እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምስልታት በዓል ዒድ ኣል-ኣድሓ ኣብ ኤርትራን ትግራይን
Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ
ሰዓብቲ ሃይማኖት እስልምና ዘኽብርዎ በዓል ዒድ ኣል-ኣድሓ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓለም ተኸቢሩ ውዒሉ።
ዒድ ኣልኣድሓ፡ 'በዓል መስዋእቲ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ኮይኑ ብሕሩድ ዝጽንበል'ዩ።
እቲ በዓል ነቲ ነብይ ኢብራሂም ንወዱ እስማዒል ንምስዋእ ድልውነቱ ዘረጋገጸሉ ፍሉይ ፍጻመ ዝዝክር እዩ። ኢብራሂም ኣብ እምነታት ክርስትናን ኣይሁድነትን ኣብርሃም ተባሂሉ ይፍለጥ።
ንገለ ካብቲ ኣብ ከተማታት ኤርትራን ትግራይን ዝነበረ ኣከባብራ ዝውክል ስእልታት ኣቕሪብናልኩም ኣለና፣