ልኡላውነት ምስዘይክበር ጥዑይ ዝምድና ክህሉ ኣይክእልን'ዩ - ፕረዚደንት ኢሳይያስ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ልኡላዊነት ሃገራት እንተዘይተኸቢሩ ዞባዊ ውህደትን ምርግጋእን ክፍጠር ከምዘይክእል ፕረደዚንት ኤርትራ ተዛሪቡ።

ኣብ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ንምስታፍ ኣብ ሞስኮ ዝገሸ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ሩስያዊ መንግስታዊ ተለቪዢን ስፑትኒክ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት ልኡላውነት ሃገራት 'ይጠሓስን ይግሃስን' ኣሎ ኢሉ።

"ንናጽነት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ምኽባር መሰረታዊ መትከላት ናይ ዝነበረ፡ ዘሎን ዝመጽእን ስርዓተ-ዓለም እዩ።

"ንሱ'ዩ መሰረት ናይ ሓባራዊ ይዅን ክልተኣዊ ወይ ዝበልካ በሎ ዝምድናታት. . .ነዞም መሰረታውያን መትከላት ከየኽበርካ ምስ ዝዀነ ወገን ዝሰርሕ ዝምድና ክትምስርት ኣይትኽእልን ኢኻ" ይብል እቲ ፕረዚደንት።

ኣብ ናይ ሓድሕደን ጉዳያት ብምትእትታው ክካሰሳ ዝጸንሓ ኤርትራን ኢትዮጵያ ኣብ ወጥሪ ምህላወን ይፍለጥ።

ሩስያ፡ ነቶም ኣብ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ንምስታፍ ኣብ ሞስኮ ዝርከቡ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት "ድሌት እንተ ኣርእዮም" ከተዘራርቦም ድልውቲ ምዃና ኣፍሊጣ'ላ።

ቅድሚ እቲ ዋዕላ ጋዜጣዊ መብርሂ ዝሃበ ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ፡ ነተን ክልተ ሃገራት ናይ ምዝርራብ ተራኦም ክዋጽኡ ድሉዋት ምዃኖም ተዛሪቡ።

ኣዲስ ኣበባ ብገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ንምርካብ ትገብሮ ዘላ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ይዅን ተውጽኦ ዘላ መግለጺታት መሰል ዋንነት ምድፋር ልኡላውነታ ምዃኑ'ያ ኣስመራ ትወቅስ።

ገለ መራሕቲ ኢትዮጵያ ብቕሉዕ ወደብ ዓሰብ ናቶም ምዃና ምምጓቶም ድማ "ኣዋጅ ኲናት'ዩ" ክብል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ከሲሱ ነይሩ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝተራእየ ኣብ ልዕሊ ሃገራት እገዳታት ምግባር ይዅን ጐበጣታት ንልኡላውነት ዝጥሕስ ምዃኑ'ውን ፐረዚደንት ኢሳይያስ ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን።

ብዛዕባ ምዕባለ ኣፍሪቃ ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ ድማ፡ እታ ኣህጉር ንኻልኦት ካብ ምሕማይ ደው ኣቢላ ርእሳ ክኢላ ክትሰርሕ ኣለዋ ኢሉ።

"ኣፍሪቃውያን ዕዮ ገዛኦም ክገብሩ ኣለዎም። ኣብቲ ሽርክነት ኣፍሪቃውያን ናይ ገዛእ ርእሶም ኣበርክቶታት ክህልዎም ኣለዎ። ንናይ ባዕሎም ጸገማት ናብ ወጻእተኛታት ምጽጋዕ ተቐባልነት የብሉን" ብምባል "ነቶም ጸገማት ንዘይምፍታሕ ዝቐርብ ምስምስ'ዩ" ክብል ወቒሱ። እንተኾነ፡ ኣብቲ ቃለመሕትት ምዕራባውያን ሃገራት ንዝኽተልኦ ፋይናንሳዊ ጉዳያት ነቐፌታ ካብ ምቕራብ ዓዲ ኣይወዓለን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ባዕሉ ኣብ ክንዲ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ሃገሩ ቀዳምነታቱ ዞባዊን ዓለምለኻዊን ጉዳያት'ዩ ዝገብር ተባሂሉ'ዩ ዝንቀፍ። ኣብ ገለ እዋናት'ውን ዞባዊን ጐዶቦኣዊን ጉዳያት ቀዳምነት ዝህቦም ምዃኑ ክዛረብ ይስማዕ'ዩ።

ኣብቲ ቃለመሕትት ነቲ ዝተኻየደ ዋዕላ ብዓይኒ ረብሓታት ኤርትራ ጥራይ ከምዘይርእዮ'ውን ኢሳይያስ ኣነጺሩ'ሎ።

"ጠመተና ብኤርትራ ወይ ረብሓታት ኤርትራ ጥራይ ኣይኮነን፣ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ዘራኽብ የብሉን" ብምባል ኤርትራ ወይ ካልኦት ሃገራት ብንጽል ንግዳዊ ዝምድናታት ክምስርታ ክውንነታዊ ከምዘይኮነ ይእምት።

"እቲ ዝምድና ወይ ስትራተጂያዊ ሽርክነት ኣብ መወዳእታ ንዓለማዊ ዕንቅፋታት'ዩ ክፈትሕ ዘለዎ። እዚ ዘሎ ዓለማዊ ፋይንሳዊ ስርዓት ዓቢ ዕንቅፋት'ዩ" ብምባል ኣውሮጳ ይዅን ምዕራባውያን ሃገራት ብሓፈሻ ንዝኽተልኦ ፖሊሲ ነቒፉ።

ሩስያ ኣብ ዓለማዊ ጉዳያት ይዅን ምስ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘለዋ "ስትራተጂያዊ" ሽርክነት ትርጕም ዘለዎ "ኣበርክቶ ክትገብር ክፍቀደላ ኣለዎ" ክብል'ውን እቲ ኤርትራዊ መራሒ ተማሕጺኑ'ሎ።