ኤል ኒኖ እንታይ እዩ?
ኤል ኒኖ ኣብ ፓስፊክ ውቅያኖስ ዝፍጠር ተፈጥሮኣዊ ተርእዮ ኰይኑ፡ ምስ ምቕያር ዋሕዚ ንፋስ ዝተኣሳሰር እዩ። እዚ ድማ ሙቐት ዘለዎ ማይ ናብ ምብራቕ ክውሕዝን ኣብ ከባቢ ኣየር ሙቐት ክለቅቕን ይገብር።
ዓለማዊ ውድብ ስነ-ኵነታት ኣየር (WMO) ዘውጽኦ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ እዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ኤል ኒኖ ኣብ ዝሓለፉ 70 ዓመታት ካብ ዝተርኣየ ዝሓየለ ክኸውን ከም ዝኽእልን እንተ ወሓደ ድማ ክሳብ ለካቲት 2027 ክጸንሕ ተኽእሎ ከም ዘሎን ኣፍሊጡ።
ኤል ኒኖ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርአ ኵነታት ኣየር ዝቕይር ኰይኑ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ደርቂ ከስዕብ ከሎ፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ድማ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስን ዕልቕልቕ ማይን ይፈጥር።
ክኢላታት ስነ-ኵነታት ኣየር ከም ዝሕብርዎ፡ እቲ ብሰንኪ ንጥፈታት ወዲ-ሰብ ዝመጽአ ለውጢ ክሊማ ዘስዓቦ ሙቐት ከይኣክል፡ ኤል ኒኖ ተወሲኹዎ ኣብ ሓያሎ ቦታታት እቲ ሙቐት ክንህር እዩ።