ቀጥታ , ኣብ ሑደይዳ 17 ሰባት ዝቐተለ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ሑቲ ንስዑዲ ዓረብ ይኸስስ

ኣብ ወደባዊት ግዝኣት ሑደይዳ ኣብ ልዕሊ ትካላት ተለኮሙኒኬሽን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር 17 ሰባት ከም ዝተቐትሉን ዓበይቲ ህንጻታት ከም ዝዓነዉን ዕጡቕ ጕጅለ ሑቲ ኣፍሊጡ።

ጽማቝ ሓበሬታ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኢትዮጵያ ንልዕሊ 11 ሚልዮን ህጻናት ዝዓለመ ወፍሪ ክታበት ፖልዮ ጀሚራ

    ኣደ ህጻን ውላዳ እናኣኽተበት

    መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዩኒሴፍን ካልኦት መሻርኽቱን ብምትሕብባር፡ ኣብ ሓሙሽተ ክልላት ንልዕሊ 11.3 ሚልዮን ህጻናት ካብ ለበዳ ቫይረስ ፖልዮ ንምክልኻል ዝዓለመ ሰፊሕ ወፍሪ ክታበት ከም ዝጀመረ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ዞባ ኣፍሪቃ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣፍሊጡ።

    እዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኦሮምያ፡ ማእከላይ ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ኢትዮጵያን ደቡብ-ምዕራብ ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ብኽልተ ዙር ዝትግበር ኰይኑ፡ እቲ ቀዳማይ ዙር ካብ 21 ክሳዕ 24 ሕዳር 2026፡ እቲ ካልኣይ ድማ ካብ 18 ክሳዕ 21 ታሕሳስ 2026 ክቕጽል’ዩ።

    ኣብዚ ከይዲ’ዚ ሰራሕተኛታት ጥዕናን ወለንተኛታትን በብስድራቤት እናተዘዋወሩ ንህጻናት ይኸትቡ፡ ከምኡ’ውን ኣቐዲሞም ፈጺሞም ክታበት ዘይወሰዱ ህጻናት ፈልዮም ናብ ስሩዕ ኣገልግሎት ክታበት የሰጋግሩዎም ኣለዉ።

    ኢትዮጵያ ካብቲ ባህርያዊ (wild) ቫይረስ ፖልዮ ናጻ እኳ እንተዀነት፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ክልላት ጋምቤላ፡ ኦሮምያን ደቡብ ኢትዮጵያን ዝተራእየ ተቐያያሪ ቫይረስ ፖልዮ (cVDPV1) ግና ሓድሽ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ። እዚ ህጹጽ ወፍሪ ድማ ነዚ ምስፍሕፋሕ ንምግታእ ዝተወስደ ስጕምቲ ምዃኑ ተሓቢሩ።

    ኣብ ከተማ ኣርባምንጭ ኣብ ዝተኻየደ መበገሲ እቲ ወፍሪ ንውድብ ጥዕና ዓለም ብምውካል መደረ ዘስመዐ ዶክተር ላቭደይ ንክዎጉ፡ “ነፍሲ-ወከፍ ዝኽተብ ቈልዓ፡ ንኢትዮጵያ ካብ ፖልዮ ናጻ ናብ ዝዀነ መጻኢ ሓደ ስጕምቲ የቕርባ፡” ብምባል፡ ኵሉ ህጻን ውሑስ ጅማሮ ህይወት ምእንቲ ክረክብ ወለድን መራሕቲ ማሕበረሰብን ብሓባር ደው ክብሉ ጸዊዑ።

    ተወሳኺ፤

  2. ተቐናቓኒ ናታንያሁ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ስጕምቲ ንምውሳድ ‘ህጹጽ ስግኣት የሎን’ ኢሉ

    ሓድሽ መንግስቲ ንምቛም ዝጽዕር ዘሎ ፖለቲከኛ ጋዲ ኣይዘንኮት

    ንስልጣን ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ተኪኡ ሓድሽ መንግስቲ ንምቛም ዝጽዕር ዘሎ ፖለቲከኛ ጋዲ ኣይዘንኮት፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ወተሃደራዊ ስጕምቲ ንምውሳድ ዘገድድ “ህጹጽ ስግኣት የሎን” ኢሉ።

    ኣይዘንኮት፡ ሰኑይ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሰልፉ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ እስራኤል ሓድሽ መንግስቲ ቅድሚ ምምስራታ ኣብ ልዕሊ ኢራን ስጕምቲ ንኽትወስድ ዘገድዳ “ቀጥታውን ህጹጽን ስግኣት” ከም ዘይረኣየ ኣፍሊጡ።

    ንሱ ወሲኹ፡ እቲ ኢራን ገቲራቶ ዘላ ዝዓበየ ሓደጋ ምኽዛን ዩራንየም ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኵሉ ኣተኵሮ ኣብዚ ነጥቢ’ዚ ከተኵር ከም ዘለዎ ኣስሚሩሉ።

    ንእስራኤል ብግዝያውነት ዝመርሕ ዘሎ ናታንያሁ ብወገኑ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝውሰድ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ዳግማይ ንምጅማር ዝደለየ ይመስል።

    ዝሓለፈ ሰሙን፡ ንጉዳዩ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት፡ እስራኤልን ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ቴህራን ሓድሽ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ይሓስባ ከም ዘለዋ፡ ነታ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነት ናይ ኣመሪካ ሲቢኤስ ኒውስ ሓቢሮም ነይሮም።

    ኣይዘንኮት፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ምርጫ እስራኤል ኣብ ዘሎ ናይ ምስግጋር እዋን፡ ናታንያሁ ምስ ሃገራዊ ድሕነት ዝተተሓሓዙ ዓበይቲ ውሳነታት ከመሓላልፍ ከም ዘይክእል ኣረዲኡ።

    ጕጅለ ናታንያሁ ኣብቲ መረጻ ዘብለልታ ድምጺ ዝሰኣነ ኰይኑ፡ እቲ ንመንግስቲ ብግዝያውነት ዝመርሕ ዘሎ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ሓድሽ መንግስቲ ቃለ-ማሕላ ክሳብ ዝፍጽም ካብ ሓደገኛታት ስጕምትታት ክቝጠብ ኣይዘንኮት ኣተሓሳሲቡ።

    በንያሚን ናታንያሁ ብወገኑ፡ እስራኤል ሕጂ’ውን ኣብ ትሕቲ “ከቢድን ዓብይን ስግኣት” ከም ዘላ ብምግላጽ፡ ነቲ ጉዳይ ኣቃልሊልካ ምርኣይ ሓደገኛ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

    ተወሳኺ፤

  3. ኣብ ሑደይዳ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 17 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሑቲ ኣፍሊጡ

    ኣብ ሕክምና፡ ሓደ ጨርቂ ዝተሸፈነ ሰብ ኣብ ተንቃሳቓሲ ዓራት ሰባት ሒዞሞ ይርአ

    ኣብ የመን ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጕጅለ ሑቲ፡ ብሰኑይ ኣብ ወደባዊት ግዝኣት ሑደይዳ ብወገን ስዑዲ ዓረብ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር፡ 17 ሰራሕተኛታት ከም ዝተቐትሉን 11 ካልኦት ከም ዝቘሰሉን ኣፍሊጡ።

    ምኒስትሪ ተለኮሙኒኬሽን እቲ ጕጅለ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ መራኸቢታት ዘነጻጸረ ኰይኑ፡ ምምሕዳራዊ ህንጻታት፡ መንበሪ ኣባይትን መስጊድን ምሉእ ብምሉእ ከም ዘዕነወን ኣገልግሎት ተለኮሙኒኬሽንን ኢንተርነትን ከም ዘቋረጸን ሓቢሩ።

    ስዑዲ ዓረብ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ዛጊት ዝሃበቶ ርእይቶ የሎን፤ ማዕከን ዜና ፈረንሳ እውን ነቲ ክሲ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ከም ዘይከኣለ ኣፍሊጡ።

    ወተሃደራዊ ወሃቢ-ቓል ሑቲ፡ ሓይልታት ኪዳን ኣብ ደቡባዊ-ምዕራብ ግዝኣት ላህጅ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሳ ኣውቶቡሳትን መካይንን መጥቃዕቲ ከም ዘካየዱ ገሊጹ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ኪዳን፡ ናብቲ ዓበይቲ ትካላት ነዳዲ ዝርከበሉ ምዕራባዊ ገማግም ስዑዲ ዓረብ ዝተወንጨፈ ናይ ሑቲ ባሊስቲክ ሚሳይል ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ከም ዘፍሸለ ኣፍሊጡ ነይሩ።

    መራኸቢ ብዙሓን ሑቲ ብወገኑ፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ጥቓ ወደባዊት ከተማ ሞኻ ተቘጻጺረዮ ዝበሎ ብኣመሪካ ዝተሰርሑ ሚሳይላት፡ ተወንጨፍቲ ኣጽዋርን ድሮናትን ዝሓዙ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ሳጹናት ዘርኢ ምስሊ ኣውጺኡ ኣሎ። ሳጹናት እቲ ተተኳሲ ኣጽዋር፡ ብምብራቕ ስዑዲ ዓረብ (ደማም) ኣቢሉ ከም ዝሓለፈ ዘርእዩ ምልክታት ከም ዘለዎም’ውን ተገሊጹ።

    እቲ ኣብ መንጎ ሑቲን ብስዑዲ ዝድገፍ መንግስቲ የመንን ዝነበረ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ሓምለ ድሕሪ ምፍራሱ፡ የመን ናብቲ ዝሰፍሐ ግጭት ኣመሪካን ኢራንን ተሳሒባ ትርከብ።

    ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ሽዑ ንደሓር ኣብታ ብቝጠባ ዝደኸየት ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ውግእ፡ ልዕሊ 1,600 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 300,000 ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣለዉ።

    ተወሳኺ፤

  4. ኤንቪድያ ድሕሪ ጸቕጢ ትራምፕ ንጀንሰን ህዋንግ ናብ ሓላፍነቱ መሊሱዎ

    ትራምፕን ጀንሰን ሁዋንግን

    ኩባንያ ኤንቪድያ፡ ዋና ፈጻሚ ስራሑ ጀንሰን ህዋንግ ካብ ሓዳር ወጻኢ ምስ ሓንታ ምስ ትካል ስለያ ቻይና ምትእስሳር ኣለዋ ዝተባህለት ሰበይቲ ርክብ ከም ዝነበሮ ዝገልጹ ጸብጻባት ስዒቡ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምልቃቑ፡ ክልተ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ ናብ ሓላፍነቱ መሊስዎ ኣሎ።

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ነዚ ፈጻሚ ስራሕ ምስኣን ነቲ ኩባንያን ንዓውዲ ቴክኖሎጂ ኣመሪካን ዝዓበየ ሓደጋ ከስዕብ ከም ዝኽእል ብምምጓት፡ ምስ ቦርድ ኤንቪድያ ብውልቁ ከም ዝተዘራረበን ኣባላት ቦርድ ንህዋንግ ንኽመልስዎ ኣብ ምእማን ከም ዝሓገዘን ገሊጹ።

    እቲ መግለጺ ኣብ ዕዳጋታት ስቶክ ኤንቪድያ ቅልጡፍ ዕብየት ብምፍጣር፡ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ እቲ ኩባንያ ኣስታት 1 ትሪልዮን ዶላር ወሲኹን ንሓፈሻዊ ዕዳጋታት ስቶክ ኣብ ምዕባይ ሓጊዙን።

    ይዅን እምበር፡ እቲ ውሳነ ካብ ክልቲኦም ሰልፍታት ደሞክራትን ሪፓብሊካንን ነቐፌታ ኣለዓዒሉ ኣሎ።

    ኣባላት ባይቶ ነቲ ሃንደበታዊ ምቕያር ውሳነ ናይቲ ቦርድ ኣብ ሕቶ ብምእታው፡ ብዛዕባ ተራ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብቲ መስርሕ ከምኡ’ውን ዝዀኑ ክህልዉ ዝኽእሉ ስክፍታታት ሃገራዊ ጸጥታ ዝርዝር ሓበሬታ ይሓቱ ኣለዉ።

    ህዋንግ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ቅድሚ ኮሚተታት ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ሰነትን ብምቕራብ ጽኑዕ መርመራ ኮንግረስ ክገጥሞ ትጽቢት ይግበር።

    እዚ ምስሕሓብ ኣብ ውልቃዊ ወፍርታት ትራምፕ ኣብ ኤንቪድያ እውን ዳግማይ ትዅረት ኣለዓዒሉ ኣሎ። ዋይት ሃውስ ግን ፋይናንሳዊ ዋንነት እቲ ፕረዚደንት ኣብ ውሳነታት መንግስቲ ጽልዋ ከም ዘየሕድር ይምጕት።

    እዚ ፍጻመ ኣብ ክሊ ኪነታዊ ብልሒ (AI)፡ ሃገራዊ ጸጥታ፡ ምሕደራ ኩባንያታትን ውድድር ቴክኖሎጂ ኣመሪካን ቻይናን ኣብ ዝካየዱ ክትዓት እዋናዊ ዛዕባ ኰይኑ ኣሎ።

    ተወሳኺ ንባባት፤

  5. ሶማልን ኡጋንዳን ኣልሸባብ ንምምካት ሓድሽ ስጕምቲ ክወስዳ ተሰማሚዐን

    ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን መዘናኡ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዮዌሪ ሙሴቬኒን

    ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን መዘናኡ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዮዌሪ ሙሴቬኒን፡ ኣብ ኡጋንዳ ተራኺቦም ኣብ ጸጥታዊ ኵነታት ሶማል፡ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ቃልስን ኣብ ምምሕያሽ ዝምድና ክልተአን ሃገራትን ዘትዮም።

    ክልተኦም መራሕቲ፡ ወተሃደራት ኡጋንዳን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል (AUSSOM) ኰነ ሰራዊት ሃገራዊ ምክልኻል ሶማል፡ ንኣልሸባብ ኣብ ምምካት ይዅን ኣብታ ሃገር ሰላምን ህድኣትን ኣብ ምስፋን ንዘበርከትዎ ኣስተዋጽኦ መጒሶም።

    ኣብቲ ዘተ፡ ኣብ ልዕሊ ዕጡቕ ጕጅለ ኣልሸባብ ዝካየድ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ክብ ክብል፡ ከምኡ’ውን ንልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል ዝኸውን እኹልን ዘየቋርጽን ፋይናንሳዊ ደገፍ ክግበር ጸዊዖም። ብተወሳኺ፡ ሰራዊተን ዘዋፈራ ሃገራት ንሶማል ዝገብርኦ ደገፍ ብዝያዳ ከሐይላ ተላብዮም።

    ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ፕረዚደንት ዮዌሪ ሙሰቬኒን፡ ሃገራዊ ዕርቂ ምውራድ፡ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ምምሕዳራት ዞባታትን ዘሎ ምትሕግጋዝ ምዕማቝ፡ ከምኡ’ውን ትካላት ጸጥታ ሶማል ምሕያል ዘለዎ ዓቢ ኣገዳስነት ኣስሚሮምሉ።

    ኣብ ቍጠባዊ መዳይ’ውን፡ ንግዳውን ወፍራውን ምትሕግጋዞም ንምስፋሕ ተሰማሚዖም ኣለዉ። እዚ፡ ንኣቑሑ ኡጋንዳ ዝኸውን መኽዘን ኣብ ሞቓዲሾ ምቛምን ንግዳዊ ልውውጥ ክልተአን ሃገራት ንምቅልጣፍ ዘገልግል ወደባዊ ኣገልግሎት ምጥጣሕን ዘጠቓልል እዩ።

    ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ብዕድመ ፕረዚደንት ሙሰቬኒ መሰረት ናይ ሓደ መዓልቲ ወግዓዊ ምብጻሕ ንምክያድ እዩ ትማሊ ናብ ኡጋንዳ ኣትዩ።

    ክልተኦም ወገናት ኣብ ዓውድታት ጸጥታ፡ ንግድን ዞባዊ ጉዳያትን ዘለዎም ምትሕብባር ብዝያዳ ከደልድሉ ከም ዝተሰማምዑ ተፈሊጡ ኣሎ።

    ተወሳኺ፤

  6. ሰላም ተኸታተልቲ ቢቢሲ ትግርኛ

    ብሩኽ ዕለተ ሰሉስ ክዀነልኩም እናተመነና ናይ ሎሚ ቀጥታዊ ፈነወና ጀሚርና ኣለና።

    ኣብዚ፡ ዝተፈላለየ እዋናዊ ዜናን ሓበሬታን ክትረኽቡ ኢኹ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ መራኸቢታትና እነቕርቦም መደባት ክትከታተሉ ንዕድመኩም።

  7. ክቡራት ተኸታተልትና

    ንሎሚ ዝነበረና ቀጥታዊ ሸፈነ ኣብዚ ዛዚምና ኣለና፣ ንምክትታልኩም ኣዚና ነመስግን።

    ንዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝድህስሱ ትሕዝቶታትና ኣብ ፌስቡክ፡ ቲክቶክ፡ ኢንስታግራምን ዩቱብን ኣብ ዘሎ ኣካውንትታትና ተወከሱ።

    ጽባሕ ባኻልእ ትሕዝቶ ክሳብ ንምለሰኩም፡ ሰናይ ለይቲ!

  8. ኬንያን ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ዲፕሎማስያዊ ርክበን ከሐድሳ ተሰማሚዐን

    ዊልያም ሩቶ፡ ፈሊክስ ቺሰከዲ ደኒስ ሳሶ ንጌሶ

    ኬንያን ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐን ደስኪሉ ዝጸንሐ ምሉእ ዲፕሎማስያዊ ርክበን ከሓድሳ ተሰማሚዐን።

    ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶን ኮንጎኣዊ መዘናኡ ፈሊክስ ቺሰከዲን ኣብ ሪፓብሊክ ኮንጐ ብራዛቪል ኣብ ዘካየድዎ ርክብ'ዮም ነቲ ካብ 2023 ኣትሒዙ ሓርፊፉ ዝጸንሐ ዝምድናታቶም ናብ ንቡር ክመልሱ ተሰማሚዖም ዘለዉ።

    ናይሮቢ ነቶም ኣብ ምብራቒ ኮንጐ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ተቓወምቲ ባይታ ብምሃብ ትድግፎም ኣላ ብምባል'ያ ኪንሻሳ ዲፕሎማሰኛታታ ካብ ኬንያ ኣውጺኣ ጸኒሓ።

    ኤም23 ዝርከቦ ዕጡቓት ምሕዝነት ተቓወምቲ ንምፍጣር ኣብ 2023 ኣብ ናይሮቢ ኣኼባ ኣካይዶም ምንባሮም ይፍለጥ።

    ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ውን ኬንያ ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ዕጡቓት ተቓወምቲ ዝርከብ ሓደ ዲፕሎማስያዊ ቆንስል ምምስራታ ንኪንሻሳ ኣቖጢዑዋ ነይሩ። እቲ ስጉምቲ ንልኡላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታት ዝጥሕስ ምዃኑ ክትነቅፍ ጸኒሓ'ያ።

    እዚ ሩቶን ቺሰከዲን ዝፈረምሉ ንልኡላውነት ምኽባርን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢድ ዘይምእታው ዝብል ስምምዕ ብመንጐኝነት ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ኮንጐ ደኒስ ሳሶ ንጌሶ ኣብ ዝተኻየደ ልዝብ'ዩ ተበጺሑ ዘሎ።

    ክልቲአን ሃገራት ኣባላት ዞባዊ ቊጠባዊ ውድብ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ምዃነን ይፍለጥ።

  9. ጀንሰን ሃውንግ ናብ መዝነቱ ይምለስ ዕዳጋ ኒቪድያ ይዓርግ

    ጀንሰን ሃውንግ ንትራምፕ ብኣመልካቲቶ ኣጻብዕቱ ናብ ገለ ከማዕዱ እናመልከተሉ

    ብሰንኪ ካብ ሓደሩ ወጻኢ ዝጸንሖ ጾታዊ ዝምድናታት ካብ መዝነቱ ክወርድ ዝተገደደ ቢልየነር ዋና ኣካያዲ ኩባንያ ኒቪድያ ናብ ንቡር መዝነቱ ከምዝተመልሲ እቲ ትካል ኣፍሊጡ።

    እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝወሰነ ቦርድ ናይቲ ሓደ ካብ ዓበይቲ ትካላት ተክኖሎጂ ዓለም ዝኾነ ኒቪድያ፡ ሎሚ ንውሳነኡ ብምቕልባስ ጀንሰን ሃውንግ ክምለስ ብምሉእ ድምጺ ተሰማሚዑ።

    እቲ ዜና ድሕሪ ምስምዑ ብኡንብኡ ኣንቆልቊሉ ዝነበረ ብርክታት እቲ ትካል ኣብ ዕዳጋታት ዓለም ወሲኹ ኣሎ።

    በቲ ውሳነ ከምዝተሓጐሰ ዝገለጸ ሃውንግ፡ "ኣብዚ ሓድሽ ኢንዱስትራያዊ ሰውራ ናብ ኒቪድያ ብምላስ ነቲ ኣብ ዓለም ጸላዊ ዝኾነ ኩባንያ ተክኖሎጂ ኒቪድያ ክመርሕ ክብሪ የዕስምዓኒ" ኢሉ።

    "ነዚ ሓላፍነት እዚ ብትሕትናን ዝተሓደሰ ተዋፋይንት እቕበሎ"።

    በቲ ውሳነ ከምዝተሓጐሰ ዝገለጸ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ንትካል ኒቪድያ ጥራይ ዘይኮነ ንቊጠባ ኣመሪካ'ውን ዘደንፍዕ ስጉምቲ ምዃኑ ተዛሪቡ።

    ናብ ዝነበሮ ቦታ ምምላሱ ንጸጥታ ኣመሪካ ዘሰግእ ከምዘይኮነ'ውን እቲ ምስ ሃውንግ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዎ ትራምፕ መጒቱ'ሎ። ተቓወምቲ እቲ ፕረዚደንት ግን ኣብ ክንዲ ጸጥታ ሃገሩ ንዕርክነቱ ኣቐዲሙ ክብሉ ይነቕፍዎ ኣለዉ።

    ምስ ቦርድ ናይቲ ትካል "ቀጥታዊን ዘይቀጥታዊን" ዝርርብ ከምዘካየደ ዝገለጽ ትራምፕ፡ ብናቱ ምትእትታው ናብ መዝነቱ ከምዝተመልሰ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ'ሎ።

    ጀንሰን ሃውንግ፡ ምስ ሓንቲ ኣብ ትካሉ ትሰርሕ ሓላፊት ጾታዊ ዝምድና ነይሩዎ ዝብል ሓበሬታ ድሕሪ ምውጽኡ'ዩ ካብ መዝነቱ ክወርድ ተገዲዱ ነይሩ።

    ኣቐዲሙውን ምስ ካልእ ንስለያ ቻይና ምስጢራት ተክኖሎጂ ኣሕሊፋ ተባሂላ ትኽሰስ ዘላ ናይ ካልእ ትካል ሓላፊት ጾታዊ ዝምድና ከምዝነበሮ ተኣሚኑ'ዩ።

    ትካል ኒቪድያን ፈደራላዊ ቢሮ መርመራ ኣመሪካ (ኤፍ-ቢ-ኣይ) ነቲ ጉዳይ ይምርምርዎ ከምዘለዉ ኣፍሊጦም ነይሮም።

    ቦርድ ናይቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ሓስ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ'ዩ ካብ ፕረዚደንትን ዋና ኣካያዲነትን ናይቲ ኩባንያ ክወርድ ወሲኑ።

    ምክትሉ ኮይና ክትሰርሕ ዝጸንሐት ኮለት ክረስ ግዝያዊት ዋና ኣካያዲት ኮይና ተመዚዛ ምንባራ'ውን ይዝከር።

    ድሕሪ'ቲ ውሳነ ዕዳጋ ብርክታት ናይቲ 4.5 ትሪልዮን ዶላርት ዝግመት ትካል ብ10 ሚእታዊት ወሪዱ ነይሩ።

    ነቲ ናይ ስለያ ክስታት ዝነጸገት ቻይና፡ ኣመሪካ ነቲ ጉዳይ ምስምስ ብምግባር ተክኖሎጂታት ናብ ቻይና ከይሽየጥ ዝገትእ ውሳነ ከይትወስድ ኣጠንቂቓ ኣላ።

  10. ምኒስተር ዑስማን ምስ ወከልቲ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣውሮጳን ተራኺቡ

    ፐካ ሃቪስቶ ምስ ዑስማን ሰላሕ ናይ ኢድ ሰላምታ እናተለዋወጡ ንስእሊ ደው ኢሎም

    ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምርኻብ ተዘራሪቡ።

    እቲ ንኤርትራ ወኪሉ ኣብቲ ኣብ ግብጺ ዝካየድ ዘሎ ዋዕሎ 'መድረኽ ኣስዋን" ዝተሳተፈ ምኒስተር ዑስማን ሳልሕ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾነ ጓውንግ ኮንግ ብምርኻብ ተዘራሪቡ።

    ኮንግ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ግጭታት ንምፍታሕን ምስ ኤርትራ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳን ኣብቲ ዞባ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓሳት ከካየድ ከምዝጸንሐ ይዝከር።

    ምስ ፍሉይ ወኪል ሕብረት ኣውሮጳ ኣብቲ ዞባ ዝኾነ ፐካ ሃቪስቶ ከምዝተራኸበ'ውን ምኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ'ሎ።

    ብዘይካ'ዚ ምስ ፍሉይ ወኪል ብሪጣንያ ኣብ ሱዳን'ውን ከምዝተመያየጠ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

    "እቲ ዝርርባት ብሓፈሻኡ ኣብ እዋናዊ ምዕባለታትን ተርእዮታትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘተኮረ'ዩ" ክብል ምኒስተር የማነ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽሒፉ'ሎ።

    ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ናብ ኣዕናዊ ኲናት ከየምርሕ ዓለምለኻዊ ስግኣት ፈጢሩ ምህላዉ ይፍለጥ።

    ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ብሰንኪ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብ መንጐ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ዘሎ ወጥሪ፡ ናይ ሶማልያን ደቡብ ሱንን ሕዱር ጸጥታዊ ብድሆታት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብዘሎ ግጭታት ናብ ዝኸፍአ ዘይምርግጋእ ኣትዩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

    ተወሳኺ ትሕዝቶ፤

  11. መርከብ ውግእ ሩስያ ኣብ ሊብያ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዩክሬን ከምዝተሃርመት ዘሌንስኪ ገሊጹ

    ሩስያዊት መርከብ ውግእ ትማሊ ሰንበት ኣብ ወደብ ሊብያ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዩክሬን ተሃሪማ ከምዝጠሓለት ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ገሊጹ።

    ትማሊ ሰንበት ንግሆ፡ ንምብራቓዊ ሊብያ ዝቆጻጸር መንግስቲ፡ እታ መርከብ ውግእ ኣብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ቤንጋዚ፡ ቅድሚ ናብ ሩስያ ምምላሳ ነዳድን ቀረብን ክትወስድ ኣልሒቓ እንከላ፡ ፍንጀራ ከምዝተፈጸመ ገሊጹ።

    ዘለንስኪ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣጽዋር ንምጉዕዓዝ ዝጥቀሙላ ናይ ጽዕነት መርከብ ከምዝሃረሙ ገሊጹ።

    ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ እቲ ወደብ ዒላማ ካብ ዝተገብረት መርከብ ዝተጎድኡ ሰባት ከምዝተቐበለ ሓቢሩ። እዚኣ ምስታ ዩክሬን ሓላፍነት ዝወሰደትላ መርከብ ምዃና ንጹር ኣይኮነን።

    ሞስኮ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዛጊት ርእይቶ ኣይሃበትን። ዘለንስኪ ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብነታዊ ስርሒት ዩክሬን" ክብል ንኢዱ።

  12. ካርቱም፡ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይትን ህንጻ ሕቡራት ሃገራትን ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ድሮን

    ካርቱም፡ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይትን ህንጻ ሕቡራት ሃገራትን ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ድሮን

    ኣብ ርእሰ-ከተማ ሱዳን ካርቱምን ከባቢኣን ብሰንበት ወጋሕታ ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ድሮናት፡ ሓደ ቈልዓ ሓዊሱ ብውሑዱ ኣርባዕተ ሰለማውያን ሰባት ክሞቱ ከለዉ፡ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይትን ሰራሕተኛታት ኣብ ዝነበርዎ ህንጻ ሕቡራት ሃገራትን ከቢድ ዕንወት ወሪዱ።

    እዚ መጥቃዕቲ ድሮን ካብ ኢትዮጵያ ከም ዝተበገሰ ሰራዊት ሱዳን ብምኽሳሱ፡ ነቲ ራብዓይ ዓመቱ ዘቝጸረ ኲናት ሓድሕድ ናብ ዝለዓለ ዞባውን ዲፕሎማስያውን ወጥሪ ኣደይብዎ ኣሎ።

    ካብ ሰዓት 2፡00 ክሳዕ 4፡30 ናይ ወጋሕታ ኣብ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱምን ዝተፈላለዩ ጐደናታትን ከበድቲ ደሃይ ነትጒ ከም ዝተሰምዐ ነበርቲ ሓቢሮም።

    ማዕከን ዜና ኣናዶሉ ካብ መሰኻኽር ዓይኒ ጠቒሱ ከም ዘረጋገጾ፡ ጸረ-ነፈርቲ ምክልኻል ኣየር ሰራዊት ሱዳን ነቲ መጥቃዕቲ ድሮናት ንምምካት ተዅሲ ከፊቱ ነይሩ።

    ኣብ መጀመርታ ብወግዒ ዝተፈልጠ ቍጽሪ ግዳያት ከም ዘየሎ እኳ እንተ ተገልጸ፡ ድሒሮም ካብ ሆስፒታላትን ናይ ከባቢ ምንጭታትን ዝወጽኡ ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ ግን፡ ኣብ ሰሜን ኡምዱርማን ብዝወደቐ ድሮን ሰለስተ ሰለማውያን ሰባት ክሞቱ ከለዉ ትሽዓተ ድማ ቈሲሎም እዮም።

    ብተወሳኺ፡ ኣብ ደቡብ ካርቱም 45 ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ጀበል ኣውልያ፡ ገዛ ሓደ ሙኣዚን ብድሮን ተሃሪሙ ሓደ ቈልዓ ህይወቱ ሓሊፉ።

  13. ትራምፕ፡ ኢራን 'ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ' ብዝሒ ሚሳይላት ተኲሳ

    ትራምፕ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን “ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ካብ ዘወንጨፈቶ ንላዕሊ ድሮናትን ሚሳይላትን” እኳ እንተ ተኰሰት፡ ዝዀነ ጕድኣት ከም ዘይበጽሐ ሰንበት ተዛሪቡ።

    እቲ ፕረዚደንት 'ትሩዝ ሶሻል' ኣብ ዝተባህለ ገጽ ማሕበራዊ ሚድያኡ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ደሞክራታውያን ኣብ ክልቲኦም ኣብያተ-ምኽሪ ኮንግረስ ኣብዝሓ ድምጺ ዝሰዓሩሉ መረጻ ፍርቂ እብረ፡ ምስ ምግዳድ ናይቲ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣተኣሳሲሩ ኣልዒልዎ።

    እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ዝተኻየደ መረጻ ብዝምልከት “ክልተ ነገራት ተነብዩ” ከም ዝነበረ ጠቒሱ።

    “ቀዳማይ፡ ዲሞክራት እንተ ስዒሮም ስቶክ-ማርከት ብኸቢድ ኵነታት ክወድቕ እዩ ዝብል ነይሩ፤ እዚ ድማ ተኸሲቱ እዩ።

    ካልኣይ ድማ ክሳዕ ሎሚ 81,000 ተቓወምቲ ዝቐተለት እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን መጥቃዕታ ዝያዳ ከተሐይል እያ ዝብል ኰይኑ፡ እዚ እውን ኰይኑ እዩ” ብምባል ጽሒፉ።

    ብሰንኪ እቲ ኲናት ዋጋ ነዳዲ ብዝለዓለ መጠን ምውሳኹ፡ ኣመሪካውያን ብዛዕባ ኣካይዳ እቲ ቍጠባ ክሰግኡ ገይሩ እዩ።

    ምክትል ፕረዚደንት ጀይዲ ቫንስ ሓዊሱ ላዕለዎት መራሕቲ ሪፓብሊካን፡ ሰልፎም ኣብቲ መረጻ ዝተሳዕረሉ ሓደ ምኽንያት ምስ ኲናት ኢራን ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ገሊጹ።

    ትራምፕ ብወገኑ ሰንበት ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ መረጽቲ ትርጕም ድምጾም “ኣይተረድኡን” ክብል ከሎ፡ ነቲ መረጻ ድማ “ኣዝዩ ‘ዘይልሙድ’” ክብል ገሊጽዎ።

    “መራሕቲ ኢራን ንደሞክራት ከም ድኹማት፡ ውጽኢታውያን ዘይኰኑን ኣጥፋእቲ ሃገርን እዮም ዝርእይዎም፤ ይዅን እምበር እዚ ክኸውን ኣይፈቅድን እየ! ደሞክራት ይዅኑ ኢራን ዋጋ ነዳዲ ብዝተኻእለ መጠን ንነዊሕ እዋን ልዑል ኰይኑ ንኽጸንሕ ኣዝዮም ተቓሊሶም እዮም፤ ድሕሪ እቲ መረጻ ግን ዋጋ ነዳዲ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ነኪዩ እዩ” ኢሉ።

    ወሲኹ ድማ፡ “መረጽቲ ድምጺ ቅድሚ ምሃቦም ነዚ ዘይምርዳኦም ኣዝዩ የሕዝን፤ ይዅን እምበር ሓፈሻዊ እቲ መረጻ ኣዝዩ ‘ዘይልሙድ’ እዩ ነይሩ” ክብል ኣብ ገጽ ማሕበራዊ ሚድያኡ ጽሒፉ።

    ተወሳኺ ንባብ፤

  14. ዋዕላ ክሊማ ሕቡራት ሃገራት ብዘይ ስምምዕ ተዛዚሙ

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣንቶኒ ኣልባኒዝ ኢዱ ኣጣሚሩ ተጸዊጉ ኮፍ ኢሉ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ልዕለኡ ደው ኢሎም

    ኣብ ቱርኪ ኣንታሊያ ንኽልተ ሰሙናት ክካየድ ዝቐነየን ኣብ ታሪኽ ሕቡራት ሃገራት እቲ ዝነውሐ ዝዀነን መበል 31 ጉባኤ ለውጢ ክሊማ (COP31)፡ ብሰንኪ ኣብ ጉዳይ ነዳዲ ቅሪተ-ኣካልን (fossil fuels) ፋይናንስን ዝተራእየ ዘይምስምማዕ ብዘይ ዝዀነ ውሳነ ተዛዚሙ።

    እዚ ካብቲ ብ2009 ኣብ ኮፐንሃገን ዝተኻየደ ዋዕላ ንነጀው፡ ናይዚ ደረጃ’ዚ ናይ ፖለቲካ ስምምዕ ክፈሽል ንመጀመርታ ግዜኡ እዩ።

    ቀንዲነጥብታት፤

    • ነዳዲቅሪተ-ኣካልዘይምጥቃሱ፤ ሕብረት ኤውሮጳን ሃገራት ደሴታት ፓሲፊክን ነቲ ኣብ መወዳእታ ዝቐረበ ንድፊ ስምምዕ ነጺጐሞ። ምኽንያቱ ድማ እቲ ሰነድ ነቲ ቀንዲ ጠንቂ ሙቐት ከባቢ ኣየር ዓለም ዝዀነ ‘ነዳዲ ቅሪተ-ኣካል’ ብቐጥታ ስለ ዘይጠቐሰ እዩ።
    • ተቓውሞ ናይ ኣፍረይቲነዳዲሃገራት፤ ከም ስዑዲ ዓረብን ሩስያን ዝኣመሰላ ነዳዲ ዘፍርያ ሃገራት፡ ካብ ነዳዲ ቅሪተ-ኣካል ብቕልጡፍ ምውጻእ ናብ "ብኽነት ነዳዲ" የምርሕ ብዝብል ኣብቲ ሰነድ ስም ነዳዲ ከይጥቀስ ጸቕጢ ገይረን።
    • ጥርዓንዘይማዕበላሃገራት፤ ዘይማዕበላ ሃገራት ነቲ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ሳዕቤናት ለውጢ ክሊማ ንምግጣም ዘኽእለን ርጉጽ ገንዘባዊ ሓገዝ ካብ ሃብታማት ሃገራት ብዘይምርካበን ተቓውሞአን ኣስሚዐን።

    ዝተዋህቡቀንዲርእይቶታት፤

    ኣንቶኒዮጉተረዝ (ዋናጸሓፊሕቡራትሃገራት)፤ በቲ ውጽኢት "ኣዝየ ሓዚነ" ድሕሪ ምባል፡ ናይ ነዳዲ ቅሪተ-ኣካል ረብሓታት ዘለዎም ሓይልታት ነቲ ስነ-ፍልጠታዊ ሓቂ ብምጥዋይ ስጕምትታት ከም ዝዓገቱን ሰባት ዋጋ እናኸፈሉ ንሳቶም ግና ብልዑል መኽሰብ ይሕጐሱ ከም ዘለዉን ብምግላጽ ወቒሱ።

    ኣንቶኒኣልባኒዝ (ቀዳማይምኒስተርኣውስትራልያ)፤ እቲ ጉባኤ ብዘይ ስምምዕ ምዝዛሙ ብሰንኪ ዘሎ "ጽንኩር ጂኦ-ፖለቲካዊ ሃዋህው" ምዃኑ ገሊጹ።

    ዳራኦብራይን (ተወካሊሕብረትኣውሮጳ)፤ "ኣብ ስምምዕ ክሊማ ስም ነዳዲ ቅሪተ-ኣካል ፈጺሙ ዘይጥቀሰሉ ምዃኑ ፍጹም ቅቡል ኣይኰነን፤ እቲ ውሳነ ነቲ ዘድሊ ናይ ለውጢ ድሌት ዘየማልእ እዩ፡" ኢሉ።

    ተወሳኺ፤

  15. ኣብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ዝነበረት መርከብ ሩስያ ብዘይተፈልጠ መጥቃዕቲ ተሃሪማ

    መርከብ ሩስያ

    ኣብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ቤንጋዚ ሊብያ ኣልሒቓ ዝነበረት ወተሃደራዊት መርከብ ሩስያ፡ ሰንበት ወጋሕታ ብድሮን ክኸውን ብዝጥርጠር መጥቃዕቲ ከም ዝተሃርመት ኣብ ምብራቕ ሊብያ ዝመደበሮም ሰበ-ስልጣን ሓቢሮም።

    እቲ ወጋሕታ ዘጋጠመ ነትጕ፡ እታ መርከብ ናብ ሩስያ ቅድሚ ምምላሳ ነዳድን ቀረባትን እናመልአት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እዩ።

    ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ምብራቕ ሊብያ፡ ኣብ መንጐ ኣባላት እታ መርከብ ዝዀነ ጕድኣት ከም ዘይተመዝገበን፡ መን ሓላፍነት ከም ዝወስድ ንምጽራይ ምስ ሰበ-ስልጣን ሩስያ ብምትሕብባር መርመራ ይካየድ ከም ዘሎን ገሊጾም።

    ልኡኽ ደገፍ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ (UNSMIL) ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ስክፍታኡ ብምግላጽ፡ ህጹጽ፡ ናጻን ግሉጽን መርመራ ክካየድ ጸዊዑ።

    እቲ ልኡኽ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሊብያ ኣብ ናይ ወጻኢ ግጭታት ከይትኣቱ ብምጥንቃቕ፡ እታ ሃገር ንናይ ደገ ተዋሳእቲ ዓውደ-ውግእ ኰይና ከተገልግል ከም ዘይብላ ኣስሚሩሉ።

    ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑን ብናጻ ተንተንቲ ዝተረጋገጹን ምስልታት፡ ኣብ ወደብ ቤንጋዚ ሓንቲ መርከብ ብሃልሃልታ ሓዊ ተዋሒጣ ኣርእዮም።

    ምስልታት ሳተላይት እውን እቲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምሕባሩ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብቲ ወደብ እትነድድ መርከብ ከም ዝነበረት ኣመልኪቶም።

    ብኣመሪካዊ ትካል ስለያ 'ቫንቶር' ዝተመርመሩ ልዑል ንጽረት ዘለዎም ምስልታት፡ እታ ዝተጐድአት መርከብ ኣብ ምድብ 'ስተረጉሽቺ' እትምደብ 'መርኩሪ' ዝተባህለት ኰርቬት (ተዋጋኢት መርከብ) ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ከም ዝዀነት ኣሚቶም።

    እቶም ምስልታት፡ እታ መርከብ ክሳዕ ሰንበት ብኸፊል ተገምጢላን መብዛሕትኡ ክፋላ ኣብ ማይ ጥሒሉን ከም ዝነበረ ዘርእዩ ይመስሉ።

    ጸኒሑ በታ መዓልቲ፡ ምኒስትሪ ጥዕና ሊብያ፡ ንግዳዊት መርከብ ምዃና ዝተገልጸት ካልእ መርከብ ኣብ ገምገም ባሕሪ ቤንጋዚ ዒላማ ምስ ተገብረት፡ ሓያሎ ሰባት ቀሊል መቍሰልቲ ከም ዝወረዶም ሓቢሩ። ኵሎም እቶም ዝቘሰሉ ኣብ ርጉእ ኵነታት ከም ዝርከቡ ተገሊጹ።

    ኣብ ምብራቕ ዝመደበሩ 'መንግስቲ ሃገራዊ ርግኣት'፡ ሊብያ ኣብቲ ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣካል ከም ዘይኰነት ብምጕላሕ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ጥሕሰት ሉዓላውነትን ጸጥታ ባሕርን ሊብያ ክብል ኰኒንዎ።

    ዝዀነ ጕጅለ ሓላፍነት’ኳ እንተ ዘይወሰደ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብድሮን ከም ዝተፈጸመ እንተ ተረጋጊጹ ዩክረይን እታ ዝዓበየት ተጠርጣሪት ምዃና ተንተንቲ ይገልጹ።

    እዚ ፍጻመ ምስ ሞስኮ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ምስ ሩስያ ዘለዎም ጥቡቕ ዝምድና እናዓሞቘ ምስ ዝመጸ ሰበ-ስልጣን ምብራቕ ሊብያ እውን ወጥሪ ከልዕል ትጽቢት ይግበር።

    ተወሳኺ፤