ኣመሪካዊት-ኤርትራዊት ቲፋኒ ሓድሽ፡ንሚስ ዎርልድ ኤርትራ ስኒት ሃብተኣብ ድጋፋ ገሊጻ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣመሪካዊት-ኤርትራዊት ተዋዛይትን ተዋሳኢትን ቲፋኒ ሓድሽ፡ ነታ ንኤርትራ ኣብቲ መበል 73 ውድድር 'ሚስ ወርልድ' ብምውካል፡ ተወዳዳሪት ዝዀነት ስኒት ሃብተኣብ ዘለዋ ድጋፍ ገሊጻ።

እታ በኣቡኣ ኤርትራዊ መበቆል ዘለዋ ኮኸብ ሆሊውድ፡ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሓቶ ጽሑፍ፡ ሰዓብታ ንኤርትራ ክመርጹ ብግልጺ ተላብያ።

እዚ መበል 73 ውድድር ወይዘሪት ዓለም ኣብ ንሃ ትራንግ ቬትናም እናተኻየደ ይርከብ። 5 መስከረም 2026 ድማ ክዛዘም እዩ።

ስኒት ሃብተኣብ ንሃገራ ኤርትራ ኣብቲ መበል 73 ውድድር 'ሚስ ዩኒቨርስ' ብምውካል ቀዳመይቲ ኤርትራዊት ብምዃን ታሪኽ ዘመዝገበት ኰይና፡ ኣብ 'ሚስ ዎርልድ 2026' ካብ ህዝቢ ድምጺ ህዝቢ እናመርሐት ትርከብ።

ኣብዚ ውድድር እትሳተፍ ዘላ ሩት ይርጋለም ኣስታት 2.4 ሚልዮን ድምጺ ብምርካብ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ።

ኣብ ቀረባ እዋን ናይጀርያዊት ሶየ ካሪቢ-ጆርጅ ኣስታት 2.9 ሚልዮን ድምጺ ድሕሪ ምርካባ እያ፡ ሩት ናብ ሳልሳይ ደረጃ ወሪዳ።

ስኒት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመጠይቕ፡ እዚ ውድድር እዚ ኣብ መድረኽ ጽባቐ ናይ መወዳእታ ተሳትፎኣ ከም ዝኸውን ኣረጋጊጻ'ላ።

እዚ ድማ ነቲ ዝጀመረቶ ፕሮጀክት ካብ መድረኽ ጐስጓስ ናብ ግብራዊ ስራሕ ንምስግጋር እዩ።

ድሕሪ እዚ መወዳእታ ውድድር፡ ኵሉ ጕልበታን ጸጋታታን ነቲ ኣብ ኤርትራን ኣፍሪቃን ከተተኣታትዎ እትደሊ ሓድሽ ስርዓተ-ትምህርትን ምምስራት ትካል 'ንብዙሕነት ምንዳፍ'ን ከተውዕሎ እያ።

ንሳ ብቋንቋታት ትግርኛ፡ እንግሊዝኛን ጥልያንኛን (ከምኡ'ውን ብዝተወሰነ ፈረንሳ) ዘለዋ ክእለት ተጠቒማ፡ ዓለምለኻዊ መሻርኽቲ ብምድላይ ንሃገራ ዓቢይ ኣበርክቶ ክትገብር ትዳሎ ኣላ።

ስኒት ብተወሳኺ ኣብ ቃለመሕትታ፡ "በቲ እግዚኣብሄር ዝሃበኒ ናይ ምምህርና ፍቕሪ፡ መጽናዕትን ትምህርትን ወሲኸ ንኵነታትን ዓቕምን ናይዞም ሓገዝ ዘድልዮም ቈልዑ ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ንዕኦም ዝበቅዕ ስርዓተ ኣመሃህራ ወይ ካሪክለም ከመሓይሾን ከዐርዮን እየ ዝሓስብ ዘለኹ" ኢላ ነይራ እያ።

ሕጂ ድማ እዚ ሕልማ ጋህዲ ዝዀነሉ እዋን ዝቐረበ ከም ዝመስል ትእምት።

ስኒት ሃብተኣብ፡ ካብ ኣስመራ ተበጊሳ፡ ጽባቐ፡ ርእሰ-ተኣማንነት፡ ስነ-ፍልጠትን ማሕበራዊ ሓላፍነትን ኣወሃሂዳ፡ ንመንእሰያት ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንኣዋልድ ድማ ብፍላይ ዓቢይ ኣብነት ኰይና ኣላ።

ንሳ ነቲ ዘለዋ ዓለምለኻዊ መድረኽ ንባዕላ ንምድማቕ ዘይኰነስ፡ ነቶም ፍሉይ ሓገዝ ዘድልዮም ደቂ-ሃገራ ብርሃን ንምዃን ክትጥቀመሉ ምውሳና፡ ንስብእናኣ ካብቲ ልሙድ መድረኻት ውድድር ጽባቐ ክብ ዘብሎ ምዃኑ ይእመን።