እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣስመራ፡ ዓለምለኻዊ ተቐባልነት ዝረኸበ ንድፊ ክሊማዊ ፍታሕ መንእሰያት ኤርትራ
ሓደ ጉጅለ መሃዝቲ መንእሰያት ኤርትራ ዘቕረቦ ፕሮጀክት ምወላ ክረክብ ከምዝተሓርየ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
እቶም ኤርትራውያን መንእሰያት ዘቕረብዎ ንድፊ ፕሮጀክት ሓደ ካብቶም ኣብ ምሉእ ዓለም ዝተሓርዩ 50 ፕሮጀክትታት እዩ።
ካብ 121 ሃገራት ዝቐረበ 2,677 ንድፍታት ተወዳዲሩ ድማ'ዩ ብክኢላታት ተሓርዩ ዘሎ።
እቲ ብመንግስቲ ኢጣልያን ትካል ልምዓት ሕቡራት ሃገራትን (ዩ-ኤን-ዲ-ፒ) ዝምራሕ ተበግሶ፡ መንእሰያት ንክሊማዊ ለውጢ ፍታሕ ኣብ ምርካብ ክሳተፉ ዘተባብዕዩ።
ንፈለማ እዋን'ዩ ካብ ኤርትራ ዝቐረበ እማመ ኣብዚ ናይ 2026 መጸዋዕታ (#Youth4Climate Call for Solutions 2026) ተሓርዩ ዘሎ።
ኣስታት 100 ዝኾኑ ክኢላታት ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራትን መሻርኽቲ ውድባትን ኣብ ምምማይ ናይቲ ዝቐረበ ንድፍታት ከምዝተሳተፉ ጨንፈር ናይቲ ትካል ኣብ ኤርትራ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ይጠቅስ።
እቶም ኤርትራውያን መንእሰያት ብመርበብ መንእሰያት ንልምዓት ዩ-ኤን-ዲ-ፒ ኣብታ ሃገር እናተኣልዩ ነቲ እማመ ከምዘማዕበልዎ'ውን የመልክት።
ኣብ ዝቕጽል ክልተ ዓመታት ድማ ነቲ ንድፊ ናብ ግብሪ ንምውዓል ዘኽእል ምወላን ደገፍን ክወሃቦም እዩ።
እቲ ፕሮጀት ኣብቲ ኣብዚ ወርሒ ኣብ ኢጣልያ ዝካየድ ኣኼባ 'ፕሮግራም ዩዝ4ክላይመት' (Youth4Climate programme) ክቐርብ ምዃኑ እቲ ዮሃናኡ ዝገለጸ ቤት ጽሕፈት እቲ ትካል ኣብ ኤርትራ ሓቢሩ'ሎ።
እታ መነባብሮ ዝበዝሐ ህዝባ ኣብ ሕርሻ ዝምርኮስ ኤርትራ፡ ሓንቲ ካብተን ብክሊማዊ ለውጢ ዝጥቅዓ ዘለዋ ሃገራት ዓለም ምዃና ይግለጽ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ክረምቲ እኹል ዝናብ ዘይምንባሩ ኣብ ውሕስነት መግቢ እታ ሃገር ጸቕጢ ከምዝፈጥር ይግመት።
ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ንተጻዋርነት ክሊማ (ረዚልየንስ) ናይታ ሃገር ንምድንፋዕ ኣብ ዝግበር ተበግሶታት ክሳተፉ ጸኒሖም'ዮም።
ሓደ ካብቶም ፕሮጀክትታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ንዝነብሩ ማሕበረሰባት ዘገልግል ምምዕባል ሕርሻ ተምሪን ምፍጣር ዕዳጋታትን እዩ።
ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራይ ምስ ውድብ ሕርሻ ዓለምን ሚኒስትሪ ሕርሻን ብምትሕብባር ኣስታት 50,000 ፈልስታት ናይቲ ተኽሊ ክዕድሉ መደብ ከምዘለዎም ዩ-ኤን-ዲ-ፕ ይሕብር።
እቲ ኣብ በዳሂ ኵነታት ኣየርን ክሊማን ዝስስን ተኽሊ ኣብ ገማግም ባሕሪ ንዝነብሩ ዜጋታት ኣታዊ ክረኽቡ፡ ውሕስነት መግቢ ከረጋግጹን ተጻዋርነት ከማዕብሉን ዓቢ ኣበርክቶ ኣለዎ።