ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ክሰግሩ ተጨውዮም ኵሊቶም ከም ዝውሰድ ዝተፈራርሑ 300 ስደተኛታት

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብ ዝሓለፈ ሓጋይ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ንምስጋር ይፍትኑ ዝነበሩ 300 ስደተኛታት ተጨውዮም፡ ስቅያት ከም ዝተፈፀሞምን ክፋላት ሰብነቶም ብኣስገዳድ ተነቒሉ ከም ዝውሰድ ምፍርራሕ ከም ዝበፅሖምን ቢቢሲ መርትዖ ረኺቡ።

እቶም ካብ ዒራቕ ዝመፅኡ ኩርዳውያን መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣብ ሊብያ ብዕጡቕ ጉጅለ ዝተትሓዙ ኰይኖም፡ ስድራ ግዳያት ንዓገትቶም ብቝልጡፍ 5,000 ዳላር በጃ ንክኸፍሉ እንተ ዘይኰይኑ ግና ናይቶም ዝዓገትዎም ስደተኛታት ኵሊት ኣውፂኦም ከም ዝወስድዎ ተፈራሪሖም።

ንገለ ካብቶም ጅሆ ተታሒዞም ድሒሮም ዝተለቐቑ ግዳያት ኣዘራሪብና፡ ናይ ኣስገዳድ መጥባሕቲታት ከም ዝተኻየዱ ዘመልክቱ ኣሳእል'ውን ተዓዚብና።

እቶም ቅድሚ ሕዚ በቲ ዕጡቕ ጉጅለ ተዓጊቶም ዝነበሩ ግዳያት፡ ስቅያት ከም ዝተፈፀሞም ዘርኢ መርትዖ ዘርኣዩና ክዀኑ ከለዉ፡ ምስ ኣስታት 180 ሰባት ኣብ ሓደ ፀቢብ ክፍሊ ተጨናኒቖም ተቖሊፎም ከም ዝነበሩ ገሊፆም።

ብውሑዱ ሓደ ግዳይ ከም ዝሞተ ዝተረጋገፀ ክኸውን ከሎ፡ ኣብዚ እዋን ክንደይ ግዳያት ኣብ ኢድ እቶም ዝጨወዮም ዕጡቕ ጉጅለ ከም ዘለዉ ኣይተፈለጠን።

እቲ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ነቶም ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ክመርሖም ትፅቢት'ኳ እንተ ነበረ፡ ደሓር ግና ኣብ መንጎ እቶም ጨወይትን ነዚ ጉዕዞ ስደተኛታት ዘዋደደ ኖህ ኣሮን ዝበሃል ኩርዳዊ ኣሰጋጋሪን ክፍሊት ብዝምልከት ዘይምስምማዕ ተፈጢሩ።

ኣሮን ብገበናት ሕፅቦ ገንዘብን (ዘይሕጋዊ ገንዘብ ሕጋዊ ብምምሳል) ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ደቂሰባትን ንማእሰርቲ 10 ዓመት ተፈሪዱ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ፈረንሳ ተኣሲሩ ይርከብ።

ቢቢሲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዛዕባ እቲ ካርዶ ጃፍ ዝተባህለ ካልእ ኣስጋሪ ደቂሰባት ምርመራ እናኣካየደ እዩ፡ ሃንደበት ብዛዕባ ናይዞም 300 ስደተኛታት መጭወይቲ ተገንዚቡ። ንምርመራ ቢቢሲ ስዒቡ፡ ካርዶ ጃፍ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ከም ዝተኣሰረ ይፍለጥ።

ክልቲኦም ኣሰጋገርቲ ብሓደ ይሰርሑ ከም ዝነበሩ'ዩ ዝእመን። ከም ፀብፃብ ትካል መፅናዕቲ ፖሊሲ ዓባይ ብሪጣንያ ቻንታም ሃውስ፡ ካርዶ ጃፍን ኣሮን ኖህን ካብታ ጉጅለታት ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂሰባት ዝንቀሳቐሱላ ዒራቓዊት ክልል ኩርዲስታን ራንያ ካብ ትበሃል ከተማ ዝመፅኡ እዮም።

ኣብ ለካቲት ጉጅለ ምርመራ ቢቢሲ ብዛዕባ ጃፍ ኣብ ራንያ ምርመራ ኣብ ዘካይደሉ እዋን፡ ሓደ ኣብታ ከተማ ዝነብር ወላዲ፡ ወዱ ካብቶም ጅሆ ዝተትሓዙ ከም ዝነበረ ገሊፁ።

እቲ ምስ ኣሮን ዝሰርሕ ኣሰጋጋሪ ጉጅለ ነቶም ስደተኛታት ብሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃን ሜዲትራንያን ባሕሪን ኣቢሉ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ንኸሰጋግሮም ስድርኡ ኣሽሓት ዶላራት ክኸፍሉ ከም ዝገበረ ኣቦ እዚ ግዳይ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣማኻሪ ዝኾነን ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰባት ዘፅነዐን ኣንቶኒ ዳንከርሊ፡ እቲ ጉዕዞ በታ ሃጓፍ ቍፅፅር ማእከላይ መንግስቲ ዘለዋ ሊብያ ኣቢሉ ከም ዝሓልፍ ይገልፅ።

ዝበዝሕ ክፋል ሊቢያ ኣብ ትሕቲ ቍፅፅር ተነሓናሕቲ ዕጡቓት ጉጅለታት ኰይኑ፡ ጉጅለታት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰባት ድማ ምስዞም ዕጡቓት ብምትሕብባር'ዮም ዝሰርሑ።

ኣብ ሓጋይ 2025፡ ካብ ኩርዲስታን ዒራቕ ናብ ሊቢያ ብነፋሪት ብተኸታታሊ ዝመፅኡ ጉጅለታት ስደተኛታት፡ ብዕጡቓት ናብ ዝሕለው ቀፅሪ ተወሲዶም ከም እሱራት ከም ዝተትሓዙ ፈሊጥና።

ካብኡ እቶም ዕጡቓት ኣሮን ኣቐዲሞም ንዝተሰማምዕዎ ክፍሊት ክኸፍል ከም ዘይከኣለ ብምግላፅ፡ ንሕድሕድ ጅሆ ዝተትሓዘ ስደተኛ 5,000 ዳላር በጃ ክወሃቦም ሓቲቶም። እቲ ዝሓተትዎ ገንዘብ ብቝልጡፍ እንተ ዘይተኸፊልዎም ድማ እቲ ክፍሊት "ብዅሊት" ከም ዝፍፀም ስድራ ግዳያት መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም።

እቶም ሊብያውያን'ውን ጅሆ ዝተትሓዙ ግዳያት ኣብ ዘጨንቕ ወይ ዘስካሕክሕ ኩነታት ኰይኖም ዘርእዩ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ልኢኾም። ኣብ ሓደ ቪድዮ፡ ሓደ መንእሰይ ኵሊቱ ንምንቃል ናብ ዶክተር ከም ዝውሰድ ክንገሮ የርኢ።

እቲ ኣብ ራንያ ዝረኸበና ተቐማጢ ናይቲ ከባቢ ሰብኣይ፡ በቶም ጨወይቲ ዝተሓተቶ በጃ ከም ዝኸፈለ ይገልፅ። ወዱ ካብቶም ብመንግስቲ ዒራቕ ብዝተዋደደ በራራ ኣብ ጥሪ ናብ ዓዶም ዝተመለሱ 110 ጅሆታት እዩ። እንተኾነ፡ ወዱ ጅሆ ተታሒዙ እንከሎ ዝሰደዶን ኣካላት ሰብነቱ ንምእላይ ምስ ዝግበር ፈተነ ዝዛመድ ክኸውን ይኽእል'ዩ ኢሎም ዝፈርሕሉን ሓድሽ በሰላ ዘርኢ ስእሊ ኣርእዩ።

ነዚ ምስ ኣዘራረብና ኣብ ሓፂር ግዜ ካልኦት ብዙሓት ሰባት መፂኦም ተመሳሳሊ ኣሳእል ካብ ሞባይሎም ኣርእዮምና።

ካብ ሓደ እዞም ኣሳእል ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንዝርከብ ኣማኻሪ ኣርኢናዮ።እዞም በሰላታት ምስቲ ኣብ እዋን መጥባሕቲ ኵሊት ዝካየድ መጥባሕቲ ከም ዝመሳሰል ገሊፁልና። እንተኾነ፡ እቲ ኵሊት ተነቒሉ ከም ዝወፅአ ክነረጋግፅ ኣይከኣልናን።

ብመስመራት ሊብያ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ስደተኛታት፡ በጃ ንምርካብ ስደተኛታት ከም ዝጭወዩ ብሰፊሑ ተፀብፂቡ እዩ።

ጉጅለታት ገበን ድኹም ቍፅፅር መንግስቲ ዘለዎም ገለ ከባቢታት ናብ ጥቕሞም ስለ ዝምዝምዝዎ፡ ፖሊስ ምርመራታት ገበን ከየካይድን ገበነኛታት ኣብ ቤት-ፍርዲ ከይቐፅዕን በዳሂ ከም ዝገበሮ፡ ኣማኻሪ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ዳንከርሊ ይገልፅ።

ሕዚ ዝበዝሑ ካብቶም ጅሆ ዝተትሓዙ ተፈቲሖም እዮም። ገለ ስድራ ግዳያት ነቲ በቶም ጨወይቲ ዝተሓተትዎ በጃ ቀልጢፎም'ዮም ከፊሎም፤ ኩርዳውያን ሰብመዚ ግና፡ ገለ ግዳያት እቲ ክፍሊት ኣብ ክንዲ ብገንዘብ ብውሽጣዊ ኣካላት ሰብነቶም ከፊሎም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይጥርጥሩ።

ቢቢሲ ንገለ ካብቶም ናብ ከተማ ራንያ ዝተመለሱ ግዳያት ኣዘራሪቡ።

ሓደ መንእሰይ እግሩ ብምቅፃል ከም ዘሳቐይዎ ገሊፁ። ስርኡ ብምቕላዕ ነቲ በሰላ ኣርእዩና።

ካልእ ወዲ 16 ዓመት ድማ ካብቶም ኣብ ሓደ ፀቢብ ክፍሊ ተኣሲሮም ዝነበሩ 178 ሰባት ከም ዝኾነ ብምሕባር፡ "ንሽድሽተ ኣዋርሕ ፀሓይ ኣይረኣናን" ኢሉ።

እቲ ክፍሊ ኣዝዩ ዝተጨናነቐ ስለ ዝኾነ ኩሎም ግዳያት ኮፍ ኢሎም ከም ዝድቅሱ ይገልፅ። ኩሎም እሱራት ሓደ ሽቓቕ እዮም ዝጥቀሙ፤ ዝደንጐዩ ድማ በቶም ዕጡቓት ይውቅዑ።

ስድራ ግዳያት ንቢቢሲ ከም ዝሓበርዎ፡ ግዳያት ኣብ መዓልቲ ሓንቲ ባኒ እያ ትወሃቦም። እዚ'ውን ስድራ ግዳያት ነቶም ዓገትቲ ተወሳኺ ገንዘብ እንተ ከፊሎም።

ላዕለዋይ ብዓልመዚ ምኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኩርዲስታን ሄመን ሜራኒ ከም ዝብሎ፡ እዚ ጉዕዞ ሓደገኛ'ኳ እንተኾነ፡ ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ካብ ኩርዲስታን-ዒራቕ ናብ ኤውሮጳ ኣየቋረፀን።

እቶም ዝተመለሱ ጅሆታት ንመሓዝቶምን ኣዝማዶምን ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞም ዘስካሕክሕ ኣጋጣሚ ክነግሩ ድማ ይፅውዕ። እዚ፡ ካልኦት ብተመሳሰሊ መንገዲ ንሓደጋ ከይቃልዑ ከም ዝገብር ይገልፅ።

ንሱ ግና ታሪኽ እቲ ኣብ ሊብያ ብኣስገዳድ ኣካላት ሰብነቱ ድሕሪ ምእላዩ ከም ዝሞተ ዝጥርጠር ወዱ ዝሞቶ ኣቦ ይዛረብ። ኣብቲ ኣብ ራንያ ዝተኻየደ ስርዓተ ቀብሪ፡ እቲ ሰብኣይ (ወዱ ዝሞቶ) ክልተ ደቂ ሓው-ኣቡኡ ኣብ ቀረባ ናብ ኤውሮጳ ከም ዝተበገሱ ተገንዚቡ።

ሜራኒ፡ "ናይዚ ኩነታት እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን፡ ኣይንመሃርን ኢና" ይብል።