መጥቃዕቲ መርከብ ሩስያ ኣብ ሊብያ፡ ኲናት ዩክረይን ይስፋሕፋሕ ድዩ ዘሎ?

ምንጪ ስእሊ, Vantor
ካብ ሞስኮ ዳርጋ 2,000 ማይል ርሒቓ ኣብ ወደብ ማእከላይ ባሕሪ ዓሪፋ ዝነበረት "መርኩሪ" ዝተባህለት መርከብ ኲናት ሩስያ፡ መራሒኣ ካብ ዝዀነ መጥቃዕቲ ውሑስ ኣብ ዝዀነ ቦታ ከም ዘላ ተሰሚዕዎ ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ፡ እቲ ሓቂ ካልእ ኰይኑ ረኺብዎ።
ትካል ስለያ ዩክረይን (SBU) ምስ ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ብምትሕብባር ኣብ ወደብ ቤንጋዚ ዘካየድዎ ዘገርምን ዕዉትን ናይ ለይቲ መጥቃዕቲ፡ "ኲናት ዩክረይን ካብ ዶባቱ ወጺኡ ብዕምቈት ይስፋሕፋሕ ድዩ ዘሎ?" ዝብል ጐሊሑ ዝረአ ሕቶ ክፈጥር ክኢሉ።
መልሲ ናይዚ ሕቶ 'እወ' ዝብል ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቲ ኲናት ኣቐዲሙ'ውን እናሰፍሐ እዩ ጸኒሑ። እንተዀነ፡ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ "ኣርኣያዊ ስርሒት" ክብል ዝገለጾ እዚ ስጕምቲ፡ ንደረጃ ሓደጋን ወጥርን እቲ ኲናት ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ከደይቦ ምዃኑ ኣየጠራጥርን።
ሩስያ ብወገና፡ ንሰለማዊ ህዝቢ ዩክረይን ብዕለታዊ ደብዳብ ሚሳይላትን ድሮናትን ኣምበርኪኻ ኢድ ንምሃብ ዘየቋርጽ ወፍሪ እናኣካየደት ኣብ ዘላትሉ እዋን፡ ነዚ ፍጻመ "ሓደገኛ ምትእትታውን ምስፍሕፋሕ ወጥርን" ኢላቶ ኣላ።
እዚ ስጕምቲ ዝመጽእ ዘሎ፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ወሽመጥ ፊንላንድ ኣብ ልዕሊ እትጓዓዝ ዝነበረት መርከብ ጽዕነት ሩስያ ብድሮን ተፈጺሙ ንዝተባህለን ቤተ-መንግስቲ ክረምሊን "ተግባር ግብረ-ሽበራ" ኢሉ ንዝዀነኖን መጥቃዕቲ ስዒቡ እዩ።
ቅድሚ ሕጂ'ውን ነዊሕ ርሕቀት ዝጓዓዛ ድሮናት ዩክረይን፡ ኣብ ኡስት-ሉጋ ዝርከብ ናይ ሩስያ መዕረፊ ነዳዲ ባልቲክ ሃሪመን ነይረን እየን።
ገለ ካብቶም ፕረዚደንት ዘለንስኪ "ናይ ነዊሕ ርሕቀት እገዳ" እናበለ ዝጽውዖም ተባዓት መጥቃዕትታት ድሮን ዩክረይን፡ ካብ ዶባታ ኣሽሓት ኪሎሜተራት ኣቋሪጾም ክሳብ ውሽጢ ሳይበርያ ብምእታው ዒላማታቶም ወቒዖም እዮም።
ካብዚኣቶም እቲ ዝያዳ ጐሊሑ ዝጥቀስ፡ ዝሓለፈ ዓመት ዝተፈጸመ "ስርሒት መርበብ ሳሬት" እዩ። ኣብቲ ስርሒት፡ ብፍሉይ ዝተዳለወት ናይ ጽዕነት ማኪና ናብ ጥቓ መዓስከር ነፈርቲ ስትራተጅያዊ ንዩክለሳዊ ደብደብቲ ሩስያ ድሕሪ ምቕራባ፡ ተፈንጀርቲ ዝጸዓና ዕስለ ድሮናት ብምልቃቕ፡ ንሓያሎ ክቡራት ደብደብቲ ነፈርቲ ኣዕንያን ካብ ስራሕ ወጻኢ ገይራን እያ።
ዩክረይን ኣብ ርሑቕ ኣህጉር ኣፍሪቃ እውን እንተዀነ ወተሃደራዊ ስጕምትታት ካብ ምውሳድ ድሕር ኣይበለትን። ኣብኡ ድማ ሓይልታታ፡ ነቶም መተካእታ እቲ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝተወገደ ጕጅለ ዋግነር ዝዀኑ ዕሱባት ወተሃደራት ሩስያ (Africa Corps) ዒላማ ገይሮም ኣጥቂዖም እዮም።
በዚ ኣብ ወደብ ቤንጋዚ ዝተፈጸመ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ዩክረይን ዝሰንበደት ሩስያ ጥራይ ኣይኰነትን። ኣብ ሊብያ ዝርከብ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት እውን "ዓሚቝ ሻቕሎቱ" ድሮ ገሊጹ ኣሎ።
ሰበ-ስልጣን ሊብያ፡ ሃገሮም ኣብዚ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኢድ ከም ዘይብላ የረድኡ። ይዅን'ምበር፡ እታ "መርኩሪ" እትበሃል መርከብን ምሳኣ ዝነበረት መርከብ ጽዕነትን፡ በቲ ደጋፊ ሞስኮ ዝዀነ፡ ባዕሉ "ፊልድ ማርሻል" እናበለ ዝጽዋዕ መራሒ ዕጡቓት ኻሊፋ ሓፍታር ኣብ ዝቈጻጸሮ ምብራቓዊ ክፋል ሊብያ እየን ዓሪፈን ነይረን።
ዓለምለኻዊ ትካል መጓዓዝያ ባሕሪ (IMO)፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ልዕሊ ንግዳውያን መራኽብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝወረደ መጥቃዕትታት ኵሉ ክዅንን እዩ ጸኒሑ። ሎሚ ድማ እዚ ናይ ቤንጋዚ ፍጻመ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ መጓዓዝያ ባሕሪ ሓደገኛ ኣብነት ከይከውን ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።
ዩክረይን ካብ ሃገራ ኣመና ኣብ ዝረሓቐ፡ ኣብ ገለልተኛ ወደብ ኣብ ዝርከባ መራኽብ ሩስያ ከምዚ ዝኣመሰለ ደፋር መጥቃዕቲ ክትፍጽም ካብ ከኣለት፡ ድሕሪ ሕጂ ደው መበሊኡ እንታይ ክኸውን እዩ?
ኣብ ካልኦት ክፋላት ኤውሮጳ ዝፈጥሮ ዘሎ ጽልዋ
መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ዝጀመረትሉ መበል ሓሙሻይ ዓመት እናተቓረበ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፡ እዚ ኲናት ድሮ ናብ ካልኦት ኵርናዓት ኤውሮጳ እናለሓመ ይኸይድ ኣሎ።
ንኣብነት ብዓርቢ፡ ሓያሎ ተወንጨፍቲ ኣጽዋር ሩስያ ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ፖላንድ ወደቑ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ዩክረይን ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ እንተ ተበጺሑ ወተሃደራተን ንምዋፋር ተባሂሉ ብእንግሊዝን ፈረንሳን ዝካየድ ዝነበረ ወተሃደራዊ ልምምድ 60 ማይል ጥራይ ርሒቑ ዝተኸስተ እዩ።
ቀዳማይ ምኒስተር ፖላንድ ዶናልድ ቱስክ፡ እዚ ፍጻመ ብወገን ሞስኮ "ኰነ ተባሂሉ ዝተገብረ ትንኵሳ" ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።
ተተኳሲ ኣጽዋር ሩስያ ኣብ ውሽጢ ፖላንድ—ማለት ኣብ ትሕቲ ዕቝባ ኔቶ ዘሎ ግዝኣት—ክወድቕ ንመጀመርታ ግዜ ኣይኰነን። ኰይኑ ግን ተዓዘብቲ፡ ሩስያ ንዶባት ኔቶ ንምፍታሽ እትወስዶ ዘላ ስጕምቲ እናተጓሃሃረን ድፍረት እናወሰኸን ይኸይድ ብምህላዉ፡ ዝያዳ ተሪር ምላሽ ክወሃብ ዝጽውዑ ወገናት እናበዝሑ መጺኦም ኣለዉ።
ይዅን'ምበር፡ ሩስያ ድሮ ብወገን ምዕራባውያን ጽኑዕ እገዳ ተነቢርዋ ኣሎ፤ ኤውሮጳ'ውን ካብ ሩስያ እተእትዎ ዝነበረት ጸዓት መብዛሕትኡ—ኵሉ እኳ እንተ ዘይኰነ—ኣቋሪጻቶ እያ። ስለዚ፡ ካልእ ናይ ሕነ ምፍዳይ ኣማራጺታት ኣዝዩ ጸቢብ እዩ።
ሮማንያን ሞልዶቫን፡ ናብ ወደባት ጸሊም ባሕሪ ዩክረይን ዝነጠራ ድሮናት ሩስያ ብሰማየን እናሓለፋ ብተደጋጋሚ ይወድቃአን ኣለዋ። ቡልጋርያን ሮማንያን ድማ ኣብ ገማግም ባሕረን ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሳ ንግዳውያን መራኽበን ብናይ ባሕሪ ድሮናት መጥቃዕቲ ተፈጺሙወን እዩ።
ኣባል ኔቶ ዝዀነት ሮማንያ፡ ነተን ናብ ሰማያ ዝኣተዋ ድሮናት ሩስያ ንምዕጋት ተዋጋእቲ ነፈርታ ብህጹጽ ክበርራ ተገዲዳ እያ፤ እዚ ተደጋጋሚ ምጥሓስ ዶብ ድማ ኵሉ ብስሕተት ወይ ብሃንደበት ዝተፈጸመ ኣይኰነን ዝብል ሓያል ጥርጣረ ኣሎ።
ሰለስተአን ሃገራት ባልቲክ—ኤስቶንያ፡ ላትቭያን ሊትዌንያን—ምስ ሩስያ ዝዳወባ ብምዃነን፡ ኵለን ነብሰን ኣብ ግንባር ቀደም ናይዚ ኲናት ከም ዘለዋ እየን ዝቘጽራ።
ኣብዘን ሃገራት ኣብ ዝርከቡ ናይ ምክልኻልን ወተሃደራዊ-ኢንዱስትሪ ትካላትን፡ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ኣካላት ሓያሎ መጥቃዕትታት ተኻይዶም እዮም፤ እዚ ድማ ብልኡኻት ሞስኮ ከም ዝተፈጸመ እዩ ዝእመን።
ሩስያ ብወገና፡ ድሮናት ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ወደባታ መጥቃዕቲ ንኽፍጽማ ኤስቶንያ ሰማያዊ ክልላ ብምኽፋት ኢድ ኣለዋ ዝብል ጥርጣረ ኣለዋ።

ዝተሓዋወሰ መጥቃዕትታትን ምስፍሕፋሕ ዘይስሩዕ ኲናትን
ዝተሓዋወሰ ኲናት ሓድሽ ተርእዮ ኣይኰነን፤ ሕጂ ግን ብዝለዓለ ደረጃ ግሁድ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ።
እዚ ሜላ'ዚ፡ ክልተኦም ወገናት ብግሁድ ሓላፍነት ብዘይወስዱሎም ስቱር ኣገባባት ዝፍጽምዎ ኰይኑ፡ ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ፡ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ዝሓዙ መኽዘናት ምንዳድ፡ ከምኡ'ውን ንስለያን ዕንወትን ዝዓለማ ተፈንጀርቲ ድሮናት ምውፋር ዘጠቓልል እዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ነፈርቲ ጽዕነት ዩክረይን ኣጽዋር ንምስግጋር ከም ማእከል ዝተጠቐማሉ ናይ ጀርመን መዓርፎ ነፈርቲ ላይፕዚግ-ሃለ፡ ብሰለስተ ተፈንጀርቲ ድሮናት ዒላማ ተገይሩ ነይሩ፤ እንተዀነ፡ ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ሰብ ጉድኣት ከየብጽሓ ተረኺበን ኣልግሳ ተባሂለን እየን።
ብተመሳሳሊ፡ ንጀርመን፡ ፖላንድን ዓባይ ብሪጣንያን ዒላማ ዝገበሩ ተፈንጀርቲ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ብፖስታ ናይ ምልኣኽ ተደጋጋሚ ፈተነታት ተራእዩ እዩ። ሞስኮ ግን ኣብዚ ኵሉ ኢድ ከም ዘይብላ ብትሪ ትነጽጎ።



![ላዕለዋይ ሓላፊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ማርክ ሩተ [ጸጋም] ቻንስለር ጀርመን ፍረደሪክ መርዝ [የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1177/live/c8dee990-e7a8-11f1-96e2-87034e8ab973.jpg.webp)

















![መራሒ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን [ጸጋም] ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ [የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/cc28/live/eff3f9c0-dc0f-11f1-a701-fddedf244c16.png.webp)





