እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ጓል ሽዱሽተ ዓመት ከለኹ ወርሓዊ ጽግያት ጀሚረ'
ጋቢ ጓል ሽዱሽተ ዓመት ጥራይ ከላ፡ ጽግያት ክትርእን ኣካላዊ ጸጕሪ ከተውጽእን ጀሚራ። ኣደኣ በቲ ኣብዛ በዅሪ ጓላ ዝርአ ዝነበረ ዘደንጹ ለውጥታት ሰንቢዳ ናብ ሕክምና ወሰደታ።
ካብ ዓዲ እንግሊዝ ዝዀነት ጋቢ ነቲ ተመኵሮኣ ንቢቢሲ ክትገልጽ ከላ፡ "እቶም ኣብ ክፍሊ ሕክምና ህጻናትን ቈልዑን ዝነበሩ ሰባት፡ ብዛዕባ እቲ ኣነ ዘሕልፎ ዝነበርኩ ኵነታት ቅድሚ ሕጂ ሰሚዖም ስለ ዘይፈልጡ፡ ምርምር ክገብሩ ነይርዎም፡" ትብል።
ብተወሳኺ፡ "ነቲ ጸገም ብኸመይ ከም ዝሕክምዎ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ መላእ ሃገር ናብ ዝርከቡ ካልኦት ሆስፒታላት ክውከሱ ነይርዎም፡" ክትብል ትገልጽ።
ሕጂ ጓል 26 ዓመት ኰይና ዘላ ጋቢ፡ ሽዑ "ማእከላይ ቅድመ-ዕድመ ብጽሕና" (central precocious puberty - CPP) ከም ዘለዋ ተረጋገጸ።
እዚ ኵነታት'ዚ፡ ሓደ ቈልዓ ቅድሚ ግዜኡ — ማለት ኣዋልድ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት፡ ኣወዳት ድማ ቅድሚ ትሽዓተ ዓመት — ምልክታት ብጽሕና ክርእዩ ከለዉ ዘጋጥም እዩ።
ብዝሒ ናይቶም በዚ ጸገም ዝጥቅዑ ሰባት ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላለ እዩ።
ኣዋልድ በዚ ኵነታት ናይ ምጥቃዕ ዕድለን ዝለዓለ ኰይኑ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ደረጃ ኣብ ዓመት ካብ 10,000 ኣዋልድ እተን ካብ 0.2 ክሳብ 26 ዝዀና የጋጥመን። ኣብ ኣወዳት ግን እቲ መጠን ኣዝዩ ትሑት ኰይኑ፡ ካብ 10,000 እቶም ካብ 0.02 ክሳብ 0.9 ጥራይ እዮም ዝጥቅዑ።
እቶም ቅድመ-ዕድመ ብጽሕና ዘጋጥሞም ቈልዑ፡ ነቲ ናይቲ እዋን ጸገማት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ድሒሩ ኣብ ህይወቶም ንዝተፈላለዩ ዓይነታት መንሽሮን ሕማማት ልብን ንምቅላዕ ዝለዓለ ሓደጋ የጋጥሞም እዩ።
'ከም ጓና ኰይኑ ይስምዓኒ ነይሩ'
ጋቢ ብጽሕና ክትጅምር ከላ ኣዝያ ንእሽቶ ብምንባራ፡ ብዙሕ ተውላሕ ዝብላ ዝኽሪ የብላን። እቶም ትዝክሮም ውሑዳት ኣጋጣሚታት ግን ኣዝዮም ዘቐንዝውን ዘሳቕዩን እዮም ነይሮም፣ "ብብርቱዕ ቃንዛ እናተለለኹ ኣብ ምድሪ-ቤት ወዲቐ ከለኹ ትዝ ይብለኒ፡" ትብል።
ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት መርመራታትን ዝተፈላለዩ ክኢላታት ምውካስን፡ ኣብ ሓንጐላ ዝተገብረ ናይ ኤም-ኣር-ኣይ መርመራ ነቲ ኵነታት ክድርኾ ዝኽእል ዝዀነ ኣካላዊ ጉድኣት (ሕዱር ሕማም) ከም ዘይብላ ኣርኣየ።
ድሕሪኡ፡ ጋቢ ማእከላይ ቅድመ-ዕድመ ብጽሕና ከም ዘለዋ ተረጋጊጹ፣ ሆርሞን ዝዓግቱ መድሃኒታት — gonadotropin-releasing hormone agonists (GnRH) — ክትወስድ ጀሚራ።
"ኵሉ ግዜ መርመራ ስለ ዝግበረለይን ሆርሞናት ንምዕጋት ኣብ ሰለስተ ሰሙን ሓንሳብ መርፍእ ስለ ዝውጋእን፡ ኩሉ ግዜ ይድንፅወኒ ነይሩ፡" ትብል።
እቲ ብስሩዕ ዝወሃብ መርፍእ GnRH ነቲ መስርሕ ብጽሕና ንግዝይኡ ደው የብሎ፤ እዚ ድማ እታ ቈልዓ ምስ ዕድሚኣ ብዝመጣጠን ንቡር መጠን ዕብየት ክትዓቢ ዕድል ይህባ።
እቲ መድሃኒት መብዛሕትኡ ግዜ እታ ቈልዓ 11 ወይ 12 ዓመት ምስ ኰነት ደው ይብል፤ ድሕሪኡ ብጽሕና ከም ብሓድሽ ብብዙሕ መንገዲ ይጅምር።
እቲ መድሃኒት ነቲ ናይ ጋቢ ዕብየት ደው ኣብ ምባል ውጽኢታዊ እኳ እንተ ነበረ፡ ንሳ ግን ቅድሚኡ ንሓደ ዓመት ምሉእ ነቲ ምስ ብጽሕና ዝመጽእ ኣካላዊ ለውጥታት ተመኲራቶ ነይራ እያ።
"ኣብ መስትያት ክጥምት ከለኹ፡ መን ምዃነይ ክርድኣኒ ኣይክእልን ነይሩ፤ ምኽንያቱ፡ ካብቲ ስነ-ኣእምሮኣዊ ዕድመይ ንላዕሊ ኣካላዊ ትርኢተይ ይዓቢ ስለ ዝነበረ። ካብቲ ዕድመይ ንላዕሊ ብስለት ከርኢ ከም ዘለኒ ይስምዓኒ ነይሩ፡" ክትብል ትገልጽ።
ጠንቂ ቅድመ-ዕድመ ብጽሕና እንታይ እዩ?
እዚ ጸገም'ዚ ኣብ ክልተ ይምቀል፤
- ከባቢያዊ ቅድመ-ዕድመ ብጽሕና (Peripheral precocious puberty - PPP): እዚ ድማ ማሕጸን ወይ ፍረ-ነብሲ (ንኣወዳት) ብዘይ ሓገዝ እቲ ኣብ ሓንጐል ዝርከብ ማእከል ምቍጽጻር ሆርሞናት፡ ሆርሞን ክሰዱ ከለዉ የጋጥም። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ማሕጸን ወይ ፍረ-ነፍሲ ምስ ዝርአ ሕዱር ሕበጥ፡ ኣብቶም ኣብ ልዕሊ ኰላሊት ዝርከቡ ሆርሞን ዘመንጭዉ ጽኪታት (adrenal glands) ምስ ዘጋጥም ጸገማት፡ ወይ ድማ ካብ ወጻኢ ንዝወሃቡ ሆርሞናት ብምቅላዕ ዝመጽእ እዩ።
- ማእከላይ ቅድመ-ዕድመ ብጽሕና (Central precocious puberty - CPP): እቲ ኣካል ቀልጢፉ ብጽሕና ዝጅምር ኰይኑ፡ ከምቲ ልሙድ ድማ መስርሕ ይቕጽል። እዚ ብብዝሒ ዘጋጥም ዓይነት ቅድመ-ዕድመ ብጽሕና ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ንጹር ጠንቂ የብሉን።
ኣብ ደንማርክ ካብ 1998 ክሳብ 2017 ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ልዕሊ 8,596 ቈልዑ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዓመት ብገምጋም ካብ 10,000 ኣዋልድ እተን 9.2 ዝዀና፡ ካብ 10,000 ኣወዳት ድማ እቶም 0.9 ዝዀኑ በዚ ጸገም ከም ዝጥቅዑ ኣርእዩ።
እቲ መጽናዕቲ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመት እቲ መጠን ምጥቃዕ ኣብ ኣዋልድ ብሰለስተ ዕጽፊ፡ ኣብ ኣወዳት ድማ ብኽልተ ዕጽፊ ከም ዝወሰኸ ኣረጋጊጹ።
ኣብ ኮርያ'ውን ካብ 2008 ክሳብ 2014 ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ካብ 10,000 ኣዋልድ 26.28 ዝዀና CPP ከም ዘለወን ተገሚቱ፤ እዚ ምስቲ ኣብ ኣወዳት ዝርአ 0.7 ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ።
ተመራመርቲ ስለምንታይ ኣዋልድ ብብዝሒ ከም ዝጥቅዓ ምሉእ ብምሉእ ኣይፈለጥዎን፤ ኣከባቢያውን ስነ-ህይወታዊን ምኽንያታት ክኸውን ከም ዝኽእል ይገልጹ።
እቲ ኣብ 2025 ዝወጽአ ናይ 44 መጽናዕታት ትንተና ከም ዘርኣዮ፡ ካብ 1977 ክሳብ 2013 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣዋልድ ጡብ ዘውጽኣሉ ዕድመ ኣብ 10 ዓመት ብሰለስተ ወርሒ እናቐደመ መጺኡ ኣሎ።
ኣወዳት'ውን ብጽሕና ዝጅምሩሉ ዕድመ እናቐደመ ይመጽእ ከም ዘሎ መጽናዕታት ይሕብሩ።
ኣብ ብራዚል ኣብ ዩኒቨርስቲ ሳኦ ፓውሎ እትሰርሕ ክኢላ ሆርሞናት ዶክተር ኣና ፒንሄሮ ማቻዶ ካንቶን፡ ንሓንቲ ጓል ሓደ ዓመት በዚ ጸገም ዝተጠቕዐት ህጻን'ውን ከም ዝሓከመት ትገልጽ።
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽንኩር ኵነታት፡ እቲ ጠንቂ ኣብ ሓንጐል ዝርአ ሕበጥ ወይ ጽኪ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ዶክተር ካንቶን፡ ከም ኣመጋግባን ኣከባብያዊ ኵነታትን ዝኣመሰሉ ረቛሒታት'ውን ግደ ከም ዘለዎም ትገልጽ።
"ኣብ ቈልዑ ዝርአ ልዕሊ ዓቐን ስብሒ (ምኽራሽ) ዓቢ ቈላሕታ ክወሃቦ ዝግባእ ጉዳይ እዩ፤ ምኽንያቱ፡ ሓደ ቈልዓ ልዕሊ ዓቐን ስብሒ ምስ ዝህልዎ፡ እቲ ብጽሕና ይቀላጠፍ እዩ፡" ትብል።
ስብሒ ኣካል፡ ነቲ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሆርሞን ብጽሕና (ኤስትሮጀን) ከምኡ'ውን ነቲ ንዕብየት ዓጽሚ ዘነቓቕሕ ሆርሞን (ሌፕቲን) ብዝሖም ከም ዝውስኽ ስለ ዝገብሮም፡ እዚ ተደሚሩ ቀልጢፉ ብጽሕና ንኽመጽእ መንገዲ ይጸርግ።
ውርሻዊ ጂን እውን ተራ ኣለዎ። ኣብ 2013 ብፕሮፌሰር ኣና ክላውድያ ላሮኒክን ዩኒቨርስቲ ሃርቫርድን ዝተገብረ ምርምር፡ "MKRN3" ዝተባህለ ጂን ምስ ዝቕየር CPP ከም ዘጋጥም ኣርእዩ እዩ።
ላራን በኣትሪዝን ዝተባሃላ፡ ጓል 10 ዓመትን ጓል 8 ዓመትን፡ ኣሓት ነዚ ዝተቐየረ ጂን ተቓሊዐን እየን።
እዚ ዝተፈልጠ ድማ ላራ ጓል ሓሙሽተ ዓመትን ዓሰርተ ወርሕን ከላ ምልክታት ዕብየት ጡብ ምስ ኣርኣየት እዩ።
ኣደአን ሌያ በርናርዲ፡ "በቲ ኵነታት ኣዝየ ሰንቢደ ነይረ፤ ምኽንያቱ በዚ ኵነታት ክትሓልፍ ዘይግባኣ ገና ንእሽቶ እያ ነይራ፡" ትብል።
ብመርመራ ጂን ከም ዝተረጋገጸ፡ እቲ ዝተቐየረ ጂን ካብ ወገን ኣቦአን ዝመጽአ እዩ። ስለዚ፡ እታ ንእሽቶ በኣትሪዝ እውን CPP ከም ዘጋጥማ ስለ ዝተፈልጠ፡ ጓል ሸውዓተ ዓመት ምስ ኰነትን ምልክታት ምስ ኣርኣየትን ሕክምናኣ ብኡንብኡ ተጀሚሩ።
"ቍልዕነተን ዝተመንጠላ ኰይኑ ስለ ዝተሰምዓኒ ኣዝየ እየ ተጨኒቐ ነይረ፡" ትብል ሌያ።
ሓደጋታት መንሽሮን ሕማም ልብን
ዶክተር ካንቶን፡ እዚ ጸገም'ዚ እንተ ዘይተሓኪሙ ከቢድ ናይ ጥዕና ሓደጋ ከም ዘለዎ ትገልጽ።
"ሓንቲ ጓል ጓል 6 ወይ 7 ዓመት ጡብ ከተውጽእ ከላ እሞ ሕሰብዎ፤ ካብ መዛኖኣን መሓዙታን ፍልይ ትብል፣ እዚ ድማ ኣዝዩ ከቢድ እዩ፡" ትብል።
ብወገን ስነ-ህይወት፡ እቶም ቈልዑ ሓጸርቲ ኰይኖም ናይ ምትራፍ ዕድሎም ዓቢ እዩ።
"ሆርሞናት ብጽሕና ንዕብየት ዓጽሚ ሓላፍነት ኣለዎም፤ ስለዚ ብጽሕና ቀልጢፉ እንተ መጺኡ፡ እቲ ዓጽሚ ቀልጢፉ ይበቅዕ'ሞ ዕብየቱ ቀልጢፉ ይቋረጽ፡" ትብል ካንቶን።
ዓበይቲ መጽናዕታት ከም ዘርኣይዎ፡ ቀልጢፉ ዝመጽእ ብጽሕና ምስ ሕማም ልብን ምስ ሆርሞን ዝተኣሳሰሩ መንሽሮታትን (መንሽሮ ጡብን መንሽሮ ውሽጣዊ መሸፈኒ ማሕጸንን - endometrial cancer) ምትእስሳር ኣለዎ።
ይዅን'ምበር፡ እዚ ሓደጋታት'ዚ ብኣግኡ ምርመራን ሕክምናን ብምግባር ክቕንስ ይከኣል እዩ።
"እዚ ሕጂ ንጥቀመሉ ዘለና ሕክምና ንሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዓሰርተ-ዓመታት ክንጥቀመሉ ዝጸናሕናን ኣዝዩ ውጽኢታውን እዩ፡" ትብል ዶክተር ካንቶን።
ወለዲ ላራን በኣትሪዝን (ሌያን ብሩኖን)፡ ደቆም ሕጂ ከም ዝዀነ ቈልዓ ስሩዕ ህይወት ክሕልፋ ብምርኣዮም እፎይታ ተሰሚዕዎም ኣሎ።
"ላራ ሕክምና ክትጅምር ከላ፡ 'ስለምንታይ እዩ እዚ ንዓይ ጥራይ ዘጋጥመኒ? ስለምንታይ እየ ፍልይ ዝበልኩ? ስለምንታይ እዩ እዚ መድሃኒት ዝውሰድ?' ኢላ ትሓትት ነይራ፡" ትብል ሌያ።
ጋቢ እውን ብዛዕባ እዚ ኵነታት'ዚ ብጋህዲ ትዛረብ እያ። ንሳ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምጽሓፍ፡ ካልኦት በዚ ጸገም'ዚ ከይሓፍሩ ትሰርሕ ኣላ።
"ብዛዕባ እዚ ጉዳይ'ዚ እኹል ሓበሬታ ብዘይምህላዉ ተበሳጭየ ነይረ። ሓያሎ ሰባት መልእኽቲ ክሰዱለይ ከለዉ፡ ነዚ ተመኵሮይ ንዓለም ብምንጋረይ ቅኑዕ ስጕምቲ ከም ዝወሰድኩ ተረዲኡኒ፡" ክትብል ትዛዝም።