እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
10 ብሉጻት ማልያታት ዋንጫ ዓለም
ገለ ሰባት፡ እቲ ዝነበርናዮ ህይወት ብዋንጫ ዓለም ክንዕቅኖ ንኽእል ኢና ይብሉ።
ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ግዜ ዝካየድ ዋንጫ ዓለም፡ ካብ ቁልዕነት ክሳብ ንእስነትን ልዕሊኡን ንዘሎ ዕድመ ደቂ ሰባት ተንኪፉ እዩ።
ሕጂ፡ ኣብዛ ህሞት እዚኣ፡ ንድሕሪት ምልስ ኢልኵም እትፈትዉዎ ጋንታ፡ እትንእዱዎም ብሉጻት ተጻወትቲ፡ ዝተኸደኑዎም ማልያታት'ዶ ይመላለሰኵም ኣሎ?
እምበኣር፡ እቶም ታሪኻውን ግዜ ዘየብልዮምን ማልያታት ንርአ።
ማቲው ዎልፍ፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2018 ንሃገራዊት ጋንታ ናይጀርያ ከምኡ'ውን ንተዓዋቲት ጋንታ ፈረንሳ ኣዝዮም ህቡባት ዝዀኑ ማልያታት ብምንዳፍ ይፍለጥ።
ስራሕቲ እዚ ዲዛይነር፡ ንጋንታ ፒኤስጂ ከምኡ'ዉን ንቬርሞንት ግሪን ይርከቡዎም። ብዛዕባ ዕጥቂታት ኵዕሶ እግሪ'ዉን ዓሚቕ ፍልጠት ኣለዎ።
ዎልፍ፡ "ብጣዕሚ ዝፈትዎ ዕጥቂ፡ ብቑልዕነተይ ኣብ 1990ታትን መጀመርታ 2000ን ዝነበሩ'ዮም፡" ይብል። "ሽዑ፡ እቶም ተጻወትቲ ናይ ብሓቂ ጀጋኑ፡ ዕጥቈም ድማ ምትሃታዊ መሲሉ ዝስምዓኒ ዝነበረሉ ግዜ'ዩ፡"።
"ሜክሲኮ 1998፡ ኣመሪካ 1994፡ ጀርመን 1990ን 1994ን፡ ጃፓን 1998፡ ካብ 2002 ንድሓር ድማ፡ ማልያታት ናይክ፡ ከምኡ'ዉን እጅገ ዘይብሉ ናይ ካሜሩን ማልያ ኣብ ሕልናይ ፍሉይ ተዘክሮ ዝገደፉ ዕጥቂታት'ዮም። ቈልዓ ከም ምዃነይ መጠን ኣመና ጽቡቓት ምዃኖም'ዩ ዝስምዓኒ ነይሩ፡" ኢሉ።
"ሓደ ማልያ ፍሉይ ዝገብሮ ምኽንያት ብኸፊል ሓደ ሰብ ምስ ተኸደኖ ዝፍጠር ነገር'ዩ። ግዜ እንክሓልፍ ንኩዕሶ እግሪ እንርእየሉን እንንእደሉን መገዲ ክቕየር ገይሩ'ዩ፡"።
ዎልፍ ኣብዚ ግዜ'ዚ "ህቡብ" ማልያ ክትረክብ ኣጸጋሚ ምዃኑ ይኣምን። "እቲ ኩነታት ተቐይሩ'ዩ፤ ዓለማዊ ዕዳጋ'ዉን ዝተጨናነቐ'ዩ፡" ብምባል እቲ ምኽንያት የረድእ።
"ብዙሓት ጋንታታት ኣለዋ፡ ሃገራት'ዉን ብዙሕ ሓደስቲ ዕጥቂታት ኣለወን። ካብዚ ኩሉ ሓንቲ ማልያ ምፍላይ ኣጸጋሚ'ዩ።"
"ፈጠራን ባህልን ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኣብ መለለይአን ባህሊ ተወኪሉ መርኣይ ዘተባብዕ'ኳ እንተዀነ፡ መን'ዩ ብልክዕ ንባህሊ እታ ሃገር ዝወከለ ዝብልን ናይ ኣገገግሎት ግዝኦምን ዝምልከት ሕቶ ይለዓል'ዩ፡" ክብል የረድእ።
10 ህቡባት ማልያታት ዋንጫ ዓለም
ርእይቶ ዎልፍ ኣብዚ ደዉ ኣቢልና፡ ብዝኽሪ ንድሕሪት ዝመልሱን ዕጥቂታት እስከ ንርአ።
እቶም ዝኽርታት ናብቲ ኣብ 1990ታትን መጀመርታ 2000ታትን ዝነበረ ድሙቕ ሕብርታት ዘለዎም ገፋሕቲ ማልያታት ከምኡ'ዉን ኣብ 1980ታት ናብ ዝነበሩን ሕጂ ፋሽን ዝዀኑን ዕጥቂታት እዮም ዝመልሱና።
ንምዃኑ፡ ንስኹም እትፈትውዎን ዘይትርስዑዎን ማልያ ኣየናይ ይነብር? ቢቢሲ ን10 ህቡባት ማልያታት ዋንጫ ዓለም ሓርይልኵም ኣሎ። ናትኵም ግን ኣብ መውሃቢ ርእይቶ ኣካፍሉና።
10. ካሜሩን 2002
እዚ ማልያ፡ ንዋንጫ ዓለም ኣይተዳለወን እንተተባህለ ቁሩብ ምድንጋር ክፈጥር ይኽእል። ተዘካሪ ዝገብሮ ግን እዚ እዩ።
ሃገራዊት ጋንታ ካሜሩን፡ ብ2002 ኣብ ዋንጫ ኣፍሪቃ እጅገ ዘይብሉ ማልያ ተኸዲና እያ ተጻዊታ።
ኣብቲ ግጥም፡ ብፍጹም ቅላዕ ሰኔጋል 3 ን2 ብምርታዕ ዋንጫ ዓቲራ።
እዚ እጅገ ዘይብሉ ማልያ ክኣ ሽዑ'ዩ ህቡብ ዝዀነ።
ድሕሪኡ ግን፡ እታ ሃገራዊት ጋንታ ነዚ ማልያ ኣብ ዋንጫ ዓለም ከይትኽደኖ ፌደሬሽን ኩሰሶ እግሪ ዓለም [ፊፋ] ኣጊዱ።
ፊፋ፡ "እዚ ቲሸርት ዘይኰነ ሰደርያ እዩ፤ ሕጋዊ ኣይኰነን፡" በለ።
ተጻዋቲ ማእከል ዝነበረ ኤሪክ ዲጂምባ ንቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "ኣብ ኣፍሪቃ ኩሉ ሰብ ነዚ ማልያ ክኽደን ይደሊ ነይሩ፡" ኢሉ።
ኣመሪካት ተጻዋቲት ቴኒስ ሴሪና ዊልያም ከይተረፈ ኣብቲ ግዜ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ቴኒስ ንማልያ ጋንታ ካሜሩን መበገሲ ገይሩ ዝተሰርሐ ዕጥቂ ተኸዲና'ያ ተጻዊታ።
ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት፡ ኣብ ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ግን፡ ኣብቲ ማልያ እጅገ ክውሰዀ ንፑማ ተነጊሩዎ፡ ሓጺር እጅገ ወሲኹሉ'ዩ።
ዕጥቂ ካሜሩን ንሓለፍቲ ፊፋ ከቘጥዕ ግን እዚ ናይ መጀመርታ ወይ መወዳእታ ኣይኰነን።
ድሕሪ ክልተ ዓመት'ዉን፡ እቲ ማልያን ቁምጣን ተላጊቡ ዝተሰፈየ ሙሉእ ዕጥቂ ብሰብ መዚ ኵዕሶ እግሪ ተኣጊዱ ነይሩ።
9. ኢንግዘዝ 1966
እዚ ማልያ፡ ኣብ ኢንግሊዝ ኣብ እዋን ሓጋይ ኣብ ኣብያተ መግብን ናይ ምዝንጋዕ ቦታታትን ምርኣይ ዝተለመደ እዩ።
እዚ ሰለስተ ኣናብስ ዘለዎ ቀይሕ ማልያ ሃገራዊት ጋንታ ኢንግሊዝ ህቡብን ፍቱዉን ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ፡ እታ ሃገር ኣብ ዋንጫ ዓለም ብሕታዊ ዓወት ዘመዝገበትሉ ብምዃኑ'ዩ።
ኣብ ለንደን ስታዲየም ዌምብሊ፡ ኢንግሊዝ ምስ ምዕራብ ጀርመን ኣብ ዝነበራ ጸወታ፡ ጂኦፍ ሀርስትስ ዝሰርሖ ሃትሪክን እታ ኩዕሶ መስመር ሓሊፋ ሸቶ ክቑጸር ከሎ ዝነበረ ህሞት ብዙሓት ኣይርስዑዎን።
ኣምበል እታ ሃገራዊት ጋንታ ቦቢ ሞር ምስ ብጾቱ ዋንጫ ዘልዓለሉ ህሞት ኣይርሳዕን።
ብ1982ን 1990ን ኣብ ዝተኻየዱ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም፡ እታ ሃገራዊት ጋንታ ዝተኸደነቶም - ኣብ ታሕቲ ዝርአ- ማልያታት ፍትዋት'ኳ እንተነበሩ፡ ነዛ ቀያሕ ማልያ ግን ዝትክኣ ኣይተረኽበን።
8. ፈረንሳ 1982
ኣምበል ፈረንሳ ማይክል ፓላቲኒ፡ ብ1982 ሃገራዊት ጋንታኡ-ለስ ብሉስ - ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ብዌስት ጀርመን ክትስዓር ከላ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "እዚ፡ ንዓይ እቲ ዝገርም ጸወታ'ዩ ነይሩ፤ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ስምዒትን ህሞትን ፊልም ኰነ ካልእ ጸወታ ክደግሞ ኣይኽእልን። ፍጹም'ዩ ነይሩ፤ ዝገርም ጸወታ'ዩ ነይሩ፡" ኢሉ።
ሓላዊ ልዳት ጀርመን ሃራልድ ቹማቸር ምስ ተኸላኻሊ ፈረንሳ ፓትሪክ ባቲስተን ዝተራጸምሉ ዘሰንብድ ክስተት'ዉን ዝተርኣየሉ'ዩ ነይሩ።
ባቲስተን በዚ ሓደጋ ስኑ ከም ዝስኣነ ይዝረብ።
ኣብ ስፔን ስቪሌ ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ ፈረንሳ ኣብ ተወሳኺ ሰዓት፡ መሪሕነታ ስኢና ሰለስተ መዓረ [3-3] ክትወጽእ ከላ፡ ብፍጹም ቅላዕ ዌስት ጀርመን 5 ን4 ስዒራ።
ፈረንሳ፡ ኣብ ስቪሌ ብዝነበረ ሙቐት ዝረተጋግአት ትመስል ነይራ፤ ዕጥቈም'ዉን ፈረንሳውያን ነዚ ኹሉ ንምፅዋር ንዝገበሩዎ ጻዕሪ ምልክት ኰይኑ'ዩ።
7. ኔዘርላንድ 1974
ዓማጺ፡ ዓንጫቕ፡ ፍሉይ ርእሰ ምትእምማን ዘለዎ ዮሃን ክሩፍ፡ ምልክት ምውላዕ ኵዕሶ እግሪ ኔዘርላንድስ እዩ።
ክሩፍ፡ ምስ ኣባላት ጋንታ ኣጃክስ ሰለስተ ዋንጫታት ኤውሮጳ ክወዕት ከሎ፡ ናብቲ ብ1974 ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ክሓልፍ ከሎ፡ ለልተ ግዜ ሽልማት ባሎን ዲ ኦር ወሲዱ።
እዚ ኣዝዩ ዝዝከር ኣጋጣሚ እዩ።
ክሩፍ ኣመና ህቡብ ዝዀነሉ፡ ኣብ ጀርመን ስታዲየም ዶርትመንድ ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ ኔዘርላንድ ንስዊድን ትበልጻ።
በዓል ነዊሕ ጸጉሪ ርእሲ መራሒ እታ ጋንታ ንኣባላቱ ዝተፈለየን ኣብ እጅግኡ ሓደሽቲ መለለዪ ዝዀኑ ሰለስተ መስመር ዘለዎ ዕጥቂ'ዩ ኣዕጢቑዎም።
እንተዀነ፡ ክሩፍ ምስ ፑማ ውልቃዊ ውዕል ስለ ዝነበሮ፡ ናይ ኣዲዳስ ማልያ ክኽደን ፍቓደኛ ኣይነበረን።
ኣብ መንጐ እቲ ብራንድ፡ ተጻወትትን ሰብ መዚ ስፖርት ሆላንድን ውጥጥ ምስ ተላዕለ፡ ኣብቲ ማልያ ዝነበሩ ሰለስተ መስመራት ክለዓሉ ተገበረ።
"ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኔዘርላንድ [ኬኤንቪቢ] ነቶም ተጻወትቲ ከየፍለጠ ምስ ኣዲዳስ ውዕል ፈሪሙ'ዩ፡" ክብል ክሩፍ ኣብ መዘክሩ ጽሒፉ።
"እቲ ማልያ ናቶም ስለዝነበረ፡ ምዝራብ ኣየድልየናን ኢሎም'ዮም ሓሲቦም። ግን እቲ ዝኽደኖ ሰብ ኣነ ከም ዝዀንኩ ነጊረዮም፡" ኢሉ።
6. ክሮሺያ 1998
ብ1998፡ ዋንጫ ዓለም ፈረንሳ ኣአንጊዳ ነይራ፤ ሽዑ ሃገራዊት ጋንታ ክሮሽያ ንዓይኒ ዝስሕብ ማልያ ነይሩዋ።
ተጻዋቲ እታ ጋንታ ዳቮር ሳከር፡ ብወገን ሽምጡ ቀይሕን ጻዕዳ ስኴር ዘለዎ ሰማያዊ ማልያ ተኸዲኑ ምስ ተርኣየ ዘደምም ነበረ።
እዚ ቅዲ፡ መለለዪ እታ ጋንታ ኰይኑ፡ ተጻወትቲ ብቐሊሉ ንክልለዩ ገይሩ'ዩ።
ክሮሺያ ቅድም ኢሉ ኣብ ጸወታታት ዩሮ፡ ዘገርም ብቕዓታ ኣርእያ እያ።
ኣብኡ'ዉን እታ ጋንታ ትኹረት ዝስሕብ ዕጥቂ ገይራ ተራእያ። ኣብ ዋንጫ ዓለም፡ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ዝተፈለየ ስፖርታዊ ኣጋጣሚ ስለ ዝነበረ እቲ ማልያ ካብ ሕልና ሰባት ኣይጠፍእን።
እዚ ድማ፡ ክሮሺያ ንፈለማ እዋን ኣብ ዋንጫ ጫዓለም ዝተሳተፈትሉን ናጽነታ ምስ ኣወጀት ድሕሪ ሸውዓተ ዓመታት ዝተኻየደ ምዃኑ እዩ።
5. ናይጄሪያ 2018
ሃገራዊት ጋንታ ናይጄሪያ ብ2018 ዝተኸደነቶ ዕጥቂ፡ ዓብዪ ክስተት ነበረ። ብዙሕ ዘይተመልደ፡ ምስ ባህልን ፋሽንን ዝተዛመደ ብምዃኑ ህቡብ ኰነ።
እቲ ማልያ ወግዓዊ ምስኰነ፡ ሰለስተ ሚልዮን ሰባት ነቲ ማልያ ክገዝኡ ኣዚዞም፤ ነጋዶ ድማ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ መከፋፈሊ ናይክ ተሰሊፎም ተራእዮም።
ነቲ ማልያ ዲዛይን ዝገበረ ዲዛይነር ዎልፍ "ካብ ታሪኽ ዕጥቂ ስፖርት ናይጄሪያ ብቐጥታ ዝወሰድናዮ እዩ፡" ኢሉ።
"ብ2002 ዝነበረ ማልያ መበገሲ ኰይኑ፤ ሽዑ ደስ ዝብል ነገር ሃሳስ ሓምለዋይ ማልያ መሊሰ ከምጽኦ ደልየ ነይረ፤ መበገሲ ሓሳብ ገይርና ዝወሰድናዮ ካብ 1994 -95 ዝነበሩ ዕጥቂታት'ዮም፡" ክብል ኣረዲኡ።
"ዓላማና፡ ሓድሽ ነገር ምፍጣር ኣይነበረን፤ እታ ሃገር ዘለዋ መንነት ኵዕሶ እግሪ ኢና ከነምጽእ ደሊና፡"።
"ብብዙሕ መልክዑ፡ ጽቡቕ ግዜ ነይሩ፤ ናይጄሪያ ኣብ ዓለምለኻዊ ኢንዳስትሪ ፋሽን፣ ሙዚቃ፣ ግጥሚ፣ ጥበብ፣ ፊልም ወዘተ ትኣቱ ነይራ። እቲ ናይ ስፖርት ዕጥቂ'ዉን ኣብዚ ግዜ እዩ መጺኡ። ህዝቢ'ዉን ኣብ ውሽጢ እዚ ምንቕቓሕ ኰይኑ'ዩ ብቐሊሉ ክቕበሎ ዝኽኣለ ኢለ ይሓስብ፡"
"ክብሪ ንመላእ ነዚ ናብ ሓደ ዘምጽኡዎ ጋንታ ናይክ። ዕጥቂ ብሓደ ዲዛይነር ጥራይ ኣይኰነን ፍሉይ ክስተት ዝኸዉን። ብዙሓት ሰባት ብዙሕ ሓሳባዊን ዕሙቕ ዝበለን ስራሕ ስለ ዝሰርሑ ህቡብ ይኸውን።"
4. ብራዚል 1970
ኣብ ዋንጫ ዓለም፡ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ብራዝል ዝመሳሰል ሕብሪ ዘለዎ ማልያ ዘለዋ ሃገር ዳርጋ የላን።
ዋላ'ኳ እቶም ምስልታት ዝደብዘዙ እንተዀኑ፡ ብ1970 ዝተኸደኑዎ ቢጫ ሕብሪ ዘለዎ ዕጥቂ ግን ኣዝዩ ሰሓቢን ምዕሩግን ነይሩ።
እቲ ዕጥቂ፡ ኣብ ሜክሲኮ ኣብ ልዕሊ እቶም ኮኸባት ዓለም ኹልዕ ኢሉ ይርኣይ ነይሩ።
ፔሌ፣ ካርሎ አልቤርቶ፣ ሪቬሊኖ፣ ጀርዚንሆ ነቲ ማልያ ተኸዲኖም ዘርኢ ቪድዮ ብሰፊሑ ዝዘዋወር ምስሊ ኰይኑ፡ ብራዚላውያን ንጣልያን ክስዕሩ ከለው ዝነበረ ህሞት የዘኻኽር።
በዚ ምኽንያት ኣብ ኵዕሶ እግሪ ዓለም፡ እቲ ቢጫን ቅልል ዝበለን ማልያ ህቡብ እዩ።
3. ኣመሪካ 1994
ፊፋ፡ ብ1994 ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ኣመሪካ ከም እተአንግዶ ወግዓዊ ም ስገበረ፡ ካብታ ሃገር ወጻእ ኣብ ዘለዉ መብዛሐርትኦም ኣፍቀርቲ ኵዕሶ እግሪ ጥርጣረ ከም ዝነበረ ፕረዚደንት ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ ነበር ኣላን ሮተንበርግ ይዝክር።
"እዛ ኵዕሶ እግሪ ዘይትጻወት ሃገር፡ ከመይ ኢላ ነይዚ ማልያ ክትለብስ ክኢላ? ዝበሉ ነይሮም" ይብል።
ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ክንዲ ምስ ክለባት ኣመሪካ ምስ ኣመሪካ ሴንትራል ውዕል ዝነበሮም ተጻወትቲ መሳሕቒ ክዀኑ ኣይደለዩን።
ኣዲዳስ ነቲ ጸወታ ዝኸውን ዕጥቂ ምስ ኣቕረበ ግን፡ ኣሌክስ ላላስን እታ ጋንታን ዝርኣዩዎ ክኣምኑ ኣይከኣሉን።
ብጣዕሚ ሰፊሕን ዝተለጠጡ ከዋኽብን ብመደብ ሃሳስ ሰማያዊ ዝርኣይሉ ማልያ ናይ ኣመሪካ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይነበረን።
ኣዝዩ ድሙቕ ነይሩ፤ በዚ ኣባላት እታ ሃገራዊት ጋንታ ሰባት ከየባጭዩሎም ፈሪሖም ነይሮም።
ይኹን'ምበር፡ ተጻወትቲን ደገፍትን ዝፈተዉዎ ህቡብ ማልያ ኰይኑ። ኣመሪካ ግን፡ ኣብ ናይ መወዳእታ 16 ምድብ ብብራዚል 1 ን 0 ተሳዒራ ካብቲ ውድድር ተገሊፋ።
እዚ ማልያ፡ ፍቱውን ህቡብን ብምዃን ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝተቐመጠሉ ምኽንያት ድማ፡ ሕጂ ኣብ ዋንጫ ዓለም ተመሊሱ ናብ ኣመሪካ ምእታው ክኸዉን ይኽእል።
እንተዀነ፡ እቲ ብ1994 ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ጐሊሖም ዝርኣዩ ካብ ዝኽሪ ሰባት ዘይጠፍኡ ዕጥቂታት ዝተርኣየሉ ጸወታ ነይሩ።
2. ኣርጀንቲና 1986
ብ1986፡ ኣርጀንቲና ምስ ኢንግሊዝ ብዝገበረቶ ጸወታ፡ ኣብ ርብዒ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ዝስዓረትሎም ክልተ ታሪኻዊ ሸቶታት ነይሮም።
እታ ሓንቲ፡ 'ወዲ እግዝሄር' ዝብል ስያመ ዝተዋህባ ዲያጎ ማራዶና ዘቑጸራ ፈላመይቲ ሸቶ ኰይና፡ እታ ኻልአይቲ ድማ ኣብ ማእከል ሜዳ ነታ ኩዕሶ ብምቁጽጻርን ንሓሙሽተ ተጻወትቲ ኢንግሊዝ ኣሽኪዑ ብምሕላፍ ዘቑጸራ እተገርም ሸቶ እያ።
ኣብታ እተደንቕ ዕለት እተን ሸቶታት ጥራይ ዘይኰነ፡ ተጻወትቲ እታ ሃገራዊት ጋንታ ዝተኸደኑዎ ማልያ'ዉን ማዕሪኡ ተዘካሪ'ዩ።
እዚ ህቡብ ማልያ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት እዩ ተዳልዩ።
ፊፋ ቅድም ኢሉ፡ ምስ ጻዕዳ ማልያ ኢንግሊዝ ንከይጋጮ ብዝብል እታ ጋንታ ጸሊም ሰማያዊ ማልያ ክትኽደን ከም ዘለዋ ንኣርጀንቲና ኣፍሊጡ ነይሩ።
ግን፡ ቅድም ኢሉ ንዩራጋይ ኣብ ዝስዓርሉ ጸወታ እቲ ማልያ ንሙቐት ሜክሲኮ ኣመና ረጒድ ኰይኑዎም።
ኣፍራዪ ዕጥቂ ፈረንሳ ዝዀነ 'ኮቅ ስፖርቲፍ' ኣብቲ እዋን ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮን።
ድሕሪኡ፡ ኣካያዲ ስራሕ ጋንታ ኣርጀንቲና ካርሎ ቢላርዶ፡ ካብ ከተማ ሜክሲኮ ወጻእ ናብ ቴፒቶ ሰራሕተኛታት ብምልኣኽ ሓድሽ ማልያ ንምድላው ዘኽእል ዓለባ ክዕደግ ገበረ።
ሰብ ሞያ ዕጥቂ፡ ኣርጀንቲና ምስ ኢንግሊዝ ቅድሚ ምእታዋ እቶም ማልያታት ምስ ጸሊምን መለለዪ እታ ሃገራዊት ጋንታን ንምትዕርራይ 24 ሰዓታት ወሲዱሎም።
ናይ መወዳእታ ዲዛይን እዚ ሕጂ ንድሕሪት ዝመለሰና ናይዚ ማልያ ዘጽደቘ፡ ማራዶና'ዩ ነይሩ።
ሽዑ፡ "ካርሎስ፡ ክንደይ ደስ ዝብል ማልያ ድኣ'ዩ! በዚ ንኢንግሊዛውያን ክንስዕሮም ኢና፡" ኢሉ ነይሩ።
ኣብቲ ግዜ፡ ተጻዋቲ ማእከል ኢንግሊዝ ስቲቭ ሆጅ ንመዘከርታ ምስ ማራዶና ዝተቐያየሮ ማልያ ከኣ፡ ድሕሪ 36 ዓመታት ንጨረታ ቀሪቡ ነይሩ። እቲ ማልያ ብ7.1 ሚልዮን ፓውንድ እዩ ተሸይጡ።
1. ዌስት ጀርመን 1990
ኣብ ቁጽሪ ሓደ ዝተቐመጠ፡ ምስ ግዜ ዘይሃስስ፡ ብዙሓት ዝደልዩዎን ሓድሽ ማልያ ንዝሰርሑ መገዲ ዝጸረገን፡ እቲ ብ1990 ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ዝነበረ ኣባላት ጋንታ ዌስት ጀርመን ዝተኸደኑዎ ማልያ እዩ።
ጸሓፊ 'ኤ ካልቸር ኦፍ ኪትስ' ዝዀነ ጆን ብሌር ንቢቢሲ ስፖርቲንግ ዊትነስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ቅድሚ ሕጂ ምስ ዝነበሩ ከነነጻጽሮ ከለና እቲ ማልያ ተዋጋኢ ዘይኰነ ሕብርን ፍኹስ ዝበለ ቅድን ዘለዎ ምዃኑ'ዩ፡" ኢሉ።
"ነቲ ዘመን ዝምጥን፡ ሰዓራይ ጋንታን ፈላማይ ሓቀኛ ገላጺ ዲዛይንን ዝተወሃሃድሉ'ዩ፡"።
ብርግጽ እቲ ማልያ፡ ቅድሚ ዋንጫ ዓለም ዝተሓድገ እዩ ነይሩ።
ንፈለማ እዋን፡ ብ1988 ኣብ ዋንጫ ኤውሮጳ ኣዳላዊት ዌስት ጀርመን ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ስዕረት ምስ ገጠማ ዝተዳለወ እዩ።
ዲዛይነር እዚ ማልያ ኢና ፍራንዝማን፡ ንዋንጫ ዓለም ሓድሽ ማልያ ተዳሉ ነይራ።
እንተዀነ ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ፍራንዝ ቢከንባውር ጣልቃ ብምእታው፡ እቲ ዝጸንሐ ማልያ ሒዞም ከም ዝቕጽሉ ነጊሩዋ።
ንኣዲዳስ፡ ንተጻወትቲ ቴኒስ ክዳን እትሰርሕ ፍራንዝማን፡ ፈታዊት ኵዕሶ እግሪ ኣይነበረትን። ግን ኣብ ማልያ እታ ሃገራዊት ጋንታ "ንእሽቶ ለውጢ" ንምፍጣር እያ ሰሪሓቶ።
"መስራቲ ኣዲዳስ ኣዶልፍ ወዱ ዝዀነ ሆርስት ዳስለር'ዩ ንእሽቶ ሕብሪ ክንጥቀም ሓሳብ ዘምጽአ፤ እቲ ሕብርታት ናይ ጀርመን ከም ዝኸዉን ርዱእ'ዩ ነይሩ፡" ትብል።
ዳስለር፡ ብ1987 ሞይቱ፤ ዌስት ጀርመን ዋንጫ ዓለም ክትዕወት ከላን ኣብ ጣልያን ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ዋንጫ፡ ቀልቢ ብዙሓት ክስሕብ ከሎ ንምርኣይ ኣይተዓደለን።
እንተዀነ፡ ንፍራዝማን ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት እውን ክንኣድ ምርኣይ ጽቡቕ ኣጋጣሚ'ዩ።
"እቲ ማልያ ድሕሪ ዓመታት ፍሉይ ስራሕ ኰይኑ፤ ብዝረኸቦ ተፈታነውት ድማ ይሕበን። ኩሉ ሰብ ብድሕሪ እዚ ማልያ ዘሎ ታሪኽ ክፈልጥ ይደሊ'ዩ፡" ትብል።