እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጉጅለታት 'ኪዳን ንህልውና' ኣብ ካልኣይ መግለፂኦም እንታይ ኢሎም?
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ዝቘመ ሸውዓተ ዕጡቓትን ጕጅለታት ኢትዮጵያ ዝሓቍፍ ኪዳን-ንህልውና፡ እዋናዊ ሃገራዊን ዞባውን ኩነታትን ኣሰላልፋ ሓይልታትን ከምዝገመገመ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ንመንግስቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ስልጣን ንምውራድን ንዅሉ-ዝሓቍፍ "መሰጋገሪ መንግስቲ" ንምቛምን ዝዓለመ እዚ ሓድሽ ኪዳን፡ ድሕሪ ምምስራቱ ናይ መጀመርታ ዕላዊ ኣኼባ ከምዘካየደ እዩ ኣፍሊጡ ዘሎ።
እቲ 'ኪዳን ህዝባዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ ንህልውና' ወይ 'ምሕዝነት ንህልውና' ብዝብል ዝተፈጠረ ምትእኽካብ፡ ሸውዓተ ዕጡቓት ጉጅለታት ዝሓቖፈ ዀይኑ፡ ካብ ዘይተፈልጠ ቦታ እዩ መግለፂ ሂቡ ዘሎ።
ትማሊ ቀዳም ኣጋምሸት ኣብ ሓድሽ መደብ- ትግራይ ሚድያ ኮርፖሬሽን [ኦንላይን] ዝተመሓላለፈ መግለፂ፡ ብኣቦ-መንበር እቲ ምእትእኽኻብን መራሒ ፋኖ-ኣምሓራን ዝዀነ፡ ዘመነ ካሴ ዝተነበበ መግለፂ፡ ሓይልታት ኣሰላልፋ እዚ ዞባ ከምዝገምገመን፡ ናይ ማእኸላይ እዋን መደብ ከምዝውፀአን ይሕብር።
እቲ ጥምረት ኣብ መግለጺኡ፡ ኢትዮጵያ ኣብ መግዛእቲ 'ምልካዊ ስርዓት' ሰልፊ ብልጽግና፡ "ህዝባ ኣደዳ ምምዝባልን ድኽነትን ኰይኖም ይርከቡ" ይብል።
ብፍላይ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ትግራይን ኦሮምያን ብዘሎ ኲናት፡ ፡"ዜጋታት ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰሎም ዝተቐንጠጠ፡ ከም ህዝቢ ድማ ብህይወት ናይ ምንባር መሰሎም ተሓዲጐም ኣለዉ" ክብል ይኸስስ እቲ መግለፂ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ እቲ ሕብረት ዕላዊ ኣብ ዝዀነሉ ፅባሕ ኣብ ደቡባዊ ትግራይ ዝተጀመረ ግጭት ስዒቡ፡ ሓይልታት ትግራይ ብቐሊሉ ተደፊኦምን መራሕቲ ህወሓት ካብ ርእሰ ከተማ መቐለ ስሒቡ፡ ሰራዊት መንግስትን ሓይልታት ሰላም ትግራይን ንኣብዝሓ ከባብታት ትግራይ ኣብ ዝተቘፃረሉ እዋን እዩ።
መንግስቲ ብቐጥታ ብዛዕባ እዚ ኪዳን ኣመልኪቱ ዘውፀኦ ምገለፂ'ኳ እንተዘይለ፡ ብዝተፈላለዩ ኣጋኣጣሚታት፡ እቲ ሕብረት ናይቲ ቅድም ክብል ዝተጀመረ 'ፅምዶ' ብዝብል ዝፀንሐ ምትሕብባራት መቐፀልታ ከምዝዀነን፡ ደድሕሪኡ መንግስታት ኤርትራ፣ ሱዳንን ግብፅን ከምዘለዉ ክኸስስ ይስማዕ።
ኣብ መጀመርታ ወርሒ ነሓሰ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ህወሓት፣ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን (OLA) ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ፋኖን (AFNM) ረብሓታት ግዳማውያን ሓይልታት የገልግሉ ኣለዉ ክብል ከሲሱ ነይሩ።
ብተወሳኺ፡ ኤርትራ ነቲ ኢትዮጵያ ወደብ ንምርካብ እትገብሮ ጻዕሪ ንምድኻም፡ ንኪዳን ዕጡቓት ጕጅለታት ትድግፍ ኣላ ክብል ወቒሱ።
እንተዀነ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ነቲ ሱዳን'ውን ትርከቦ እያ ዝበሎ ምሕዝነት፡ ዘምጽኦ ጽልዋ ኣነኣኢሱ እዩ ገሊጽዎ።
እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ብ 7 ሓምለ ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ሰፊሕ መብርሂ፡ ንህወሓት፡ ኤርትራ፡ ሱዳንን ግብጺን ኣልዒሉ ብምንቃፍ፡ "ኣይኰነን ዶ ሻዕብያ፡ ወያነን ሱዳንን፡ ካልእ እውን እንተ ተወሰኸ፡ ልዑላውነት ኢትዮጵያ ቅንጣብ'ውን ትዅን ስግኣት የብሉን፡" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
ምስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ወጥሪ እትርከብ ኣስመራ፡ ነቲ ብሰበስልጣን ኢትዮጵያ ምስ ዕጡቓትን ፖለቲካውያን ተቓወምቲ ሓይልታት ንዘለዋ ምሕዝነት ኣመልኪቱ ንዝቐርበላ ክሲታት፡ ኲናት ንብምውላዕ ከም መመኽነይታ ዝቐርብ ጸለመ ምዃኑ ብምግላጽ ትነጽጐ።
ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብተደጋጋሚ "ታሪኻውያን ጸላእቲ" ብምባል ናብ ኤርትራን ግብጺን ዝቐንዐ ክሲታት ክቕርቡ ጸኒሖም'ዮም።
እቲ ሓድሽ ዝቘመ ኪዳን፡ እታ ሃገር ኣብ ጸጥታ፡ ምሕደራን መነባብሮን ውድቀት ኣጋጢሙዋ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝያዳ ዘይምርግጋእ ንኽፍጠር እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ሓደጋ ኣንጸላልይዋ ኣሎ ክብል የጠንቅቕ።
እቲ መግለፂ፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት፡ ኣብ መንጐ ህዝብእታት ሕድሕዳዊ ጐንፅታት ብምፍጣር ይሰርሕ ከምዘሎ ዝኸሰሰሰ ዀይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ከም ኣርሲ፣ ሞያሌ፣ ወለጋ፣ ጋምቤላን ካልኦትን ዝለዓሉ ዘለዉ ግጭታትን ሳዕቤናቶምን ጠንቂ ገይሩ ከሲሱ።
ከምኡ'ውን እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ሓድሽ ግጭት ንምኽፋት ምትንዃያት ይገብር ኣሎ ክብል ከሲሱ።
እቲ መግለፂ ናይተን ጐረቤት ሃገራት ብስም'ኳ እንተዘይተቐሰ፡ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን እናተጓሃሃተረ ዝመፅአ ወጥርን ምክሳስን ዝምልከት ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።
ኣብቲ መግለፂ፡ እታ ሃገር ካብ'ቲ ንዘመናት ዝፀንሐ ተደጋጋሚ ኲናትን ግጭትን ንምውፃእ፡ ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ኣብቲ ቃልሲ ክፅምበሩ ፃውዒት ገይሩ ኣሎ።
ከምኡ'ውን ምስ ብስም ዘይተገልፁ ጐረቤት ሃገራት እቲ ዞባ ሓቢርከ ምስራሕን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብታ ሃገር ለውጢ ንምምፃእ ኣብ ጐኖም ደው ክብል ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ኣብ ትሕቲ እዚ "ኪዳን ንህልውና" ዝተሰምየ ጥምረት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኢትዮጵያ ብረት ኣልዒሎም ዝንቀሳቐሱ ሸውዓተ ዕጡቓት ጕጅለታት ተጠርኒፎም ኣለዉ።
እቶም ኣባላት፤ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ፋኖ ኣምሓራ (ኣፋብን)፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ (ኦላ)፡ ግንባር ሃገራዊ ናጽነት ኦጋዴን (ኦብነግ)፡ ሰውራዊ ግንባር ብሄራዊ ሓድነት ዓፋር (ኡጉጉሞ)፡ ምንቅስቓስ ሓርነት ህዝብታት ቤኒሻንጉል ከምኡ'ውን ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ጉሙዝ እዮም።
እዞም ኣብ ሓደ ጽላል ከም ዝተኣኻኸቡ ዝተገልጹ ዕጡቓት ጕጅለታት፡ ኣቐዲሞም ብቕራነ ዝረኣኣዩ ዝነበሩ ኰይኖም፡ ነቲ ዝጸንሐ ዘይምርድዳኦምን ምስሕሓቦምን ብኸመይ ፈቲሖም ናብ ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ሕቶ ይለዓል።