈጻሚ ስራሕ ዝነበረ ኤድ ዉድዋርድ ጀሚሩ ክሳብ እታ ዋና ዝዀነት ስድራቤት ግሌዘርን እቲ ሕጂ ብኸፊል ዋና ዝዀነ ሰር ጂም ራትክሊፍን፡ ነቲ ናይ ፈርጉሰን ዘመን ዳግማይ ንምፍጣር ኵሉ ዝከኣሎም ሜላታት ፈቲኖም እዮም፤ እንተዀነ ግን ብኸቢድ ፈሺሎም።
ሞይስ፡ እቲ ብፈርጉሰን ዝተሓርየ ዕድል ዘይነበሮ ኣሰልጣኒ፡ ንኤቨርተን ገዲፉ ምስ መጽአ እቲ ሓላፍነት ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ኰይኑ ረኺቡዎ።
ቫን ሃልን ሞሪኖን ድማ ኣብ ዓበይቲ ክለባት ኤውሮጳ ብሉጽ ናይ ዓወት ታሪኽ ዘለዎምን ዝተፈተኑን እዮም ነይሮም። ሶልሻየር ኣብ ዩናይትድ ክዕወት ዘኽእል ናይ ኣሰልጣንነት ተመኵሮ ዘይነበሮን ኣንጻር ቅዲ ሞሪኖ ዝኽተልን እኳ እንተ ነበረ፡ ከም ግዝያዊ ኣሰልጣኒ ኰይኑ ብዘመዝገቦ ውጽኢት ተመርኲሶም እዮም መዚዞሞ።
ተን ሃግ ነታ ብሉጽ መንእሰይ ጋንታ ኣያክስ ክሳብ ፍርቂ ፍጻመ ቻምፕዮንስ ሊግ ድሕሪ ምብጻሑ እዩ ነዚ ስራሕ ተረኪቡዎ። ኣሞሪም ካብ ስፖርቲን ሊዝበን ክመጽእ እንከሎ ድማ ሓደ ካብቶም ዝበለጹ መንእሰያት ኣሰልጠንቲ ኤውሮጳ ተባሂሉ ብዓቢ ተስፋ እዩ ተወሲዱ።
ኵሎም ግና ኣብ መወዳእታ ተባሪሮም፣ ነቲ ከቢድን ኣሸጋርን ዝዀነ ንዩናይትድ ምምሕዳር ዘይከኣል ኰይኑ ረኺቦሞ።
ቫን ሃል ኣብ 2016 ጽዋእ ኤፍኤ ተዓዊቱ፡ ሞሪኖ ኣብ 2017 ጽዋእ ሊግን ኤሮጳ ሊግን ወሲዱ፡ ተን ሃግ ድማ ኣብ 2024 ንማንቸስተር ሲቲ ብምስዓር ጽዋእ ኤፍኤ ዓቲሩ። እዚ ምስቲ ናይ ቀደም ክብሪታት ክወዳደር እንከሎ ግን ኣዝዩ ንኡስ እዩ።
ዩናይትድ ግና ብሓደ ለይቲ ዝፈረሰት ክለብ ኣይኰነትን። እቲ ንፈርጉሰን ናይ ምትካእ መደብ - ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ እኳ እንተ ተኣመነ - ብኣዝዩ ሕማቕ መንገዲ ካብ ዝነቅል ኣትሒዛ፡ ናብዚ ዘላቶ ቍልቍል ኣንፈት ከተምርሕ ጸኒሓ እያ።
ካርሎ ኣንቸሎቲ፡ ፔፕ ጓርዲዮላን የርገን ክሎፕን ነቲ ናይ ኦልድ ትራፎርድ ጻዎኢጥ ክነጽጉዎ ክኢሎም እዮም።
ኣብ ታሕሳስ 2019፡ ሰለስቲኦም ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ብ35 ማይልስ ርሕቀት ኣብ ዝርከባ ጋንታታት እናኣሰልጠኑ፡ ሓዲኦም እኳ ኣብ ዩናይትድ ዘይምህላዎም ንኣመራርሓ እታ ክለብ ኣዝዩ ዘሕፍር እዩ ነይሩ።
ኣንቸሎቲ ኣብ ኤቨርተን፡ ጓርዲዮላ ኣብ ማንቸስተር ሲቲ፡ ክሎፕ ድማ ኣብ ሊቨርፑል ነይሮም። ዩናይትድ ግና ነቲ ኣብ ስምዒት ተመርኲሱ ብሰንኪ ናይ ግዝያዊ ዓወቱ ዝተመዘዘ ሶልሻየር ሒዛ ተሪፋ። ንሱ'ውን እንተዀነ ካብ ሰለስተ ዓመት ንላዕሊ ኣይጸንሐን።
ስሕበታ ዘጥፍአት ዩናይትድን ዳግማዊ ሶልሻየር ዝዀነ ካሪክን
መዓልታት ብዝሓለፈ፡ ካሪክ ዳግማዊ ሶልሻየር ኰይኑ ይረአ ኣሎ።
ካሪክ ቀደም ብደገፍቲ ኣዝዩ ዝፍቶን ከም ግዝያዊ ኣሰልጣኒ መጠን ድማ ጽቡቕ ዝሰርሐን እኳ እንተዀነ፡ ቅድሚኡ ዝነበሮ ናይ ኣሰልጣንነት ተመኵሮ ግን ኣብ ቻምፕዮንሺፕ ካብ እትርከብ ክለብ ሚድልስብሮ ብምብራር ዝተዛዘመ እዩ ነይሩ።
ሶልሻየር እውን ተመሳሳሊ መሳጢ ታሪኽ ኣይነበሮን፤ ንትሽዓተ ኣዋርሕ ጥራይ ድሕሪ ምምራሑ፡ ብሰንኪ ኣብ ቻምፕዮንሺፕ ዘጋጠሞ ውድቀታት ብመስከረም 2014 ካብ ካርዲፍ ሲቲ ተሰጒጉ ነይሩ።
እዚ ኵሉ ንዩናይትድ ናብ ሓደ ዓቢ ሕቶ ደቂኑዋ ኣሎ፤ ፈርጉሰን ካብ ዝወጽእ ንነጀው፡ ኵነታት ካብዚ ሕጂ ዘለዎ ገዲዱዶ ይፈልጥ? ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ካብዚ ናይ ሕጂ ዝወሓደ ተስፋ ነይሩዶ ይፈልጥ? ሞራልከ ካብዚ ናይ ሎሚ ዝበኣሰ ወዲቑዶ ይፈልጥ?
ዩናይትድ ኣሰልጣኒ እንተ ደልያ ወትሩ ምቝጻር ኣይጽግማን እዩ፤ እዚ ሕጂ ዘላቶ ሓደገኛ ኵነታት ግና ከምቲ ቀደም ዝነበራ ስሕበት ከም ዘይብላ ዘርኢ እዩ።
እታ ክለብ ካብ ዓለምና ብሉጻት ኣሰልጠንቲ ናይ ምምራጽ ዕድል ኣይክህልዋን እዩ። ነታ ባዕላ "ዓባይ ክለብ ዓለም" እናበለት እትጽውዕ ጋንታ፡ ንዝዀነ ኣሰልጣኒ ኣብ ኦልድ ትራፎርድ ካብ ስራሕ ምብራር ወጻኢ ካልእ ዝሓሸ መጻኢ ከም ዘሎ ከተእምኖ ከድልያ እዩ። እዚ ድማ ዘሕዝን ሓቂ እዩ።
ነዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ተጻወቲ ዩናይትድ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዋላ ብሉጽ ናይ ኣሰልጣንነት ታሪኽ ዘለዎ ሰብ ብዘይ ዓቢ ወፍሪ ቅልጡፍ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእለሉ ውሕስነት የሎን።
ካሪክ ኣብ ቅድሚት ኰይኑ ነታ ጋንታ ይመርሕ ኣሎ፡ ብመሰረት ሕጂ ዘሎ መርትዖታት ድማ ናይቲ ውድቀታት ዩናይትድ ገንሸል ኰይኑ ዋጋ ክኸፍል እዩ። ካሪክ ድግማ ናይቲ ኣብ ሶልሻየር ዝተገብረ ጌጋ እዩ። ነታ ጋንታ ናብ ቻምፕዮንስ ሊግ ብምምላሱ ብቐሊሉ ተመዚዙ ንደገፍቲ ከም መዐገሲ ዝነበረ እኳ እንተዀነ፡ ሕጂ ግና እቲ ኵነታት ብሰንኪ ሕማቕ ውጽኢት ኣንቆልቊሉ ይርከብ።
ብራትክሊፍ ዝምራሕ ናይ ኣመራርሓ ጌጋታትን ቅልውላውን
ብራትክሊፍ ዝምራሕ፡ ኣብ ላዕለዋይ ኣመራርሓ እውን ዓበይቲ ተሓተትቲ ኣለዉ።
ደገፍቲ ዩናይትድ፡ ስድራቤት ግሌዘር ኣብ 2005 ብልቓሕ ነታ ክለብ ብምግዛእ ዕዳ ካብ ዝጽዕኑላ እዋን ጀሚሮም ስሩዕ ተቓውሞታት ከካይዱ ጸኒሖም እዮም። ካብ ደገፍቲ ዝወረዶም ናይ ዓመታት ቍጥዐን ጽልእን ከየንቀሳቐሶም፡ ክሳብ ሕጂ ዝዓበየ ብጽሒት ዋንነት ሒዞም ይርከቡ።
ራትክሊፍ ብወገኑ ምስ ስድራቤት ግሌዘር ብምሽራኽ ብኸፊል ዋና ንምዃን ዝወሰዶ ስጕምቲ፡ ምስቶም ኣብ ደገፍቲ ተቐባልነት ዘይብሎም ኣመሪካውያን ብዝፈጠሮ ምትእስሳር፡ ቍጥዐ ደገፍቲ ኣብ ልዕሊኡ እውን ከም ዝግንፍል ገይሩ እዩ።
ራትክሊፍ፡ ልክዕ ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዕዉታት ቢልዮነራት፡ ክለብ ኩዕሶ እግሪ ምምሕዳር ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝፈልጦ ዓለም ንግዲ ዝተፈልየ ምዃኑ ተገንዚቡዎ ኣሎ።
ዓበይቲ ናይ ኩዕሶ እግሪ ውሳነታት ንኻልኦት ከም ዊልኮክስን ዋና ፈጻሚ ስራሕ ዝዀነ ዑመር በራዳን ከም ዝሓደገሎም እኳ እንተ ገለጸ፡ ራትክሊፍ መራሒ ዩናይትድ ካብ ዝኸውን ንነጀው ግና ዘይምርግጋእን ኣዝዮም ኣጸገምቲ ውሳነታትን እዮም ተኸሲቶም።
ዩናይትድ ንተን ሃግ ቅድሚ'ቲ ኣብ መወዳእታ ጽዋእ ኤፍኤ ምስ ሲቲ ዝነበረ ጸወታ ክትሰጕጎ መዲባ ነይራ፤ ኣብ ዌምብሊ ዝተረኽበ ዓወት ግና ንግዚኡ ኣብ ስልጣኑ ከም ዝጸንሕ ገይሩዎ። ድሕሪኡ ውዕሉ ተናዊሑሉ፡ 200 ሚልዮን ፓውንድ ድማ ንምልውዋጥ ተጻወቲ ተዋሂቡዎ፡ እንተዀነ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ተሰጒጉ።
ንተን ሃግን ሰራሕተኛታቱን ዝተኸፍለ ናይ ምብራር ካሕሳ ድማ ልዕሊ 10 ሚልዮን ፓውንድ ነይሩ። እዚ ድማ ንተን ሃግ ምጽናሕ ብገንዘብን ብኹዕሶ እግርን ኣዕናዊ ስጕምቲ ከም ዝነበረ ዘመስከረ እዩ።
ብድሕሪኡ ድማ እቲ ኣብ 2024 ንስፖርታዊ ዳይረክተር ዳን ኣሽዎርዝ ንምምጻእ ዝተገብረ ሃቐነን ስዒቡ ዝመጽአ ምብራርን ዘስደመም ኵነታት ተኸሲቱ።
ንሱ ኣብ ሓምለ ሓደ ካብቶም ብሉጻት ኣካየድቲ ምዃኑ ተፈሊጡ ብዓቢ ድምቀት እኳ እንተ መጽአ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ ጥራይ ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ክሰናበት ተገዲዱ።
እቲ ዩናይትድ ክሳብ ሕጂ እትርከበሉ ናይ ዕግርግር ምስሊ፡ ኣሽዎርዝ ካብ ኒውካስል ዩናይትድ ወጺኡ ናብ ማንቸስተር ዩናይትድ ንምጽንባር ኣብ ዕረፍቲ ዘሕለፎ ግዜ፡ ማዕረ እቲ ኣብ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ስራሕ ዝጸንሓሉ እዋን ብምንባሩ ብግሁድ ይንጸባረቕ።
ኣሽዎርዝ ንተን ሃግ ኣብ ስልጣኑ ክጸንሕ ብምግባሩ ተሓታቲ ከም ዝዀነ ተገሊጹ ነይሩ፤ ካልኦት ድማ ኣብ ክንዲ ኣሞሪም ከም ግራሃም ፖተርን ጋሬዝ ሳውዝጌትን ዝኣመሰሉ እንግሊዛውያን ኣሰልጠንቲ ክደሊ ስለ ዝጸንሐ እዩ ይብሉ።
ዩናይትድ ግና ኣብ ክንድኡ ነቲ ኣብ 3-4-3 ቅርጺ ጸወታ ኣዝዩ ዝተሸኽለ ኣሞሪም መሪጻ። እዚ ድማ እዩ ንሊቨርፑል ኣብ ክንዲ ንዓኡ መተካእታ ክሎፕ ንክኸውን ንኣርነ ስሎት ከተምጽእ ዘገደዳ። እዚ ጌጋ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ዩናይትድ ዝነበሮ ስልጣን ኣንደልሂጹ ክወድቕ ገይሩዎ።
ኣሞሪም ድሕሪ 14 ኣዋርሕ ተሰጒጉ፡ እዚ ግና ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዩናይትድ ቃላዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምውርዋሩን ምስ ዊልኮክስ ሓያል ፍሕፍሐ ድሕሪ ምፍጣሩን እዩ ነይሩ።
ቍጠባዊ ጸቕጥን ጽልሙት መጻእን
ቅድሚ ምምዛዝ ካሪክ እውን እንተዀነ፡ ብሰንኪ እቲ ራትክሊፍ ዘካየዶ ዘየላቡ ናይ ወጻኢታት ምቍራጽን ብስም "ስሉጥነት" ዝተሰጐጉ ብዙሓት ሰራሕተኛታትን፡ ኣብ ኦልድ ትራፎርድ ሞራል ኣዝዩ ውዱቕ እዩ ነይሩ።
ኣብዚ ዓመተ-ስፖርት፡ ዩናይትድ ኣብ እዋን ሓጋይ ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋዊ ሸያጦ ትኬት መርመራ ድሕሪ ምኽፋታ፡ ኣብ መንጎ እቶም ድሮ ተበሳጭዮም ዝነበሩ ደገፍቲ ዝነበረ ቍጥዐ ዳግማይ ገንፊሉ እዩ።
እታ ክለብ ነቶም ናይ ባንክ ወይ ናይ ኣካውንት ሓበሬታኦም ዘካፈሉ ደገፍቲ ቍጽሮም ኣነኣኢሳ ከም ዝረኣየቶ እኳ እንተ ተኣመነት፡ ደገፍቲ እንተ ዘይተሓባቢሮም ናይ ዓመት ትኬቶም ክምንጠሉ እዮም ዝብል ምፍርራሕ እውን እንተ ኣዝሓለቶ፡ ሰበ-ስልጣን ዩናይትድ ግና ነቲ መርመራ ተኸላኺሎምሉ እዮም።
ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ዘየዕግብ ኣብ ዝዀነሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ራትክሊፍ ከዐርዮ ቃል ዝኣተወሉ ቍጠባዊ ኵነታት እውን ዛጊት ከም ዓቢ ጸገም ይቕጽል ኣሎ።
ኣብ መስከረም ዝወጽአ ወግዓዊ ጸብጻብ ከም ዘረጋገጾ፡ ራትክሊፍ ወጻኢታት እኳ እንተ ነከየ፡ ጠቕላላ ዕዳ እታ ክለብ 1 ቢልዮን ፓውንድ ኰይኑ ይርከብ።
ዩናይትድ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት ንፈለማ እዋን ኣብ ኤውሮጳዊ ውድድር እኳ እንተ ዘይተሳተፈት፡ ናይ 678 ሚልዮን ፓውንድ ክብረ-ወሰን ኣታውን ናይ 23 ሚልዮን ፓውንድ መኽሰብን ከም ዝረኸበት ኣፍሊጣ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2023-24 ዘጋጠማ ናይ 113 ሚልዮን ፓውንድ ክሳራ ርኡይ ምምሕያሽ ዘርኢ እዩ።
ብተወሳኺ፡ ዩናይትድ ነቲ ሓድሽ ስታድዩም ዝኸውን መሬት ንምግዛእ 64 ሚልዮን ፓውንድ ከም ዘውጽአት ኣረጋጊጻ ኣላ፤ ራትክሊፍ ድማ እዚ ኣብታ ክለብ ዝገድፎ ውርሻን ንዓወት ዘለዎ ድሌት መርኣያን ክኸውን ተስፋ ይገብር።
ኣብ ነሓሰ በራዳ፡ እታ ክለብ ነቲ ልዕሊ 2 ቢልዮን ፓውንድ ዝግመት ወጻኢ ዝሓትት፡ 100,000 ተዓዘብቲ ዝሕዝ ሓድሽ ስታድዩም ንምህናጽ ኣብ ቅኑዕ መስመር ከም ዘላ ኣፍሊጡ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ኣብ ድሕሪ መድረኽ ዝውሰዱ ኣዘራረብቲ ውሳነታትን ኣብ ሜዳ ዝረአ ዘሎ ስእነት ዓወትን፡ ሎሚ ንማንቸስተር ዩናይትድ እናኣንቈንቈና ይኸይድ ኣሎ።
እዚ ድማ እተን መወዳደርታ ዝነበራ ዓበይቲ ክለባት እናማሕደጋኣ ኣብ ዝኸዳሉ ዘለዋ እዋን፡ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ዝገደደ ቅልውላውን ዘይምርግጋእን ተሸሚማ ከም እትተርፍ ይገብራ ኣሎ።