እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሚልዮናት ሰባት ነዊሕ ዕድመ ንኽነብሩ ዝሕግዙ ንጥፈታት ሓሙሽተ ደቒቕ
ኣብ ቀረባ እዋን ሓደ ነገር ንጹር ኰይኑ ኣሎ፤ ረብሓታት ኣካላዊ ንጥፈታት ንምርኣይ፡ ከቢድ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ምግባር ከም ዘየድልየና እዩ።
ከም ቅልጥፍ-ቅልጥፍ ኢልካ ምጉዓዝ፡ ብሽክለታ ምዝዋር ወይ መደያይቦ ምድያቦ ምውጻእ ዝኣመሰሉ ኣብ መዓልቲ ሓሙሽተ ደቓይቕ ጥራይ ምንቅስቓስ ምግባር፡ ሓደ ካብ ዓሰርተ ኣጋ ሞት ክከላኸል ይኽእል እዩ።
እዚ ድማ ሚልዮናት ሰባት ንነዊሕ ዕድመ ንኽነብሩ ክሕግዞም ይኽእል ኣሎ።
እዚ ማለት ግን ሓሙሽተ ደቓይቕ ምንቅስቓስ ኣካላት ምግባር ጥራይ ጥዕናኻ ንምርግጋጽ እኹል እዩ ማለት ኣይኰነን።
ምስ ዋላ ሓንቲ ዘይምግባር ክነጻጸር እንከሎ ግን፡ እዚ ንእሽቶ ኣካላዊ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ጥዕና ምምሕያሽ ከምጽእ ከም ዝኽእል ተረጋጊጹ ኣሎ።
ምስቶም ንጡፋት ወይ ብተዛማዲ ብቑዓት ዝኾኑ፡ ሓሙሽተ ደቓይቕ ዝያዳ ምንቅስቓስ ኣካላት ምግባር፡ ዝነኣሰ ውጽኢት ክህልዎ ከም ዝኽእል ፍሉጥ እዩ።
ኒኮል ሎጋን፡ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ስነ-ኣእምሮኣዊ ስነ-ፍልጠት ካብ ዩኒቨርሲቲ ሮድ ኣይላንድ ኣመሪካ፡ "ዝዀነ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር፡ ልዑል መጠን ጸቕጥን ልዑል መጠን ምስልቻውን፡ ንምክልኻል ናይ ብሓቂ ጠቓሚ ነገር'ዩ፤ ስለዚ ድማ ምስ ነዊሕ ምንባርን ንነዊሕ እዋን ጥዑይ ምዃንን ዝተኣሳሰር እዩ" ትብል።
ዕድመ ምውሳኽ
እቲ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣመሪካን ስካንዲናቭያን ካብ ዝርከቡ 150 ሽሕ ኣባጽሕ ዝተረኽበ መረዳእታ ብሰፊሑ ዝተተንተነ እዩ።
መሪሕ ደራሲ ናይቲ መጽናዕቲን ፕሮፌሰር ኣካላዊ ምንቅስቓስን ጥዕናን ኣብ ቤት ትምህርቲ ስፖርት ኖርወይ ኡልፍ ኤከሉንድ፡ "ኣዝዩ ንእሽቶ ለውጢ ኣብ መዓልቲ፡ ንኣብነት ሓሙሽተ ደቓይቕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ምንካይ ሓደጋ ብኣጋ ሞት፡ ክንድዚ ዝኣክል ዓቢ ጽልዋ ከምዘለዎ ዘገርም እዩ" ይብል ።
እቲ ርኽበት፡ ብደረጃ ውልቀሰብ ዘይኮነስ ኣብ መላእ ህዝቢ ንሓሙሽተ ደቓይቕ ምንቅስቓስ ኣካላት ምግባር፡ ዘለዎ ጥዕናዊ ረብሓ ከምዝነጸረሎም ይዛረብ።
ብፍላይ ኣባጽሕ፡ ሕጂ'ውን ነቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝሃቦ ለበዋ፡ ማለት'ውን ኣብ ሰሙን 150 ደቓይቕ ማእከላይ ምንቅስቓስ ኣካላት ክገብሩ ክጽዕሩ ኣለዎም፡ ይብል ኤከሉንድ።
እቶም ናብ ጂምናዝየም ንምኻድ ወይ ኣብ ስፖርታዊ ክለብ ንምጽንባር ዝጽገሙ ሰባት ግን፡ ኣብ ህይወቶም ከምዚ ዓይነት ቀሊል ምንቅስቓስ ብምውሳኽ፡ ዝያዳ ክጥቀሙ ከም ዝኽእሉ እቲ መጽናዕቲ ይሕብር።
ምንቅስቓስ ዘይምግባር ምግታእ እውን ጠቓሚ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ።
ንኣብነት መዓልታዊ ኮፍ ናይ ምባል ግዜ፡ ብ30 ደቓይቕ ምቍራጽ፤ ብኣግኡ ዝመጽእ ሞት ብ7% ምንካይ ከምዝከኣል ተረጋጊጹ'ሎ።
ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይምግባር፡ ቀንዲ ጠንቂ ሕዱር ሕማምን ብኣጋ ሞትን ስለዝኾነ፡ እዚ ኣገዳሲ እዩ።
ኤከሉንድ፡ ብስሩዕ ምግባር [ኮንሲስተንት] ወሳኒ ምዃኑ ይዛረብ።
"ቀስ ኢልካ ጀምር፡ በብቕሩብ ድማ ነቲ መጠን ምዕባይ፤ እቲ ንጥፈት ምስ ድሌትን ዓቕምን ናይቲ ውልቀሰብ ክሰማማዕ ኣለዎ።"
እናሻዕ 'ምውስዋስ' ኣካላት
እቲ መጽናዕቲ ኣብ ብዙሓት ካልኦት ንጥፈታት'ውን ዝተመርኰሰ እዩ።
ምንቅስቓስ ኣካላት ንነዊሕ እዋን ዝህቦ ጥዕናዊ ረብሓታት፡ ክሳብ ክንደይ ንኣነባብራና ብሱር በተኻዊ መንገዲ ክንቅይሮ ከም ዘድሊ ዘርኢ እዩ።
ኣብ መዓልታዊ ህይወትና፡ ምንቅስቓስ ምውሳኽ ጥራይ፡ ልዕሊ ዓቐን ውጽኢት ክህልዎ ይኽእል እዩ።
ንኣብነት ጭዋዳታት ዘጠናኽር ንጥፈታት ምግባር ኣዝዩ ጠቓሚ ምዃኑ ተረጋጊጹ ኣሎ።
ሓደ ኣብ ኣመሪካ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ 60ታትን 70ታትን ዕድመ ዝርከቡ ውልቀሰባት፡ ናይ እስትንፋስ ምንቅስቓስ ምስ ጭዋዳታት ዘደልድል ንጥፈታት ምውህሃድ፡ ምስቶም ምንቅስቓስ ኣካላት ዘይገብሩ ክነጻጸሩ እንከለዉ፡ ዝነውሐ ዕድመ ይነብሩ።
ካልእ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ምሉእ መዓልቲ ዝደጋጋም ሓጺር ንጥፈታት ዝሓቖፈ ነንሽዑ ዝደጋገም "ምውስዋስ ኣካላት"፡ ጥዕና ልቢ ከመሓይሽ ይኽእል።
ኣብ ልዕሊ ዝጸንሐ መጽናዕትታት ዝተገብረ ካልእ ዓቢ ትርጉም ዝወሃቦ ትንታነ፡ ብፍላይ ኣብ ኣረጋውያን፡ ጭዋዳታት ምድልዳል እውን ክንደየናይ ከም ዝሕግዝ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
ምስዚ ብዝተኣሳሰር መጠን ጠዓሞት [ቀሊል ምግቢ] ምውሳድ ልዑል እዩ ነይሩ።
ልዕሊ 82 ሚእታዊት ተሳተፍቲ ጠዓሞት [Snacks] ወሲዶም፤ እዚ ድማ: "ምስ መዓልታዊ ምንቅስቓስ ምውህሃድ" ቀሊል ስለዝኾነ ምዃኑ እቶም ተመራመርቲ ይሕብሩ። ዘይከም ጂምናዝየም፡ እዞም ቀለልቲ ምንቅስቓሳት ከም ንቡር ልምድኻ ኣብ ምሉእ መዓልቲ ክዝርግሑ ይኽእሉ።
እዚ ንዝኾነ ህርመት ልብኻ ዝውስኽ ነገር ዘጠቓልል ክኸውን ይኽእል - ብርቱዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ይዅን፡ ኣብ ክሽነኻ ብደርፊ ሳዕስዒት ወይ ድማ ካብቲ ንቡር ንላዕሊ ብቕልጡፍ መደያይቦኻ ላዕልን ታሕትን ምውራድ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ- ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣልስተር ፕሮፌሰር ምንቅስቓስን ጥዕናን ማሪ መርፊ፡ ንፖድካስት ቢቢሲ ጀስት ዋን-ቲንግ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ንኣሽቱ ምንቅስቓስ ኣካላት፡ ንስርዓት ምሕቓቕ ምግቢ ከነቓቕሖ ይኽእል።
"ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምስ ኣቋረጽና፡ ኣብ እነዕርፈሉ እዋን፡ ምግቢ ብቐሊሉ ይሓቅቕን ይቃጸልን" ትብል።
ልምዲ- ምግባር
ሰባት ብዛዕባ ጥዕናዊ ረብሓታት ምውስዋስ ኣካላት ዝያዳ ምስ ዝፈልጡ፡ ንኣካላዊ ምንቅስቓስ ንዘጋጥሙ ዕንቅፋታት ንምፍታሕ ኣወታዊ ምላሽ ይህቡ።
ቀለልቲ ነገራት ዓቢ ለውጢ ከምጽኡ ከምዝኽእሉ ባዕሎም ይመሃሩ።
ንኣብነት ሰባት ኣብ ክንዲ ሊፍት ምጥቃም፡ ከም መሳልል/መዳያይቦ ምድያብ፡ ካልኦት ቀለልቲ ምንቅስቓሳት ክገብሩ ይተባብዑ።
ብመሰረት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሎውቦሮ ፕሮፌሰር ሕክምና ባህሪ ኣማንዳ ዳሊ፡ እዞም ንኣሽቱ ምቅይያራት ባህሪ እዮም ምስ ግዜ ትርጕም ዘለዎ ለውጢ ከምዘምጽኡ ትጠቅስ።
"እዞም ኣገባባት ከይተፈለጠና ኣሰራርሓ ነገራት ይቕዩሩልና፡ ደጋጊምና ክንገብሮም ድማ ዝያዳ ተኽእሎ ኣሎ ማለት'ዩ" ትብል።
ልሙድ ይኸውን ማለት እዩ፤
ብተመሳሳሊ፡ ዳሊ፡ ኮፍ ምባል ምቕናስ ዝሕግዝ ቀሊል መገዲ ከምዘሎ ትሕብር።
ንኣብነት፡ ካብቲ እትኸዶ ቦታ እንተወሓደ ንሓሙሽተ ደቓይቕ ርሒቕካ መኪና ፓርክ ምግባር።
ነዚ ዓይነት ኣገባብ "ስናክቲቪቲ" ኢላ ትጽውዖ።
ኣብ መጽናዕታ ድማ፡ ንሳን መሳርሕታን፡ ተሳተፍቲ ነቲ ሓሳብ ከም ዝፈተዉዎ፡ ካብ ነዊሕ ምውስዋስ ኣካላት ንላዕሊ ንምትግባሩ ዝቐለለ ኰይኑ ከም ዝረኸብዎን ኣረጋጊጾም።
ብእግሪ ምጕዓዝ
ቀስ ብቐስ፡ ካብቲ ልሙድ ዝእመን ንላዕሊ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝወሓደ ስጕምትታት ክንጥቀም ንኽእል ኢና።
ሓደ ናይ ስጕምቲ ቁጽሪ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ መዓልቲ ካብ 2,517-2,735 ስጕምትታት ምውሳድ፡ ምስቲ 2,000 ስጕምቲ ጥራይ ምውሳድ ክነጻጸር እንከሎ፡ ንሓደጋ ልብን ስርዓተ ደምን ብ11% ከም ዝንክዮ ኣረጋጊጹ።
ስለዚ፡ ኣብ ዝቕጽል እዋን ፓስታኻ ክበስል ኣብ እትጽበየሉ ወይ ቲቪ ክትከታተል ከለኻ፡ ምናልባት፡ ፑሽ ኣፕ- ወይ ድማ ምውስዋስ እግሪ ግበር።
እዘን ንኣሽቱ "ናይ ምውስዋስ ኣካላት" ኵለን ክድመራ እየን፤ ዝዀነ ዓቢ ድኻም ድማ ኣይክስምዓካን እዩ።