እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሌክሳንደር፡ እቲ ኣብ ዋንጫ ዓለም ብቕዓቱ ዘንጸባርቕ ዘሎ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ኮኾብ
እቲ ኣብ ዓይኒ ብዙሓት ኣፍቀርቲ ኵዕሶ እግሪን ኣሰልጠንትን ክለባትን ደሚቝ ዝርአ ኣብ ዓበይቲ መድረኻትን ዓወታትን ባንዴራ መበቈል ሃገሩ ኤርትራ እናንበልበለ ዝልለ፡ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ኣጥቃዓይ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ ኣብቲ ሃገራዊት ጋንታኡ ሽወደን ንቱኒዝያ 5 ብ 1 ብዝዀነ ዓብላሊ ውጽኢት ኣብ ዝሰዓረትሉ ናይ ዋንጫ ዓለም ግጥም፡ ሓንቲ ድምቕቲ ሸቶ ባዕሉ ብምምዝጋብ ንኽልተ ድማ ብምሕጋዝ፡ ዘይትርሳዕ ምሸት ኣሕሊፉ ኣሎ።
እዚ ዘደንቕ ዓለምለኻዊ ዓወቱ፡ ኣብቶም ምስኡ ፍሉይ ናይ ደም ምትእስሳርን ሓባራዊ ታሪኽን ዘለዎም ኤርትራውያን ኣፍቀርቲ ስፖርት ዓቢ ሓበንን ናይ ዓወት ስምዒትን ፈጢሩ ኣምስዩ።
እቲ ዕባይ ስቶክሆልም ናብ ሓደ ካብቶም ብሉጻት ተጻወትቲ ዓለም ክኸውን ዝገበሮ ጕዕዞ እቲ ኣብ ፕረምየርሊግ እንግሊዝ ክብረ-ወሰን ብዝሰበረ ዋጋ ናብ ሊቨርፑል ዝተሰጋገረሉ እውን ኣካሉ እዩ።
መስበርቲ ተሓዊስዎ ናብ ንቡር ብቕዓት ንኽምለስ ክቃለስ እዩ ጸኒሑ። ሎሚ ዓመት ድማ ንፋልማይ ግዜኡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ተሳቲፉ ኣጀማምራኡ ድማ ጽቡቕ ይመስል ኣሎ።
ብዙሓት ኣፍቀርቲ ስፖርት ምስቲ ናይ ኵሉ ግዜ ኮኾብ ኣርሰናል ቴሪ ሄንሪ የመሳስልዎ እዮም። ኵዕሶ ናይ ምሓዝን ምዅብኳብን ክእለቱ፡ ናብ ኵሉ ኣንፈታት ከይተጸገመ ብቐሊሉ ክሓልፍን ከሽክዕን እንከሎ ዝረኣዩ ተንተንቲ፡ ተመሳሳልነቱ ጐሊሑ ከም ዝርአ ይምስክሩ።
ንእስነትን ኤርትራዊ ውርሻን
ኣሌክሳንደር፡ ካብቶም ካብ ዓዶም ተሰዲዶም ኣብ ሽወደን ዝተዓቘቡ ኤርትራውያን ወለዲ፡ ኣብ 1999 ኣብ ስቶክሆልም ተወሊዱ። ወለዱ ኣብ 1980ታት ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ኲናት ናጽነት ናብ ሽወደን ዝተሰደዱ ኰይኖም፡ ንሱ ድማ ከም ሽወደናዊ ዜጋ ዓበየ።
እንተዀነ ወትሩ ምስ ባህሊ ኤርትራ ጥቡቕ ምትእስሳር ኣለዎ።
ኣቦኡ ጠዓመ መምህር ኰይኑ፡ ንኣሌክሳንደር ካብ ስድራኡ ዓቢ ፍቕርን ደገፍን ሂብዎ እዩ።
ስድራኡ ዝነበሮም ክብርታት ጻዕሪ ስራሕ፡ ትሕትናን ጽንዓትን ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ባህሪኡ ኣብ ምግባር ዓቢ ተራ ተጻዊቱ እዩ።
ኣብ ሓደ ብዙሕ ባህልታት ዘለዎ ከባቢ ዓቢይ ከተማ ኣውሮጳ ዝዓበየ ኣሌክሳንደር፡ ብዙሕነት ንዘለዎ ማሕበረሰብ ተቓሊዑ እዩ ዓብዩ።
ወለዱ ነቲ ዘለዎ ተውህቦን ፍቕሪ ኵዕሶ እግሪን ብምድጋፍ፡ ኣገዳስነት ትምህርትን ስነ-ስርዓትን ጸቒጦም ከም ዘዕበይዎ ታሪኹ ይነግር።
እዚ ክብርታት እዚ ድማ ክሳብ ሕጂ ዝልለየሉ መንነቱ ኰይኑ ኣሎ።
ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ናብ ድምቀት ክበጽሕ እንከሎ እውን፡ ብዙሕ ግዜ ባንዴራ ሃገሩ ተጐልቢቡ፡ ብዛዕባ ኤርትራዊ ውርሻኡን መበቈሉን ብዅርዓት እናተዛረበ ዘንጸባርቘ ትሕትና ምስ ሱሩ ዝተኣሳሰረ እዩ።
ምቕልቃል እቲ ኮኾብን ምምስሳል ምስ ዝላታንን
ጕዕዞ ኵዕሶ እግሪ ኣሌክሳንደር ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ሽወደን ኣብ እትጻወት ክለብ ኤኢኬ (AIK) እዩ ጀሚሩ።
ገና ወዲ 16 ዓመት እንከሎ ኣብ ታሪኽ እታ ክለብ ሸቶ ዘመዝገበ ዝነኣሰ ተጻዋታይ ኰይኑ ታሪኽ ሰሪሑ።
ብፍላይ ኣብ መስከረም 2016 ኣንጻር ጁጋርደንን ኣብ ዝተገብረ ጸወታ ደርቢ ስቶክሆልም ክልተ ወሰንቲ ሸቶታት ብምምዝጋብ ጋንታኡ 3ብ0 ክትዕወት ሓጊዙ እዩ።
እዚ ናይ መጀመርታ ዓወት ምስቲ ፍሉጥ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ ሽወደን ዝላታን ኢብራሂሞቪች ንኽነጻጸር ምኽንያት ኰይኑ።
ይዅን እምበር ብባህሪ ይዅን ብቅዲ ጸወታ ዝመዓራረዮ የሎን።
ክልቲኦም ተጻወትቲ ፍሉይ ቴክኒካዊ ክእለትን ቁመትን ዘለዎም እኳ እንተዀኑ፡ ባህርያቶም ግን ኣመና ዝተፈላለየ እዩ።
ኢብራሂሞቪች ማራኽን፡ ሕብእ ምብእ ዘይብሉን፡ ርእሰ-ምትእምማኑ ክብ ዝበለን ክኸውን እንከሎ፡ ኣሌክሳንደር ግን ህዱእ፡ ትሑት፡ ልዙብን ኣብ ስርሑ ጥራይ ዘተኵርን እዩ።
ካብ ማዕከናት ዜና ርሒቑ ክነብር ዝደሊ ልስሉስ ኣዘራርባ ዘዘውትር ኰይኑ፡ ኵዕሶ ብኣዝዩ ዝያዳ ብቕዓት ንኽጻወት ጥራይ እዩ ዝግደስ።
ካብ ዶርትሞንድ ናብ ዊለም - ፈተናታትን ዓቕልን
ኣብ ጥሪ 2017፡ ኣሌክሳንደር ናብ ሪያል ማድሪድ ክጽንበር ምስተቓረበ፡ ምስታ ተውህቦ መንእሰያት ብምምዕባልን ብምጕላሕን እትፍለጥ ጀርመናዊት ክለብ ቦሩሽያ ዶርትሞንድ ብምፍራም ኣብ ሂወቱ ርኡይ ስጕምቲ ጀሚሩ።
እዛ ብውሳነኡ ዝመረጻ ጀርመናዊት ክለብ ቦሩሽያ ዶርትሞንድ ከም ንእሽቶ ተጻዋታይ ክዓብየላ ዝኽእል ጋንታ ኰይና ስለ ዝተራእየቶ እዩ።
ይዅን'ምበር፡ ኣብ ጀርመን ዘሕለፎ ህይወት ኣመና በዳሂ ነይሩ።
ኣብ ዶርትሞንድ ኣብ ዝጸንሓለን ክልተ ዓመታት፡ እታ ክለብ ኣርባዕተ ግዜ ኣሰልጠንቲ ዝቐየረትሉ ጽንኩር እዋን ብምንባሩ፡ ዋላ ሓደ ካብቶም ኣሰልጠንቲ ኣብዚ መንእሰይ እምነት ኣየንበረን።
ሓፋር ስብእናኡ ምስ ኣሰልጠንትን ደቂ ጋንታኡን ንኽወሃሃድን ክረዳዳእን ኣጸጊምዎ ነበረ። እዚ ድማ ውሱን ናይ ጸወታ ግዜን ብስጭትን ኣስዒቡሉ።
ኣብ ዶርትሞንድ ኣሰር ከም በዓል ሳንቾን ኤርሊን ሃላንድን ዝኣመሰሉ ተጻወትቲ ክስዕብ ተስፋ ነይርዎ። ይዅን እምበር፡ ኣብ ጀርመን ዘሕለፎ ህይወት በዳሂ ነበረ።
ዋላ'ኳ ተውህቦ እንተነበሮ ምስ ናብራ እታ ክለብ ክላመድ ተጸጊመ። ዘይከም በሊንግሃም፡ ሳንቾን ሃላንድን ኣብታ ጋንታ ኣይማእምኦን....፤ ሓፋር ስብእናኡ ምስ ኣሰልጠንትን ደቂ ጋንታኡን ንኽወሃሃድን ክረዳዳእን ኣጸጊምዎ ከምዝነበረ ይፍለጥ። እዚ ድማ ውሱን ናይ ጸወታ ግዜን ብስጭትን ኣስዒቡ።
እቲ ኵነታት ዝቐየረ - ነጥበ መቐይሮ - ኣጋጣሚ ግን ሓደ መዓልቲ ምስ ኣሰልጣኒ ተቐያሪት ጋንታ ዶርትሞንድ ያን ሲወርት ዝገበሮ ዕላል እዩ።
እቲ ኣሰልጣኒ፡ ንኣሌክሳንደር ክልተ ዝተፈላለያ ኣሳእል ኣርኣዮ።
እታ ሓንቲ ኣብ ወንበር ተቐየርቲ ኮፍ ኢሉ ዘይሕጕስ ገጹ ዘርኢን፣ ካልእ ድማ ንሃገራዊት ጋንታኡ ሽወደን ሸቶ ምስ ኣመዝገበ ዘርኣዮ ፍሽኽታን ነበረ።
ካብቲ ዝርርብ፡ ኣሌክሳንደር ርእሰ ተኣማንነት ከምዘይብሉን፡ ዓቕሙ ከየውጽእ ዝዓግቶ ዘሎ ባህሪ፡ ዓቕሙ ንምኽፋት ድማ ርእሰ ተኣማንነት ወሳኒ ምዃኑን ሓጊዝዎ።
ኣሌክሳንደር፡ ዝያዳ ተመኵሮ ንምድላብ ርእሰ-ተኣማንነቱ ንምህናጽን ተባሂሉ፡ ናብ ሆላንዳዊት ክለብ ዊለም ብልቓሕ ተሰጋጊሩ።
ኣብታ ጋንታ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ኣብ 16 ጸወታታት 13 ሸቶታት ብምምዝጋብ፡ ልዑል ደረጃ ብቕዓቱ ኣመስከረ።
ድሕሪ እዚ ዕዉት ጻንሒቱ ኣብ ሆላንድ፡ ኣብ 2019 ዘርኣዮ ምምሕያሽ ንምቕጻል ናብ ስጳኛ ክለብ -ሪያል ሶሲዳድ ተሰጋጊሩ።
ምዕንባብ ኣብ ሪያል ሶሲዳድን ዩሮ 2020ን
ናብ ስጳኛ ምግዓዙ ካብቲ ኣብ ጀርመን ዝነበሮ ጸቕጢ ክናገፍን ዓቕሙ ከውጽእን ዝሓገዞ ስጕምቲ እዩ ነይሩ።
ብፍላይ ኣብታ ክለብ ዘሕለፎ ካልኣይ ዓመተ ስፖርት 17 ሸቶታት ብምምዝጋብ ሓደ ካብቶም ብሉጻት ተጻወትቲ እታ ጋንታ ኰይኑ።
ኣብ ፈለማ ለካቲት ኣብ ልዕሊ ሪያል ማድሪድ 4ብ3 ኣብ ዝተዓወቱሉ ግጥም ክልተ ሸቶታት ኣመዝጊቡ ሓንቲ ኣቐቢሉ እዩ።
ኣብ ዩሮ 2020 ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ተሰሊፉ ጽቡቕ ጸወታ ዘርኣየ ኰይኑ፡ ዕድላት ምፍጣርን ንተኸላኸልቲ ሓሊፉ ድሪብል ናይ ምግባርን ዓቕሙ ኣቓልቦ ደገፍትን ተንተንቲን ስሒቡ።
ዋላ እኳ ተውህቦኡ ዘይከሓድ እንተዀነ፡ ቀጻልነት ዝጐድሎ ኣታውን ወጻእን ቍመናኡ ሕቶታት ፈጢሩ ነይሩ እዩ።
ካብ ኒውካስል ናብ ሊቨርፑል - እቲ ክብረወሰን ዝሓዘ ምስግጋር
ኣብ ነሓሰ 2022 ኒውካስል ዩናይትድ ብናይ ክለብ ክብረ-ወሰን መጠን ገንዘብ ኣፈረመቶ።
ኣብ ኒውካስል ዝነበሮ ቀዳማይ ዓመተ ስፖርት ብመጕዳእቲ ዝተፈተነ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ዓመተ ስፖርት 2023-24 ግን ድሕሪ ኣላን ሽረር ኣብ ሓደ ዓመተ ስፖርት 20 ሸቶታት ሊግ ዘመዝገበ ፈላማይ ተጻዋታይ ኒውካስል ኰይኑ ዓቢ ታሪኽ ሰሪሑ እዩ።
ይዅን እምበር፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኣብ ፕረምየርሊግ ክብረወሰን ምስግጋር ብዝሰበረ ዋጋ ናብ ሊቨርፑል ተሰጋጊሩ።
እዚ ስጕምቲ ኣብ ጕዕዞኡ ሓድሽ ምዕራፍ ዝጸሓፈ ኰይኑ፡ ንዕኡ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ብሉጻትን ክቡራትን ኣጥቃዕቲ ምዃኑ ዘመስከረ እዩ።
ኣሰልጣኒኡ ነበር ኤዲ ሆው ንኣሌክሳንደር፡ ብሉጽ ርግኣትን ቴክኒካዊ ክእለትን ዝውንን "ዓለምለኻዊ ደረጃ ዘለዎ በዓል ተውህቦ" ክብል ገሊጽዎ ነይሩ እዩ።
ፈለማ ተሳትፎ ዋንጫ ዓለምን መጻኢን
ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ንፋልማይ ግዜኡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ይሳተፍ ኣሎ። ኣብቲ ዘካይዶ ዘሎ ናይ መጀመርታ ጸወታኡ ድማ፡ ሓንቲ ሸቶ ብምምዝጋብን ክልተ ንሸቶ ዝዀና ኵዓሳሱ ንብጾቱ ብምቕባልን ፍሉይ ድንቂ ብቕዓቱ ኣርእዩ እዩ።
እዚ ፍጻመ፡ ንሱ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ እውን ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ተጻዋታይ ምዃኑ ዘመስከረ ኰይኑ ኣሎ።
ቀንዲ ዕላማ እዚ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ኮኾብ ምስ ሓዳስ ጋንታኡ ሊቨርፑልን ሃገራዊት ጋንታኡን ዓበይቲ ዋንጫታት ምዕታር እዩ።
ካብ ሓፋር መንእሰይ ተጻዋታይ ናብ ዓለምለኻዊ ደረጃ ዘለዎ ኣጥቃዓይ ንምዃን ክመጾ ዝጸንሐ ጕዕዞ፡ ምስክር ጻዕሩ፡ ተውህቦኡን ተወፋይነቱን ኰይኑ፡ ኣብ ክብርታቱ ጸኒዑ ብድሆታት ናይ ምግጣም ዓቕሙ ንብዙሓት ኣብነት ኰይኑ ኣሎ።