ኢትዮጵያውያን ዝርከቡዎም ዜጋታት ኣርባዕተ ሃገራት ካብ ኣመሪካ ናብ ካሜሮን ተሰጒጐም

ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኢትዮጵያውያን ዝርከቡዎም ዜጋታት ኣርባዕተ ሃገራት ዝዀኑ ስደተኛታት፡ ኣብዛ ሰሙን ካብ ኣመሪካ ተሰጒጐም ናብ ካሜሩን ከም ዝኣተዉ ጠበቓታቶም ከም ዝሓበሩ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።

እቶም ትሽዓተ ስደተኛታት ናብታ ማእከላይ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዝተላእኩ፡ ብመሰረት ካሜሩንን ኣመሪካን ዝኸተምኦ ስምምዕ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።

ኤኤፍፒ ዘውጽኦ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ዜግነት ኢትዮጵያ፡ ጋና፡ ኣንጎላን ኮንጎ ብራዛቪልን ዘለዎም ስደተኛታት ብ30 ምያዝያ 2026 እዮም ናብ ካሜሩን ኣትዮም።

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወስዶ ዘሎ ተረርቲ ስጕምትታት፡ እቶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዘይክእሉ ናብ ካልእ ሳልሰይቲ ሃገር ምብራሮም ኣዘራራቢ ዛዕባ ኰይኑ ኣሎ።

ኣመሪካ፡ ብመሰረት ስደተኛታት ክቕበላ ምስ ዝኽእላ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝገበረቶ ስምምዕ፡ እቶም ውልቀሰባት ናብ ሃገሮም ክሳዕ ዝምለሱ ኣብታ ተቐባሊት ሃገር ክጸንሑ እዮም።

ምስ ምምሕዳር ትራምፕ ከምዚ ዝዓይነቱ ስምምዕ ካብ ዝፈጸማ ሃገራት ሓንቲ ካሜሩን እያ።

ነዚ ዳሕረዋይ ዝተወስደ ስጕምቲ ሓዊስካ፡ ካብ ጥሪ ንደሓር ሰለስተ ግዜ ስደተኛታት ናብ ካሜሩን ከም ዝተሰጐጉ ኤኤፍፒ ዘዘራረቦ ጠበቓ ጉዳያት ኢምግረይሽን ኣልማ ዴቪድ ገሊጹ።

ሽዱሽተ ደቀንስትዮን ሰለስተ ደቂተባዕትዮን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ኣብዛ ሰሙን ናብ ካሜሩን ዝኣተዉ ኰይኖም፡ ምስቶም ቀዲሞም ካብ ኣመሪካ ዝተሰጐጉ 17 ሰባት ክጽንበሩ እዮም ተባሂሉ ኣሎ።

ነተን ቀዳሞት ክልተ በረራታት ብቐረባ ዝተኸታተለ ካሜሩናዊ ጠበቓ ጆሴፍ ኣዋህ ፍሩ፡ ብረቡዕ ሳልሰይቲ ነፋሪት ከም ዝኣተወት ወኪል ዜና ኣረጋጊጽሉ።

ጋዜጣ ኒው ዮርክ ታይምስ ዘውጽኦ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ካሜሩን ዜጋታታ ዘይኰኑ ስደተኛታት ብምቕባላ ካብ ዋሽንግተን 300 ሚልዮን ዶላር ክትረክብ እያ።

ተመሳሳሊ ስምምዕ ምስ ኣመሪካ ዝፈጸማ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ሩዋንዳ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኢኳቶሪያል ጊኒ፡ ጋና፡ ኢስዋቲኒን ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን እየን።

ናብ ሳልሳይ ሃገር ካብ ዝለኣኹ ስደተኛታት መብዛሕትኦም ብሰንኪ ስግኣት ድሕነት ናብ ሃገሮም ከይስጐጉ ብስርዓተ-ፍትሒ ኣመሪካ እገዳ ዝተነበረሎም እዮም።

በዚ ምኽንያት፡ ምምሕዳር ትራምፕ ናብ ሳልሳይ ሃገር ዝሰዶም ኰይኑ፡ እታ ተቐባሊት ሃገር ድማ ናብ ዝመጽእሉ ክትሰጐም ትኽእል እያ።

ቀዲሞም ናብ ካሜሩን ካብ ዝተላእኩ ስደተኛታት እቶም ኣርባዕተ ናብ መበቈል ሃገሮም ሞሮኮ፡ ኣንጎላን ሴኔጋልን ከም ዝስጐጉ ተገይሩ ኣሎ።

ቤትፍርዲ ኣመሪካ እተን ክልተ ሞሮካውያን ደቀንስትዮ ናብ ሃገረን እንተ ተመሊሰን ክበጽሐን ዝኽእል ስግኣት ድሕነት ብምጥቃስ ዘቕረባኦ ጥርዓን ግቡእ ምዃኑ ወሲኑ ነይሩ፤ ይዅን'ምበር ተሰጐገን እየን።

እቲ ኣመሪካዊ ጠበቓ ንኤኤፍፒ ከም ዝገለጾ፡ እተን ስደተኛታት ናብ ሞሮኮ ድሕሪ ምምላሰን ተሓቢአን እየን ህይወተን ዝመርሓ ዘለዋ።

ሰብስልጣን ካሜሩን ምስ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ብምትሕብባር ኣብ ዘመሓድርዎ ማእከል ዝርከቡ ዝተረፉ ዓሰርተ ሰለስተ ሰባት፡ እንተ ደልዮም ኣብ ካሜሩን ፖለቲካዊ ዕቝባ ክሓቱ ከም ዝኽእሉ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ ኣሎ።

ኣህጉራዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሂውማን ራይትስ ዎች ኣብ መስከረም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ብዝፈጸሞም "ግልጹነት ዝጐደሎም ስምምዓት" ኣቢሎም ዝካየዱ ናይ ምስጓጕ ስጕምትታት፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕሱ ስለ ዝዀኑ ውዱቕ ክግበሩ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።