ኣብ ትግራይ ሰላም ንምምጻእ ዝግበር ጻዕሪ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓያለ ደገፋት ይረክብ ኣሎ

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኤምባሲታት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኖርወይን ካናዳን፡ ከምኡ'ውን 22 ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ህወሓትን ዘተ ንምክያድ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ከም ዝድግፋ ኣፍሊጠን ኣለዋ።

እዘን ሃገራት፡ ኣብቲ "ብሰንኪ ደርቂ ብኸቢድ ዝተሃስየ" ክልል ትግራይ ዝዀነ ይዅን ሓድሽ ወተሃደራዊ ግጭት ምጅማር፡ ንህዝቢ ሰሜን ኢትዮጵያ "ኣዝዩ ኣሰቃቒ" ሳዕቤን ክህልዎ ምዃኑ ኣጠንቂቐን።

ዲፕሎማስያዊ ልኡኻት ናይዘን ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ነዚ ዝገለጻ፡ ረቡዕ 26 ነሓሰ ብሓባር ኣብ ዘውጽኣኦ ሓጺር መግለጺ እዩ። ኣብዚ መግለጺ ካብ ዝተኻተታ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ፈረንሳ፡ ኢጣልያ፡ ጀርመን፡ በልጁምን ስጳኛን ይርከባአን።

እተን ሃገራት ኤውሮጳ፡ ከምኡ'ውን ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኖርወይን ካናዳን፡ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኵነታት "ብኸቢድ ስግኣት ይከታተላኦ" ከም ዘለዋ ኣብ መግለጺአን ጠቒሰን ኣለዋ።

እዘን ሃገራት ነዚ መግለጺ ዘውጽኣ፡ እቲ ስልጣን ክልል ትግራይ ዝቈጻጸር ዘሎ መሪሕነት ህወሓት፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብቲ ክልል መጥቃዕትታት ድሮን ይፍጸም ከም ዘሎ ኣብ ዝገልጸሉ ዘሎ እዋን እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓሙስ፡ ክልተ መጥቃዕቲታት ድሮን ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን፡ ልዕሊ 13 ሰባት ከም ዝቘሰሉ ተገሊጹ ነይሩ።

ብ18 ነሓሰ'ውን ካብ መቐለ 15 ኪ.ሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ዳንደራ ዝተባህለ ከባቢ ክልተ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተፈጸመ ብምሕባር ሓደ ሰብ ሞይቱ ካልእ ድማ ከም ዝቘሰለ ሰበስልጣን እታ ክልል ገሊጾም።

ፈደራላዊ መንግስቲ ብዛዕባ እዞም መጥቃዕቲታት ክሳዕ ሕጂ ብወግዒ ዝሃቦ ርእይቶ የሎን። ይዅን እምበር፡ መሪሕነት ህወሓት ስትራተጅያዊ ጥምረት ዝዀነ 'ጽምዶ' ዝተባህለ ኪዳን ብምፍጣር ምስ ካልኦት ዕጡቓትን ግዳማውያን ኣካላትን ይሰርሑ ኣለዉ ብምባል ክኸሶም ጸኒሑ እዩ።

ምስ ካልኦት ዕጡቓት ምትሕብባር ከም ዝፈጠሩ ዘመልከቱ መራሕቲ ህወሓት እውን፡ ንፈደራላዊ መንግስቲ "ምእላይ" ዘጠቓልል ዕላማ ከም ዘለዎም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

እቲ ወጥሪ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ሓደ ካብ መንጐኛታት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝዀነ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሴጉን ኦባሳንጆ፡ ብሰኑይ ኣብ መቐለ ምስ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዘተ ኣካይዱ እዩ።

ኦባሳንጆ "ኣብ ኣፍሪቃ ሰላምን ርግኣትን ንምምጻእ ንዝግበር ጻዕሪ ንኽድግፉ"፡ ኣብ ግንቦት ላዕለዋይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኰይኑ ከም ዝተመዘዙ ይዝከር።

ሕብረት ኣውሮጳን እተን ሰለስተ ሃገራትን ሎሚ ኣብ ዘውጽኣኦ መግለጺ፡ "ላዕለዋይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዀነ ፕረዚደንት ነበር ኦባሳንጆ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ዘካይዶ ዘሎ ጕዕዞታት ሓዊሱ፡ ዳግማይ ዘተታት ምጅማሮም ብጽቡቕ ንቕበሎ፡" ኢለን።

"ኵሎም ኣካላት" ኣብ2022 ኣብ ፕሪቶርያ - ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተፈረመ ስምምዕ ደው ምባል ተዅሲ "ኣብ ምትግባር ብሃናጺ መንገዲን ቅኑዕ ልቦናን ክሳተፉ ነተባብዕ፡" ክብላ እውን ጻውዒት ኣቕሪበን።

እተን ሃገራት ወሲኸን፡ "ኣቐዲሙ'ውን ብደርቂ ብኸቢድ ኣብ ዝተሃስየን ልዑል ድሌት ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ዘለዎን ክልል ትግራይ፡ ዳግማይ ዝለዓል ወተሃደራዊ ግጭት ንህዝቢ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣዝዩ ኣሰቃቒ ክኸውን እዩ፡" ብምባል ኣጠንቂቐን።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ እውን፡ ብሰሉስ 25 ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንናይ ዘተ ስጕምቲ ኦባሳንጆ ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ እዩ።

ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ "ኣብቂዑ ዝነበረ ኣሰቃቒ ኵነታት ዳግማይ ብዘንጸላሉ ዘሎ ስግኣት፡ ኣብ ህዝቢ ሰሜን ኢትዮጵያ ወጥሪን ዓሚቝ ፍርሒን ኣብ ዝተፈጥረሉ" ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ተራ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦባሳንጆ "ወሳኒ" ምዃኑ እቲ ኤምባሲ ኣነጺሩ።

ነቲ መግለጺ ዘውጽአ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋን፡ ሓላፊ ጉዳያት ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዋልተር ፓርስን፡ "ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንመጻኢ ኣዝዩ ወሳኒ ኣብ ዝዀነ ጉዳይ ምስ ኦባሳንጆ" ንምዝርራብ ትጽቢት ከም ዝገብሩ ኣፍሊጦም።

ብህወሓት ዝምራሕ ምምሕዳር ትግራይ ግን ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኦባሳንጆ ኣብ ሰነ ናብ መቐለ ድሕሪ ዘካየዶ ጕዕዞ፡ ትርጕም ዘለዎ ክትትልን ቍጽጽርን ብዘይምግባሩ ሕጕስ ከም ዘይኰነ ኣፍሊጡ እዩ። ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ዘተ ንምጅማር "መሰረታውያንን ወሰንትን" ዝበለን ቅድመ-ኵነታት እውን ኣቐሚጡ ኣሎ።

በዚ መሰረት፡ "ቍጠባዊ እገዳን ዕጽዋን ምልዓል፡ ዝዓርግ ዘሎ ወጥሪ ምህዳእ፡ ግዝኣታዊ ምምሕዳር ትግራይን ተመበዛልቲን ምምላስ ከምኡ'ውን ፖለቲካውን ሕጋውነትን ህወሓት ናብ ንቡር ምምላስ፡" ዝብሉ ይርከቡዎም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ክግበሩ ዝጸንሑ ዝርርባት "ፍሹላት፡ ዘይጭበጡን ግብራውነት ዘይብሎምን'ዮም" ብምባል፡ "ኣብ ልዕሊ እቲ ክልል ተነቢሩ ኣሎ ዝበሎ ቍጠባዊ ዕጽዋ ንኽለዓል ዝገብር ዝርርባትን ርክባትን ክካየድ ሓቲቱ።

"ቅኑዕን ሓቀኛን ዝርርባትን ርክባትን ኵሎም መሻርኽቲ ኣካላት ይሓትት፡" ብምባል "ትርጕም ዘለዎ ናይ ሰላም ዝርርባትን ርክባትን ንምግባር፡" ብወገን መሪሕነት እቲ ክልል ድልውነት ከም ዘሎ ጠቒሱ።

እቲ ኣብ መወዳእታ 2020 ጀሚሩ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራልን ህወሓትን ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ብስምምዕ ፕሪቶርያ ብወግዒ ካብ ዘኽትም ራብዓይ ዓመቱ ሒዙ'ኳ እንተሎ፡ ትግራይ ዛጊት ናብቲ ቅድመ-ኲናት ዝነበረቶ ቍመና ክትምለስ ኣይከኣለትን።

ፈደራላዊ መንግስቲ ብዛዕባ እዚ ናይ ሕጂ ጕዕዞ ኦባሳንጆ ብወግዒ ዝሃቦ ርእይቶ የሎን።

ቀዳማይ ምኒስተሪ ኣቢይ ኣሕመድ ዝሓለፈ ሓምለ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ንኦባሳንጆ ኣብ ዝተቐበለሉ እዋን፡ እቲ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር "መስርሕ ሰላም ብያፍራ ብምምራሕ ዘካዕበቶ ተመኵሮ" ከም ዘካፈሎም ገሊጹ ነይሩ። "ኢትዮጵያ ብዘተ ንእተረጋግጾ ሓድነትን ዘላቒ ጐደና ሰላምን ዓቢ ትምህርቲ ዝህብ እዩ፡" ድማ ኢሉ።

ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝቘመ ግዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምፍራስ፡ መራሕቲ ህወሓት ስልጣን እታ ክልል ድሕሪ ምቍጽጻሮም፡ ኣብዞም ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲን ህወሓትን ዘሎ ወጥሪ እናገደደ መጺኡ እዩ።

ነዚ ስዒቡ ሸረሪና ኣብ ዝተባህለ ቦታ ወተሃደራዊ ግጭት ምልዓሉ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ መጥቃዕቲታት ድሮን ቀጺሉ ተራእዩ'ሎ።

በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዳግማይ ኲናት ክውላዕ እዩ ዝብል ስግኣት ኣብቲ ህዝቢ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ይርከብ።