እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሞያ ኣካላዊ ብቕዓት ዝነጥፋ ዘለዋ ኢትዮጵያውያን ደቀንስትዮ
ጓል 21 ዓመት ኤዶም ፍረዘዎድ፡ ኣብ ቲክቶክ ኣብ እትፍንዎም ቪድዮታታ ካብ እትረኽቦም ርእይቶታት፡ ብዛዕባ ኣካላታ፡ ኣንስታይነታ፡ ከምኡ'ውን መጻኢ ውላዳ ዝምልከቱ እዮም።
ኤዶም፡ ኣካላታ ንምህናጽ ምስራሕ ካብ እትጅምር፡ ኣስታት ሓደ ዓመት ኰይኑ ኣሎ።
ኣብዚ ዓይነት ስፖርት ቅድሚ ምእተዋ፡ ብዛዕባ'ቲ ስፖርት ብዙሕ ኣፍልጦ ከምዘይነበራ ትዛረብ።
እንተዀነ፡ ነቲ ስፖርት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክትከታተሎን፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ኣብ ሓደ ውድድር ክትሳተፍን ክኢላ፡ እዚ ድማ ተገዳስነታ ዝያዳ ክውስኽ ገይሩ።
እንተኾነ፡ ነዚ ዓይነት ስፖርት ምጅማርን ምቕጻልን ቀሊል ኣይነበረን።
ካብ ስድራኣ ደገፍ ከምዘይረኸበት እትዛረብ ኤዶም፡ ባዕላ ተበግሶ ክትወስድ ከምዝወሰነት ትገልጽ።
ካብቶም ዝወሃቡዋ ርእይቶታት፡ ጓለንሰተይቲ ምዃናን፡ ምስ ምውላድን ምጥባውን ዝተሓሓዙ እዮም።
ብፍላይ ድማ "ውላድኪ እንታይ ጠብዩ እዩ ክዓቢ?"፡ ንዝብል ዘስሕቕ እትበሎ ርእይቶ ምላሽ እንተትህብ፡ ምምርዓውን ቈልዓ ምውላድን ምስዚ ዘተኣሳሰር ነገር ከምዘይብሉ እያ ትኣምን።
ብፍላይ ደቀንስትዮ ኣብ ውድድራት ዝኽደንኦ 'ቢኪኒ' ካብ ብዙሓት ነቐፌታ ዝወሃቦ እዩ።
ኤዶም፡ ኣብ መጀመርታ ነዚ ኣካላተን ዘርኢ ኣከዳድና ክትለምዶ ኣጸጋሚ ምንባሩን፡ ካብ ዝተፈላለዩ ሰባትን ስድራቤትን ዝመጽእ ርእይቶታት ክትፃወር ከምዘይኸበዳ ትዕልል።
"ቢኪኒ ክንለብስ ከለና፡ ነቲ ክዳውንቲ ከነርኢ ኣይኰነን፤ ክሳብ ክንደይ ከም ዝጸዓርና ንምርኣይ ኢና ከምኡ ገይርና ናብ መድረኽ ንወጽእ" ትብል፡ እቲ ዕላማ ውጽኢት ጻዕራ ንምግላጽ ጥራይ ምዃኑ ንምርዳእ።
ብኣፃብዕ ዝቝፀራ ደፋራት
ኣብ ኢትዮጵያ ደቀንስትዮ ናብ ጂምናዝየም ክኸዳ ምርኣይ ዘይልሙድ ኣይኰነን፤ ገሊአን ብቕዓተን ንምምሕያሽ፡ ገሊአን ድማ ቅርጺ ኣካላተን ንምቕያር።
ይዅን እምበር ብኣካላዊ ቅርፂ [ጭዋዳ] ምውድዳር ዝያዳ ጻዕሪ፡ ዝተፈላለየ ኣመጋግባን ካብ ሕብረተሰብ ዝወሃቡ ርእይቶታት ምፅዋርን ይሓትት።
ስለዝዀነ ድማ ነዚ ሰጊረን ዝኸዳ ብኣጻብዕ ዝቝጸራ እየን፤ ኣብ ውድድራት ከይተረፈ ውሑዳት ደቀንስትዮ ጥራይ እየን ዝሳተፋ።
ኣብ 16 ዓመት ዕድመኣ ነዚ ስፖርት ከም ዝጀመረት እትገልጽ ጓል 20 ዓመት ሜሮን ሂርጶ፡ ብደረጃ ውድድር ዝሳተፋ ደቀንስትዮ ቍጽረን ውሑድ ምዃኑ ትገልጽ።
ብፍላይ ነዚ ደረጃ ንምብጻሕ ዘድሊ ጻዕሪ፡ ኣመጋግባ፡ ለውጢ ሆርሞናትን ተወሳኺ ብድሆታት ምዃኖም ተረድእ።
ብዘይካ ካብ ወጻኢ መጺአን ንሃገረን ዝውክላ ደቀንስትዮ፡ ካብ ኢትዮጵያ በዚ ደረጃ ዝወዳደራ ደቀንስትዮ ከምዘየጋጠማ ትዛረብ።
ኣካላት ንምህናፅ እትሰርሕ ጓል፡ ከም ወዲ ተባዕታይ እያ ትረአ እትብል ሜሮን፡ ተመርዕያ ውላድ ክትወልድ ኣይትኽእልን እያ ዝብል ግጉይ ግንዛበ ከምዘሎ ትዛረብ።
ብዘይ ፍቓድ ስድራኣ፡ ኣካላታ ምጉልባት ከም ዝጀመረት እትዛረብ ሜሮን፡ ካብ ዝዀነ ርእይቶ ንላዕሊ ነቲ ስፖርት ካብ ፍቕሪ'ቲ ሞያ ተበጊሳ'ያ ቀፂላትሉ።
ሜሮን፡ ኣብቲ ስፖርት ዘሎ ብድሆ፡ ምስ ኣተሓሳስባ ሕብረተሰብ ዝተኣሳሰረ ጥራይ ከምዘይኰነ ትዛረብ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቍጠባዊ ኵነታት ኣብ ህንፀት ኣካላት ንምስታፍ ዕንቅፋት ክኸውን ከምዝኽእል ትዛረብ።
ከም ኣገላልጻ ሜሮን፡ እቲ ስፖርት ግቡእ ኣመጋግባን ምህናጽ ኣካላትን ስለ ዝሓትት፡ ነቲ ወጻኢታት ንምሽፋን ኣጸጋሚ እዩ።
ኣብዚ ስፖርት ናይ 30 ዓመት ልምዲ ዘለዎ ዳይረክተር ፈደሬሽን ብቕዓትን ምህናጽን ኣካላት ኢትዮጵያ ዮናስ ግርማ፡ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ደቀንስትዮ ናብዚ ውድድር ንምምፃእ ይሰርሑ ከምዘለዉ ይዛረብ።
ኣብዘን ዓመታት፡ ኣብ ሓደ እዋን ዝበዝሐ ቍጽሪ ደቀንስትዮ ዝተወዳደራሉ 5 ጥራይ እዩ።
ሓንቲ ተወዳዳሪት ጥራይ እትሳተፈሉ እዋን እውን ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ነሓሰ ዝተኻየደ ሻድሻይ ውድድር፡ ክልተ ቢኪኒን ክልተ ናይ ኣካላት ቀርፂ ደቀንስትዮ ተወዳደርትን ተሳቲፈን።
ኣብ ምድብ ቢኪኒ ብኤዶም ፍረዘውደን ሜሮን ሂርጶን ዝተወዳደራ ኰይነን፡ ኤዶም ድማ ቀዳመይቲ ኰይና ተዓዊታ።
ዓይነታት'ቲ ስፖርት
ስፖርት ምህናጽ ኣካላዊ ብቕዓት ደቀንስትዮ፡ ብተለምዶ ሸውዓተ ቀንዲ ምድባት ኣለዎ፤ ፊት ሞዴል፡ ቢኪኒ፡ ወልነስ፡ ፊገር፡ ፊትነስ፡ ዉመንስ ፊዚክ ከምኡ'ውን ዉመንስ ቦዲ ቢልዲን።
እቶም ምድባት ብመንጽር ዝድለ ቅርጺ ኣካላት፡ ዕብየት ጭዋዳታትን ብቕዓት ተወዳደርቲ ኣብ መድረኽን ይፈላለዩ።
ቢኪኒ ሓደ ካብቶም ብብዝሒ ዝፍተዉ ዓይነት ስፖርት እዩ።
ተወዳደርቲ ኣብ ክንዲ ብርቱዕ ጭዋዳታት፡ ጽቡቕ ተመጣጣኒ፡ ኣትለቲካዊ ቅርጺ ኣካላት ክህልወን ትጽቢት ይግበር።
ብፍላይ ኣብ ቅርጺ መንኩብ፡ ኣፍልቢን እግርን ኣተኲርካ ይስራሕ።
ኣብ ውድድራት ቢኪኒ ዝግበር ኣከዳድና እውን መለለዪ ናይዚ ምድብ ውድድር እዩ።
ተወዳደርቲ ፍሉይ ናይ ውድድር ክዳንን ልዑል ብራኸ ዘለዎ ጫማን ተኸዲነን ናብ መድረኽ ይድይባ።
ቅርጺ ኣካላተን፡ ርእሰ ምትእምማን፡ ኣተሓሳስባአንን ዓቕመንን ኣብ መድረኽ የርእያ።
ወልነስ ድማ፡ ዓቢ መቐመጫ፡ ረጒድ ሰለፍን ምህላው ዘተኮረ እዩ።
ፊገር፡ ማለት ገፊሕ መንኵብን ቀጢን መዓንጣን ዘለዎ ሚዛናዊ ቅርጺ ዘርእያሉ እዩ።
ኣብ ውድድር ፊትነስ፡ ኣብ ርእሲ ቅርጺ ኣካላተን፡ ብቕዓት ጂምናስቲክ፡ ሳዕስዒት፡ ተዓጻጻፍነትን ዝረኣየሉ እዩ።
ዉመንስ ፊዚክ፡ ዝያዳ ዝማዕበለን ንፁር መስመራት ቅልፅምን ኣካላት ክጠልብ እንከሎ፡ ዉመንስ ቦዲ ቡዪልዲን፡ ዝዓበየ ስፍሓት ጭዋዳታትን ጉልበትን ዘተኮረ እዩ።
ብኣንጻሩ ምድብ ሞዴሊን ገጽ ዝያዳ ኣብ ተፈጥሮኣውን ሚዛናውን ቅርጺ ኣካላት ዘተኮረ እዩ።
ዮናስ ከም ዝብሎ፡ ኣብ መድረኽ ዝኽደናኦን ዘቕርባኦ ኣገባብን ንገለ ደቀንስትዮ ምቾት ከም ዘይስምዐን ይገብር።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ቪድዮታት ዝቐርብ ርእይቶታት "ሓድሓደ ግዜ ጸርፍን ምንሻውን ዝመልኦ" ምዃኑ ዝዛረብ ዮናስ፡ ኣብ ገለ ቪድዮታት ቦታ 'ኮመንት' [ርእይቶ] ክዓፅዉ ከምዝግደዱ ይዛረብ።
ኣብዚ ስፖርት ንኽወዳደራ እንተወሓደ ንኽልተ ዓመት ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ክገብራ ይግደዳ።
ዮናስ፡ ንደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝወሃብ መደባት ስልጠና ብገለ መዳያት ከም ዝፈላለ እውን ይዛረብ።
ኣብ ደቀንስትዮ፡ ጭዋዳታተን ክውስኽን ስብሒ ኣካላት ምጕዳልን፡ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ግዜ ክወስድ፡ ከምዝኽእል ይዛረብ።
እወታዊ ጽልዋ
ኤዶም ኣብ መንጎ ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዘሎ ሆርሞናዊ ፍልልይ ኣብ ምህናጽ ኣካላት ጽልዋ ከም ዘለዎ ተረድእ።
ብፍላይ ደቂ ተባዕትዮ ዝለዓለ መጠን ቴስቶስትሮን ስለዘለዎም፡ እዚ ድማ ኣብ ምህናጽ ጭዋዳታት ፍሉይ ብልጫ ይህቦም።
ደቀንስትዮ ተመሳሳሊ ደረጃ ምዕባለ ጭዋዳታት ንምብጻሕ ዝያዳ ጻዕሪ ከድልየን ከምዝኽእል ትኣምን።
ብዛዕባ እቲ ካብቲ ሕብረተሰብ ዝወሃብ ርእይቶ ግን ኵሉ ግዜ ኣሉታዊ ኣይኮነን - ትብል።
ኤዶም፡ ኣብ ጽርግያ ካብ ሰባት እትሰምዖም ርእይቶታት፡ እወታዊ ምዃኑ ትዛረብ።
ገለ ደቂ ተባዕትዮ ብዛዕባ ኣካላታ ርእይቶ ብምሃብ ከምዘተባብዕዋ፡ ደቀንስትዮ ድማ ካብ ተመኵሮኣ ተማሂረን ኣብቲ ስፖርት ንምጅማር ከም ዝሓታኣ ትዛረብ።
ኤዶም ኣብዚ እዋን፡ ብውልቃ ንኻልኦት ስልጠና ኣብ ምሃብ ትነጥፍ። ንመፃኢ ድማ ንሃገራ ወኪላ ኣብ ዓለም ለኸ ውድድራት ንምስታፍ ትብህግ።