ወርሒ ካብ መሬትና ትርሕቕ ኣላ፡ ህይወትና በዚ ብኸመይ ክጽሎ'ዩ?

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ወርሒ ብቴክኒካዊ መዳይ ካብ መሬት ናብ ጠፈር እናረሓቐት ትርከብ።

ኣብ መንጎ ወርሒን መሬትን ዘሎ ርሕቀት ድማ ዓመታዊ ብኣስታት 3 ሴንቲሜትር ይዓቢ ኣሎ።

እዚ ተርእዮ፡ ኣብ መንጎ መሬትን ማዕበላትን ወርሕን ብዘሎ ዝተሓላለኸ ስሕበት ዝመጽእ እዩ።

እዚ ተመሳሳሊ ርክብ ንዓና'ውን ዝጸሉ እዩ። ወርሒ ካባና ብዝርሓቐት መጠን ዑደት ምድሪ ፍጥነቱ ይንኪ። እዚ ድማ ኣብ ነዊሕ ዓመታት ዝሓጸረ መዓልታት ከምዝህሉ ክገብር ተኽእሎ ኣሎ።

እዚ ጉዳይ ብሓቂ ቀስ ብቐስ ዝኸይድ መስርሕ እዩ። ምናልባት ኣስታት 200 ሚልዮን ዓመት ክወስድ ይኽእል።

ወርሒ ብኸመይ እያ ተፈጢራ?

ሓደ ተኽእሎ ወርሒ፡ ኣብ መጀመርታ ብስሕበት መሬት ዝተማረኸት ናጻ ንእሽቶ ፕላኔት ክትከውን ከምእትኽእል ይጠቅስ።

ማርስ፡ ፎቦስን ደይሞስን ብዝብል ንዝጽውዑ ንኽልተ ወርሕታታ በዚ መንገዲ ከም ዝረኸበት ይግመት።

ከም ኣማራጺ፡ ወርሕን መሬትን ብሓባር፡ ካብ ሓደ ሓመድን ጋዝን ክፈጥራ ተኽእሎ ኣሎ።

እዚ ምስ ቅናተ-ዙረት ወርሒ ዝያዳ ዝሰማማዕ'ኳ እንተዀነ፡ ንምንታይ ካብ መሬት ኣዝዩ ዝወሓደ ዓዕቒ ከም ዘለዎ ግን ንጹር ኣይኰነን።

ኣብዚ እዋን'ዚ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ዝመርጽዎ ክልሰ-ሓሳብ ግን፡ ቴያ ዝተባህለት ክንዲ ማርስ ዝዓቐና ፕላነት፡ ቅድሚ 4.5 ቢልዮን ዓመታት ምስ መሬት ተጋጭያ ዝብል እዩ።

ወርሒ ድማ ካብቶም በቲ ጽልዋ ናብ ጠፈር ዝተፈንጀሩ ቀለልቲ ባእታታት ዝተፈጥረት ኰይና፡ ነቲ ዝጸዓቐ ሕመረት መሬት ገዲፋቶ ከምዝኸደት ይሕሰብ።

ወርሒ ብኸመይ ንህይወትና ትጸሉ?

ወርሒ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ልዑል ጽልዋ ኣለዋ።

እቲ ኣዝዩ ርኡይ ዝዀነ ምልዓልን ምቕናስን ማዕበላት ማይ እዩ።

ካልእ ውሑድ ርኡይ ዝኾነ ሳዕቤናት ግን ኣሎ።

ንኣብነት ወርሒ ንሕንባበን ንዑደትን መሬት ፍጥነቱ ኣብ ምጉዳልን ኣብ ምውሳኽን ርኡይ ጽልዋ'ዩ ዘለዋ።

ወርሒ እንተዘይትህሉ፡ እቲ ሕምባንን ዑደት ምድርን ዓቢ ክኸውንን ቀልጢፉ ዝቕየርን ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ። ውጽኢቱ ድማ ኣብ መንጎ ወቕትታት ኣዝዩ ዝዓበየ ፍልልይን ኣዝዩ ዝዓበየ ፍልልይ ክሊማን ከስዕብ ይኽእል።

ስለዚ፡ ብዘይ ወርሒ፡ ህይወት ኣብ ምድሪ ኣዝዩ ዝተፈላለየ ምዕባለ ክህልዎ ተኽእሎ ኣሎ።

ዋላ'ውን ፈጺሙ ዘይማዕበለ ክኸውን ይኽእል።

ወርሒ ምርሓቓ እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ?

ወርሒ ካብ መሬት ትርሕቐሉ ዘላ ፍጥነት ኣብዛ ንነብረላ ዘለና መሬት ንዘሎ ህይወት ክጸልው ይኽእል እዩ።

እዚ ንክኸውን ግን ቢልዮናት ዓመታት ክወስድ ከምዝኽእል ሳይንቲስት ህዋ ዶክተር ማጊ ኣደሪን-ፖኮክ ይገልጽ።

እቲ ኣብ መንጎ መሬትን ወርሒን ዝፍጠር ዘሎ ዓመታዊ ርሕቐት 3.78 ሴንቲሜተር እዩ።

እዚ ንእሽቶ ክመስል ይኽእል። ግን ኣብ ነዊሕ ግዜ ንህይወት ኣብ ምድሪ ክጸልወው ይኽእል'ዩ።

ንምድሪ እውን ክትዝሕትል ክገብራ ይኽእል እዩ።

ወርሒ እትርሕቐሉ ዘላ ኣገባብ

እቲ ንጹር ዘይኰነ ነገር ስርዓት መሬትን-ወርሒን ኣብ ዝሓለፉ 4.5 ቢልዮን ዓመታት ብኸመይ ከም ዝማዕበለ'ዩ።

መሬት ክትዘውር ዝወስዶ ግዜን ወርሒ ክትዘውር እትወስዶ ግዜን ምስ ግዜ ብኸመይ ተቐይሩ?

መጽናዕትታት ብሰፊሑ ኣይሰማምዑን። እቲ ዘድሊ ገለ ጭቡጥ ነጥብታት መረድኢታት ካብ ዓሚቝ ታሪኽ መሬት'ዩ ዝምስረት።

ኣብዚ ድማ እዩ ጂኦሎጂ ወሳኒ ርድኢት ክህብ ይኽእል።

ካብ ኣብ ኢንስቲትዩት ጂኦሳይንስ ቶም ዩለንፈልድን ክሪስቶፍ ሄውቤክን፡ ናይቲ ዝጸንሐ ኣብነት ናይዚ ኣብ መዝገብ ስነ-ምድራዊ ስነ-ፍልጠት ዳግማይ መርሚሮም።

እዚ ድማ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብሙዲስ ግሩፕ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ን3.22 ቢልዮን ዓመታት ዝጸንሐ ዘደንጹ ርኽበት እዩ።

ርጉዲ ናይዞም ተለዋዋጢ ቀጸላታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ 15 ዙር ይቕየሩ፣ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ጽድያን ዝወሓደ ምልኣተ-ባሕሪ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘሎ ዑደት ብዝተፈላለየ ሓይሊ ዋሕዚ ኤሌክትሪክ ዝመጽእ ምዃኑ ይእመን።

እዚ ስነ-ምድራዊ መለክዒታት እዚ፡ ምስቲ ርሑቓት ፕላኔታት ብዘይመጠን ዝነውሐ ናይ ዑደት ግዜ ኣለወን ዝብል ሳልሳይ ሕጊ ምንቅስቓስ ፕላኔታት ተደሚሩ፡ ኣብቲ እዞም ጥንታውያን ኣኻውሕ ዝተቐመጠሉ እዋን ዝነበረ ዙረት ወርሒን ዑደት መሬትን ዳግማይ ንምህናጽ ኣኽኢልዎም።

ቅድሚ 3.2 ቢልዮን ዓመታት ርሕቀት መሬትን ወርሒን ካብቲ ሕጂ ዘሎ ኣስታት 70 ሚእታዊት ከምዝነበረ ይሕሰብ። ፍጥነት ዑደት መሬት ድማ ኣስታት 700 መዓልታት ዘለዎ ዓመት ኰይኑ፡ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ድማ ኣስታት 13 ሰዓታት ከምዝነበሮ ይሕስብ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ 650 ሚልዮን ዓመት ዝዕድሚኦም ኣኻውሕ ደቡብ ኣውስትራልያ ዝተገብሩ መለክዒታት፡ ርሕቀት መሬትን ወርሒን ናይቲ ኣብዚ እዋን ዘሎ ፍልልይ 97 ሚእታዊት ከምዝነበረ የቐመጥ።

ሕጂ ድማ ሞዴላት ኮምፒተር፡ ምንቅስቓስ ወርሒ ኣብ ዙርያ መሬት ምስ ግዜ ከመይ ከም ዝተቐየረ ኣዝዩ ዝሓሸ ስእሊ ክሃንጹ ክጅምሩ ተኽእሎ ኣሎ።