ኤርትራ፡ 'እዉጅ ባጀት ዘይብልካ ብዕዳ ኣመሪካ ምዝራብ ቅኑዕ ኣይኰነን' - ኣምባሳደር ዓንደብርሃን

Published
ንባብ: 6 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ጽንብል መበል 35 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ዘስምዖ መደረ ኣዛራቢ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ኣብቲ ዕለት ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንዓለማዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ምስ ኣመሪካ ኣተሓሒዙ ዝበዝሕ ክፋል መደረኡ ኣቕሪብዎ።

ካብቲ ትራምፕ ዳግማይ ናብ ስልጣን ዝመጽኣሉ ዘልዓሎ 'ኣመሪካ ደጊምካ ዓባይ ምግባር' ዝብል ጭርሖ ማጋ ኣትሒዙ ክሳብ'ቲ ኣብዚ እዋን ዓለማዊ ቅልውላው ፈጢሩ ዘሎ ኲናት ኢራን ዘርዚሩ።

ኣብዚ ኤርትራን ኣመሪካን ዝምድናአን ከመሓይሻ ምዕባለታት ዝረኣየሉ ዘሎን፡ ተስፋን ትጽቢትን ህዝቢ ኤርትራ ክብ ኢልሉ ኣብ ዘሎ እዋናትን ዝተሰምዐ መደረ፡ ብገለ ሸነኹ ዘተሓሳስብ ኰይኑ'ሎ።

ነዚ ኣመልኪትና ርእይቶኡን ሓሳባቱ ከካፍለና ንኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ተወኪስናዮ ኣለና።

ዓንደብርሃን፡ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦት ሃገራትን ኣምባሳደር ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ላዕለዋይ ኣማኻሪ መስርሕ ሰላም የመን ኰይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ኤርትራዊ ምሁር እዩ።

ንሱ ነቲ መደረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብጽሞና ከም ዝተኸታተሎ ብምግላጽ፡ 'መራሒ ሃገር ኰይኑ ኣይቀረበን' ዝብል ርእይቶኡ ብምቕማጥ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣድሂቡ ብጭቡጥ ክዛረበሉ ዝግባእ ጉዳያት ከም ዝነበረ እዩ ዝምጕት።

"ብዛዕባ ዕዳ ኣመሪካ ካብ ዝዛረብ፡ እቲ ዝምልከቶ ብዛዕባ ባጀት ናይ ኤርትራ እዩ ክዛረብ ዝግብኦ ዝነበረ፡" ኢሉ ብምጥቃስ፡ "ግሉጽነትን ተሓታትነትን ስለ ዘይብሉ" ግን ከም ዘየልዓሎ ከም ኣብነት ይጠቅስ።

"ባጀተሪ ደቪሲት ድዩ ባጀተሪ ሳርፕላስ - ማለት ባጀታዊ ሕጽረት ድዩ ባጀታዊ ዝያዳ - ኣለዎ የብሉን ግን ዝፍለጥ የለን፡" ድሕሪ ምባል፡ "እቲ ብቐንዱ ዝምልከቶ ብዛዕባ - ኣብዚ እምበር ኣብዚ ጽቡቕ ተገይሩ ዝበሃሎ ስለ ዘየለ፣ ብዙሕ ግዜ ናብ ደገ እዩ - ከም ተንታኒ ኰይኑ ዝቐርብ፡" ብምባል ሰፊሕ ርእይቶ ኣካፊሉ'ሎ።

ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ግን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ "ብዙሕ ትዅረት ዝወሃቦ ኣሰካፊ ኵነታት ስለ ዘየለ እዩ ሸፈፍ ኢሉ ሓሊፍዎ፡" ብምባል ኣምባሳደር ዓንደብርሃን፡ "ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ጠቒሰዮ ዝነበርኩ [ኣብ ቃለመጠይቕ ቢቢሲ] ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ክገብሮ ዝጸንሐ ፈኸራ፡ ብሓቂ ንዂናት ከም ዘይኰነ ገሊጸ ነይረ፣ ክገብር'ውን ኣይክእልን እዩ - እዚ ሕጂ ዝተረጋገጸ ይመስል - ብእኡ እዩ ኣቓልቦ ዘይሃቦ፡" ብምባል የረድእ።

ምሉእ ትሕዝቶ ቃለመጠይቕ ብኸምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ'ሎ፤

ቢቢሲ፤ መደረ ፕረዚደንት ኢሳያይስ እንታይ ሓድሽ ወይ ፍሉይ ነገር ኣለዎ ክትብል ትኽእል?

ኣም. ዓንደብርሃን፤ ከም ግቡእ ሓደ መራሒ ሃገር ኣብ ሃገራዊ መዓልቲ፡ ወይ መዓልቲ ናጽነት ኣብ ዝገብሮ መደረ ብቐዳምነት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገሩ፣ ውሽጣዊ ኵነታቱ፣ ኵነታት ህዝቡ ከተኵር እዩ ዝግብኦ። እንተዀነ ከም መራሒ ሃገር ዘይኰነስ ከም ተንታኒ ዞባዊ ወይ ኣህጉራዊ ጉዳያት ኰይኑ እዩ ቀሪቡ።

ቢቢሲ፤ ውሽጣዊ ኵነታት ግን ካብ ዞባዊ ወይ ዓለማዊ ኵነታት ነጺልካ ስለ ዘይርአ እዩ ዝብል ምጕት ኣሎ.. ኣመሪካ ድማ ከም ቀንዲ ሃንዳሲትን ቀላሲትን ዓለማዊ ስርዓት፡ ነቲ ምዕባለታት ኣግፊሕካ ምርዳእ ስለ ዝድሊ እዩ ዝብል መረዳእታ'ውን ኣሎ?

ኣም. ዓንደብርሃን፤ ብርግጽ ኤርትራ በይና ተነጺላ ትነብር ደሴት ኣይኰነትን - ኣካል ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕ ከምኡ'ውን ዓለም ብሓፈሻ እያ። ጂኦፖለቲካዊ ኣገዳስነት ኤርትራ ግን ኣብ ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣ ዝምርዀስ እዩ እምበር፡ ኣብ መደረታት ናይቲ መራሒ ዝምርኰስ ኣይኰነን።

ኤርትራ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣ እንተ ዘይነብራ ነይሩ፡ ብዛዕባኣ ይዅን ብዛዕባ ኢሳይያስ ዝግደስ እውን ኣይምነበረን። ብቐዳምነት ሓደ መራሒ ኣብ ሃገሩ ኣተኵሩ፡ ህዝቡ ሓብሒቡ ሃገሩ ኣማዕቢሉ እዩ ግቡእ ቦታኡ ዝሕዝ እምበር፡ ሃገርካ ንድሕሪት ተሪፋ፡ ህዝብኻ ብድኽነት ብስእነት እናተሳቐየ፡ ኣብ ዘይምልከተካ ዞባውን ኣህጉራውን ትንታነታት ከተድህብ ግቡእ ኣይኰነን። ምናልባት ክትጠቕሶ ኣገዳሲ እዩ፣ ኣብኡ ከተድህብ ግቡእ ኣይመስለንን።

ቢቢሲ፤ እዚ ክትጠቕሶ ዝጸናሕካ ኤርትራ ዘላቶ ሕማቕ ኵነታት ግን ውጽኢት ናይቲ 'ምዕራባውያን ብቐንዱ ከኣ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተኸተለቶ ግጉይ ኣካይዳታት እዩ ንኸምዚ ኣቃሊዑ' ዝብል ምኽንያት ብወገን ኤርትራ ይወሃቦ እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ጠንቅታት ብስፍሓት ንምርዳእ ዝብል ምዃኑ'ውን ይስማዕ እዩ?

ኣም. ዓንደብርሃን፤ እዚ ከም ምኽንያት ናይቲ ምሕደራዊ ድኻማት ናይቲ ስርዓት ንምምኽናይ ዝቐርብ እዩ እምበር፡ ንሱ እቲ ዝዓበየ ምኽንያት ኣይኰነን። ምናልባት ከም ረቛሒ ኣብ ግምት ከተእትዎ ትኽእል ትኸውን ግን ዓቢይ ረቛሒ ኣይኰነን።

ዓመት ዓመት ዝመጽእ ኣሎ 'ናይ ልምዓት መደባትና ናይ ልምዓት መደባትና...' እናተባህለ፡ ዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመት 'ናይ ልምዓት መደባትና' ኢና ክንሰምዕ ጸኒሕና፤ ዘየለ ዘይትግበር ውጽኢት ዘይብሉ ናይ ልምዓት መደባት እዩ።

ናይ ልምዓት መደባት ክትብል እንከለኻስ፡ እንታይ እዩ እቲ መደባት? እንታይ ውጥን ኣሎ፣ እንታይ እዩ እቲ ሰሌዳ ግዜኡ? እንታይ እዩ እቲ መቓን? ኣየኖት ትካላት እየን ዝትግብርኦ? እንታይ መሳለጥያታት ናይ ፊናንሲያዊ፡ ትካላዊ፡ ሰብኣዊ ርእሰማላዊ ተቐሪቡለን ኣሎ? ዝተራእየ ነገር የለን።

ሃገራት ብሓፈሻኡ ኣብ ክልተ ክትመቕለን ትኽእል ኢኻ፤ 'ደቨሎፕመንታል - ልምዓታዊ' - ብፍላይ ኣብዚ ሳልሳይ ዓለም ግሎባዊ ደቡብ ዝበሃል [ዘለዋ ሃገራት]፣ እቲ ካልኣይ ከኣ 'ስታግናንት' (ደው ዝበላ) ሃገራት እየን። እተን ልምዓታዊ፡ ሃገረን ዘማዕብላ፡ ህዝበን ዝሕብሕባ፡ ካብ ድኽነት ዘውጽኣ ደረጃ መነባብሮ ህዝበን ክብ ዘብላ ሃገራት እየን።

እተን ስታግናንት ስተይትስ ድማ ኣብ ቍጠባ ይዅን ህይወት ናይቲ ህዝቢ ዝዀነ ይዅን ምንቅስቓስን ምዕባለን ዘየርእያ እየን። ኤርትራ ከኣ ካብተን ፈጺመን ዝዀነ ምዕባለ ዘየርእያ ስታግናንት ስተይት ኰይና እያ ጸኒሓ።

ስለዚ ከምቲ ኵሉ ግዜ እንብሎ፡ እቲ ወሳኒ ረቛሒ ውሽጣዊ እምበር ግዳማዊ ኣይኰነን። ብዙሕ ግዜ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዛዕባ ኣህጉራዊ ግዝኣተ ሕጊ ይዛረብ - ዘቤታዊ ግዝኣተ ሕጊ ግን የብሉን። ቅዋም የብሉን፡ ዝሰርሕ ትካላት የለን፡ ሃገራዊ ባይቶ ካብ ዝድስክል ዳርጋ ዕስራን ገለን ዓመታት ኰይኑ። ናይ ብሓቂ ዝሰርሕ ካቢነ ምኒስተራት የለን፣ ናጻ ኰይኑ ፍትሒ ዘመሓድር ኣብያተ ፍርዲ የለን...፤ ስለዚ ከምዚ ዓይነት ኵነታት ፈጢርካ ክንስኻ፡ ብዛዕባ ኣህጉራዊ ግዝኣተ ሕጊ ክትመጻደቕ ዝኣምነካ'ውን የለን፤ 'ኣብ ሃገሩኸ እንታይ ይገብር ኣሎ?' እዮም ክብሉኻ።

ቢቢሲ፤ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካን እውን ኣብዚ ቅንያት ክንሰምዖ ዝጸናሕና ዘረባታት ኣሎ፡ ብጭቡጥ ገለ ምዕባለታት ዘሎ'ውን ይመስል፣ ብፍላይ ብወገን ኣመሪካ ምልዓል እገዳ፡ እቲ ዝምድና ናብ ንቡር ንምምላሱ... ተበግሶታት ይርአ'ሎ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዓቢይ ሃገራዊ ኣጋጣሚ ድማ ነቲ ተስፋ ኣሕዲሩ ዘሎ ህዝቢ ገለ ክብሎ እውን ትጽቢት ነይሩ። እንተዀነ እቲ መደረ ነዚታት'ውን ኣይተናኸፎን፣ ከመይ ይረኣየካ? ብሓፈሻ እቲ ዝምድናኸ ከመይ ክኸይድ ኢልካ ትግምግም - ካብ ተመኵሮኻ?

ኣም. ዓንደብርሃን፤ ብቐዳምነት እቲ እገዳ በይናዊ፡ ዘይፍትሓዊ እዩ ነይሩ። ሓደ እገዳ ሕጋዊ ክኸውን ብሕቡራት ሃገራት ክግበር ኣለዎ። እዚ ግን ብኣመሪካ ዝተገብረ ዘይሕጋዊ እዩ ነይሩ፤ ምልዓሉ ጽቡቕ እዩ - ክሳብ ሕጂ ግን ኣይተላዕለን፣ 'ክለዓል ይሕሰበሉ ኣሎ' እዩ ተባሂሉ፡ ኣብ ዝሓጸረ ክለዓል ከኣ ኣገዳሲ እዩ።

ብሓፈሻኡ ግን ኣብቲ መደረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንኣመሪካ ክነቅፍ ደልዩ፡ ንፕረዚደንት ትራምፕ ድማ ካብቲ ነቐፌታ ከውጽኦ ደልዩ። እቲ 'ተሓጋገዝቱን ኣማኸርቱ የጋግይዎ ኣለዉ...' ዝብል ዘረባ ብመሰረቱ ቅኑዕ ኣይኰነን። ኣማኸርትን ተሓጋገዝትን እማመታት ናይ ክውሰድ ዝኽእል ስጕምትን ሳዕቤናቱን እዮም ዘቕርቡ እምበር፡ ኣይውስኑን እዮም - እቲ መራሒ እዩ እቲ ወሳኒ።

ስለዚ እቲ ሓላፍነት ናይቲ መራሒ እዩ። ግን ንዕኡ ንዘይምንቃፍ ሸፈፍ ኢሉ፣ ምኽንያቱ ፕረዚደንት ትራምፕ ከኣ ብዙሕ ግዜ ስምዒታዊ ቅልጡፍ መልሰ-ግብራዊ ስጕምታት ከም ዝወስድ ስለ ዝተገንዘበ፡ ሸፈፍ ኢልዎ ሓሊፉ። ብዝተረፈ ተግባራት ኣመሪካ ኢልካ ክትግምግም እንከለኻ እቲ ሓላፍነት ዝወስድ እቲ ፕረዚደንት እዩ፣ ንሱ እዩ ወሳኒ...።

ቢቢሲ፤ እቲ ዝምድናኸ ከመይ ይረኣየካ፣ ከመይ ክምዕብል ይኽእል ኣንጻር እዚ ምምሕዳር ትራምፕ ዝወስዶ ዘሎ ስጕምትታት ዝመጽእ ርእይቶታት ኣሎ፣ በቲ ካልእ ድማ ንባህሪ ክልቲኦም መንግስታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ንድሕረባይታኡ'ውን ኣብ መጽሓፍትኻን ጽሑፋትካን ስለ ትጠቓቕሶ፡ ከመይ ክኸይድ ይኽእል ትብል...፣ ዝህልዎ ብድሆታትከ?

ኣም. ዓንደብርሃን፤ እቲ ቀንዲ ጸገማት ንኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ....፡ ኣብ ውሽጣዊ ኵነታት ኤርትራ ዝምርኰስ ምዃኑ እዩ፤ ደሞክራሲያዊ ምሕደራ የለን፣ ኵሉ ውሳነታት ካብ ሓደ ማእከል፡ ዳርጋ ካብ ሓደ ሰብ፣ ናይ ሓደ ሰብ ስርዓት እዩ ዝብል ገምጋም ኣሎ።

ኣኽብሮት ሰብኣዊ መሰላት የለን፣ ሰባት ብዘይሕጊ ይእሰሩ፡ ክሲ ከይቀረበሎም፡ ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ ነዊሕ እዋን ይእሰሩ - ብዛዕባኦም ዝወጽእ ሓበሬታ'ውን የለን። ብመሰረቱ ደረቱ ዝሓለፈ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ከም ዘሎ፡ እዚ ከኣ ቀንዲ ጸገም ናይ ምስ ኤርትራ ዝግበር ዝምድናታት ምዃኑ፤ ብሓፈሻኡ ከኣ እቲ ህዝቢ ወከልቱ መራሕቱ ክመርጽ ዕድል ዘይተዋህቦ፡ ክሳብ ሕጂ ካብ ሓደ ማእከል ብዝመጽእ ትእዛዝ ጥራይ ከም ዝነብር፣ ኵሉ መዳያት ሕብረተሰብ ዝቈጻጸር ምዃኑ፡ እዚ ኵሉ ዕዳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እዩ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘሎ ናይ ግዳም ኣረኣእያታት በዚ ስለ ዝጽሎ፡ ምስሊ ናይ ኤርትራ ድዉን እዩ። ከምኡ ይዅን እምበር ዝምድና ሃገራት ብመሰረቱ ኣብ ሃገራዊ ረብሓታት ዝምርኰስ ስለ ዝዀነ፡ ሃገራዊ ረብሓታት ዘለወን ሃገራት ከኣ እቲ ውሽጣዊ ኵነታት ኤርትራ ብዘየገድስ፡ ንረብሓአን ዘገልግል ፖሊሲታት ወይ ሜላታት እየን ዝኽተላ።

በዚ ከኣ ነቲ ውሽጣዊ ኵነታት ዕሽሽ ክብላኦ ብዙሕ ዘሸግር ኣይኰነን። ኤርትራ ብስትራተጅያዊ ኣቀማምጣኣ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ቀይሕባሕሪ፡ ብዙሕ ዓለማዊ ኣገዳስነት ኣለዋ፣ ብፍላይ በቲ ኣብቲ ከባቢ ኵነታት ኣገዳሲ ተራ ክትጻወት ስለ እትኽእል ኵሉ ምስ ኤርትራ ዝምድና ክገብር ይደሊ እዩ። ግን ጸቕጥታት ትካላት ሰብኣዊ መሰልን ካልእን ስለ ዘለዎም እቶም መንግስታት'ውን፡ ህርድግ ኢሎም ኣይገብርዎን። ግን ንረብሓታቶም ክብሉ ቀስ ኢሎም ምስ ኤርትራ ዝምድናታቶም ከመሓይሹ ዘሸግሮም ኣይኰነን። ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካን ብኸመይ ክቕጽል እዩ - ብሓቂ ቀስ ኢልካ ዝርአ እዩ።

ብሓፈሻኡ ግን ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ብዛዕባ ደሞክራሲ፡ ብዛዕባ መሰል ሰባት ዝግድሶ ዓይነት መራሒ ኣይኰነን። ስለዚ እንተ ወሲኑ ኣብዚ ተሪፍዎ ዘሎ ክልተ ዓመንት መንፈቕን ዝኸውን ግዜ ነቲ ዝምድና ከመሓይሾ ይኽእል እዩ።

ቢቢሲ፤ ካልእ ዝተዓዘብካዮ ነገር እንተሎ ዕድል ክህበካ?

ኣም. ዓንደብርሃን፤ ብሓፈሻኡ፡ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳይ ዘይምድሃቡ እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ብዘይካ ባዶ ጭርሖታት፡ ክንዮ ዝኽሪታት ናይ ታሪኻዊ ዓወታት፡ ዝርአ ምዕባለታት ስለ ዘይተራእየ ኵሉ ግዜ ሸፈፍ ክብሎ፣ ኣብኡ ካብ ምድሃብ ክቝጠብ እዩ ጸኒሑ።

ሓንቲ ሃገር ብባዶ ጭርሖታትን ዝኽርታት ሕሉፍ ታሪኻዊ ዓወታትን ኣይትህነጽን እያ። ሃገር ብጭቡጥ መደባት ልምዓት እያ እትህነጽ፤ ኣብ ኤርትራእንታይ ትሕተ-ቅርጺ ኣሎ? ሕጂ ኣገልግሎት ኢንተርነት የለን ኣብ ኤርትራ።

ምሉእ ዓለም ግን ብኢንተርነት እዩ ዝሰርሕ፡ ፋይናንሲያዊ ጽላት፡ ባንካዊ ስርሓት ኣሎ ድዩ? ኢንዱስትሪታት ኣሎ ድዩ? ንዕኡ ዘካይድ ሰብኣዊ ርእሰ-ማል ኣሎ ድዩ። እዚ ኵሉ ማለት እዩ እቲ ትሕዝተ-ቅርጺ ዝበሃል፡ እዚ ከኣ የለን ኣብ ኤርትራ፤ መጓዓዝያ የለን፡ መጓዓዝያ ባሕሪ፡ መጓዓዝያ ኣየር የለን።

ስለዚ ኣብዚ 35 ዓመት እንታይ እዩ ገይሩ እዚ ስርዓት? ቀጻልነት ግዝኣቱ ጥራይ እዩ ኣረጋጊጹ። ዝዀነ ምዕባለ ወይ ተኽእሎ ናይ ምዕባለ ክርአ እንከሎ ንናተይ ስልጣን ብኸመይ ይጸልዎ እዩ ዝርአ። ብዝተረፈ ነታ ሃገር ዝገበሮ፡ በዚ ክዝከር ይኽእል እዩ እትብሎ ምዕባለ ዛጊት ኣይተራእየን። ብሕጂ ክርአ እዩ ኢልካ እውን ትጽቢት ዝግበር ኣይኰነን፡ ምኽንያቱ ባህሪ ናይቲ ስርዓት ኣብ ዝሓለፈ 35 ዓመታት ተራእዩ እዩ። ሕጂ ሃንደበት ክቕየር እዩ ዝብል ትጽቢት የብለይን።

ኤርትራዊ ግን ነዚ በዓል ሃገራዊ ናጽነት ብውዕዉ'ዕ ስምዒት ከብዕሎ ቀንዩ። እዚ ግን ደገፍ ነቲ ስርዓት ኣይኰነን - ኵሉ ክርድኦ ኣለዎ። ዳርጋ ኵሉ ኤርትራዊ ሃገሩ ስለ ዘፍቅር፡ ነዚ በዓል'ዚ ብውዕዉ'ዕ ስምዒት ከብዕሎ ቀንዩ፣ እዚ ግን ደገፍ ነቲ ስርዓት ኰይኑ ክርአ የብሉን።

___________________________________________________________________________

ዶ/ር ዓንደብርሃን፡ ገዲም ተጋዳላይ ንናጽነት ኤርትራ ኰይኑ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት መንግስቲ ዘገልገለ፣ 'ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ - ታሪኽ ዓወት፡ ጥልመትን ተስፋን' ዘርእስታ ዓባይ መጽሓፍ ዝደረሰ፣ በብእዋኑ ኣብ ታሪኻዊ፡ ፖለቲካውን ማሕበረ-ቍጠባውን ጉዳያት ኤርትራ ማእከሉ ዝገበሩ ሰፋሕቲ መጽናዕታውን ነቐፌታውን ተንታኒ ጽሑፋት ዘቕርብ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዕማማት ዓለምለኻዊ ትካላት ዝሰርሐ ምሁር እዩ።