ፍቕሪ ከምዝሓና ብኸመይ ንፈልጥ?

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ሰባት 'ፍቕሪ ሒዙኒ' ወይ 'ኣፍቂረ' ዋላ'ውን 'ኣነ ፍቕሪ ኣይሕዘንን' ክብሉ ንሰምዕ ኢና።

ገሊኦም ድማ ምስ መጻምድቶም ዝዀነ ዓይነት ርክብ ፍቕሪ ከይመስረቱ ሓዳር ዝጅምሩ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ብፍላይ ብዛዕባ ፍቕርን ጾታዊ ርክብን ምዝታይ ኣብዘይተለመደሉ ከባቢታት ገጠር ዝነብሩ ደቂ ኣንስትዮ ይዅን ደቂ ተባዕትዮ፡ ብዛዕባ ፍቕሪ ተቓራኒ ጾታ ክለዓል እንከሎ፡ 'ፍቕሪ እንታይ ማለት እዩ?' ኢሎም ክሳብ ምሕታት ዝበጽሑ ኣለዉ።

ይዅን'ምበር ኣብ ሓንጎልና ክልለዩ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ፍቕሪ ከምዘለዉ ገለ ክኢላታት ስነ መትኒ ይገልጹ።

ፍቕሪ ግን ብልክዕ እንታይ እዩ?

እዚ ሕቶ እዚ፡ ክኢላ ባህሪ ስነ-ልቦና፡ ንክኢላ ተገንዝቦኣዊ ስነ-ኣእምሮ ወይ'ውን ንሓደ ናይ ኒውሮባዮሎጂስት እንተሓቲትና፡ ኵሎም ይቕሬታ፡ ቀሊል ዝዀነ ሓደ መልሲ ከምዘየለ እዮም ክነግሩና።

"ብዙሓት ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ዝተፈላለየ ዓይነት ፍቕሪ ከምዘሎ ይሰማምዑ፡ ብዙሓት ካባና ግን ኣብ ሓንጎል ኢና ነተኩር" ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሚዙሪ ናይ ባህሪ ኒውሮሳይንቲስት ዝዀነት ዶክተር ሳንድራ ላንግስላግ።

"እዚ ማለት ከባቢና ወይ ኩነታትና ተራ የብሉን ማለት ኣይኰነን፡ ኵሉ ግን ኣብ ሓንጎል'ዩ ዝጅምር።"

ብዙሓት ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ንፍቕሪ ክምርምርሩ እንከለዉ ዶክተር ሄለን ፊሸር ዝተባህለት ተመራማሪት ስነ-ሰብ ተዘቕረበቶ ምርመራዊ ሓሳብ ይርዕምዎ'ዮም።

ዶክተር ሄለን ፊሸር፡ ን' ፍቕሪ' ዝምስርቱ ሰለስተ ዓይነታት ፍቕሪ ከምዘለዉ እያ ትገልጽ።

እቲ ቀዳማይ ባህጊ ፍትወት ስጋ (lust) እዩ።እዚ ድማ ከም ኢስትሮጅንን ቴስቶስትሮንን ብዝኣመሰሉ ሆርሞናት ጾታዊ ርክብ ዝድረኽ ኰይኑ ቕልጡፍ ስሕበት ስዒብዎ ይመጽእ።

ኣብ ካልኣይ ደረጃ ስሕበት ዝመጽእ ድማ ሃነይነይታ (infatuation) እዩ።

ኣብዚ ደረጃ ተመራመርቲ፡ 'ጽቡቕ ስምዒት ዝፈጥሩ ኬሚካላት' ብዝብል ዝፍለጡ ዶፓሚንን ኖራድሪናሊንን ከም ዝውስኽ ዓቂኖም ኣለዉ።

መጠን እዞም ናይ ሓጎስ ሆርሞናት ምስ ዝብርኽ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሴሮቶኒን ይጎድል። መጠን ሴሮቶኒን ክትሕት እንከሎ ድማ ኣብ ኣእምሮ ዝፍጠር ውጥረት ዝመልኦ ኩነታት ይንክይ።

ድሕሪ ሃነይነይታ ዝመጽእ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ደረጃ ድማ ተኣማንነት፡ ጥብቀት ወይ ምትእስሳር (attachment) እዩ። እዚ ድማ ኣብ ፍቕራዊ ርክብና ካብ ጾታዊ ምልዕዓል ናብ ስምዒት ህድኣትን ምቾትን የሰጋግረና።

ስለዚ ፍቕሪ ከምዝሓዘና ብኸመይ ንፈልጥ?

ተኣማንነት፡ ምናልባት ኣብ ኩሉ ዓይነት ፍቕሪ ዝተለምደን ኣብ ዝተፈላለየ ዓይነት ዝምድናታት ዝረአን እዩ።

ኣብ መንጎ ፍቕራዊ ዕርክነትን ብፍቕሪ ምውዳቕን ዘሎ ፍልልይ ንምርዳእ ዝሕግዘና ግን ፍሉይ ውህደት ናይዞም ሰለስተ ደረጃታት'ዩ።

ብሓደ ሰብ እንተተመሲጥኩም፡ ባህጊ ፍትወት ስጋ እንተሃልይኩምን እቲ ምቾትን ድሕነትን ክስምዓኩም ዝገብር እንተኾይኑን፡ ሽዑ እምበኣር ኣብ ዙርያ ፍቕሪ ትሕንበቡ ኣለኹም ማለት'ዩ።

"ኣብ መንጎ'ቲ እንፈጥሮ ብዙሕ ዝተፈላለየ ዓይነት ምትእስሳርን ፍቕራዊ ነገርን ዝተቐመጠ ንጹር መስመር እንተሃልዩ ኣይፈልጥን፡ ሓደ ረቛሒ ግን ብርግጽ ምስ ካልእ ሰብ ኣብ ጾታዊ ርክብ ናይ ምጽማድ ድሌት'ዩ" ትብል ናይ ባህሪ ኒውሮሳይንቲስት ፕሮፌሰር ዞይ ዶናልድሰን።

እንተኾነ ግን ከምዚ ዝቐለለ ምዃኑ ኣብ መንጎ ተመራመርቲ ንጹር ስምምዕ የለን።

ዶናልድሰን ወሲኻ ከምእትገልጾ፡ ሳይንስ ንምእማኑ ዘጸግም ጠቓሚ ርድኢት ክህብ ይኽእል እዩ፡ እንተኾነ ግን ነቲ ዝተሓላለኸ ነገራት ንምንጻር ኣብ ዝፍተነሉ እዋን፡ እቲ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ ንኡስ ባእታታት ክጠፍእ ተኽእሎ ኣሎ።

"ሰባት ሃነይነይታ ከጋጥሞም እንከሎ መብዛሕትኡ ግዜ ጾታዊ ድሌት ከም ዝህልዎም ንፈልጥ ኢና።

ግን ኩሉ ግዜ ኣይኰነን፡ ብርግጽ፡ ኣብ ሓደ ሰብ ሃነይነይታ ከይሃለወና ጾታዊ ድሌት ክስምዓና ይኽእል'ዩ" ትብል ላንግስላግ።

ላንግስላግ ኣብ መጽናዕታ፡ ብዛዕባ እቲ ፍቕሪ ኣብ ሓንጎል ዝረኣየሉ ዝተሓላለኸ ኣገባባት ዝያዳ ንምፍላጥ፡ ቴክኖሎጂ ኒውሮ-ስካኒንግ ተጠቒማ።

"ዝተፈላለዩ ዓይነታት ፍቕሪ ኣብ ሓንጎል ዝተፈላለየ ምልክታት መትኒ ኣለዎም።

ኣብ ባህጊ ፍትወተ ስጋ ዝሳተፍ ሓደ ዞባ ሓንጎል ጥራይ፡ ኣብ ተኣማንነት ድማ ሓደ ክፋል ሓንጎል ይሳተፍ ማለት ኣይኰነን" ትብል።

"ነፍሲ ወከፍ ካብዞም ዓይነታት ፍቕሪ ይስምዓና፡ ብእኦም ንሓስብን ንዋሳእን። ስለዚ፡ ምሉእ ሓንጎልካ ኣብ ሰለስቲኦም እዩ ዝሳተፍ፡ ግን ቁሩብ ብዝተፈላለየ መንገዲ። እቲ ፍልልያት እንታይ ምዃኑ ግን ዛጊት ብልክዕ ኣይንፈልጥን ዘለና።"

እንስሳት'ከ ፍቕሪ ይሕዞም'ዶ?

ኣብ መንጎ ምስ ሓንቲ ኣንስተይቲ ምትእስሳር ምፍጣርን ፍቕራዊ ዝምድና ምዕቃብን ዘሎ ፍልልይ ረቂቕን ኣብ መላእ ዓሌታት ብንጹር ዘይርኣይን ክኸውን ይኽእል እዩ።

ተኣማንነት ወይ ምትእስሳር ምፍጣር ኣብ ብዙሓት ዓይነታት እንስሳታት ዝፍጸም ስነ-ህይወታዊ መስርሕ'ዩ።

እዚ ድማ ሓጎስ ምምጻእን ኣብ መጻምድቲ ቃንዛ ንኸይፈጥርን ምውሳእን ዘጠቓልል እዩ።

ደቂ ሰባት ብማሕበራዊ መዳይ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ሓንቲ ሰበይቲ ጥራይ እዮም ሓዳር ዝምስርቱ።

ይኹን እምበር፡ ካብቲ ክንሓስቦ እንኽእል ንላዕሊ እንስሳታት እውን ብመጠኑ ምስ ሓንቲ መጻምድቲ ናይ ምንባር ኵነታት የርእዩ እዮም።