ኣሰቃቒ ተኸታታሊ ቅትለት ሽረ እንዳስላሰ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወጽአ ገበነኛ ከመይ ተታሕዘ?

መተሓሳሳቢ፤ እዚ ዜናዊ ጸብጻብ፡ ኣሰካፊ መግለጺታትን ትሕዝቶን ስለ ዘለዎ ዝርብሸኩም እንተዀይኑ ስገርዎ።
ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ፡ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ፡ ብተኸታታሊን ኣሰቃቕን ቅትለት ደቀንስትዮ ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ውልቀሰብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ብቕትለት ነፍሲ ተፈሪዱ ካብ ዝተኣስረሉ ቤት ማእሰርቲ ኣብ መስከረም 2019 ምስ ወጽአ ተመሳሳሊ ተኸታታሊ ገበናት ክፍጽም ከም ዝጸንሐ ፖሊስ ንቢቢሲ ትግርኛ ኣረጋጊጹ።
ኣብዚ ቅንያት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ገለ ማዕከናት ዜናን ኣዛራቢ ኰይኑ ዝቐነየ ፍጻመ፡ ሓደ ውልቀሰብ ብጠቕላላ ሸውዓተ ደቀንስትዮ ብጭካነ ቀቲሉ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝፈጸመለንን ደቀንስትዮ፡ ፖሊስ፡ ደያኑ፡ ጋዜጠኛታትን ተጋደልትን ንምጥቃዕ መደብ ሒዙ ከም ዝተረኽበን ዝገልጹ ጸብጻባት ክዝርግሑ ጸኒሖም እዮም።
ሓላፊ ምጽራይ ገበን ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ምክትል ኢንስፔክተር ኣብርሃ ኣርኣያ ንቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሃቦ ዝርዝር መብርሂ ግን፡ ኣብቲ መስርሕ ምርመራ ዛጊት ዝተረጋገጹ ሓቅታት፡ ብዝሒ ግዳያት፡ ኣገባብ ኣፈጻጽማ እቲ ገበንን ትሕዝቶ ናይቲ ኣብ ኢድ እቲ ተጠርጣሪ ዝተረኽበ መዝገብን ብንጹር ኣብሪሆም ኣለዉ።
ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ፡ እቲ ተጠርጣሪ ተስፋይ ገብረዮሃንስ ወልደገብርኤል ዝተባህለ ኰይኑ፡ ኣብ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ጣብያ ውርደት ተወሊዱ ዝዓበየ እዩ።
ኣቐዲሙ ሓረስታይ ኰይኑ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ከተማ ሽረ መጺኡ ኣብ መዓልታዊ ሽቕለት ምጽዓንን ምርጋፍን ተዋፊሩ ይሰርሕ ነይሩ።
ምክትል ኢንስፔክተር ኣብርሃ ከም ዝገለጾ፡ እዚ ውልቀሰብ ኣብ 2015 "ቡናን ሽኮርን ብርካሽ ኣሎ" ብዝብል ኣታሊሉ ንሓንቲ ሰበይቲ ናብ ጽምው ቦታ ብምውሳድ ብዝፈጸሞ ገበን ቅትለት ነፍሲ፡ ብማእከላይ ቤት ፍርዲ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ናይ 22 ዓመት ጽኑዕ ማእሰርቲ ተፈሪዱ ኣብ ቤት ህንጸት ጸኒሑ እዩ።
ይዅን እምበር፡ ካብቲ ዝተፈረዶ ፍርዲ ሰለስተ ዓመት ጥራይ ድሕሪ ምሕላፉ፡ ኣብ መስከረም 2019 ኣብ ትግራይ ዝተፈጥረ ዳግማይ ኵነታት ኲናት ስዒቡ ኣብ መቐለን ሽረን ዝነበሩ እሱራት ካብ ኣብያተ ህንጸት ምስ ተፈትሑ፡ ንሱ እውን ሓደ ካብቶም ዝተለቐቑ እሱራት ኰይኑ ናብ ሕብረተሰብ ከም ዝተሓወሰ መርማሪ ፖሊስ ሓቢሩ።
ክፍጽሞ ዝጸንሐ ገበናት እንታይ እዩ?
መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል
ምክትል ኢንስፔክተር ኣብርሃ ኣርኣያ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ተጠርጣሪ ካብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምውጻኡ ኣብ ኣዋርሕ ጥቅምትን ሕዳርን 2019 ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ ብጭካነ ከም ዝቐተለን ሓንቲ ጓል ትሽዓተ ዓመት ህጻን ድማ ከም ዝሰወረን ንፖሊስ ቃል እምነት ሂቡ ኣሎ።
ነታ ኣብ 2015 ዝተፈረዳ ቅትለት ሓዊስካ፡ ዛጊት ዝተፈልጡ ቍጽሪ ግዳያት ሽዱሽተ ቅትለትን ሓደ ምስዋር ህጻንን - ብጠቕላላ ሸውዓተ - ምዃኖም እቲ መርማሪ ገበን ኣነጺሩ።
ብመሰረት ፖሊስ ዘቕረቦ ቅደም-ሰዓብ ናይቶም ኣብ 2019 ዝተፈጸሙ ገበናት፡ ፈለማ ብ5 ጥቅምቲ ንጓል ትሽዓተ ዓመት ህጻን ካብ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ፡ ጣብያ ሰላም፡ ቍሸት ማይ ድሙ ካብ መንበሪ ገዛኣ ጸዊዑ ድሕሪ ምውሳዱ፡ ንወላዲታ "ጓልኪ ንምውሳድ 40,000 ብር ሒዝኪ ንዒ፡" ኢሉ ኣብ ከተማ ሽረ ከባቢ ዝባን ቤተ ክርስትያን እንዳስላሰ ቈጺርዋ።
ንሳ እቲ ገንዘብ ሒዛ ምስ መጽአት ግን፡ "ከይትፈልጠኒ" ብዝብል ነታ ኣደ ቀቲሉ ነቲ ገንዘብ ከም ዝወሰዶ ፖሊስ ገሊጹ።
ሃለዋት እታ ህጻን ክሳዕ ሕጂ ዘይተፈልጠ ኰይኑ፡ እቲ ጥርጡር ንመርመርቲ ንሓደ ተሓባባሪ ከም ዘረከባ እኳ እንተ ገለጸ፡ ፖሊስ ኣብ እዋን መርመራ ዝተኣከበ መርትዖ ድሕሪ ሕጂ ብህይወት ከይትህሉ ከም እትኽእል ስግኣት ከም ዝፈጠረሎም ይገልጽ። ነታ ህጻን ንምድላይን ነቲ ተሓባባሪ ዝበሃል ዘሎ ንምድላይን ዝግበር ጻዕሪ ይቕጽል ኣሎ።
መርመርቲ እውን፡ እቲ ጥርጡር ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብ ሽረ ካልኦት ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ዝተቐትላ ተሓታቲ ምዃኑ ሓቢሩ'ሎ።
ሓያሎ ካብተን ግዳያት ቅድሚ ምቕታለን ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝበጽሐን ፖሊስ ይገልጽ። እቲ ጥርጡር ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ንገለ ካብተን ደቂ ኣንስትዮ ንምስሓብ ናይ ሓሶት መብጽዓታት ተጠቒሙ ተለፎንን ክወስድ ከም ዝኸኣለን መርመርቲ ይኸሱ።
ሬሳ ናይ ሓንቲ ግዳይ ዝተረኽበ፡ እቲ ጥርጡር ድሕሪ ምእሳሩ ንመርመርቲ ናብቲ ቦታ ኣምሪሑ ድሕሪ ምውሳዶም ከም ዝተረኽበ ፖሊስ ገሊጹ።
ምክትል ኢንስፔክተር ኣብርሃ፡ መርመርቲ መርትዖታት ምእካብን ምስቲ ጉዳይ ዝተኣሳሰሩ ተወሳኺ ግዳያት ወይ ጥርጡራት እንተ ሃልዮም ንምርግጋጽን ይቕጽሉ ከም ዘለዉ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቲ ቅትለት ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ማሕበረሰባት ዘሰንበደ ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝፍጸም ዓመጽን በደልን ኣሰንቢድዎ ከም ዘሎ ይፍለጥ።
እቲ ጥርጡር መርመራ ክሳብ ዝቕጽል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይርከብ። ዝዀነ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐርብ ክሲ ብሕጋዊ መስርሕ ዝውሰን ኰይኑ፡ እቲ ክስታት ዛጊት ኣብ ቤት ፍርዲ ኣይቐረበን።
ስለምንታይ ግን እዚ ኵሉ ገበናት?
ኵለን እተን ኣብ ከተማ ሽረ ዝተቐተላ ኣርባዕተ ደቀንስትዮ ብስራሕ ሻሂን ቡንን ዝመሓደራ ምንባረን ዘረጋገጸ ፖሊስ፡ እቲ ተጠርጣሪ ምስ ግዳያቱ "ዝዀነ ቂም-በቀል ወይ ናይ ቀደም ኣፍልጦ ከም ዘይነበሮ፡" ገሊጹ።
እንተዀነ፡ ናብቲ እንዳ ሻሂን ቡንን ንኽልተ ወይ ሰለስተ መዓልቲ እናተመላለሰ ድሕሪ ምልላይን ቍጽሪ ስልኪ ምልውዋጥን፡ "ቡናን ሽኮርን ብርካሽ ከምጽኣልክን እየ ብዝብል፡" የታልለን ከም ዝነበረ ተሓቢሩ።
ብመሰረት መግለጺ ምክትል ኢንስፔክተር ኣብርሃ፡ እቲ ተጠርጣሪ ንግዳያቱ ናብ ጽምው ቦታ ክወጽኣሉ እንተ ክኢለን ይወስደን፣ እንተ ዘይኰይኑ ድማ ዓማዊል ኣብ ዘይመጽእሉ ሰዓታት ንግሆ ወይ ቀትሪ ናብ ስራሕ ቦታአን ብምኻድ እቲ ገበን ይፍጽም ነይሩ።
ኣብ መርመራ ፖሊስ ብዛዕባ መበገሲ እቲ ገበን ምስ ተሓተተ ድማ፡ ገንዘብን ሞባይላትን ብምሻጥ ዝርከብ ረብሓ ከም ዝመቀሮን፡ "ብኽብረይ ሓቲተ ጾታዊ ርክብ ክረክብ ስለ ዘይከኣልኩ" ብምባል ድማ "ድሌቱ ንምርካዕ ከም ዝፈጸሞን ቃል እምነት ከም ዝሃበን፡" ፖሊስ ሓቢሩ።
ኣብ መወዳእታ ደኣ ብኸመይ ተታሕዘ?
እቲ ተጠርጣሪ ንመስርሕ ምጽራይ ፖሊስ ንምዝባዕ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጽእ እንከሎ ሒዝዎም ዝወጽአ "መታወቅያታት ካልኦት እሱራት ኣብቲ ገበን ዝፈጸመሉ ቦታ እናደርበየ ይኸይድ ከም ዝነበረ፡" ፖሊስ ኣረጋጊጹ።
ይዅን እምበር፡ ብ7 ሕዳር ንዝተቐትለት ናብ ሞባይላ ክድውለላ እንከሎ ሓንቲ መሓዛኣ ምስኣ ስለ ዝነበረትን ካልእ መሳርሕታ ድማ ቅድሚኡ ናብቲ እንዳ ሻሂ ክመላለስ ትርእዮ ስለ ዝነበረትን፡ ብሽም 'ተስፋይ' ዝተመዝገበ ቍጽሪ ስልኩ ንፖሊስ ቀንዲ ኣሰር ክትከውን ክኢላ እያ።
ፖሊስ ብ8 ሕዳር ካልእ ተመሳሳሊ ቅትለት ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ስእሊ እቲ ተጠርጣሪ ንቤተሰብ ግዳያትን ሕብረተሰብን ብምዝርጋሕ ብዝተኻየደ ክትትል፡ ብ9 ሕዳር 2019 ብጥቆማ ሕብረተሰብ ኣብ ቀይዲ ከውዕሎ ክኢሉ።
ኣብ ዝተታሕዘሉ እዋን ድማ ገበን ዝፈጸመሉ ደም ዝተጸየቐ ፋስን መዘከርታ መዝገብን ሒዙ ከም ዝተረኽበ ምክትል ኢንስፔክተር ኣብርሃ ገሊጹ።
ኣብዚ ቅንያት ዝዘርግሑ ዝነበሩ ገለ ጸብጻባት፡ ኣብ ኢድ እቲ ተጠርጣሪ ዝተረኽቡ ሰነዳት ንተጋደልቲ፡ ፖሊስ፡ ጋዜጠኛታትን ደያኑን ከጥቅዕ መደብ ከም ዝነበሮ ከም ዝሕብሩ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
ምክትል ኢንስፔክተር ኣብርሃ ነዚ ብዝምልከት ንቢቢሲ ትግርኛ ከም ዝነጸሮ ግን፡ ኣብቲ መዘከርታ ብቐይሕ ቢሮ ዝተመዝገቡ ኣስማትን ቍጽሪ ስልክን ናይ ኣስታት 15 ኣብ እንዳ ሻሂን ቡንን ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ - እተን ዝተቐተላን ንምቕታል ኣብ ከይዲ ዝነበራን - ተረኺቦም እዮም።
ካብዚኦም ወጻኢ ብጸሊም ቢሮ ዝተጻሕፉ ቍጽሪ ስልክታት ኣብ ቤት ህንጸት ዝፈልጦም ደቂ ተባዕትዮ፡ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ መሰላትን ኣባላት ፖሊስን እውን ከም ዝተረኽቡ ዝሓበረ ሓላፊ መርመራ ገበን፡ ፖሊስ ዕላማኡ ምስ ሓተቶ ግን "ይፈልጦም እየ፡ ይጠቕሙኒ ኢለ እየ ሒዘዮም እምበር ካልእ ዕላማ የብለይን፡" ዝብል መልሲ ከም ዝሃበ ገሊጹ።
ጉዳይ ዝተፈትሑ ገበነኛታትን ሳዕቤናቱን
እቲ ተጠርጣሪ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ሽረ እንዳስላሰ ተኣሲሩ ከም ዝርከብ ዝገለጸ ምክትል ኢንስፔክተር ኣብርሃ፡ ቅድሚ 2015 ዝጠፍኣ ደቀንስትዮ እውን ይጻረየልና ዝብሉ ብዙሓት ጥቆማታት ካብ ሕብረተሰብ ይመጹ ስለ ዘለዉ፡ መስርሕ ምርመራን ምእካብ መርትዖን ገና ይቕጽል ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ኣብ ትግራይ ብሓፈሻ ዝፍጸሙ ዘለዉ ገበናት ብዓቢዩ በቶም ኣብ መስከረም ካብ ኣብያተ ህንጸት ዝወጽኡ ገበነኛታት ይፍጸሙ ከም ዘለዉ ዝጠቐሰ እቲ ሓላፊ፡ "መንግስቲ ፍሉይ ኮምሽን ኣቚሙ ነቶም ካብ ኣብያተ ህንጸት ዝተፈትሑ ፍርደኛታት ዳግማይ እናሓዘ ናብ ዝነበርዎ ናይ ምምላስ ስራሕ ብዕሊ ከም ዝጀመረ፡" ኣረጋጊጹ።
ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ሕብረተሰብ "ብርካሽ ኣሎ" ካብ ዝብሉ ናይ ምትላል መጻወድያታት ክጥንቀቕን ዝዀነ ገበን ከጋጥም እንከሎ ምስ ኣኽበርቲ ሕጊ ብምትሕብባር ጥቆማታት ክህብን ጻውዒት ኣቕሪቡ።





















![መራሒ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን [ጸጋም] ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ [የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/cc28/live/eff3f9c0-dc0f-11f1-a701-fddedf244c16.png.webp)





