እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዋንጫ ዓለም፡ ብዛዕባ ስዕረት ደቡብ-ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ኣፍሪቃውያን ዝቀባበል ዘሎ ዳእላታት
ኣብ መድረኽ ዋንጫ ዓለም ዝርአ ዝነበረ ሓድነት ኣፍሪቃውያን፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፍጹም የሎን።
ሓያሎ ካብ መላእ ኣፍሪቃ ዝመጽኡ ደገፍቲ፡ ኣብቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ መክሲኮ ዘካየደቶ ናይ መኽፈቲ ጸወታ ንመክሲኮ ክድግፉ ተራእዮም።
እቶም ዝተዘርግሑ መላገጺ ምስልታት ከም ባርኔጣ ሶምብሬሮ፡ ናይ ማርያቺ ሙዚቃ ጕጅለታትን ታኮስን ዝኣመሰሉ ፈኰስቲ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣብ ውሽጦም ግና ካልእ ምስጢር ዓቝሮም ነይሮም። እቲ ላግጺ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ዝፍጸም ዘሎ ጽልኢ ስደተኛታትን ዓመጽን መሰረት ዝገበረ ቍጥዐ ዘንጸባርቕ እዩ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ሜዳ ዘርኣየቶ ድኹም ምንቅስቓስ፡ በታ ሓንቲ ካብ ኣአንገድቲ ዋንጫ ዓለም ዝዀነት መክሲኮ 2 ብ 0 ክትስዕር ኣገዲድዋ።
እቲ ጸወታ ከም ዝተዛዘመ ፊስካ ምስ ተነፍሐ፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብመላገጺ ጽሑፋት ኣዕለቕሊቑ። እንተዀነ፡ ገሊኦም ደቡብ ኣፍሪቃውያን ነታ "ባፋና ባፋና" ተባሂላ እትጽዋዕ ጋንታኦም ዘርኣየቶ መንፈስ ብምንኣድ ግብረመልሲ ሂቦም እዮም።
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ኣብ ዘሎ ዋንጫ ዓለም ካብ ዝሳተፋ ዘለዋ 10 ጋንታታት ኣፍሪቃ ሓንቲ ክትከውን ከላ፡ እቲ ውድድር ብኣመሪካ፡ ካናዳን መክሲኮን ብሓባር ዝተዳለወ እዩ።
ቅድሚ እቲ ብሓሙስ ዝተኻየደ ጸወታ፡ ገሊኦም ኣፍሪቃውያን ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ ንመክሲኮ ዝሃብዎ ደገፍ ምስቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ስደት ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ብምትእስሳር ምኽንያት ሂቦምሉ።
ሓደ ናይ ኤክስ ተጠቃሚ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ብምጥቃስ፡ "ኣፍሪቃውያን ስለ ዝዀንና ጥራይ ሰባት ክትጻወቱ ከለኹም ክድግፉኹም ትደልዩ ዲኹም?" ክብል ሓቲቱ።
ካልእ ተጠቃሚ ድማ፡ "ደቡብ ኣፍሪቃውያን ስራሖም ንምክልኻል ኣንጊሆም ናብ ቤቶም ክምለሱ፡ ንሕና ንመክሲኮ ንድግፍ ኣለና" ክብል ጽሒፉ። እዚ ድማ ነቲ ወጻእተኛታት ንልዑል መጠን ስራሕ ስእነት ደቡብ ኣፍሪቃ ተሓተቲ እዮም ዝብል መርትዖ ዘይብሉ ክሲ ዘላግጽ እዩ።
እቲ ውሩይ ኬንያዊ ጠበቓ ኣሕመድናስር ዓብዱላሂ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ "ደቡብ ኣፍሪቃ ነቲ 2 ብ 0 ዝዀነ ስዕረታን ኣብቲ ምስ መክሲኮ ዘካየደቶ ጸወታ ዝተዋህባ ክልተ ቀይሕ ካርድን ንኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ከተላግበሎም ከም ዘይትፍትን ተስፋ እገብር" ኢሉ።
ካልኦት ድማ ነታ መዓልቲ እቲኣ ባህሊ መክሲኮ ብምቕባል፡ ናይ ፕሮፋይል ስእሎም ናብ ባንዴራ መክሲኮ ብምቕያርን ስጳንኛ ዝመስል ስማት ብምጥቃምን "መክሲኮ ምስ ጽልኢ ስደተኛታት" ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ መላገጺታት ኣካፊሎም።
ኣብ ከተማ ኣትላንታ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ናይ ደገፍቲ መናፈሻ ዝነበረ ዳንኤል ካኒኪ ዝተባህለ ኮንጎኣዊ ደጋፊ ንቢቢሲ ክዛረብ ከሎ፡ "ኣፍሪቃ ከም ሓንቲ ሃገር እያ፡ ሓደ ንኻልእ ክሰጕግ ከሎ ግን ደጊም ስድራቤት ኣይኰንናን። ንሎሚ ንመክሲኮ ዝድግፈሉ ምኽንያት እምበኣር እዚ እዩ" ኢሉ።
ኵሉ ሰብ ግን በዚ ኣይተሰማምዐን።
ኣብቲ መናፈሻ ዝነበረ ጋናዊ ቫንላሬ ኲስት ብወገኑ፡ ንደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝድግፍ ብምግላጽ፡ "ኵሩዕ ኣፍሪቃዊ" ምዃኑን እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘሎ ጽልኢ ስደተኛታት ብውሑዳት ውልቀሰባት ዝተፈጥረ ምዃኑን ተዛሪቡ።
ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ኣብ ዋና ከተማ ጁባ ኣብ ዝርከቡ ናይ ህዝቢ መዘናግዒ ቦታታት ዝነበሩ ደገፍቲ ንባፋና ባፋና ይድግፉ ነይሮም። ኣብኡ ዘለዉ ሰባት ምስ ደቡብ ኣፍሪቃ ድልዱል ምሕዝነት ዘለዎም ኰይኖም፡ ነቲ ካብ ሱዳን ንናጽነት ዝገበርዎ ቃልሲ ምስቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ኣንጻር እቲ ዝነበረ ናይ ጸዓዱ ስርዓት ዝተገብረ ቃልሲ የተሓሕዝዎ።
ጁባ ዝነብር ወዲ 23 ዓመት ተማሃራይ ጆርጅ ኬንዪ ቻርለስ ሬሃን ንቢቢሲ ክዛረብ ከሎ፡ "ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገሊአን ሃገራት ኣፍሪቃ ንመክሲኮ ክድግፋ፡ ሕሉፍ ሓሊፈን እውን ማልያ መክሲኮ ክኽደና ምርኣይና ዘሕዝን እዩ። ከም ደቡብ ሱዳናውያን ንሕና ምስ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣለና፡ ንደቡብ ኣፍሪቃ ምድጋፍና እውን ክንቅጽል ኢና፤ ምኽንያቱ ንሳቶም ንኣፍሪቃ እዮም ዝውክሉ ዘለዉ። ስለዚ ኵለን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብዚ ዋንጫ ዓለም ንደቡብ ኣፍሪቃ ክድግፋ ኣለወን" ኢሉ።
መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንባፋና ባፋና ብሰንኪ እቲ "ዘርኣይዎ ተባዕ ምንቅስቓስ" ዝነኣደ ኰይኑ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢት እቲ ሃገር ዝተመነየቶ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ እታ ጋንታ ግን "ኣብ ዓቢ መድረኽ ዓለም ንደቡብ ኣፍሪቃ ብሓድነት፡ ተወፋይነትን ሓበንን ወኪላ እያ" ኢሉ።
ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ነቲ ላግጺ ሓያል ምላሽ ሂቦምሉ እዮም።
ሓደ ካብኣቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ "ንሕና ብዘይ ናትኩም ደገፍ በይንና ኢና ናብ ዋንጫ ዓለም ሓሊፍና፣ እንተ ሰዓርና ወይ እንተ ተሳዓርና እውን ሃገሮም ዘፍቅሩ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኰይና ክንቅጽል ኢና። ክትጸልኡና እንተ ደሊኹም እውን ሕጋዊ ፍቓድ ዘይብሎም ስደተኛታት ካብ ሃገርና ክወጽኡ እዮም" ኢሉ።
ካልእ ድማ፡ "ንመክሲኮ ክድግፉ ይኽእሉ እዮም፣ ንሕና ግን ንድሕሪት ግልጽ ኣይንብልን ኢና። ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብሕጋዊ መንገዲ ምጽኡ" ኢሉ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጽኡ ስደተኛታት ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት ናይ ዓመጽን ምፍርራሕን ግዳያት ኰይኖም ኣለዉ።
ጸረ-ስደተኛታት ጕጅለታት፡ ኣብታ ሃገር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝነብሩ ወጻእተኛታት ክሳብ 30 ሰነ ክወጽኡ ናይ መወዳእታ ግዜ ኣንቢሮም ኣለዉ።
ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎሳ ሰባት ብናይ ባዕሎም ሕጊ ስጕምቲ ከይወስዱ ብምእማም፡ "ሕጋዊ ስልጣን ዘለዎም ናይ መንግስቲ ሰበ-ስልጣን ጥራይ እዮም ኣንጻር ጥሕሰት ሕግታትና ስጕምቲ ክወስዱ ዝኽእሉ" ክብል ኣጠንቂቑ።
ይዅን'ምበር፡ ስክፍታታት ደቡብ ኣፍሪቃውያን "ክስማዕን ምላሽ ክረክብን ይግብኦ እዩ" ክብሉ እውን ገሊጾም።
ብረቡዕ፡ ናይጀርያ ገሊኦም ዜጋታታ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምምላስ፡ እታ ናይ መወዳእታ እዚ ስጕምቲ ዝወሰደት ኣፍሪቃዊት ሃገር ኰይና ኣላ።
ጋና፡ ዝምባብወን ማላዊን ነቲ ጸረ-ስደተኛታት ዝቐርብ ዘሎ ምፍርራሕ ከቢድ ገይረን ብምውሳድ ዜጋታተን ኣቐዲመን ካብታ ሃገር ከም ዘውጽኣ ገሊጸን።
ብዙሓት ካብ ካልኦት ከባቢታት ኣፍሪቃ ዝመጹ ሰባት፡ ጽቡቕ ናብራ ክረኽቡ ብምምናይ፡ ኣብ 1994 ኣፓርታይድ ኣብ ዘብቅዓሉ እዋን ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተሰዲዶም እዮም።
እንተዀነ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ዘጋጠማ ቍጠባዊ ጸገማትን ካብ 30% ንላዕሊ ዝበጽሐ ምስኣን ስራሕን፡ ጸረ-ስደተኛታት ስምዒታት ክውስኽ ከሎ፡ ኣብ ጐደናታት ዓበይቲ ከተማታት ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፍታት ይካየድ ኣሎ፡ ሰባት ድማ ካብ ጽልኢ ስደተኛታት ዝነቐለ መጥቃዕቲ የጋጥሞም ኣሎ።