ቅልውላው ትግራይ፡ ኣውሮጳ 'ኣዝዩ ኣሰካፊ' - ብሪጣንያ 'ዞባዊ ሓደጋ' ክብላ ኣጠንቂቐን

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርአ ዘሎ ምዕባለታት ከም ዘሰከፎ ገሊጹ። ብዅሉ ወገን ዝርአ ተጻብኦታት ክተሃዳዳእ ድማ ጸዊዑ። ድሒሩ'ውን ኤምባሲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኢትዮጵያ ብተመሳሳሊ ዞባዊ ሓደጋነቱ ዝግለጽ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ብሓሙስ 30 ምያዝያ ዝወጸ መግለጺ ሕብረት ኣውሮጳ፡ እቲ ኣብ ትግራይ እናዓረገ ዝመጽእ ዘሎ ኵነታት ብዓቢይ ስክፍታ ይከታተሎ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

ዓባይ ብሪጣንያ ብወገና፡ ብመንገዲ ኤምባሲኣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቢላ ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ንምዕባለታት ክልል ትግራይ ብቐረባ ትከታተሎ ከም ዘላ ብምግላጽ፡ ንምሉእ ተፈጻምነት እቲ ቅድሚ ኣብ 2022 ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተፈረመ ውዕል ምቍራጽ ተጻብኦታት ዝርርብ ክካየድ ጸዊዓ።

ኣብ ትግራይ ድሕሪ'ቲ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ዝተፈረመ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ነቲ ኲናት ደው እኳ እንተበለ፡ እታ ክልል ናብቲ ዝነበራ ምሉእ ሰላም ክትምለስ ኣይከኣለትን።

ብመሰረት እቲ ውዕል ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ኣፈጻጽማ ዓንቀጻት እቲ ሰነድ ስምምዕ ከምዘይተዓወተን ምትዕንቓፋት ከምዝተራእየን ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ኣብዚ መዳይ ክልቲኦም ፈረምቲ እቲ ሰነድ ንሓድሕዶም ክካሰሱ ዝጸንሑ ኰይኖም እቲ ሽግር ኣይተፈትሐን፤ ናብ ካልእ ዙር ኲናት ከይኣትዉ ድማ ስክፍታ ፈጢሩ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ሓርጐጽጐጽ ዝጸንሐ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ - ብ7 ምያዝያ - ብቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዕድመ ስልጣኑ ንሓደ ዓመት ክናዋሕ ድሕሪ ምውሳኑ እቲ ወጥሪ መሊሱ ክገድድ ተራእዩ።

ህወሓት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብቲ ብቐዳማይ ምኒስተር ዝተወስደ ስጕምቲ "ከም ዘይተሳተፈን ከም ዝተገለለን" ብምግላጽ፡ እቲ ውሳነ ብዘይኣፍልጦን ምምኽኻርን ዝተገብረ ንውዕል ፕሪቶሪያ ብቕሉዕ ዝጥሕስን ምዃኑ ገሊጹ ከም ዘይቅበሎ ኣፍሊጡ።

ብሪጣንያ ኣብቲ ትማሊ ዓርቢ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ዝዀነ ይዅን ምስ ትሕዝቶን መንፈስን እቲ ውዕል ዘይሳነ ተግባራት ከምዘይትድግፍ ኣፍሊጣ'ላ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብመንገዲ ሰክረታሪያት ፕረስ ቀዳማይ ምኒስተር ቢልለኔ ስዩም ኣቢሉ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ምንዋሕ ዕድመ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር "ሕጋውነት" ከምዘለዎ ገሊጹ።

ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ፡ ህወሓትን ፌደራል መንግስትን፡ ሓበራዊ ግዝያዊ ምምሕዳር ከቘሙ ዝጠልብ ኰይኑ፡ ስልጣን እቲ ዝተሸመ ፕረዚደንት፡ ንምንዋሕ ናይ ክልቲኦም ኣካላት ተሳትፎ ከምዘድሊ ዝገልጽ ነጥቢ ብንጹር የለን።

ኣብ ርእሲ'ቲ ዝጸንሐ ቍርቍስ ንፖለቲካውን ጸጥታውን ኵነታት ትግራይ ዘጋደድ ዘሎ ምዕባለ ጉዳይ ግዝያዊ ምምሕዳርን ፕረዚደንቱን እዩ።

ነዚ ኣመልኪቱ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ምስ ማዕከናት ዜና እታ ክልል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ዝተናውሐሉ ስልጣን ንኸይቅበል ጸቕጢ ህወሓት ከምዝነበሮ ብምጥቃስ "ስልጣን ኣይቅበልን ምባል መሰል'ዩ፤ ንስኻ'ውን ከይትቕበሎ" ዝብል ግን ኣገባብ ከምዘይኰነን ምስዚ ብዘተኣሳሰር ንዝፍጠር ነገራት ከኣ ከምዝቃለሶን ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ብድሕሪ'ዚ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፈሪሱ፡ በቲ ቅድመ-ኲናት ትግራይ ብህዝቢ 'ዝተመርጸ' ዝበሎ ምምሕዳር ክትካእን ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ።

እቲ መግለጺ፡ "ማእከላይ ኮሚቴ ውድብና ህወሓት፡ ካብ 7 ክሳብ 8 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም [ግ] ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ፡ ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶርያን ህልዊ ኵነታትን ብዕምቈትን ስፍሓትን ብምዝታይ፡ ምእንተ ሰላም ተባሂሉ ተወንዚፉ ዝፀንሐ መግለፂ ልዑላዊ ስልጣንን፡ ወሳንነት ህዝብናን ዝዀነ፡ 2 ነጥቢ 8 ሚልዮን ዝመረፆ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ናብ ስርሑ ክምለስ ወሲኑ ኣሎ" ይብል።

ብድሕሪ'ዚ፡ ኣፈኛ እቲ ውድብ ኣቶ ሚኪኤል ኣስገዶም ነዚ ምዕባለታት ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተና ጀነራል ታደሰ ወረደ "ብሰላማውን ዲሞክራስያዊን መንገዲ" ስልጣኑ ከረክብ፤ እዚ ክገብር እንተዘይክኢሎ ግን ዓቢይ "ስሕተት" ከም ዝፈጸመ እዩ ክብል ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ውሳነ ህወሓት ኣብ ታሕተዎት ምምሕዳራት ዞባን ወረዳን ሰፋሕቲ ኣኼባ ይግበረሉ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እቲ ውድብ ብኸምቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ፕረዚደንት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበረ ጌታቸው ረዳ ካብ ስልጣኑ ዝደፍኣሉ ኣገባብ፡ ነዚ ሕጂ ዘሎ ፕረዚደንት ስልጣኑ ክምንዝዕ ከም ዝኽእል ብዙሓት ስክፍታኦም ይገልጹ ኣለዉ።

ነዚ ኣመልኪቱ ብቢቢሲ ዝተሓተተ ኣፈኛ ህወሓት፡ "ዕልዋ መንግስቲ ኣይኰነን ክግበር ዘለዎ ምርኽኻብ ስልጣን እዩ፡" ኢሉ።

ኣብዚ ዘሎ ምዕባለታት ኣመልኪቱ ኣብ ሓደ ዩቱብ ቻነል ቀሪቡ መግለጽ ዝሃበ ጀነራል ታደሰ፡ "ዘረክቦ ስልጣን የለን" ክብል ነቲ ኣካይዳ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣካይዳ ህወሓት ሓደገኛን ንኲናት ዝዕድምን ምዃኑ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ታደሰ፡ "ካብዚ ወጻኢ ግን ድላዮም ይግበሩ..." ኢሉ።

እቲ ኵነታት ብኸምዚ ቅልጡፍ እናዓረገ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እዩ እምበኣር ሕብረት ኣውሮጳ፡ ብዓቢ ሻቕሎት ይከታተሎ ከምዘሎ ዘፍለጠ።

እቲ ሕብረት ኣብ መግለጺኡ ነቲ ኣብ ሕዳር 2022 ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ስምምዕ ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዝዀነ ይዅን ስጕምቲ ብህጹጽ ክውገድ እውን ጸዊዑ።

ብተወሳኺ፡ ካልእ ዙር ኣዕናዊ ኲናት ክውገድን፡ ኣብ መንጎ ኵሎም ወገናት ዘሎ ፍልልይ ብፖለቲካዊ ዘተ ክፍታሕ ግድን ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ዓባይ ብሪጣንያ ብወገና፡ እንደገና ዝጅመር ኲናት፡ ንትግራይ፡ ንኢትዮጵያ ካብኡ ሓሊፉ እውን ነቲ ዞባ ኣዕናዊ ምዃና ብትሪ ኣተሓሳሲባ።