ትሽዓተ ሰባት ዝቐዘፈ ሓደጋ ጀት ፍሎሪዳ፡ እንታይ እዩ ተፈጢሩ?

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ሰንበት ኣብ ኣመሪካ ክፍለ-ሃገር ፍሎሪዳ፡ ሓንቲ ብሕታዊት ነፋሪት ኣብ መንበሪ ገዛውቲ ድሕሪ ምውዳቓ ብዝተለዓለ ባርዕ፡ ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ኵሎም ትሽዓተ ሰባት ህይወቶም ከም ዝሓለፈ ክፍሊ መጓዓዝያ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓደጋ ኣብ ከባቢ ክረስቲሀቨን፡ ካብቲ ኣብ ሃብታም ዞባ ፓልም ቢች ዝርከብ ናይ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ መዘናግዒ ማር-ኣ-ላጎ ኣስታት 14 ኪሎሜተር ርሒቑ፡ ሰዓት 12፡50 ድሕሪ-ቐትሪ ብናይቲ ከባቢ ኣቈጻጽራ (17፡50 ጂኤምቲ) እዩ ኣጋጢሙ።

ካብቲ ቦታ ዝወጽኡ ምስልታት፡ እታ ሊርጀት 60 ዝዓይነታ ነፋሪት ምስ ወደቐት፡ ኣብ ማእከል ጐደና ዓሚቝ ጕድጓድ ከም ዝፈጠረት የርእዩ። እቲ ከባቢ ብሓዊ ተኸቢቡ እንከሎ፡ ስብርባራት ኮንክሪትን ቍራጽ ኣካላት ናይታ ነፋሪትን ድማ ኣብቲ ጐደና ፋሕ ኢሉ ይርአ።

እታ ነፋሪት ካብ ኦስቲን፡ ቴክሳስ ተላዒላ ናብ ባሃማስ ተምርሕ ምንባራ ፈደራላዊ ምምሕዳር ኣቪየሽን ኣመሪካ (FAA) ሓቢሩ ኣሎ።

ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ኣመሪካን ትንታነ በረራን ከም ዘረድእዎ፡ እታ ጀት ቅድሚ ምውዳቓ ኣብ ሓንቲ ካልኢት ብዓሰርተታት ሜትሮታት ናህሪ እናወሰኸት ብዓቢ ፍጥነት ትንቈት ነይራ።

ብመሰረት መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ሲቢኤስ ኒውስ፡ ቅድሚ'ቲ ምውዳቕ ኣብ ዝተቐድሐ ድምጺ ርክብ መቈጻጸሪ በረራ፡ እቲ ፓይለት እታ ነፋሪት ኣብ ደቒቕ ብኣስታት 3,000 ሜትሮ (ሰለስተ ኪሎሜተር) ትወርድ ከም ዘላ ክሕብር ይስማዕ።

ጺሉ እቲ ፓይለት ህጹጽ ኵነታት ብምእዋጅ፡ "ልዕሊ ዓቐን ፍጥነት ኣቲና ኣለና፡ ኣብ ደቒቕ ብኣስታት 6,000 ሜትሮ ንወርድ ኣለና!" ብምባል ብጭንቀት ጨዲሩ። ኣስዒቡ ድማ ናብቲ መቈጻጸሪ ማእከል "ክንወድቕ ኢና... ግዜ የብልናን" ክብል ኣጠንቂቑ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ናይ መኪና ዳሽ-ካሜራ ዝመስል ምስሊ ከም ዘርእዮ፡ ኣብ ሓደ ናይ ከባቢ መንበሪ ጐደና መካይን እናተንቀሳቐሳ እንከለዋ፡ እታ ነፋሪት ብዘይተጸበዮ መንገዲ ዳርጋ ብቐጥታ ቍልቍል ተተኺላ ትወድቕ እሞ፡ ብርቱዕ ሓዊ ፈጢራ ተፈንጂራ።

ኣመሓዳሪ ክፍለ-ሃገር ፍሎሪዳ ሮን ደሳንቲስ ብዛዕባ'ቲ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ነቲ ቪድዮ ክትርእዮ ከለኻ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እዩ፡" ኢሉ።

ወሲኹ ድማ፡ "ልክዕ ከም ዝወደቐት ሚሳይል እያ ነይራ፡ ብርቱዕ ፍንጀራ ተኸሲቱ፡ ስብርባራት ናብ ኵሉ ፋሕ ኢሉ፡" ክብል ገሊጹ።

መንነት ናይቶም ኣብ ውሽጢ እታ ጀት ዝነበሩ ሰባት ንግዜኡ ብወግዒ ኣይተገልጸን።

ኣመሓዳሪ ደሳንቲስ፡ "ዛጊት፡ ኣብ መሬት ዝነበረ ሰብ ከም ዝሞተ ወይ ከም ዝቘሰለ ዝሕብር ዝዀነ ጸብጻብ የሎን፡" ክብል ኣረጋጊጹ።

ጸሓፊ ክፍሊ መጓዓዝያ ሾን ዳፊ ነቲ ፍጻመ "ዘስካሕክሕ ሓደጋ" ክብል ዝገለጾ ኰይኑ፡ ሃገራዊ ቦርድ ድሕነት መጓዓዝያ ንዘካይዶ ዘሎ መርመራ ንምሕጋዝ፡ ምምሕዳር ኣቪየሽን ኣመሪካ ክኢላታት ናብቲ ቦታ ይሰድድ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

ዳፊ ወሲኹ፡ "ምስቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ስድራቤታትን ፈተውቶምን ብጸሎት ንኽትሓብሩኒ እላቦ፡" ኢሉ።

ኣገልግሎት ምጥፋእ ሓውን ህጹጽ ረድኤትን ፓልም ቢች ነቲ ፍጻመ፡ "ብዙሓት ሰባት ዝሃለቝሉ ሓደጋ፡" ክብል ዝሰየሞ ኰይኑ፡ እቲ ሓደጋ ኣብ ሚሊተሪ ትረይል ኣብ ዝተባህለ ንግዳዊ ትካላትን ኣብያተ-መግብን ዝበዝሖ መስመር ጐደና ከም ዘጋጠመ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ኣፍሊጡ።

በቲ ሓደጋ ምኽንያት ካብ ጥቓኡ ዝርከብ ናይ ተንቀሳቐስቲ ኣባይቲ ሰፈር 600 ነበርቲ ይግዕዙ ምህላዎምን እቲ ጐደና ዳግም ንክኽፈት እንተ ወሓደ 30 መዓልታት ከም ዝወስድን ሰበስልጣን ሓቢሮም።

እቲ ምውዳቕ ኣብ መስመራት ማይ ሓዊሱ ኣብ ካልእ ከባብያዊ መሰረተ-ልምዓታት ከቢድ ዕንወት ኣውሪዱ ኣሎ።

እቲ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ኣብቲ ከባቢ በርቅን ነጐዳን ዝሓወሰ ሓያል ዝናብ ነይሩ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ናይ ሰንበት ንግሆ ኣብ ማር-ኣ-ላጎ ዝነበረ ኰይኑ፡ እቲ ሓደጋ ቅድሚ ምግጣሙ ኣስታት ሓደ ሰዓት ኣቐዲሙ ብነፋሪት ኤር ፎርስ ዋን ካብ ጥቓኡ ካብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ተላዒሉ ነይሩ።