ኣብ ኣላማጣ ዝተፈጸመ ደብዳብ ከቢድ ብረት ከም ገበን ኲናት ክምርመር ኣምነስቲ ጸዊዑ

ምንጪ ስእሊ, SM
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን መሻርኽቱ ዝዀነ "ሓይሊ ሰላም ትግራይ"ን ዝሓለፈ መስከረም 2026 ኣብ ከተማ ኣላማጣ ዘካየድዎ፡ ንጹሃን ዝተቐትልሉ ደብዳብ ከቢድ ብረት ከም ገበን ኲናት ክምርመር ከም ዘለዎ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ።
ኣምነስቲ፡ ሰኑይ 23 ሕዳር 2026 ምሸት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቲ ኣብ መወዳእታ መስከረም ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ ደብዳብ፡ ንህይወት 80,000 ነበርቲ እታ ከተማ ኣብ ሓደጋ ዘውደቐ ኣፈላላይ ዘይብሉ መጥቃዕቲ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
በቲ መጥቃዕቲ እንተ ወሓደ ሞት 14 ሰለማውያን ሰባት ብገለልተኝነት ከም ዘረጋገጸ ዝሓበረ እቲ ትካል፡ ሓይልታት ህወሓት'ውን ወተሃደራዊ መዓስከራቶም ኣብ ጥቓ መንበሪ ኣባይትን ኣብ ውሽጢ ኣብያተ-ትምህርትን ብምቛም ንሰለማዊ ህዝቢ ንሓደጋ ኣቃልዖም እዮም ክብል ወቒሱ።
ኣብ ደቡባዊ ትግራይ እትርከብን ብኽልል ኣምሓራ ናይ "ይግብኣኒ" ሕቶ ዝለዓለላን ስትራተጅያዊትን ከተማ ኣላማጣ፡ ካብ 26 ክሳዕ 29 መስከረም 2026 ብርቱዕ ውግእ ከም ዝተኻየደላ ቢቢሲ ምጽብጻቡ ይዝከር። ኣብቲ እዋን ብዝተተኰሰ ከቢድ ብረት ልዕሊ 50 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ምንጭታት ሆስፒታልን ነበርትን ገሊጾም ነይሮም።
ላዕለወይቲ ዳይረክተር ዞባዊ ጽልዋ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ያስሚን ኣሕመድ፡ "ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሓይሊ ሰላም ትግራይን ንህይወት 80,000 ነበርቲ ምሉእ ብምሉእ ዕሽሽ ብምባል፡ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ንኣላማጣ ብተደጋጋሚ ደብዲቦም እዮም፡" ኢላ።
ቀጺላ፡ ፍልልይ ከይተገብረ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ ዝካየድ ደብዳብ ዓለምለኻዊ ሕጊ ዝጥሕስ ብምዃኑ ከም ገበን ኲናት ክምርመር ከም ዘለዎ ኣስሚራትሉ።
እቲ ትካል ምስ 28 መሰኻኽር ዓይኒ፡ ካብቲ መጥቃዕቲ ዝደሓኑን ሰብ-ሞያ ሕክምናን ብምዝርራብ፡ ከምኡ'ውን ቪድዮታትን ኣሳእል ሳተላይትን ብምምርማር፡ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ኣላማጣ 13 ኪሎሜተር ርሒቖም ካብ ዝርከቡ ከባቢታት ዋጃን ጥሙጋን ከም ዝተተኲሰ ኣረጋጊጹ።
ሓደ ካብቲ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ፡ ብ27 መስከረም 2026 ኣብ ቀበሌ 04 ኣብ ዝርከብ 'ኮንዶሚንየም' ዝተባህለ መንበሪ ከባቢ ዝወደቐ መድፍዕ እዩ። እቲ ደብዳብ ሓሙሽተ ኣባይቲ ሃሪሙ ሸውዓተ ሰባት ቀቲሉ፡ ኣርባዕተ ድማ ኣቝሲሉ።
ካብቶም ግዳያት፡ ሓንቲ ጓል 26 ዓመት ኣደ፡ ወዲ 8 ዓመት ወዳን ሓዋን ኣብ ውሽጢ ቤቶም ተቐቲሎም፤ ወዲ ክልተ ዓመት ካልእ ህጻን ወዳ ጥራይ ቈሲሉ ድሒኑ።
ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ካልእ መንበሪ ገዛ ድማ ናይ ሓደ ስድራቤት ኣርባዕተ ኣባላት ብሓንሳእ ተቐቲሎም። ብተወሳኺ፡ ኣብ በዓል ዳሜራ (26 መስከረም) ኣብ ቀበሌ 02 ኣብ ዝርከብ ቤት-መስተ ብዝወደቐ ተተኳሲ እንተ ወሓደ ሰለስተ ሰባት ምማቶም ተገሊጹ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ጸብጻቡ፡ ሓይልታት ህወሓት እውን ቅድሚ'ቲ ግጭት ምጅማሩ ኣብ ዝነበሩ ኣዋርሕ፡ ኣብ ኣላማጣ ዝርከባ ዳርጋ ኵለን ኣብያተ ትምህርቲ ከም ወተሃደራዊ መዓስከር ይጥቀሙለን ከም ዝነበሩ ኣቃሊዑ። እዚ ድማ ንሰለማዊ ህዝቢ ከም መከላኸሊ ናይ ምጥቃም ሓደገኛ ተግባር ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ያስሚን ኣሕመድ፡ ህወሓት ሓይልታቱን ኣጽዋሩን ኣብ መንበሪ ገዛውቲ ምውፋሩ ምጥሓስ ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ ክኸውን ከም ዝኽእል ጠቒሳ፡ "ይዅን'ምበር፡ እዚ ተግባር'ዚ ንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ካብ ሓላፍነት ናጻ ኣየውጽኦምን እዩ፤ ጽዑቕ ህዝቢ ኣብ ዘለዎ ከባቢ ከም መድፍዕ ዝኣመሰሉ ተተኰስቲ ኣጽዋር ብዘይ ፍልልይ ምጥቃም ብፍጹም ቅቡል መመኽነይታ ክህልዎ ኣይኽእልን፡" ኢላ።
ህወሓት ነዚ ብወገን ኣምነስቲ ዝቐረበሉ ክሲ ብደብዳበ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ነቲ ውንጀላ "መሰረት ዘይብሉ" ብምባል ምሉእ ብምሉእ ነጺግዎ ኣሎ። ናብ ዝዀነ መደምደምታ ቅድሚ ምብጻሕ ድማ ተወሳኺ ገለልተኛን ኵለመዳያውን መርመራ ክካየድ ጸዊዑ።

ምንጪ ስእሊ, amnesty
ብወገን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ፈደራላዊ መንግስትን ዛጊት ዝተዋህበ ርእይቶ የሎን። ቢቢሲ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ መብርሂ ንምርካብ ናብ ሰራዊት ምክልኻል ሕቶ ኣቕሪቡ ኣሎ።
እቲ ኣህጉራዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብቕልጡፍ ገለልተኛ መርመራ ከካይድ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ነቲ ግጭት ዝካየደሉ ዘሎ ከባቢታት ንጋዜጠኛታትን ዓለምለኻውያን ተዓዘብትን ክፉት ክገብር ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ኣብ መፋርቕ መስከረም 2026 ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ መዓርፎ ነፈርቲ ድሕሪ ምቍጽጻሮም፡ እቲ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝነበረ ውግእ ዳግማይ ተወሊዑ።
ፈደራላዊ መንግስትን መሻርኽቱን ኣብ ሓጺር ግዜ ንኣላማጣ ሓዊስካ ንቐንዲ ከተማታት ትግራይ ዳግማይ ዝተቘጻጸሩ ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣብ ከባቢታት ዶብ ግን ውግእ ሕጂ'ውን ቀጺሉ ይርከብ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ክልተአን ሃገራት ብብዝሒ ሰራዊተን የዋፍራ ምህላወን ማዕከን ዜና ሮይተርስን ትካል 'ኣክሌድ'ን ሓቢሮም ነይሮም። እዚ ድማ ነቲ ዞባ ናብ ዝገደደ መጠነ-ሰፊሕ ኲናት ከእትዎ ይኽእል እዩ ዝብል ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።


![ላዕለዋይ ሓላፊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ማርክ ሩተ [ጸጋም] ቻንስለር ጀርመን ፍረደሪክ መርዝ [የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1177/live/c8dee990-e7a8-11f1-96e2-87034e8ab973.jpg.webp)

















![መራሒ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን [ጸጋም] ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ [የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/cc28/live/eff3f9c0-dc0f-11f1-a701-fddedf244c16.png.webp)





