ብሪጣንያ ንቐዋሞ መንበሪ ዝምልከት እንታይ ሓዲሽ ሕግታት ከተተኣታቱ ሓሲባ?

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ሻባና ማሕሙድ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ብዛዕባ ሕግታት ኢሚግሬሽን ንሕጋውያን ስደተኛታት ዝሃበቶ ናይ መወዳእታ ውሳነ ከተፍልጥ ትጽቢት ይግበር።

ንሳ፡ ገለ ትሑት ደሞዝ ዘለዎም ስደተኛታት ን15 ዓመት ምጽባይ ከጋጥሞም ከሎ፡ እቲ ቐዋሚ መንበሪ ንምርካብ ዝግብር ምጽባይ ካብቲ ሕጂ ዘሎ ሓሙሽተ ዓመት ናብ 10 ዓመታት ክናዋሕ ሓሳብ ኣቕሪባ ነይራ'ያ።

ቢቢሲ፡ እቶም እማመታት ንመብዛሕትኦም ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ማሕበራዊ ክንክን ዝሰርሑ ሰባት ጉዳያቶም ዳግማይ ክኽለስ ተኽእሎ ከምዘሎ ይርዳእ።

ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ዓዲ ሻባና ማሕሙድ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ዝሓለፈ መንግስቲ ኣዝዪም ብዙሓት ስደተኛታት ቀዋሚ መንበሪ ከምዝተውሃቦም ብምግላጽ፡ ብዝሒ ናይቶም ንቐዋሚ መንበሪ ብቑዓት ዝኾኑ ሰባት ስክፍታ ከምዝፈጠረላ ደጋጊማ ክትዛረብ ትስማዕ'ያ።

ሻባና ማሕሙድ ድሮ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከቡ ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ሓድሽ ሕግታት ክግበር ሓሳብ ብምቕራባ ድሮ ካብ ውሽጢ መንግስቲ ተቓውሞ ኣጋጢምዎ ኣሎ።

ቅድሚ ናብ ካቢነ ሚኒስተራት ዳግማይ ምጽንባራ፡ ጸሓፊት ኣባይቲ ኣንጀላ ራይነር፡ እቶም እማመታት "ንብሪጣንያ ዘይውክል ወይ ዘይብሪጣንያ" ብምባል'ያ ገሊጻቶ፡ ነቲ ምኽንያቱ ከተረድእ እንከላ እዚ ሕጊ ከኣ ነቶም ብጽቡቕ ድሌት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመጹ ሰባት'ውን እንከይተረፈ ክቕየሮም ወይ ክጸልዎም ስለዝኽእል'ዩ።

ብፍላይ ብዙሓት ትሑት ደሞዝ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ክንክን፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ቀዋሚ መንበሪ ንኽረኽቡ ድሮ ኣብ ክንዲ ሓሙሽተ ዓመታትተ ክሳብ ክሳብ 15 ዓመት ክጽበዩ ጸኒሖም'ዮም።

ቢቢሲ ግን ድሮ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ክንክን ሕጂ ካብቲ ዝነውሐ ምጽባይ ነጻ ክኾኑ ተኽእሎ ከምዘሎ ይርዳእ እዩ።

ከምቲ ፈለማ ዝቐረበ ግን፡ መብዛሕትኦም ካልኦት ሰራሕተኛታት ንቐዋሚ መንብሪ ቅድሚ ብቑዓት ምዃኖም ን10 ዓመታት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክነብሩን ክሰርሑን ክግደዱ ምዃኖም ርዱእ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዝርከቡ ማሕበረሰባት ኣበርክቶ እንተገይሮም ወይ ዝለዓለ ኣታዊ እንተሃልይዎም እቲ ቐዋሚ መንበቲ ንምርካብ ዘሎ ናይ ትጽቢት ዓመታት ክቕንስ ይኽእል።

መንግስቲ ብዛዕባ'ቲ ዝቐረበ ጽገናታት ዘካየዶ ምምኽኻር 200 ሽሕ ምላሽ ረኺቡ'ሎ።

ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ሻባና ማሕሙድ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ባይቶ ክሳብ ትቐርብ ብዛዕባ ናይ መወዳእታ ውሳነታት ርእይቶ ኣይክትህብን'ያ።

ኣብ ወርሒ መስከረም፡ ወሃቢት ቃል ዓቃባዊ ሰልፊ፡ "ሻባና ማሕሙድ ካብ ኣንጀላ ራይነርን ካብቶም ኣብዚ ዛዕባ ኣብ ላንጋ ላንጋ ዘለዉ ኣባላት ባይቶኣን ዝመጽአ ጸቕጢ ተሸኺላ'ያ ዘላ፡ ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ምሃብ ፍቃድ ቀዋሚ መንብሪን ዝነበራ ናይ ገዛእ ርእሳ መደባት ክትፈርስ'ያ" ኢሉ።

ብምስዓብ "እዚ ድማ ነቶም ትሑት ክእለት ዘለዎምን ትሑት ደሞዝ ዘለዎምን ስደተኛታት ድጎማ ክገብሩ ዝግደዱ ከፈልቲ ግብሪ ብሪጣንያ ዓቢ ጽፍዒት'ዩ" ኢሉ።

ቀዋሚ መንበሪ፡ ወይ ናይ ዘይተወሰነ ግዜ ናይ ምጽናሕ ፍቓድ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክሳብ ዝደለዮ ክነብር፡ ክሰርሕን ክመሃርን መሰል ይህቦ፡ ብቑዕ እንተኾይኑ ድማ ልክዕ ከምቲ ዝዀነ ብሪጣንያዊ ዝሓቶ ጥቕምታት ክሓትት ይኽእል'ዩ።