ሃለዋቱ ዘይተፈልጠ ጋዜጠኛ ኣዲስ ስታንዳርድ ዝምልከት ሓድሽ ሓበሬታ

ንባብ: 2 ደቓይቕ

ቅድሚ ሓደ ሰሙን "ሲቪል ብዝተኸድኑ ሰባት" ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝተወስደ ኣካያዲ ስራሕ መጽሔት ኣዲስ ስታንዳርድ [ኦንላይን] ሚልዮን በየነ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ "ምስጢራዊ መዳጐኒ" ተኣሲሩ ከምዘሎ ኣሕታሚ እቲ መጽሔት ሓቢሩ።

ዝሓለፈ ሰሙን ረቡዕ ካብ ዝእሰር ጀሚሩ ሃለዋቱን ዘይተፈልጠ እቲ ጋዜጠኛ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ መንግስቲ ከምዝጸንሐ ኣሕታሚ ኣዲስ ስታንዳርድ፡ 'ጃከን ፓብሊሺን' ኣረጋጊጹ።

እቲ ኣሕታሚ ብረቡዕ ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣባላት ስድራኡ፡ መሳርሕቱን ኣማኸርቲ ሕግን እቲ ጋዜጠኛ ክሳብ ሕጂ ክረኽብዎ ከምዘይከኣሉ ገሊጹ።

እቲ ጋዜጠኛ ዝሓለፈ ሰሙን "ንሕቶ ንደልዮ ኣለና" ብዝበሉ ገጾም ዘረተሸፈኑ ሰባት ከምዝተወሰደን፡ ብናይ ጸጥታ ካሜራ [ሲሲቲቪ] ዝተቐድሐ ምስሊ ድማ፡ "እቶም ውልቀሰባት ነቲ ተግባር ብውጥንን ብዝተወደበ መልክዕን" ዝፈጸምዎ ምዃኑ ከም ዘርኢ ተገሊጹ።

ዋና ኣሰናዳኢ ኣዲስ ስታንዳርድ፡ ዮናስ ከድር፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ ጭውያ ናይቲ ጋዜጠኛ ዝተሓተቱ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ፈደራል ፖሊስን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ከምዘይኮነ ምግላጾም ሓቢሩ።

ኵነታት'ቲ ጋዜጠኛ ንኣባላት ስድራቤቱን መሳርሕቱን ጭንቀት ከም ዝፈጠረ እውን ሓቢሩ።

እቲ ኣሕታሚ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ንዝሓለፈ ሰሙን ነቲ ጋዜጠኛ ንምድላይ ዘይሕለል ጻዕሪ ከነካይድ ቀኒና ኢና" ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ጋዜጠኛ ሚልዮን ብ "ሓይልታት ጸጥታ" ከም ዝተወስደን፡ "ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘይተገልጸ፡ ምስጢራዊ መዳጐኒ ቦታ" ተኣሲሩ ከም ዘሎን እቲ ትካል ኣረጋጊጹ።

እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ "ኣባላት ስድራኡ፡ መሳርሕቱን ኣማኸርቲ ሕጊን ክበጽሕዎን ክረኽብዎን ኣይከኣሉን። ኵነታት ጥዕናኡ ከመይ ከምዝዀነ'ውን ኣይተፈልጠን" ይብል።

ብተወሳኺ፡ ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር፡ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት "ናብ ቤት ፍርዲ ናይ ምቕራብ መሰሉ" ከም ዘይተኸበረሉ ገሊጹ።

"ከምዚ ዝኣመሰለ ብሕጊ ዝተኸልከለ መሰረታዊ መሰላት ዝግህስ ተግባራት ብትሪ ንዅንኖ" ብምባል፡ ሃለዋት እቲ ጋዜጠኛ ብዝምልከት ብቕልጡፍ ክግለጽ ጸዊዑ።

ከምኡ'ውን፡ "ኣባላት ስድራኡን ሕጋዊ ወከልቱን ክርእዩዎን ብዘይ ዝዀነ ቅድመ ኵነት ክፍታሕን" ጠሊቡ።

ዓለማዊ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ፕረስ - ሲፒጀይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ንጋዜጠኛ ሚልዮን በየነ መን ከም ዝኣሰሮ ከፍልጡ፣ ከም ዝተፈትሐ ከረጋግጹን፣ ተሓተትቲ ድማ ናብ ሕጊ ከቕርቡ ኣለዎም" ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ምእሳር ኣካያዲ ስራሕ ኣዲስ ስታንዳርድ ስዒቡ፡ ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት "ካልእ ምዕራፍ" ምዃኑ እቲ ተጣባቒ መሰላት ሓቢሩ።

ኣዲስ ስታንዳርድ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ዝተፈላለዩ ስጕምትታት ክውሰዶ ጸኒሑ ኣሎ።

በዓል መዚ ሚድያ ኢትዮጵያ "ንሃገራዊ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ጸብጻባት ብተደጋጋሚ ይዝርግሕ ኣሎ" ብምባል ኣብ ለካቲት ፍቓድ ምዝገባ ኣዲስ ስታንዳርድ ምስራዙ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሚያዝያ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ብሓይልታት ጸጥታ ተዘሚቱ፡ ሓያሎ ኤሌክትሮኒካዊ መሳርሒታቱ ተታሒዞምን ዝተራቐቝ ሶፍትዌራት ተጻዒንዎም ከምዝተመልሱን፡ እቲ ትካል ሚድያ ገሊጹ ነይሩ።

ዓለምለኸ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ምንቍልቋል ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት፡ ሓደ ካብ ዘሻቕል ጉዳያት ምዃኑ ጠቒሱ።

ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፡ "ጋዜጠኛታትን ካልኦት ሰራሕተኛታት ሚድያን፡ ብሃበ ተረኸበን ብዘይሕግን ይኣስሩ ኣለዉ" ተባሂሎም ይኽሰሱ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ "መንነቶም ብዘይተፈልጠ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ተኣሲሮም፡ ሃለዋቶም ከይተፈልጠ ክሳብ 12 መዓልታት ጠፊኦም ዝቕንዩ" ብዝሒ ጋዜጠኛታት ይውስኽ ምህላው ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ኣሎ።