እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሞስኮ ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ንዘሎ ምትፍናን ተህድኦዶ ትኸውን?
ሩስያ፡ ኣብ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ንምስታፍ ኣብ ሞስኮ ዝርከቡ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን "ድሌት እንተ ኣርእዮም" ከተዘራርቦም ድልውቲ ምዃና ኣፍሊጣ እያ።
ኣብዚ ሎሚ ዓመት ንሳልሳይ ግዜ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ዲፕሎማስያዊ ርክቦም ምሉእ ብምሉእ ካብ ዘቋርጹ ንነጀው፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ሓደ መድረኽ ዝሳተፉሉ እዩ።
ቅድሚ እቲ ዋዕላ ምስ ጋዜጠኛታት መግለጺ ዝገበረ ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ፡ ነተን ክልተ ሃገራት ናይ ምዝርራብ ተራኦም ክዋጽኡ ድሉዋት ምዃኖም ተዛሪቡ።
ሩስያ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ምሽምጋል ተራኣ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ኣየኖት መዛተዪ ነጥብታት ክለዓሉ ይኽእሉ? ውጽኢታዊኸ ክኸውን ይኽእልዶ? ኣብ ዝብሉን ተዛመድቲ ጕዳያትን፡ ተንተንቲ ፖለቲካን ጸጥታን ርእይቶታቶም ንቢቢሲ ኣካፊሎም ኣለዉ።
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝህሉ ዝርርብ፡ ካብቶም ቀንዲ ዝዀኑ ነጥብታት ጕዳይ ኣፍደገ ባሕሪ እዩ።
ካብ ጋዜጠኛታት ንሰርጌይ ላቭሮቭ ካብ ዝቐረበሉ ሕቶታት ሓደ፡ 'ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ንእትገብሮ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ሩስያ ከመይ ዝበለ ምላሽ ትህብ?' ዝብል ይርከቦ።
እቲ ምኒስተር እውን ጕዳይ ናይተን ክልተ ሃገራት ብዝምልከት "ከም ዝተረዳእክዎ፡ ንዘራረበሉ ዘለና ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ እዩ። ክልቲአን ሃገራት ነዚ ኣብዚ እዋን ተቛሪጹ ዘሎ ርክበን ከሐድሳ ድሌት ኣለና" ክብል መሊሱ።
ጉዳይ ቀይ ባሕር
ኣብ ሲቪል ሰርቪስ ዩኒቨርሲቲ ኢትዮጵያ መምህር ፖለቲካዊ ሳይንስን ዓለምለኻዊ ርክባትን ከምኡ'ውን ተመራማሪ ዝዀነ ዶ/ር ሙከረም ሚፍታሕ፡ ብወገን ሩስያ ንሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ብዝምልከት ዘለዋ መርገጺ "ብዘይ ዝዀነ ጥርጥር ንረብሓ ወይ ሕቶ ናይተን ክልተ ሃገራት ኣብ ጸገም ብዘእቱ መንገዲ ምላሽ ትህብ ኣይክትከውንን እያ" ይብል።
ንኽልቲአን ብዘየሐጕስ መንገዲ ንሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ምላሽ ከም ዘይትህብ እውን ይገልጽ።
ንቢቢሲ ርእይቶኡ ዝሃበ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ተንታኒ ጕዳያት ጸጥታ ከም ዝበሎ፡ ሩስያ ነተን ክልተ ሃገራት ከተተዓርቕ ዝደለየትሉ ቀንዲ ምኽንያት "ኣብ ፖለቲካ ቀይሕ ባሕሪ ክትሳተፍ ስለ ዝደለየት" እዩ።
ናይ ሩስያ ብጽሒት ቀይሕ ባሕሪ ምስ ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ማእከላይ ምብራቕን ክነጻጸር ከሎ ንእሽቶ ምዃኑ ድማ ይጠቅስ።
ሩስያ "መተዓረቒት" ክትከውን ከም ዘይትኽእል እውን እቲ ክኢላ የረድእ። ነዚ ምኽንያት ኢሉ ዘቐመጦ ድማ፡ ሩስያ ካብ ኢትዮጵያ ንላዕሊ ንኤርትራ ዝያዳ መሓዛ ብምዃና እዩ። ኢትዮጵያ እውን ካብ ሩስያ ንላዕሊ ምዕራባውያን ከተዓርቕዋ ከም እትደሊ ይኣምን።
ዲፕሎማት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነበርን ክኢላ ኣህጉራዊ ሕግን ኣቶ ባይሳ ዋቅወያ ብወገኑ፡ ሩስያ ነተን ክልተ ሃገራት "ኣብ ጸገም ከይኣትዋ እተረዳድእ እታ ልክዕ ሃገር እያ" ይብል።
"ካብ መንግስቲ ሩስያ ንላዕሊ ምስ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን፡ ከምኡ'ውን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ኤርትራን ዝቀራረብ የለን" ይብል።
ሩሲያ ስለምንታይ መንጐኛ ክትከውን ደልያ?
ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ሩስያ ላቭሮቭ፡ ሕጂ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዘይምህላዉ ጠቒሱ፡ "እዚ ኵነታት ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ሓንቲ ሃገር ዝነበራ፡ ንነዊሕ ግዜ ብጕርብትና ብሓባር ንዝነበራ ክልተ ሃገራት ጽቡቕ ኣይኰነን" ኢሉ።
እቲ ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ፡ ሃገሩ "ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዛ እውን" ርክብ ናይተን ክልተ ሃገራት ንምምሕያሽ ጻዕሪ ከም ዝገበረት ኣዘኻኺሩ።
ዶ/ር ሙከረም ከም ዝብሎ፤ ሩስያ ኣብ ክልቲአን ሃገራት "ብተዛማዲ ሓያል ተቐባልነት ከም ዘለዋ" እያ ትሓስብ።
ላቭሮቭ ነዚ መሰረት ብምግባር፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ርክብ ካብዚ ዘለዎ ከይበኣሰ ወይ "ናብ ግጭት ከይከይድ" ክሽምግል ይደሊ።
ብፍላይ ወተሃደራት ኤርትራ ናብ ግዝኣታት ኢትዮጵያ ምእታዎም ስዒቡ፡ ክልቲአን ሃገራት ናብ ኲናት ክኣትዋ ይኽእላ እየን ዝብል ስግኣት ተፈጢሩ ኣሎ።
ኢትዮጵያ ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፈቶ ደብዳቤ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ግዝኣታ ክወጹ ሓቲታ ኣላ።
ኤርትራ ኣብ ምላሹ ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣብ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ፡ ኢትዮጵያ ወራር ንምፍጻም ጉልባብ ከም ዝደለየት ኸሲሳ።
ኢትዮጵያ ዲፕሎማስያዊ ርክባ ዘቋረጸቶ ምስ ኤርትራ ጥራይ ኣይኰነን። ኣብ ኢትዮጵያ ዕጡቓት ብምድጋፍ ምስ ዝኸሰሰታ ግብጺ እውን ኣብ ዲፕሎማስያዊ ወጠጥ ኣትያ ኣላ። ኤርትራን ግብጽን ነቲ ክስታት ይነጽግኦ።
ኣብዚ እዋን ሓይልታት ህወሓት ምስ ሓይልታት ፈደራል መንግስትን መሻርኽቱን - ሓይልታት ሰላም ትግራይ - ኣብ ግጭት እኳ እንተኣተዉ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ግን ወግዓዊ ውግእ ከም ዘየለ ዶ/ር ሙከረም ይጠቕስ።
ላቭሮቭ ዘቕረቦ ሓሳብ "ፍልልያቶም ምፍታሕ እኳ እንተዘይከኣሉ፡ እዚ ፍልልይ ዓሪጉ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቅሉዕ ኲናት ከይኣትዋ ኣብ ምእጋድ ተራ ከም ዝህልዎ" የረድኡ።
ሩስያ ኣብ ዘተ ውጽኢታዊት ክትከውን ትኽእልዶ?
ላቭሮቭ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝለዓል "ዝዀነ ጸገም ሰናይ ፍቓድ መሰረት ገይሩ" ኣብ ዝብጻሕን "ድሌታት ኣብ ዘማእክል ስምምዕ መሰረት ክፍታሕ እዩ" ክብል ተሰሚዑ።
እቲ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ተንታኒ ጸጥታ፡ ብወገን ዲፕሎማስያዊ ርክብ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ካብ ኤርትራ ንላዕሊ ምስ ኢትዮጵያ ዝሓሸ ርክብ ከም ዘለወን፡ ኤርትራ ድማ ካብ ምዕራባዊ ዓለም ንላዕሊ ምስ ሩስያ ከም ትቀራረብ ይኣምን።
"ኤርትራ ጥራይ ከይኰነትስ፡ መሻርኽቲ ኤርትራ ዝዀነት ግብጺ እውን ሩስያ መንጐኛ ክትከውን ከም እትደሊ" የረድእ።
ኢትዮጵያ ግን ናብ ሽምግልና ምዕራባውያን ሃገራት ክትዘዙ ከም እትኽእል እውን ኣመልኪቱ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ነፈርቲ ኲናት ካብ ሩስያ ክርከብ እንከሎ ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ ነቲ መሳርሒ ንምርካብ ተታሒዙ ካብ ዝነበረ ሓደ ዓመት ክቕድም ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ከም ዝኣዘዘ ጠቒሱ።
"ፑቲን ንኢትዮጵያ ይፈቱ እዩ፣ ንኢትዮጵያ ምሕጋዝ ይደሊ" ክብል እውን ተዛሪቡ።
ኣቶ ባይሳ፡ ሩስያ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን "ኣዝዩ ልዑል ድሌት" ከም ዘለዋ ይገልጽ።
"ከም ሩስያ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ከተዓርቕ ዝኽእል ሓይሊ የለን" ይብል።
መንግስቲ ሩስያ "ኣብ ክልቲኦም ስልጣን ኣለዎ" ብምባል እውን "ኣብ ልዕሊኦም ጸቕጢ ክፈጥር ይኽእል እዩ" ክብል እቲ ናይ መንጐኝነት ተራ ሓያል ከም ዝኸውን የረድእ።
ሩስያ ካብ ክልቲአን ንመን ትቐርብ?
ዶ/ር ሙከረም፡ መንግስቲ ሩስያ ምስ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብወተሃደራውን ዲፕሎማስያውን ዓውዲ ዘለዋ ርክብ የልዕል።
ሩስያ ብንግዲ ኣብተን ክልተ ሃገራት ብዙሕ ምትእስሳር እኳ እንተዘይብላ፡ ብድሮን ቴክኖሎጂ፡ ኣብ ምልውዋጥ ወተሃደራዊ ሓበሬታን ግን ርክባ ሓያል እዩ።
ዓውዲ ሕርሻ ክንርኢ እንከለና እውን ክልቲአን ሃገራት ናብ ሩስያ ፍርያት ይልእካ እየን።
ኤርትራ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብስእነት ደሞክራስን ብምዕራባውያን ዝተነብረላ እገዳ ንምምካት ናብ ሩስያ ትቐርብ።
ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንመንግስቲ ሩስያ ብምድጋፍ እውን ትፍለጥ እያ።
ነዚ ሓቅታት ዝጠቕሰ እቲ ክኢላ፡ ሩስያ "ቅሉዕ ኲናት ከይለዓል ንምግባር" ዓቕሚ ከም ዘለዋ የረድእ።
"እንተዀነ ግን ወጥሪ ብምፍታሕ ናብ ሰላማዊ ርክብ ንምምጻእ ዓቕሚ ኣለዋ ኣይብልን" ይብሉ።
ከም ሩስያ ሓያል ጸቕጢ ናይ ምግባር ዓቕሚ ዘለዋ፡ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ልዑል ወፍሪ ዘለዋ ቻይና እያ ይብል።
"ቻይናን ሩስያን ብሓባር እንተመጺአን ነዚ ዘሎ ወጥሪ ናይ ምጥፋእ ዓቕሚ ኣለወን። ንሓድሕደን ካብ ምጥቕቓዕ ክቝጠባ ናይ ምግባር ዓቕሚ ኣለወን" ክብል እውን የረድእ።
ተንታኒ ፖለቲካዊ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓብዱራሕማን ሰይድ፡ ሩስያ ምስ ኢትዮጵያን ኤርትራን ጽቡቕ ርክብ ካብ ዘለወን ሒደት ሃገራት ሓንቲ እያ ይብል።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንሩስያ ከም "ናይ ነዊሕ ግዜ ቀንዲ መሻርኽቲ" ገይሩ እዩ ዝርእያ።
ኢትዮጵያ ምስ ሩስያ ኣባል ብሪክስ እያ። ኣብ ሰላማዊ መዓላ ኑክሌርን ኣብ ካልኦት ጕዳያትን እውን ብሓባር ይሰርሓ እየን።
ሩስያ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ሓሙሽተ መሰል ቀውፊ (Veto) ዘለወን ሃገራት ምዃና "ክልቲአን ሃገራት [ነቲ ሽምግልና] ትዅረት ንኽህባኦ ክገብረን ከም ዝኽእል" ተዛሪቡ።
ሩስያ ኣብ ጕዳይ ቀይሕ ባሕሪ ምስታፋ ክልቲአን ሃገራት "ትዅረት ክህብኣ" ክገብር ከም ዝኽእል እውን ኣቡሃሽም ይገልጽ።
ሩስያ ሽምግልና ሕቶ ኣብ ዘቕረበትሉ መድረኽ፡ ኢትዮጵያ ካብ ሞስኮ ኣጽዋር ምርካባ ካልእ ጉዳይ እዩ።
ኣቶ ባይሳ፡ እዚ "ብመንጽር ቍጠባ" ክርአ ከም ዘለዎ ይዛረብ።