እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ መራኸቢ ብዙሓን ዝገብሮ ዘሎ ናይ ምዕፋን ዘመተ ደው ከብል ኣምነስቲ ሓቲቱ
ዓለምለኻዊ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ሰብ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ክካየድ መዓልታት ተሪፉዎ ዘሎ ምርጫ ኣብ ልዕሊ መራኸቢ ብዙሓን ዘካይድዎ ዘለዉ "ምዕፋን" ደው ከብሉ ሓቲቱ።
ኣምነስቲ "ዓለምላኻውያን ትካላት ሰብኣዊ መሰላት" ነዚ "ስልታዊ" ስጉምቲ ደው ንምባል ድምጸን ከስምዓ'ውን ጻውዒት ኣቕሪቡ'ሎ።
ኣብቲ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ትማሊ 29 ግንቦት 2026 ዘውጸኦ መግለጺ፡ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ቅድሚ እቲ ሰኑይ ዝካየድ መበል ሻውዓይ ሃገራዊ መረጻ ክልዓል ዝኽእል 'ትሒም ትሒም ንምዕፋን ኣብ ልዕሊ ብነጻነት ሓሳብካ ምግላጽ ዝወስድዎ ዘለዎ ስጉምቲ የሐይሉ ኣለዉ፡" ብምባል ከሲሱ።
ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል፡ መንግስቲ ካብ ዝገብሮ ዘሎ ስጉምትታት ንትካላት መራኸቢ ብዙሓንን ጋዜጠኛታታትን ብዛዕባ እቲ መረጻ ጸብጻብ ንኸየመሓላልፉ ናይ ስራሕ ፍቓድ ዘይምሕዳስ ወይ ምሕዳግ'ዩ ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ "ኣብ ልዕሊ ዘይሻራውያን ጋዜጠኛታት ማእሰርቲ፣ ግዱድ ምስዋርን ዘይሕጋዊ ምክትታል ጋዜጠኛታትን፡" ዝርከበቦም "ናይ ጭውያ ወፍሪ" ከምዘካየደ ከሲሱ።
እቲ መግለጺ፡ ኣምነስቲ ዘዘራረቦም ሽዱሽተ ወከልቲ መራኸቢ ብዙሓን ብምጥቃስ፡ "ብዛዕባ ዝመጽእ መረጻ ምጽብጻቦም ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ መራኸቢ ብዙሓን ዝካየድ ዘሎ ምጭፍላቕ ኣዝዩ ከምዝተዓንቀፈ፡" ገሊጾም።
ብተወሳኺ፡ እቲ ትካል ኣብ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ዝተራእየ "ግሉጽነት ዘይምህላው" ኣብ ጸብጻባት መረጻ ጽልዋ ከምዘሕደረ ገሊጹ።
እቲ ቦርድ ጋዜጠኛታት ንኽጽብጽቡ ፍቓድ ክህብ ከሎ ክፍርምዎ ዝጠልቦ "ማሕላ" ብምጥቃስ፡ "ብዛዕባ እቲ መረጻ ዝግበር ህዝባዊ ክትዕ ንምቍጽጻር [ዝጥቀመሉ] ንጹር መሳርሒ'ዩ፡" ኢሉ።
ዞባዊ ዳይረክተር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ቲጌረ ቻጉታህ፡ "ነቲ ቦርድ ዘይምቹእ ሓበሬታ ሳንሱር ናይ ምግባር ወይ ድማ እንታይ ሓቅን ሓሶትን ናይ ምውሳን ስልጣን ተዋሂብዎ ኣሎ፡" ብምባል ከሲሱ።
"ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ነዚ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ምልካዊ ዝንባለታት ንድሕሪት ብምምላስ ኣብ ልዕሊ ሚድያታት ዘካይድዎ ዘለዉ ወፍሪ ዓፈና ከብቅዕ ኣለዎ፡" ኢሉ።
ዞባዊ ዳይረክተር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ፡ ቲጌረ ቻጉታህ፡ "ዜጋታት ንምምራጽ ኣብ ዝዳለውሉ ዘለዉ እዋን፡ መሻርኽቲ ልምዓት ኢትዮጵያ፡ ከምኡ'ውን ዝምልከቶም ዞባውን ኣህጉራውን ኣካላት ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣንጻር እቲ ኣብ ልዕሊ ነጻ መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ዝግበር ዘሎ ጸቕጥን ዓፈናን ድምጾም ከስምዑ ኣለዎም፡" ክብል ተማሕጺኑ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መወዳእታ ሚያዝያ ብዛዕባ ሚድያን ፖለቲካን ኣብ ዘካየዶ ዘተ ንመራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ ብትሪ ነቂፉ ነይሩ።
ኣብይ ኣሕመድ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ናጽነት ሚድያ ንምሕላው ዝወሰዶ ስጉምትታት ብምዝካር፡ ሚድያታት ናጽነት ምስ ረኸባ "ዝዀነ ስነ ምግባር ዘይብሎም ሰባት ነይሮም፤ ነቲ ነቲ ነጻነት ብግቡእ ከማሓድርዎ ኣይከኣሉን፡" ክብል ተሰሚዑ።
ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ናጽነት ፕረስ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መበል 110 ደረጃ ክትስራዕ ክኢላ ነይራ'ያ።
እንተዀነ፡ እቲ ሃገራት ንዘለወን ብናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ተመርኰሱ ደረጃታት ዝሰርዕ ጉጅለ ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ሎሚ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ደረጃ ንኢትዮጵያ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መበል 148'ዩ ክሰርዓ ክኢሉ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ምግለጺ'ውን፡ ብዓልመዚ መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ በዚ ሓዲሽ ዘውጽኦ መዐየሪ ናይ ሓያለ መደበራት ዜናን ጋዜጠኛታትን ናይ ስራሕ ፍቓድ ኣሕዲግዎም ኣሎ።
ጋዜጠኛታት ሮይተርስ ኣብ ኢትዮጵያ ከይሰርሑ ከም ዝተኸልከሉ'ውን ከም ኣብነት ጠቒሱ።