ኣሽሓት ተዓዘብቲ ኣብ ዝመልእዎ ስታድየም ትሒተን ብምብራር ስግኣት ዘሕደራ ነፈርቲ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ስታድየም ዲኤችኤል ኬፕታውን፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ኒውዚላንድን ዘካይድኦ ጸወታ ራግቢ ንምክትታል ኣሽሓት ብሃንቀውታ ኣብ ዝጽበዩሉ ዝነበሩ እዋን፡ ሓደ ዘይተጸበይዎ ነገር ኣጋጢሙ።

ክልተ ነፈርቲ፡ ትከን እናተረኣየን እናጉረምረማን ብቐረባ፡ ዳርጋ ብልዕሊ ጫፍ እቲ ስታድየም ሓሊፈን።

ገለ ሰባት እቲ ድራማዊ ፍጻመ ሸለልትነት እዩ ኢሎም ክወቕሱ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ነቲ ፍጻመ ንምስሓብ ዝተገብረ ልክዕነትን ክእለትን ንኢዶም።

ወናኒ እተን ነፈርቲ ዝዀነ ደቡብ ኣፍሪቃዊ መንገዲ ኣየር ኤርሊንክ ግን ነቲ ዝቐረበ ነቐፌታ ዘቃልል ግብረ-መልሲ ምክልኻል እዩ ሂቡ።

ኤርሊንክ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቲ ፍጻመ ብደገፍ ሰብመዚ ኣቬሽን ብጥንቃቐ ዝተወጠነ ምዃኑ እዩ ገሊጹ።

እቲ መንገዲ ኣየር፡ እተን ነፈርቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ስታድየም ክነፍራ ብዘርኢ ቪድዮ ዝተሰነየ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርገሐ መልእኽቱ፡ "ውጥን፡ ቅኑዕነት፡ ኣፈጻጽማ" ይብል መልእኽቲ እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት በቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ዝተሰነየ መልእኽቲ እዩ ነይሩ።

ኣብ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝተኻፈለ መግለጺ ድማ ኤርሊንክ ዝያዳ ዝርዝር ኣስፊሩ።

"እተን ክልተ ነፈርቲ ነፍሲ ወከፈን ናይ ኣዛዚ፡ ተሓጋጋዚ ፓይሎትን ድሕነት/ቴክኒካዊ ሓላፊን ተራ ዘለዎም ሰለስተ ላዕለዎት ካፕቴናት ብዝሓቘፈ ዝለዓሉ ምኩራት ሰራሕተኛታት ዝንቀሳቐሳ እየን" ይብል እቲ መንገዲ ኣየር።

ብተወሳኺ እቶም በረራታት "ንቀረባ ንዝግበር በረራ ዝኸውን ዝጸደቐን ልምምድ ዝተገብረሉን ናይ ድሕነት ብራኸን ገደብ ፍጥነትን" ብዝሓለወ ኣገባብ ከምዝተኻየዱ ሓቢሩ።

መርበብ ሓበሬታ ምክትታል በረራታት ፍላይትራዳር24፡ ብመሰረት ትንታነኡ "እታ መሪሕ ነፋሪት ካብ ጫፍ እቲ ስታድየም 15 ሜትሮ ልዒላ ከምዝነፈረት" ገሊጹ።

ኣብቲ ብጽዑቕ ተመልከትቲ ዝተመልአ ስታድየም ክፍጠር ዝኽእል ሓደጋ ብዝምልከት ሕቶታት'ኳ እንተተለዓለ፡ ብዙሓት ደቡብ ኣፍሪቃውያን ግን ኣብረርቲ እታ ሃገር ነዚ በረራ ብዘይሓደጋ ክፍጽሙ ይኽእሉ እዮም ብምባል ሃገራዊ ሓበን ዝገልጽ መልሲ እዮም ሂቦም።

"ኣብ ዓለም ዝበለጹ ፓይለታት ከምዘለዉና ፍሉጥ ሓቂ'ዩ፡ እዚ መስተንክር'ዩ ነይሩ" ክብል ምኒስተር ስፖርት ጌይተን ማኬንዚ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

እዚ ትሑት ብራኸ ዘለዎ በረራ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝካየዱ ጅማሮታት ገለ ዓበይቲ ጸወታታት መለለዪ ይኸውን ኣሎ።

እቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ፍጻመ ድማ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ንኒውዚላንድ ረቲዓታ ኣብ 1995 ዝተኻየደ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ራግቢ ቅድሚ ምጅማራ፡ ጀት መንገዲ ኣየር ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ስታድዩም ጆሃንስበርግ ዝበረረትሉ ኵነታት እዩ።

እቲ ጸወታ እቲ፡ 'ኢንቪክተስ' ብዘርእስታ ናይ ሆሊዉድ ፊልም ዘልኣለማዊ ኰይኑ ኣሎ።

ፈላማይ ጸሊም ፕረዚደንት እታ ሃገር ኔልሰን ማንዴላ፡ ማልያ ናይታ ምስ መንግስቲ ኣፓርታይድ ብቐረባ ምትእስሳር ዘለዋን ቅድሚ ሕጂ ጸለምቲ ዘይኮኑ ተጻወትቲ እተሳትፍን ሃገራዊት ጋንታ ብምልባሱ ኣዝዩ ኣብነታዊ ዝዀነሉ ፍጻመ እዩ ነይሩ።