ኢትዮጵያ ንልዕሊ 11 ሚልዮን ህጻናት ዝዓለመ ወፍሪ ክታበት ፖልዮ ጀሚራ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዩኒሴፍን ካልኦት መሻርኽቱን ብምትሕብባር፡ ኣብ ሓሙሽተ ክልላት ንልዕሊ 11.3 ሚልዮን ህጻናት ካብ ለበዳ ቫይረስ ፖልዮ ንምክልኻል ዝዓለመ ሰፊሕ ወፍሪ ክታበት ከም ዝጀመረ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ዞባ ኣፍሪቃ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣፍሊጡ።
እዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኦሮምያ፡ ማእከላይ ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ኢትዮጵያን ደቡብ-ምዕራብ ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ብኽልተ ዙር ዝትግበር ኰይኑ፡ እቲ ቀዳማይ ዙር ካብ 21 ክሳዕ 24 ሕዳር 2026፡ እቲ ካልኣይ ድማ ካብ 18 ክሳዕ 21 ታሕሳስ 2026 ክቕጽል’ዩ።
ኣብዚ ከይዲ’ዚ ሰራሕተኛታት ጥዕናን ወለንተኛታትን በብስድራቤት እናተዘዋወሩ ንህጻናት ይኸትቡ፡ ከምኡ’ውን ኣቐዲሞም ፈጺሞም ክታበት ዘይወሰዱ ህጻናት ፈልዮም ናብ ስሩዕ ኣገልግሎት ክታበት የሰጋግሩዎም ኣለዉ።
ኢትዮጵያ ካብቲ ባህርያዊ (wild) ቫይረስ ፖልዮ ናጻ እኳ እንተዀነት፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ክልላት ጋምቤላ፡ ኦሮምያን ደቡብ ኢትዮጵያን ዝተራእየ ተቐያያሪ ቫይረስ ፖልዮ (cVDPV1) ግና ሓድሽ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ። እዚ ህጹጽ ወፍሪ ድማ ነዚ ምስፍሕፋሕ ንምግታእ ዝተወስደ ስጕምቲ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ኣብ ከተማ ኣርባምንጭ ኣብ ዝተኻየደ መበገሲ እቲ ወፍሪ ንውድብ ጥዕና ዓለም ብምውካል መደረ ዘስመዐ ዶክተር ላቭደይ ንክዎጉ፡ “ነፍሲ-ወከፍ ዝኽተብ ቈልዓ፡ ንኢትዮጵያ ካብ ፖልዮ ናጻ ናብ ዝዀነ መጻኢ ሓደ ስጕምቲ የቕርባ፡” ብምባል፡ ኵሉ ህጻን ውሑስ ጅማሮ ህይወት ምእንቲ ክረክብ ወለድን መራሕቲ ማሕበረሰብን ብሓባር ደው ክብሉ ጸዊዑ።
ተወሳኺ፤











