ብሪጣንያ፡ ናይ ምስጓጕ መጠንቀቕታ ዝነበሮ ኤርትራዊ ብጾታዊ ዓመጽ 13 ዓመት ተፈሪዱ

ረድኤት መለስ
Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

መጠንቀቕታ፤ እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ጾታዊ ዓመጽን መጥቃዕትን ዝገልጽ ትሕዝቶ ኣለዎ።

ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ብጾታዊ ገበን ተኣሲሩ ምስ ወድአ ካብ ብሪጣንያ ከም ዝስጐግ ተነጊርዎ ዝነበረ ወዲ 35 ዓመት ኤርትራዊ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ጾታዊ ዓመጽ ብምፍጻሙ ናይ 13 ዓመት ተወሳኺ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ተበዪንዎ።

ረድኤት መለስ ዝተባህለ እዚ ውልቀሰብ፡ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ኣብ ከተማ ኒውፖርት ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ሰበይቲ ብዘብጽሖ መጥቃዕቲ፡ ብገበን ጾታዊ ዓመጽን ማህረምትን ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ።

ረድኤት ቅድሚ ሕጂ'ውን ብፈተነ ጾታዊ ዓመጽ ተኣሲሩ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብቲ እዋን'ቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ ንእለቱ ካብ ሃገር ከም ዝስጐግ ተገሊጽሉ ነይሩ። ይዅን'ምበር፡ ድሕሪ ምፍታሑ'ውን ካብ ብሪጣንያ ከይወጽአ ክጸንሕ ክኢሉ እዩ።

ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ብዛዕባ ውልቃዊ ጉዳያት መብርሂ ካብ ምሃብ እኳ እንተ ተቘጠበ፡ ገበነኛታት ኰይኖም ዝተረኽቡ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ግን "ኣብ ዝቐልጠፈ ኣጋጣሚ ንኽስጐጉ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ከም ዝቐርቡን" ዳግማይ ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ንሓዋሩ ከም ዝእገዱን ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ቤት ፍርዲ ካርዲፍ ክራውን ኣብ ዝሰምዖ መጋባእያ፡ ረድኤት ኣብ 2015 ካብ ካሌ ናብ ዶቨር ኣብ ዝተጓዕዘት ናይ ጽዕነት ማኪና ተሓቢኡ ናብ ብሪጣንያ ድሕሪ ምእታዉ፡ ሕቶ ዕቝባ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ኣብ 2019 ድማ ኣብ ሓደ ኣብ ገዛ ዝተገብረ ድግስ ውኖኣ ኣብ ዘጥፍአት ጓል ኣንስተይቲ መጥቃዕቲ ብምፍጻሙ፡ ብፈተነ ጾታዊ ዓመጽ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድዎ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ዳኛ ክሪስቶፈር ቮስፐር፡ ረድኤት ካብ ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ "ናብ ማእከል መዳጐኒ ስደተኛታት ክኣቱ ከም ዝኽእልን ብውሳነ ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ድማ ናይ ምስጓጕ ትእዛዝ ክወጽኦ ከም ዝኽእልን፡" ኣጠንቂቑዎ ነይሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እንተዀነ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምውጽኡ ዝዀነ ዓይነት ክትትል ስለ ዘይተገብረሉ፡ ዳግማይ ኣብ ልዕሊ ካልእ ጓል ኣንስተይቲ ተመሳሳሊ በደል ፈጺሙ።

ረድኤት ኣብ ሓደ ፋብሪካ ይሰርሕ ከም ዝነበረን ካብ ስርሑ ዝረኽቦ ዝነበረ መሃያ ድማ ኣብ ኣልኮላዊ መስተን ኣብ ኒውፖርት ንዝርከባ ሰራሕተኛታት ጾታዊ ንግዲ ብምብጻሕን የጥፍኦ ከም ዝነበረ ኣብ ቤት ፍርዲ ተሰሚዑ።

ብ15 መጋቢት 2026፡ ረድኤት ምስታ ግዳይ ድሕሪ ምዝርራቡ፡ ኣብ ሓደ ዕጹው ጋራጅ ጾታዊ ርክብ ንኽፍጽሙ ብዋጋ ተሰማምዑ።

እንተዀነ፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ጾታዊ ግልጋሎት ምስ ሃበቶ፡ "ነዊሕን ገዚፍን" ተባሂሉ ዝተገልጸ ረድኤት፡ ብሓይሊ ዓፊኑ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙላ።

እታ ሰበይቲ ደፊኣ ኣልጊሳቶ ገጻ ምስ መለሰትሉ ድማ ብጽፍዒት ኣላሂሙዋ፤ ንሳ ድማ ሓገዝ ንምርካብ እናጨደረት ሃዲማ ኣምሊጣ።

ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ዝወሰደ መጋባእያ፡ ብዓርቢ መዓልቲ ብገበን ጾታዊ ዓመጽን ብማህረምቲ ዘብጽሖ መጥቃዕትን ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ።

እቲ ዳኛ፡ ሪኮርደር ኣንድሩ ሃሞንድ፡ እዚ ሕጂ ዝተፈጸመ ገበን ምስቲ ረድኤት ቅድሚ ሕጂ ዝተፈርደሉ ፈተነ ጾታዊ ዓመጽ ምምስሳል ከም ዘለዎ ኣስሚርሉ።

እቲ ዳኛ ኣብ ብያነኡ፡ "ኣብ ክልተኡ ኣጋጣሚታት፡ ነቲ ናይተን ግዳያት ድኹም ኵነታት ብምምዝማዝ ናይ ገዛእ ርእስኻ ጾታዊ ድሌት ንምርዋይ ተጠቒምካሉ። እዚ ድማ ነቲ እተን ደቀንስትዮ ኣብ ልዕሊ ኣካላተን ዘለወን ናይ ምምራጽን ምቍጽጻርን መሰል ምሉእ ብምሉእ ዘነኣአሰ ተግባር እዩ፡" ኢሉዎ።

ቀጺሉ፡ "ኣብ ተቓላዒ ኵነታት ኰይና ምስኻ በይና ንዝጸንሐት ጓል ኣንስተይቲ፡ ሓደገኛን ኵሉሳዕን ሓደጋ ምዃንካ ርግጸኛ እየ፡" ክብል ገሊጽሉ።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ልዕሊ ረድኤት ናይ ትሽዓተ ዓመት ማእሰርትን ተወሳኺ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ናይ ክትትል እዋንን (ብድምሩ 13 ዓመት) ተበዪንዎ። እቲ ዳኛ፡ ድሕሪ እዚ ማእሰርቲ ካብታ ሃገር ክስጐጕ ድዩ ግን "ዝዀነ ርእይቶ ክህብ ከም ዘይክእል" ወሲኹ ሓቢሩ።

ሕጊ ብሪጣንያን ምስጓጕ ወጻእተኛታት ገበነኛታትን

ሕጊ ዓባይ ብሪጣንያ፡ 12 ኣዋርሕ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ንዝተበየነሉ ዝዀነ ዜጋ ካልእ ሃገር ብቐጥታ ካብ ሃገር ናይ ምስጓጕ ስርዓት ዝኽተል ኰይኑ፡ ካብኡ ንዝነኣሱ ገበናት ድማ ብውሳነ ምኒስተራት ክፍጸም ይኽእል እዩ።

ተኸሰስቲ ብመሰረት ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ይግባይ ናይ ምባል መሰል እኳ እንተ ሃለዎም፡ መንግስቲ ግን እቶም "ከቢድ ገበን ዝፈጸሙ ወይ ንማሕበረሰብ ስግኣት ዝዀኑ" ሰባት እዚ ዕድል ከም ዝኽልከሉ ይሕብር።

ሓደ ዜጋ ካልእ ሃገር ፍርዲ ማእሰርቲ ምስ ዝውሰነሉ፡ ምምሕዳር ኣብያተ ማእሰርቲ ነቲ ጉዳይ ምስጓጕ ዘድልዮ እንተ ኰይኑ ንኽውሰነሉ ናብ ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት የመሓላልፎ። ይዅን'ምበር፡ ረድኤት ካብቲ ቀዳማይ ማእሰርቱ ኣብ ዝተፈትሓሉ እዋን እዚ መስርሕ እዚ ተጀሚሩ ነይሩ ድዩ ኣይነበረን ዝተፈልጠ ነገር የሎን።

ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣብ ውልቃዊ ጉዳያት ርእይቶ ካብ ምሃብ እኳ እንተ ተቘጠበ፡ ሓደ ወሃቢ-ቓል ግን፡ "ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ዝተበየነሉ ዝዀነ ዜጋ ካልእ ሃገር፡ ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ንኽስጐግ ይቐርብ እዩ፤ ዳግማይ ናብዛ ሃገር ንኸይኣቱ ድማ ንሓዋሩ ይእገድ፡" ኢሉ።

ቀጺሉ፡ "ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ዝዀኑ ገበነኛታት ናይ ምስጓጕ መጠን ኣብዚ ዝሓለፈ ኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ናብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ ኣሎ፤ ድሕሪ ምርጫ ድማ ኣስታት 12,000 ገበነኛታት ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ካብ ብሪጣንያ ተሰጕጎም እዮም፡" ኢሉ።

እዚ ንረድኤት ናይ ምስጓጕ ተኽእሎ፡ ኣብ መንጎ መንግስታት ብሪጣንያን ኤርትራን ብዛዕባ ምምላስ ገበነኛታት ተፈጢሩ ብዘሎ ምስሕሓብ ዝያዳ ዝተሓላለኸ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ሻባና ማሕሙድ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብንኣሽቱ ጀላቡ ዝኣተዉ ስደተኛታትን ገበነኛታት ዜጋታቱን እንተ ዘይተቐቢሉ፡ ንዅሎም ኤርትራውያን ካብ ምእታው ክትከልክል ምዃና ኣጠንቂቓ ነይራ።

ምኒስተራት ብሪጣንያ ቅድሚ ሕጂ'ውን ናይ ቪዛ እገዳታት ብምፍርራሕ፡ ካልኦት ሃገራት ዜጋታተን ክቕበላ ጸቕጢ ገይሮም ነይሮም እዮም።

ኤርትራ ብወገና ነዚ ናይ ብሪጣንያ ስጕምቲ "ደጋዊ ፖለቲካዊ ሸፈጥ" ብምባል ግብረ-መልሲ ምሃባ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብሪጣንያ ማእሰርቶም ገና ዘይወድኡ ገበነኛታት ተፋኑ ምህላዋ ዘይምግላጻን እቲ መስርሕ ብግህዶ ብግዴታ እናተኻየደ ከሎ "ብፍታው ዝተገብረ" ብምባል ምጥቃሳን ከሲሳ።

ብመሰረት ጸብጻብ ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ክሳዕ ሰነ 2026 ኣብ ዝነበረ ናይ 12 ኣዋርሕ እዋን፡ ካብ ብሪጣንያ ብቐጥታ ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ ሸውዓተ ሰባት ጥራይ እዮም ነይሮም። ካልኦት 244 ኤርትራውያን ድማ ናብ ካልኦት ሃገራት ተሰጕጎም።