እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንምንታይ'የን ደቂ ኣንስትዮ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ዝነወሐ ዕድመ ዘለወን?
ጓል ኣንስተይቲ እንተኾይንኪ ብደረጃ ዓለም ብማእከላይ ገምጋም ክረአ እንከሎ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ መዛንኹን ኣሕዋትክን ሓሙሽተ ዓመት ናይ ምንባር ዕድል ኣለኪ።
ንምንታይ'የን ደቂ ኣንስትዮ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ዝነወሐ ዕድመ ክነባራ ዝኽእላ? ንዝብል ሕቶ ምሉእ መልሱ የብሉን።
እንተዀነ: ተመራመርቲ ኣብዚ ዛዕባ ገለ ውሑዳት ሓሳባት የቕርቡ'ዮም።
ብንኡስካ ምሟት
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ ምህርቲ ስነ ህዝብን ዕድመን ዝዀነት ፕሮፌሰር ሳራ ሃርፐር "ዳርጋ ኣብ ኩለን ሃገራት ደቂ ኣንስትዮ'የን ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ዝነበራ" ትብል።
እንተኰነ " ካብ ሃገር ናብ ሃገር ኣዝዩ ፍልልይ ኣለዎ" ክትብል ትውስኽ።
ኣብ ሩስያ፡ ዩክረይንን ቬትናምን ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ ደቂ ኣንስትዮ ምስ መዘኖአን ደቂ ተባዕትዮ ብምንጽጻር 10 ዓመታት ዝያዳ ናይ ምንባር ዕድል ኣለወን፡ ናብ ናይጀርያ ምስ እነብል ከኣ እቲ ፍለልይ ኣዝዩ ጸቢብ ምዃኑ ኣብ ዎርልድ ኢን ዳታ ዝተሓተመ መጽናዕታዊ ጽሑፍ የረድእ።
ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ንገለ ካብዚ ፍልልይ ዘስዓብ ኣብ ማሕበራውን ባህርያውን ኣብ ዘሎ ፍልልያት ዝምርኰስ ምዃኑ'ዮም ዘረድኡ።
ፕሮፌሰር ሳራ ሃርፐር፡ ነዚ ከተረድእ እንከላ ንሩስያ ከም ኣብነት ተቕርብ፤ "እቲ ቀንዲ ደራኺ ምኽንያት፡ ሽጋራን ኣልኮላዊ ምስተን'ዩ" ትብል።
ኣብ ሩስያ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ብዝተዓጻጸፈ ሽጋራ ከምዘተክኹን ኣልኮላዊ መስተ ከምዘብዝሑን ከኣ ትሕብር።
ኣብ ሩስያውያን ደቂ ተባዕትዮ ሽጋራ ምትካኽን ኣልኮላዊ ምስተ ምስታይን ኣዝዩ ልሙድን ዝውቱሩን ምዃኑ'ውን እዛ ምህርቲ ትገልጽ።
ብደረጃ ዓለም ክረአ እንከሎ ደቂ ተባዕትዮ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ንጥዕናኦም ሃሳዮ ዝዀነ ነገራት የዘውትሩ'ዮም።
ፕሮፌሰር ሳራ ሃርፐር "ንኣብነት መብሕትኡ ግዜ እቲ ዝምገብዎ [ምስ ደቂ ኣንስትዮ ብምንጽጻር] ንጥዕናኦም ሃሳዪ'ዩ" ትብል።
ብተሳኺ ምስ ዝሓሙ ቀልጦፎም ናብ ሕክምና ኣይከዱን'ዮም፡ "ምርዕዋት ደቂ ተባዕትዮ ግን ዝሓሸ ዕድል ኣለዎም ምኽንያቱ፡ እታ መጻምድቶም ናብ ሕክምና ትወስዶም'ያ" ትብል ፕሮፌሰር ሳራ ሃርፐር።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝበዝሓ ክፋል ሕብረተሰብ፡ እቲ ከቢድ ዝብሃልን ንህይወት ሓደገኛ ዝዀነን ዕዮታት፡ ብደቂ ተባዕትዮ'ዩ ዝዕመም።
"ቁጽሪ ብሓደጋ መኪና፡ ብሞት ዝስዕብ ዕግርግርን ብነፍሰ ቅትለትንን ደቂተባዕትዮ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ብምንጽጻር ዝልዓለ ቁጽሪ'ዮም ዝሕዙ" ብምማል ፕሮፌሰር ሳራ ተጠንቅቕ።
እንተዀነ፡ ነዚ ንምዕራይ ዝግበር ጎስጓሳት ይኹን ዝውሰድ ተበግሶታት ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ውሑድ'ዩ።
ንኣብነት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ 1960ታትን 70ታትን ዝካየድ ዝነበረ ወፍሪ ጸረ ምትካኽ ሽጋራ፡ ኣብ ቅድሚ ግዜኦም ዝሞቱ ደቂ ተባዕትዮ ክጎድል ገይሩ ነይሩ'ዩ።
"እቲ ኣብ ሞንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝነበረ ናይ መን ቀልጢፉ ይመውት ዝብል ፍልልይ ቀልጢፉ ብዘገርም ፍጥነት ጸቢቡ" ትብል ሃርፐር።
ፕሮፌሰር ሳራ ሃርፐር፡ ባህሪ ብምቕያር ጥራይ ግን ፈጺሙ ማዕረ ክኸውን ከምዘይኽእል' ትዛረብ፡ ምኽንያቱ "እቲ ኣብ ሞንጎ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዘሎ ተፈጥሮኣዊ ፍልልይ ኩሉ ግዜ ስለዝህሉ" ትብል።
ኢስትሮጅን ኣንጻር ቴስቶስትሮን
ምስ ዕድመ ተተሓሒዙ ሓደ ካብቲ ኣብ ሞንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ፍልልይ ዝፈጥር ሆርሞን'ዩ።
ኣብ ስጳኛ ዩኒቨርስቲ ቫለንሽያ ተመራማሪት ስነ ኣካላት ደቂ ሰብ ዝዀነት ፕሮፌሰር ኮንሶሎ ቦራስ "ኢስትሮጅን ንደቂ ኣንስትዮ ጥዕናአን ኣብ ምሕላው ዓቢ ግደ'ዩ ዘለዎ" ትብል።
ኢስትሮጂን ኣብ ደቂ ኣንስትዮ መጠን ኮሎስትሮልን ኣብ ስርዓተ ምክልኻል ሕማማት ኣብ ምድልዳልን ይሕግዝ፡ በዚ ከኣ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ብምንጽጻር ብረኽሲ ሽንቲ ናይ ምጥቓዕ ተኽእሎአን የጉድሎ፡ ጥዕና ሓንጎለንን ዓጽመንን'ውን ኣብ ምውሓስ ይሕግዝ።
ሓደ ካብቲ ብዙሕ ተወሳኺ ረብሓታት ኢስትሮጂን፡ ኣብ ውሽጢ ዋህዮታትና ዝእከቡን ንእርጋን ኣበርክቶ ዝገብሩን ነጻ 'ራዲካላት' ዝበሃሉ ጎዳእቲ ንጥረ ነገራት ምምካት እዩ።
ፕሮፌሰር ኮንሶሎ ቦራስ "ብዙሓት መጽናዕትታት ምስ ንጽፈ ጽግያት ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ምጉዳል ኢስትሮጂን ስለዘኸተል ኣብ ኣካላተን ብዙሕ ምቅይያራት'ዩ ዝህሉ" ትብል።
ኣብ መጀመርታ ንጽፈ ጽግያት እትርከብ ጓል ኣንስትይቲ ብግቡእ ሕክምናዊ መስርሕ ምትካእ ናይ ሆርሞን ምስ ዝግበረላ፡ እቲ ምስ ንጽፈ ጽግያት ክጎድል ዝርአ ረብሓታት ኢስትሮጂን እቲ ዝበዝሐ ዝህቦ ጥቕምታት ናብ ንቡር ከምዝምለስ እዛ ምህርቲ ተብርህ።
ብኣንጻሩ እቲ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ዝርከብ ሆርሞን ቴስቶስትሮን'ዩ ዝብሃል፡ ዋላ ደኣ ዓᎁቕ መጽናዕቲ ኣይገበረሉ፡ ምስ ምንዋሕን ምሕጻርን ዕድመ ደቂ ተባዕትዮ ምትእስሳር ከምዘለዎ'ዩ ዝግለጽ።
ኣብ 2012 ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ሓደ ዝተኸንሸቡ ኮርያውያን ጉጅለ፡ ምስ ተኸንሸቡ ቴስቶስትሮን ስለዘይየማዕብሉ፡ ካብቶም ዘይተኸንሸቡ መዛንኦም ደቂ ተባዕትዮ ካብ 14-19 ዓመት ዝነውሐ ዕድመ ከም ዝነብሩ ኣረጋጊጹ።
ኣብ ገለ እንስሳታት ዝርከብ መርትዖታት'ውን፡ ተባዕቶት ክምከቱ ወይ ክቕጥቐጡ ከለዉ ካብቶም ዘይተመከቱ ወይ ዘይተቐጥቐጡ ዝነውሐ ዕድመ ከምዝነብሩ እውን ዝሕብር ይመስል።
ምስ ዕድመ ኣተሓሒዝና ክንዛረብ እንከለና፡ ሆርሞናት ምናልባት ውሑድ ክፋል ናይቲ ሕንቅልሕንቂሊተይ'ዮም ክፈትሑ ዝኽእሉ፡ እንተዀነ ካልእ ተወሳኺ መርትዖታት'ውን ኣሎ።
ፕሮፌሰር ኮንሶሎ ቦራስ "ብዙሓት ረቛሒታት'ዮም ለዉ፡ ገለ ካብኣቶም ድማ ንፈልጦም ኢና፡ ናይ ብሓቂ ግን ኣዝዩ ዝተሓላለኸ መስርሕ'ዩ ዝመስለኒ" ትብል።።
ፍልቀት ዝህቦ ምልክት
እኹል ርድኢት ንክረኽቡ ገለ ተመራመርቲ ካብ ሰብ ወጻኢ'ውን ምርምራት ክግበር ከምዘለዎ'ዮም ኣሚኖም።
እቲ ምኽንያት ከኣ ኣብ ደቂ ሰብ ጥራይ ዘይዀነ ኣብ ካልእ እንስሳታት'ውን ኣንስትዮ ካብ ተባዕትዮ ዝነወሐ ዕድመ'ዩ ዘለወን።
ኣብ መብዛሕትአን ኣጥበውቲ፡ ኣብ ከም ኣንበሳ፡ በጊዕን ኣንጭዋን እተን ኣንስትዮ'የን ዝነወሐ ዕድመ ዘለወን።
ኣብ ኣዕዋፍ ክንመጽእን እንከለና ከኣ ብኣንጻሩ እቶም ተባዕትዮ'ዮም ዝነወሐ ዕድመ ዘለዎም።
ሓደ ካብቲ ምኽንያት ከኣ ኣብ ጾታን ምስኡ ዝመጽእ ክሮሞዞም'ዩ ዝምርኮስ።
'ሴክስ' ክሮሞዞም፡ ንሓደ ፍጡር ጾታኡ ተባዕታይ ወይ ኣንስታይ ንክኸውን ዝፈልዩ ጽምዲ ክሮሞዞም'ዮም።
ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ኤክስ ኤክስ [XX] ዝብሃል ክሮሞዞም'ዩ ዘሎ፡ ሓንቲ ኤክስ ካብ ኣደ ሓንቲ ኤክስ ካብ ኣቦ ብዝርከብ'የን ጾታአን ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኸውን ኮይኑ።
ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ከኣ ብሓንቲ ኤክስን ብሓደ ዋይ [XY] ክሮሞዞም'ዮም ደቂ ተባዕትዮ ኮይኖም፡ እቲ ኤክስ ካብ ኣደ እቲ ዋይ ከኣ ካብ ኣቦ እዩ።
ጀርመናዊት ተመራማሪት ጆሃና ስተርክ "ኣብ መጥበውቲ ኣንስትዮ ክልተ ኤክስ ክሮሞዞም'ዩ ዘለወን ደቂ ተባዕትዮ ከኣ ሓደ ኤክስ ሓደ ዋይ ክሮሞዞም ኣለዎም" ትብል።
ሓደ መጽናዕቲ ኣብዚ ምርኩስ ብምግባር ኤክስ ኤክስ [ክልተ ክሮሞዞም] ስለዘለወን ዝያዳ ነዊሕ ዕድመ ናይ ምንባር ተኽእሎ ኣለወን "ሓደ ኤክስ ገለ ምስ ዝኸውን ካልእ ተወሳኺ ኤክስ ክሮሞዞም ስለዘለወን ብዘይሓርጎጽጎጽ ክቅጽላ ይኽእላ፡ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ግን ሓደ ኤክስ ክሮሞዞም ጥራይ ስለዘለዎም እዚ ክሮሞዞም ገለ ምስ ዝኸውን [ገለ ምትዕርራይ ምስ ዝገብር] ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ትብል ዶክተር ጆሃና ስተርክ።
ኣብ ኣዕዋፍ ግን ብኣንጻሩ እቶም ተባዕትዮ'ዩ ክልተ ኤክስ ክሮሞዞም ዘለዎም ዚ [Z] ክሮሞዞም ተባሂሉ ይጽዋዕ፡ ኣብ ኣንስትዮ ኣዕዋፍ ከኣ ሓደ ዚ ሓደ ዳብሊው [ZW] ክሮሞዞም'ዩ ዘለወን።
ዶክተር ጆሃና ካብዚ ብምብጋስ "እዚ፡ ንምእታይ ኣብ መጥበውቲ ኣንስትዮ ዝነወሐ ዕድመ ይነብራ ኣብ ኣዕዋፍ ከኣ ተባዕትዮ ዝነወሐ ዕድመ ኣለዎም ከብርሃልና ይኽእል'ዩ" ትብል።
ኣብቲ ዶክተር ጆሃና ኣብ 2025 ዘሕተመቶ ምርምራዊ ጽሑፍ ግን ካልእ ተወሳኺ ነገር ከምዘሎ'ውን ይገልጽ'ዩ።
"እቶም ሞኖጋመስ ዝኾኑ ዓሌታት [ሓደ ተባዕታይ ምስ ሓንቲ ኣንስተይቲ ጥራይ ዝጻመድ] ብዙሕ ጾታዊ ዕብላለ ወይ ፍልለይ ኣየርእዮን'ዮም፡ ኣብ ከም ብዓል ኣንበሳን ጉሬላን ዝኣመሰሌ 'ናን ሞኖጋመስ' [ሓደ ንብዙሓት ኣንስትዮ ሰብኣየን ዝዀነሉ] ግን ዓቢ ጾታዊ ፍልልይ'ዩ ዘሎ" ትብል ዶክተር ጆሃና።
ኣብቶም ናን ሞኖጋመስ ፡ ደቂ ተባዕትዮ ንደቂ ኣንስትዮ ንምስሓብ ድልዱልን ዓቢን ኣካላት ወይ ነዋሕቲ ኣቕርንቲ ንምውናን ነቲ ጸዓት ዝሓትት ዕማማት ቀዳምነት ንምሃብ ዝማዕበሉ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፡ እዚ ድማ ነዊሕ ዕድመ ንኽህልዎም ሓጊዝዎም ክኸውን ይኽእል'ዩ።
ብኻልእ ሸነኽ ድማ ፍልቀት ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈልየ መንገዲ ሒዙ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ሓደ ኣብነት ከኣ ፡ ኣብቶም ደቂ ኣንስትዮ ንደቂ ተባዕትዮ ናይ ምክንኻን ሓላፍነት ዘለወን ዓሌታት ብፍልቐት ዝማዕበለ "ብፍላይ ኣብ ከም ደቂ ሰባት ወይ ኣህባይ ዝኣመሰሉ ኣዝዮም ነዊሕ ዕድመ ዘለዎም ዓሌታት፡ እተን ኣዴታት መታን ንደቀን ክሳብ ዝበስሉ ከዕብያ ነዊሕ ዕድመ ከምዝህለወን ኮይኑ ይኸውን" ዶክተር ጆሃና ስተርክ።
ዝነወሐን ዝበለጸን
እንተዀነ እቲ ኣብ ደቂ ሰባት ደቂ ኣንስትዮ'የን ዝነወሐ ዕድመ ዝነበራ ዝብል ነጥቢ ጽቡቕ ዜና ጥራይ ኣይኮነን ዘለዎ፡ ካልእ ኣሉታዊ'ውን ኣለዎ።
ደቂ ኣንስትዮ ምስ መዛነኦን ደቂ ተባዕትዮ ብምጽጻር ዝነወሐ ዕድመ ክንበራ ይኽእላ'የን እንተኾነ ዝተካየደ መጽናዕቲ ከምዘነጽሮ፡ ምስ መዛነኦን ደቂ ተባዕትዮ ብምጽጻር ዝያዳ ናብ ጥቓ ሞት ዘብጽሕ ቓንዛ ሕቖ፡ ሕማም ርእሲን ጸቕጢ ኣእምሮን ናይ ምጥቓዕ ተኽእሎ ኣለወን።
"ደቂ ኣንስትዮ ዝሓየለ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ክህልወን ይኽእል'ዩ፡ እዚ ግን ጸረ-ነድሪ ሕማማት ከስዕበለን ከኣ ተኽእሎ ኣሎ" ትብል ፕሮፌሰር ሳራ ሃርፐር።
"ብተወሳኺ'ውን ብርግጽ ቁሩብ ዝወሓደ ድልዱል ስርዓተ ጭዋዳታትን ኣዕጽምትን'ዩ ዘለና፡ ስነ ህይወት ንደቂ ተባዕትዮ ንሞት ተቓላዕቲ ይገብሮም እዩ፡ ንደቂ ኣንስትዮ'ውን ብዝተፈለየ መልክዕ ንስንክልና ተቓላዕቲ ይገብረን" ክትብል ከኣ ትድምድም።
ሰለስቲኤን ተመራመርቲ ግን ስነ-ህይወትና ዕጫና ኣቐዲሙ ክውስን ናይ ግድን ከምዘይኮነ ኣጥቢቐን የስምራሉ።
ፕሮፌሰር ኮንሶሎ ቦራስ "ባዮሎጂካዊ ፍልልያት ብኣከባብን ባህርያዊ ነገራትን ኣዝዩ'ዩ ዝጽሎ" ትብል።
ደቂ ኣንስትዮ ይኹና ደቂ ተባዕትዮ ብዛዕባ ከም ኣመጋግባ፡ ምንቅስቓስ ኣካላት፡ ድቃስን ደረጃ ጸቕጥን ዝኣመሰሉ ነገራት ክሓስቡ ከምዘለዎም ብምምዓድ ከኣ "እዚ ነዊሕ ዕድመ ንኽህልወና ወሳኒ'ዩ ብቐንዱ ከኣ ጥዕና ንኽህልወና ይሕግዝ" ኢላ።