ምስዮናዊ ዮናስ ኢቫርሶን፡ ታሪኻዊ ግደ ኣብ ምህናጽ ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያንን ትምህርትን ኤርትራ

ኣብ ታሪኽ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብብዙሕ ጻዕሪ ዝተሰግሩ ሽግራትን ዝተኸናወኑ ፍጻመታትን ብዓይኒ ሎሚ ክረኣዩ እንከለዉ፡ ብናፍቖት ጥራይ ዘይኰነስ ብተደንቖ ከም ዝዝከሩ ጸሓፍቲ ታሪኽ ይገልጹ።
ምስዚ ተተሓሒዙ፡ እቶም ኣብ መሰጋግሮታት ዝሓለፉ እዋናት ዝተሳተፉ ማሕበራት ይዅኑ ውልቀሰባት፡ ብድሕረ-ኣስተንትኖኣዊ ጠመተ ንኡድ ስራሕ ከም ዘበርከቱ እውን ይበርህ።
ካብ መንጐ እዚኣቶም፡ ስም ሽወደናዊ ምስዮናዊ ቀሺ ዮናስ ኢቫርሶን (1867–1947) ብፍሉይ ይጥቀሱ። ብፍላይ እቶም ኣብ ክቢ ምእመናን ከኒሻ ዓሲሎም ዝነበሩ ማሕበረሰባት፡ ኣብ ምምስራትን ምምዕባልን ማሕበር ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ዓቢ እጃም ስለ ዝነበሮ ብግዙፍ ሞሳ ይዝክርዎም።
ቀሺ ኢቫርሶን ዝበዝሐ ክፋል ህይወቶም ኣብ ኣስመራን ካልእ ከባቢታት ኤርትራን እዮም ኣሕሊፎምዎ። ብጻዕሮም ንማሕበረሰባት ኤርትራ ዘበርከትዎ ቀንዲ ህያባት ኣብ ሰለስተ መዳያት ዝተጠርነፉ ነበሩ፤ ኣብ ምህናጽ መርሓን ምሕደራን ቤተ-ክርስትያን፡ ኣብ ምትካልን ምምዕባልን ቀለማውን መንፈሳውን ትምህርቲ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ምምዕባል ብደቀ'ባት ዝእለ ማሕበር ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን።
ካብ ጽግዕተኝነት ናብ ርእሰ-ምሕደራ
ቀሺ ኢቫርሶን ኣብቶም መሰጋግሮታት ተራ ምእመናን ንምድንፋዕን፡ ንማሕበረሰብ ወንጌላውያን ኤርትራ ካብ ብጸዓዱ ዝምራሕ መሪሕነት (ጽግዕተኝነት) ኣገላጊሎም ናብ ርእሰ-ምሕደራ ንምስግጋር ዘድልዩ ድልድላት ኣብ ምትካልን ዓቢ ግደ ነይርዎም።
ብመሰረት ሰነዳት ታሪኽ፡ ብ26 መስከረም 1926 ምስዮን ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ንኽትትከል ኣኽኢሎም እዮም።
ኣብቲ ፈለማይ ሲኖዶሳዊ ኣኼባ፡ ቀሺ ኢቫርሶን ከም ቀዳማይ ፕረዚደንት ናይታ እግሪ ዘትከልዋ ቤተ-ክርስትያን ኰይኖም ክምዘዙ እንከለዉ፡ ምኽትሎ ድማ ቀሺ ተወልደመድህን ገብረመድህን ነበሩ።
እዚ ፍጻመ'ዚ ኣብ ትካላዊ ምዕባለ ምስዮን ኤርትራ ርኡይ ስጕምቲ ምንባሩ ይግለጽ።
እታ ቤተ-ክርስትያን በቶም ቀሺ ኢቫርሶን ዘሰልጠንዎም ወንጌላውያንን መምህራንን ኣቢላ እግሪ ምስ ተኸለት፡ ብሽወደናውያን ዝተደገፉ ብርክት ዝበሉ ኣብያተ ጸሎትን ትምህርትን ብምትካልን ብምክያድን ተልእኾኣ ክብ ከተብል ከኣለት።
ምስኡ ተተሓሒዙ ድማ ኣብ ፈቐዶኡ ምንባብን ምጽሓፍን ተስፋሕፍሐ። እቶም ምእመናን ብዝቐሰምዎ መንፈሳዊ ትምህርቲ ተደሪኾምን ብናይ ቀለም ትምህርቲ ተሰንዮምን በብዓይነቱ መንፈሳውን መሃርትን ጽሑፋት ብምፍራይ ንሕብረተሰቦም ከስንቕዎ በቕዑ፤ እዚ ንዋት'ዚ ከኣ ነቲ ማሕበረሰብ ንቕድሚት ከሰጕም ኣኽኣለ።
ይዅን እምበር፡ ተመራመርቲ ታሪኽ ከም ዘረድእዎ፡ ቀሺ ኢቫርሶን ብዝተጻወትዎ መሪሕ ተራ ነቲ ሕብረተሰብ ከኒሻ ክብ እኳ እንተ በሎ፡ ብዘይ ምትሕብባር ደቂ ማሕበርን ኣብኣቶም ዝተኸሰተ ንቕሓትን ክዕወት ኣይምኸኣለን።
ኤርትራውያን ካህናት፡ መምህራን፡ ተርጐምቲ ከምኡ'ውን ኣብ ኵሉ መዳያት ዝተሳተፉ ደቂ ማሕበር ዘበርከትዎ ተራ፡ ንስራሕን መርሓን ኢቫርሶን ብምድጋፍ ናይ ሓባር ጻማ ክረኽቡ ኣብቂዕዎም እዩ።
ቤት ማሕተም ኣስመራን ሓቛፊ ኣሰራርሓን
ቀሺ እዝራ ኣብታ 'ከኒሻ' ዘርእስታ መጽሓፎም፡ ብዛዕባ ተራ ቀሺ ኢቫርሶን ሰፊሕ ሓተታ ቀሪቡ ኣሎ። "እቲ ኢቫርሶን ዘተኣታትዎን ዝሃንጾን ዝነበረ ስርዓት ኣብ ኣባላት ምእመናን ከኒሻ ጥራይ ኣይተሓጽረን" ዝብሉ ቀሺ እዝራ፡ ኢቫርሶን ንኻልኦት ኤርትራውያን - ብፍላይ ንኣባላት ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ኰነ ንደቂ መታሕት - ኣብ መደባቶም ብምእታው የሳትፎዎምንን የስርሑዎምን ከም ዝነበሩ ይገልጹ።
ሓደ ካብቶም ፍሉያት ኣተኣላልያ ስራሕ ቀሺ ኢቫርሶን፡ ነቶም ዝተኽልዎም ዝነበሩ ትካላት ብዓቕሚ ሰብ ይዅን ብገንዘብ ብገዛእ ርእሶም ንኽመሓደሩ ይጽዕሩ ምንባሮም እዩ።
ንኣብነት፡ እቲ ኣብ ኣስመራ ዝተተኽለ ዓቢ ቤት ማሕተም ከም ኣብነት ይጥቀስ። ቀሺ እዝራ ከም ዝገልጽዎ፡ ኣብ ፈለማ 1890ታት በቲ ኣብ ኣስመራ ተተኺሉ ዝነበረ ቤት ማሕተም ኣቢሉ ብርክት ዝበሉ ስርሓት ይካየዱ ነበሩ።
እቲ ምስዮን ንመባእታ ትምህርቲ ዝዀኑ ጥራዛውቲ ኣብ ምድላውን ምሕታምን ይነጥፍ ምንባሩን፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተወስዱን ዝተተርጐሙን ጽሑፋት የሕትም ስለ ዝነበረ ኣብ ምብርባር መንፈስ ምእመናን ተራ ከም ዝነበሮን ይጠቅስ።
ብተወሳኺ፡ ብቋንቋታት ትግርኛ፡ ትግረን ኩናማን መጻሕፍቲ መዝሙር ብምሕታም ኣብ ኵሉ የባጽሑ ከም ዝነበሩ የብርሁ።
እቲ ቤት ማሕተም ክሳብ ክንደይ ምዕቡል ከም ዝነበረ ንምግላጽ፡ ቀሺ እዝራ ካብ ምርምር ኤኖ ሊትማን ብምጥቃስ፡ "እቲ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ቤት ማሕተም ብበብዓይነቱ ቋንቋታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ተጠቒሙ ንህዝቢ ኣገልግሎት ይህብ ነበረ" ከም ዝበለ ኣስፊሮም ኣለዉ።
እዚ ድማ ብቋንቋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ማለት ምንባሩ የረድእ። ፍሉጣት ኣቦታት ከም በዓል ቀሺ ዘራጽዮን፡ ቀሺ ሰሎሙንን ካልኦትን ብርክት ዝበሉ ጽሑፋት ከበርክቱ ብምኽኣሎም እቲ ስራሕ ቤት ማሕተም ክምዕብል ከም ዝኸኣለን፡ ብዘመኖም ከኣ ሰለስተ ቤተ መጻሕፍቲ ከም ዝተኸፍታን ኣብታ መጽሓፍ ተገሊጹ ኣሎ።

ኣብያተ ትምህርቲ፡ ሞያዊ ስልጠናን ማሕለኻታትን
እቲ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ክሳብ ክንደይ መሪሕ ተራ ከም ዝነበሮ፡ ምስ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም መሳርሕቲ ዝነበረት ሲግነ በርግ ኣብ ናይ 1921 ጸብጻባ ኣስፊራቶ ኣላ።
ብመሰረት ጸብጻባ፡ በቲ ዘመን'ቲ እቲ ቤት ትምህርቲ ሓሙሽተ ክፍልታት ነይረንኦ። ኣብቲ ቀዳማይ ክፍሊ ብደቀ'ባት መምህራንን ብወይዘሮ ትሮን (በዓልቲ ቤቶም ነቶም ውሩይ ቀሺ ትሮን)ን ይእለ ነበረ።
ተምሃሮ ቀዳማይ ክፍሊ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጽሕፈት ትግርኛ፡ ጽሕፈት ላቲን (ቋንቋ ጣልያን) ከምኡ'ውን ቍጽሪ ይመሃሩ ነበሩ።
ተምሃሮ ካልኣይ ክፍሊ ካብቶም ናይ ቀዳማይ ክፍሊ ዝማዕበለ ትምህርትን መባእታዊ ኣምሓርኛን ይመሃሩ ነበሩ። ካብ ሳልሳይ ክፍሊ ጀሚሮም ከኣ ጂኦግራፊ፡ ታሪኽ፡ ሳይንስ ከምኡ'ውን ዝርርብ ኣምሓርኛ ይወስዱ ከም ዝነበሩ ሲግነ በርግ ትጠቅስ።
ኣብ ራብዓይ ክፍሊ ዝማዕበለ ክፋል ናይ ሳልሳይ ክፍሊ ክመሃሩ እንከለዉ፡ ኣብ ሓሙሻይ ክፍሊ ድማ ብሉይ ኪዳንን ግእዝን ይውሰኸሎም ነበረ።
ካብ ናይ ቀለም ትምህርቲ ሓሊፉ፡ ሞያዊ ትምህርትን ማሕበራዊ ሓላፍነትን እውን ይወሃብ ነበረ። ተምሃሮ ከም ማይ ምውራድ፡ ዕንጸይቲ ምእራይን ክዳውንቶም ምሕጻብን ዝኣመሰሉ ዕለታዊ ስርሓት ይዓዩ ከም ዝነበሩን፡ ገሊኦም ከኣ ከም ማእለማ ዝኣመሰሉ ጥበባት ይመሃሩ ከም ዝነበሩን ተመዝጊቡ ኣሎ።
በዚ ኣገባብ'ዚ ቍጽሪ ተምሃሮ ኣብ ኣስመራ እናወሰኸ ኸደ። ብመሰረት ሰነዳት ቤተ-ክርስትያን፡ ብ1925 ቍጽሪ ተምሃሮ 200 በጺሑ ነበረ።
ፍርቆም ናይ ምኽፋል ዓቕሚ ስለ ዘይነበሮም፡ ኣብ ትሕቲ ክንክን ምስዮን ኣብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ኣተዉ። ሽዑ 'መላመዲ' ዝበሃል ሓድሽ ክፍሊ (ኣዚሎ) ተወሲኽዎ፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ሽድሽተ ክፍልታት ሒዙ ነበረ።
ሲግነ በርግ ነቲ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ብግቡእ ተመሓድሮ ከም ዝነበረት ኣብ ጸብጻባት ክሰፍር እንከሎ፡ ናይ መንግስቲ ተቈጻጻርቲ እውን ነቲ ቤት ትምህርቲ ብኣካይድኡ ብናእዳ ገሊጾምዎ ነበሩ።
እዚ ዅሉ ምዕባለ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ቀሺ ኢቫርሶን እኳ እንተ ተኻየደ፡ ዘጋጠሞ ጸገማት ግን ቀሊል ኣይነበረን።
ብሓደ ሸነኽ ጣልያን ንምስዮን ሽወደን ይጻብእዎን ንስርሑ ማሕለኻታት ይገብሩሉን ከም ዝነበሩ፡ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ስርሓት ምስዮን ንኸይስፋሕፍሕ ብግደኦም ዕንቅፋታት ይፈጥሩሉ ነይሮም እዮም።
ቀሺ ኢቫርሶን ግን ብዝከኣሎም መጠን ንዕላማኦም ተኸቲሎም ብምጽዓር ኣብ ስርሖም ክዕወቱ ክኢሎም እዮም።
ኣገልግሎት ጥዕናን ሆስፒታል 'ኢንፈርሜራ ኢቫንጀሊካ'ን
ስርሓት ምስዮን ካብ በለዛ ናብ ኣስመራ ምስ ሰገረ፡ ኣገልግሎት ጥዕና ንኽሰፍሕ ብዕቱብ ክሕሰበሉ ጀመረ። በዚ መሰረት ኣብ ኣስመራ - ኣብ ጸግዒ እቲ ቤት ትምህርቲ - ሓደ መጠነኛ ሆስፒታል ተሰሪሑ ንህዝቢ ኣገልግሎት ክህብ ጀመረ። ሕሙማት ከኣ ካብ ርሑቕን ቀረባን መጺኦም ይግልገሉሉ ነበሩ።
ታሪኽን ኣሰራርሓን እቲ 'ኢንፈርሜራ ኢቫንጀሊካ' ዝተባህለ ሆስፒታል ሰፊሕ እኳ እንተ ዀነ፡ ፍረ-ጻማ ምሕደራ ቀሺ ኢቫርሶንን ከም ዶክተር ደ-ፐርቲስ ዝኣመሰሉ መሳርሕቶምን ምዃኑ ተመዝጊቡ ይርከብ። ቅድሚኦም እውን ሓኪም ቪንክፊስት ንስርሓት ሕክምና ምስ ስርሓት ምስዮን ኣተኣሳሲሩ ይሰርሕ ከም ዝነበረን፡ ኣብ እምኵሉ (1883–1895) ከምኡ'ውን ኣብ በለዛ (1897–1909) ከም ሓኪም ኰይኑ ከም ዘገልገለን ታሪኽ የመልክት።

ታሪኻዊ ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ፡ ምስዮናውያን ዋላ'ኳ ቍጽሮምን ባጀቶምን ውሑድ እንተ ነበረ፡ ብዲሲፕሊን ኰነ ብኣካይዳ ስራሕ ዝነኣዱ ነይሮም።
ምሉእ ጕልበቶምን ትሕዝቶኦምን ኣብ ሰበኻኦም ብጥንቃቐን ልቦናን የዋፍርዎ ነበሩ። ዓቕሚ ሰብ ብምምዕባልን ትካላት ብግቡእ ብምህናጽን፡ ትካላትን ምእመናንን ሰሚሮም ንኽሰርሑ ይገብሩ ነበሩ።
ቀሺ ኢቫርሶን በቲ ኣገባብ'ቲ ስለ ዝሰርሑ፡ እቶም ዝተኸልዎም ትካላት ቀለማዊ ትምህርቲ፡ ሞያ፡ ክንክን ጥዕናን ሕትመትን ብድሌት፡ ቈራጽነት፡ ቅንዕናን ጸሎትን ተደሪኾም ክዕንብቡ ከኣሉ።
ዋላ'ኳ ዘመን ቀሺ ኢቫርሶን ምስዚ ዘለናዮ እዋን ዝመጣጠን እንተ ዘይኰነ፡ ገለ ተዓዘብቲ ነቲ ዝሓለፈ ኣሰራርሓ ምስ ህሉው ኵነታት ብምንጽጻር ኣዛራቢ ሕቶታት የልዕሉ እዮም።
ኤርትራ ድሕሪ 35 ዓመታት ናጽነት፡ ንዘለዋ ሃብታም ዕቝር ዓቕሚ ህዝባ ኣርኒባ ናብ ዝሓሸ ኵነታት ክትሰጋገር ዘይምኽኣላን፡ እቲ ንሰቡ ዝሓሊ፡ ብጁው፡ ለጋስን ፈታው ሃገሩን ዝዀነ ህዝባ ገና ብትጽቢት ይነብርን ኣብ ዓንኬል ልምዓት ብምሉእ ዓቕሙ ክሳተፍ ዘይምኽኣሉን ከም ኣተሓሳሳቢ ጕዳይ ይጥቀስ።
ድሩት ጸጋታት ዝነበራ ምስዮን ኣብ ሕብረተሰብ ነባሪ ምምሕያሻት ክትፈጥር እንከላ፡ ኣዝዩ ዝዓበየ ስልጣንን ሓላፍነትን ዘለዋ ልኡላዊት ሃገር ባህጊ ህዝባ ንምምላእ ስለምንታይ ትሽገር ዝብል ሕቶ ድማ በብእዋኑ ይለዓል እዩ።
ቀሺ ኢቫርሶን ከም መራሒ ምስዮን ብኽብርን ኣድናቖትን ዝዝከሩሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ። ንኣስመራ ማእከል ስርሓት ምስዮን ከም እትኸውን ዝገበሩን፡ ንደቀ'ባት ቈላሕታ ሂቦም ወንጌላዊ መንነት ብምሃብ ኣብ ስእሊ ከእትውዎም ዝበቕዑን ምንባሮም እዩ።
ሓጺር ታሪኽ ህይወት ቀሺ ዮናስ ኢቫርሶን
ቀሺ ዮናስ ኢቫርሶን ብ28 ነሓሰ 1867 ኣብ ሰበኻ 'ናስኮት' – 'የምትላንድ' ሽወደን ካብ ስድራ ቤት ሓረስቶት ተወልዱ። ኣብ ኡፕሳላ ተማሂሮም፡ ብ9 ሰነ 1896 ኣብ ሊንሸፒን ቅሽነት ተቐበሉ።
ኣብ ዓመቱ ድማ ንኤርትራ ብምጕዓዝ ኣብ ኣስመራ፡ ጸዓዘጋን በለዛን ሰርሑ። ምስ ቀዳመይቲ በዓልቲ ቤቶም ኰይኖም ኣብ ኣስመራ እንዳ ዘኽታማት (እንዳ ኣወዳት) ከምኡ'ውን ነቲ ንኤርትራ ዝመጽእ ዝነበረ ረዲኤት የመሓድሩ ነበሩ። ብ1899 እውን ኣብ ገለብ ቤት ክርስትያን ከም ዘስርሑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ብዓቢኡ፡ ካብ 1913 ክሳብ 1933 ንስርሓት ሚስዮን መሪሖም እዮም። ብግዜ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዓቕሚ ደቀ'ባት የሰልጥኑ ከም ዝነበሩን፡ ማዕረ-ማዕሪኡ ድማ ቤተ-ክርስትያን ብደቀ'ባት ንኽትመሓደር መደባት የውጽኡ ከም ዝነበሩን ይፍለጥ፤ በዚ ድማ ብ1926 ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን ብዕሊ ክትትከል በቒዓ እያ።
ብዕድመ ክደፍኡ ምስ ጀመረ ኣተኵሮኦም ብምልዋጥ ከም ወኪል ናይ ወጻኢ ምስዮን ሽወደን ኰይኖም ኣብ ፈቐዶኡ ይገይጹ ነበሩ።
ነቲ ዝተረፈ ህይወቶም ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ሓደ ቤተ-ክርስትያን እናሰበኹን እናመሃሩን ኣሕለፍዎ፤ ብድሕሪኡ ድማ ናብ ኡፕሳላ ከም ዝገዓዙ ይዝንቶ። ቀሺ ዮናስ ኢቫርሶን ብ26 ሓምለ 1947 ኣብ ኡፕሳላ (ሽወደን) ዓረፉ።
ዘይተተርጐመ መጽሓፍ
ቀሺ እዝራ ኣብ መጽሓፎም ከም ዝጠቕስዎ፡ ቀሺ ኢቫርሶን ምስ መምህር ኣለሳንድሮ ትሮን ሓቢሮም ብቋንቋ ጣልያን ዝጸሓፍዎም ልዕሊ 50 ገጻት ዘለዋ መጽሓፍ ኣላ።
እታ መጽሓፍ ብዛዕባ ታሪኽ ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን ካብ 1866 ክሳብ 1916 እተዘንቱ ኰይና፡ ንግዱሳት ተመራመርቲ ታሪኽ ጥራይ ዘይኰነትስ ንተራ ኣንባቢ ተተርጒማ ክትቀርብ እንተ ትኽእል፡ ፍልጠት ህዝቢ ክብ ንምባል ኣበርክቶ ክህልዋ ከም ዝኽእል ይእመን።
ኣብ መደምደምታ፡ ተመኵሮ ምስዮን ሽወደን ብቀሺ ኢቫርሶን ኣቢሉ ሓደ ዓቢ ትምህርቲ ከም ዝህብ ተንተንቲ ይገልጹ።
ንሱ ድማ ንህዝቢ ትምህርቲ ኣስኒቕካን መንገዲ ኣትሒዝካን ክምዕብል ዕድል ምስ እትህቦ፡ ባዕሉ ብዝፈጥሮ ጸዓት ክንቀሳቐስን ክዕንብብን ከም ዝኽእል ዘርኢ እዩ።


























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
